ensf frankford

ቀዳማይ ክፋል

ብዕለት 29/01/2016 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ንኣስታት 9 ሰዓታ ዝቐጸለ ውድባዊ ሰሚናር ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብዓወት ተሰላሲሉ። እቲ ሰሚናር ብኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ብጻይ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያምን ብብጻይ መሓመድ ስዒድ መፍለስ ኣቦ መንበር ስክረታርያ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤን ዝተመርሐ ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ኣባላት መሪሕነት ውድብን ካብ ጀርመንን ሆላንድን፣ ስዊስን፣ ዳንማርክን ሽወደንን ኖርወይን ከምኡ’ውን ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሳተፉ ወከልት ጨናፍር ውድብን ከም ዝተሳተፍዎ ተፈሊጡ። ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ብጻይ ጃብር ያሲን ወኪል ፈጻሚ ኣካል ኣብ ኤውሮጳ ንኩሎም ተሳተፍቲ ሰሚናር ናይ እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም ቃል ብምስማዕ፣ ውድባዊ ሰሚናርና ሃናጺ ልዝብ ብምክያድ ኩነታት ውድብ ብግቡእ ብምምዛን ንቃልስታትና ንቅድሚት ዝደፍእ ውጽኢት ሒዙ ንክወጽእ ዘለዎ ትጽቢት ድሕሪ ምግላጽ ኣቐዲሙ ተላኢኹ ዝነበረ ዛዕባታት ንኣኼብኛታት ኣዘኻኺሩ። ቀጺሉ ብጻይ ጃብር መድረኽ ናብ ብጻይ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ኣመሓላለፈ። ዶር. ሃብተ፣ ውድብና ዝልለየሎም ናይ ጽንዓትን ተወፋይነትን ባህርያት ድሕሪ ምግላጽ፣ ድኻሞምን ገንዘቦምን ከይ ጸብጸብጸቡ ነዚ ሰሚናር ንምዕዋት ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ምዑታት ኣባላት ግሃድኤ ልዑል መጎሱ ገሊጹ። ካብ ቀጺሉ ብመሪሕነት ውድብ ዝተዳለወ ኩሉ መዳያዊ ኣሰራርሓ ውድብን፣ ድኹሙን ሓያልን ጎድንድታ ኣሰራርሓና ዘቃልሕ ናይ ክትዕ ወረቐት ኣቕሪቡ። ካብ ብምቕጻል፣ ግሉጹነትን ውድባውን ሃገራውን ሓልዮት  ብዝመልኦን ኣገባብ፣ ኣባላት ሰሚናር ኣብ ዝቐረበ ኣጀንዳ ዓሚቕ ልዝብ ኣካይዶም። ኣብ ኣሰራርሓና ዘጋጠሙ ሕጽረታት ከኣ እንታይ ከም ዘንበሩ ብልክዕ ክበርህ ክኢሉ። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ተሰኪምዎ ዘሎ ዓቢ ሃገራዊ ዕማም ብዓወት ንምስልሳሉ፣ ጽኑዕን ንጡፍን ውድብ ኮይኑ ንክቕጽልን፣ ኣብ ልዕሊኡ ሓሓሊፉ ዝካየድ ውዲታት ንክብርዕንን፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባልን ኩሎም ትካላት ውድብን ክግብርዎ ዝግበኦም ተዓጻጻፊ ቃልሲ ካብ ዝሓለፈ ግዜ ንላዕሊ መድረኽ ይጠልበና ምህላዉ ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣስሚረሙሉ። ኣብ መዳይ ቃልስታትና ናብ ውሽጢ ሃገር ንምስግጋርን ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ጸጥታዊ መሓውራቱን ኣድማዒ ስራሓት ንምክያድን ብውድብ ተተሓሒዙ ዘሎ መደባት ንምዕዋት ነፍሲ ወከፍ ኣባል ካብኡ ዝጥለብ ንከማልእ ድሉው ምዃኑ ኣኼብኛታት ኣረጋጊጾም።

ቀጺሉ ሰሚናር ኣባላት ውድብ፣ ሞክራን ፍትሕን ኣብ ኤርትራ ንምስፋን ምስ ኩሎም ንፍትሒ ዝረባራቡ ዘለዉ ሃገራውያን ሓይልታት እጃም ውድብና ንምዕዛዝ እንታይ ክንገብር ይግባእ ዝብል ዛዕባ ዓሚቕ ክትዓት ተኻይዱ። ኣብ መዳይዚ፣ መሪሕነት ውድብ፣ ኩነታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን፣ ኣብ ፍራንክፎርት ዝተኻየደ ዎርክ ሾፕን፣ ከምኡውን ኣብ ናይሮቢ ዝተጋበአ ምምኻራዊ ዋዕላን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ንብዙሓት ካብቶም ኣብ ኣባላትና ይኹን ኣብ ህዝብና መዛረብቲ ኮይኖም ዝጸንሑ ሕቶታት ሰፊሕ ትንተና ቀሪብሎም።

ኣገደሲ ለበዋታትን ምሕጽንታን ብምቕራብ፣ መንፈስ ምርድዳእን ምጽውዋርን ሓልዮትን ዓቢ ፍናንን ብዝመልኦ ኩነታታ፣ ውድባዊ ሰሚናር ከባቢ ወካሕታ ተዛዚሙ። ጨንፈር ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ድሮ ዕዉት ሰሚናር ከም ዘካየደ ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ እተን ጌና ሰሚና ዘየካየዳ ዞባታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከካይዳ ምዃነን ብጻይ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ኣረጋጊጹ።

ተሳተፍቲ ውድባዊ ሰሚናር ነቲ ድሕሪ ቀትሪ (ዕለት 30/01/2016) ክጅምር ተመዲቡ ዘሎ ህዝባዊ ሰሚናር ብዓወት ንክሰላሰል ተታሒዙ ዘሎ መደባት ዳግማይ ብምርኣይን፣ ነቲ ብመሪሕነት ውድብ ንክቀርብ ተመዲቡ ዘሎ መከታዒ ፖለቲካዊ ወረቐትን ብምስማዕና ተሪፈን ዘለዋ ሰዓታት ንከዕሩፉ ናብ በቦቶኦም ተጓዕዙ።

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ.

03/02/2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10114

Posted by on Feb 5 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net