ውድባውን ህዝባውን ሰሚናር ግ.ሃ.ድ.ኤ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብዓቢ ዓወት ተዛዚሙ

መእተዊ

ኩቡራትን ክቡራንን

ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ንክንዝቲን፣ ከቢቡና ዘሎ ጸገማት ብንጹር አቐሚጥና መፍትሒታቱ ከነናዲን፣ ንዝተገብረልኩም ዕድመ አኽቢርኩም ግዜኹም ከይ ቆጠብኩምን ድኻሙኩም ከይ ጸብጸብኩምን፣ ካብ ርሑቅን ቀረባን አብዚ ኣገዳሲ ሰሚናር ብምስታፍኩም፣ ክብ ዝበለ ምስጋናናን አኽብሮትናን ብምቕራብ፣ ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ነቕርበልኩም።

ምስ ወድዓዊ ክውንነት ህዝብናን ሃገርና ኣብዚ መድረኽ ዝዛመድን፣ ምስ ሃገርና ትሓልፎ ዘሎ ተሃዋሲ ኩነታት ዝሳነ ኮይኑ ዝረኸብናዮ፣ሃገርካ  ክዝመት ዓይንኻ` ይዕመት ዝብል ምስላ ወለዲ ክንዝክር ናይ ግድን ይኸውን።  ኤርትራ፣ ብመንገዲ ሕሱም ቃልስን መሪር ጉዕዞን ብሰፍ ዘይብል መስዋእትን ዘረጋገጽናያ፣  ሃገርና ሎሚ ትዝመት አላ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

ሕቶና እምብአር ዓይንና ተዓሚቱ ድዩ ዘሎስ ወይስ  ኩነታት ሃገርና ብግቡእ ንጥምትን ነስተባህላን ኣላና ኢና ?

ከም ውድብ፣ መንእሰይና  ካብ ሕሱም አተሐሕዛን ግጉይ ፖሊሲን ናይዚ ዓመጸኛ ስርዓት ቅድሚ ንስደት ገጹ ቅድሚ ምምራሕ፣ ኣካይዳ ስርዓት ህግደፍ ውጽኢቱ እዚ ክኸውን ምኳኑ ስለ ዝተረዳእናድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉዝብል ጭርሖ አልዒልና። ብግብሪ ንምርግጋጹ ከኣ ጌና አብ ቃልሲ ንረከብ አለና፣ ክሳብ ነረጋግጾ`ውን ንድሕሪት ንምለሰሉ ነገር አይኮነን።  ይኹን እምበር እዚ ጉዳይ ንዓና ጥራሕ ዝምልከት ዘይኮነስ፣ ንኩሉ አብ ሃገር ረብሐ ዘለዎ  ኩሉ ሃገራዊ  ብማዕሬና  ዝብጽሖ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ብሰንኪ ነዚ ጭርሖ ኣቕዲምና ዘልዓልና ኣካላት ብዘርኣናዮ ዘይከሓድ ጽንዓትን መሪር ቃልስን፣ ንዲሞክራስያዊ ፍትሒ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ተጋድሎ፣ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝብል ጭርሖ ናይ ኩሉ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኑ ይርከብ። ስለ ዝኮነ እምብአርድሕነት ህዝቢ ኤርትራን መሬታንንምውሐስ መዓስን በየናይ አገባብን ዝብል ሕቶ ብሐባር ክንምልስ ይግባአና።

ሃገርና ብሰንኪ በጺሐቶ ዘላ ናይ ሐደጋ ጥርዚ፣  ምስ ግዜ ንቀዳደም ስለ ዘሎና፣ መዓስ ዝብል ሕቶ መልሱ ሕጂ እዩ። ምክንያቱ ከኣ፣ ሕጂ እንተዘይ አረጋጊጽናዮ ጽባሕ ምስ አብ ከባቢና ዝዋጣወጥ ዝሎ ቅልጡፍ ምዕባሌታት ክኽሰት ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤናት ዘጣዕስ ክኸውን ምዃኑ ርግጸኛታት ስለ ዝኮና እዩ።

በየናይ አገባብ ንዝብል ሕቶ ድማ ኩሉ ዓይነት አገባብ ናይ ቃልሲ  ናብ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ከብጻሐና ዝኽእል፣ ሐይልታትና ብሓባር ብምጽማድ ሃገርና ካብ ጥፍአት ከነድሕን ሎሚ መድረኽ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ይጠልበና ከም ዘሎ ካብ ነቲ ተርእዮ ምብራህን ምድህሳን ሐሊፉ፣ ንኹሉና ከም ጸሐይ ብርሃን ተኾሊዑ ይርአ ስለ ዘሎ ዓሚቕ ትንተና ከነቕርብ ተደላይነት ዘለዎ ኮይኑ ኣይስመዓናን።

ኩቡራት ሃገራውያን ተሳተፍቲ ሰሚናር፡

ህልዊ ኩነታት  ሃገርናን ህዝቢ ኤርትራን ዝሐልፎ ዘሎ ስቅያትን ከምኡውን  እከይ  ተግባራት  ህግደፍ  ክንገልጽ ግዜኹም  ከነጥፍእ አይንደልን። ምክንያቱ ድማ፣ ኩልና ብርግጽ አጸቢቕና ንፈልጦን ንኩላህና ዘሳቕየና ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ስለ እንኣምን።  ካብ ኩነታት ንምልቓቕ ሎሚ እንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ ክንምልስ እዩ ቀንዲ ዕማምና ክኸውን ዝግባእ።

ብርግጽ እቲ ጉዳይ ቀሊል አይኮነን። ብፍላይ ሎሚ ክንሰግኣሉ ዘይኮነስ ቀልጢፍና አብ ሕሳባት አእቲና ክንቅረበሉ ዝግባእ ሐደጋታት አሎ። ካብ ቀረባ ይኹን ካብ ርሑቕ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንህሩፍ  ጎባጢ ሐይሊ ዝምችእን ዘተሃራርፍን ኩነታት አብ ሃገርና  ተፈጢሩ ከም ዘሎ ኩልና ንከታተሎ ዘሎና ጉዳይ ኢዩ።

አብዚ ኩነታት` እምብአር  ኩሉ ወዲ ሃገርድሕነት ህዝብን ሃገርንብዘዐውት አገባብ ሎሚ ንጽባሕ ዘይበሃለሉ ጽኑዕ ቃልሲ አብ ቅድሜና ተገቲሩ ምህላዉ ርኡይ ስለ ዝኮነ  ብዝግባእ ክንቅረበሉ ግዴታ አሎና። ስለ` ዕጥቕና አዋዲድና መጀመርያ እንመዞ ሴፍ አብ ልዕሊ እቶም ንህዝብን ሃገርን ዘህልቑ ዘለዉ፡ ሐደ ጽሉል ተኹላን ኣዚዮም ውሑዳት ወኻርይእዩን ዘቕነዐ ክኸውን እዩ፡

እዚ ስጉምቲ` ክንመርጽ ከሎና፣ ህዝብና  ብዝተአማመነሉ አገባብ ክኸውን ይግባእ። ንምኳኑ ሎሚ ህግደፍ  ኩሉ ሐይልታቱ ዝተሰባበረ እንተኮነ  ብዘይ ዝኮነ ይኹን ሐያል ጎነጽ እንተተረፈ፣ ጸይቒ ንምፍጻም ግን  ምዕጣቑ ስለ ዘይተርፎ፣ ከም ህዝቢ ኩሉ እንውንኖ ዓቅምታት ጠርኒፍና እንግስግሰሉ ጉዳይ ስለ ዝኮነ፣  እዞም ዝስዕቡ ሃገራውያን ሐይልታት  አብ መስርሕድሕነት ሃገርምስ ኩሉ ደላይ ለውጢ ክኸቱ መጸዋዕታና ነቅርብ።

  1. ፖሎቲካዊ ሐይሊ ንዲሞክራስያዊ ለውጢህዝባዊ ምልዕዓላትን ሐላፍነቱ ምፍላጥን ንኩሉ አድላዪ ሐገዛትና ወፈያታትን ቅሩብ ምኳን፣
  2. ናይ ውሽጢ ሃገር ሐይሊ   ስልጣን ምምንዛዕን  ክሳብውን ኣካላዊ ምልጋስ  ዝሐትት፣ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና ዘመዝገብናዮ ተባዕ ናይ ደባይ ተዋጋኢ ተሞክሮታትና እንደገና አብ ግብሪ ዘይድገመሉ ምክንያት የልቦን።
  3. ዜናዊ ሐይሊ፡ ኩለን ናይ ኤርትራ ናይ ዜና ማዕከናትና፣ ቀንዲ ዕማመን ናብ ቃልሲ` ብምውፋሩ፣ ዝካየዱ ንጥፈታትን ምንቅስቓሳትን ብዝተፈላለየ ዜናዊ መሳሪሒታት፣ አብ ህዝብናን  ሓፈሻዊ ርእይቶ ዓለምን ብሓይሊ ከም ዝቃላሕ ምግባር፣
  4. ንዘባዊ ሐይሊ፦ ምስ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ነካይዱ ርብርብ ገንዘባዊ ትሕዝቱ ምህላዉ ኣዚዩ ወሳኒ ስለ ዝኾነ፣ ናይ ኩሉ ሃገራዊ ደላይ ለውጢ ለጋስ ኣስተዋጽኦ ከም ዘደሊ ክዝንጋዕ የብሉን።
  5. ዲፕሎማስያዊ ሐይሊ፦ ድሕነት ህዝቢ ማእከሉ ኣብ ዝገበር ቃልሲ ዓለምለካዊ ደገፍን ተሐባባርነትን international solidarity  ዓቢ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ፣ አብ ዝሐለፉ ህዝብዊ ቃልሲታት ርኡይ ዝኾነ  ተራ ከም ዝነበሮ ኩላህና እንፈልጢ ሓቂ ኢዩ። ካብ ተረድኦ ብምብጋስ እምበኣር፣ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ  public diplomacy ብመደብ ክንሰርሓሉ ይግባእ። እዚ አብ ምሉእ ዓለም ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ  Eritreans in diaspora በብዘለዎ ሃገራትን ዞናታትን ፖለቲካውን ማሕበራውን ዝምድናታቱ ከመዕብልን ሓቐኛ ኩነታት ህዝብና ክሕብርን እንተበቒዑ፣ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና ናይ ዓለም አህዛብን መንግስታትን ደገፍ ከም ዘይንፍጎ ሕሉፍ ተመክሮና ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ።

 

እዚ ዕማም’ዚ ንምትግባር ዘይከኣል ኣይኮነን። የግዳስ አብ ግብሪ ንምትርጓሙ ዝጓየየሉ አካላትን ብጽንዓቶምን ብተወፋይነቶምን ብተሞክሮታቶምን ዓቕሞምን ዝተፈተኑ ተጻዋርነትን ነብሲ ተኣማንነት ዝውንንኑ ተቓለስቲ ከም ዘድልዩና ንፈላለየሉ ጉዳይ ኣይመስለናን።

ከምኡ`ውን በቲ ካልአይ ወገን ነዚ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝተወጠነ መደባት ንከይዕወት፣ ዕንቅፋታት ዝኮኑ ኣንጻሩ ጉዕዞ ቃልሲ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ህዝብና ዝወገኑ ባእታታትን፣ አብ መስመር ናይ ጸላኢ ተሰሪዖም ከም ዘለዉን መጻኢ ዕድላቶም ነቲ ጸላኢ ዘጋጥሞ ንዓአቶም ከጋጥሞም ምዃኑ ከነፍልጦም ይግባእ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

አብ ኤርትራ ብሐደ ወገን ሕጂ ነጉሱ ዘሎ ጉጅለ ስልጣን ናይ ህዝቢ ገቢቱ ንዝኮነ ይኹን ፖለቲካዊ ሐይልን አተሐሳስባን  ዝጨፍለቐን ንግዝኣተ ሕጊ ናብ ናይ ራዕድን ሽበራን ምልኪ ዝቐየረ፣ ንኩሉ ዓቅምታትን ተሳፋታትን  ህዝቢ ዘማህመነ አረሜናዊ ጉጅለ ህግድፍ ክኸውን እንከሎ፣ በቲ  ካልአይ ወገን ድማ ነዚ ጋኔናዊ ጉጅለ ክኣልን፣ አብ ቦቱኡ ድማ ናይ ህዝቢ ስልጣን አረጋጉጹ ሕግን ዲሞክራስያን ዝሰፍኖ ስርዓት ንምትካል ዝቃለስ ዘሎኦ ናይ ደምበ ተቓውሞ ኢዮ። ነዚ ዕላማዚ ንምዕዋት ድማ እዚ ተቓውሞ ደምበ፣ ሐደ ካብ’ቶም አገደስቲ ዝኾኑ ትካላቱ፣  ብነዊሕ ሰንሰላታዊ መስርሕ ዝሐለፈ ንብዙሕ ዓመታት ዝተጻዕረሉ ሰፊሕ ጽላል፣ ብመንገዲ ሃገራዊ ዋዕላ አቢሉ አብ ቀዳምይ ጉባኤኡ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክተክል በቕዐ። እንተኾነ ግን እዚ ጽላል እዚ  ሙሉእ ጥዕና ስለ ዘይረኸበ፣ ተነቢርሉ ዝነበረ ዓቢ ትጽቢትን ተሰኪምዎ ዘሎ ሐላፍነትን ብግቡእ ክካናውን አይከአለን። እቲ ከም “ሕማም ድሓር” ስራሕ ከይሰርሕ ሒዝዎ ዝጸንሔ  ሕጂ አጸቢቑ ስለ ዝተቐልዔ ምሕካሙ ከይቀለለ አይክተርፍን እዩ።

ብሐጺሩ፣ ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሕቶ ግብራዊ መልሲ፣ ባይቶና ሐኪምና እቲ ክሳብ ሕጂ ባዕሉ ዝጸረጎ መንገድን ዝሐንጸጾም መደባትን ዘጽደቖም ሕግታትን አብ ግብሪ ብምውዓል፣ ናብቲ ዝዓበየ መጋባእያ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስውያዊ ለውጢ ንምብጻሕን ምዕዋቱን ይኸውን። እዚ ጽላል’ዚ  ብፖለቲካውያን ውድባት ጥራሕ ዝቖመ ኣይኮነን፣ ብህዝባውያንን ብሲቪካውያንን ማሕበራት ሃገራውያን ውልቀሰባትን፣ ኮታ ብሰፊሕ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝቖመን አብ ሙሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ብሃገራዊ ጉባኤኡ አቢሉ ዕላውነት ዘልበሶን ሕግታት ዘስነቖን ስፊሕ ናይ ህዝቢ ጽላል ስለ ዝኮነ ቀጻልነቱ ክረጋገጽ ግድነት አለዎ፡

ሰለምንታይ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንክቕጽል ይድለ አሎ

  • አብ ፖለቲካዊ ንቅሓትን ምዕባሌን ሕረተሰብ ኤርትራ ዓቢ ቁምነገር ንከሰላስል፣ ዓቢ እምነት ስለ ዝተነብረሉ፣
  • አዚ ትካል’ዚ ብነጻ ድሌተን ስራሕን ህዝቢ ኤርትራ አብ ወጻኢ ከም ሰፊሕ ጠርናፊ ሐይልታት ተቓውሞ ኮይኑ ዝቖመን፣ ብውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ዕላውነት ስለ ዝረኸበን፣
  • ነዚ ትካል ንምቛም ናይ 14 ዓመታት መስርሕ ቃልሲ አቢሉ፣ ዝተገብሩ ጻዕርታትን ዝተኸፍሉ ኩሉ መዳያዊ ኣስተዋጽኦን ብቐሊሉ ዝግመት ስለ ዘይኮነ፣
  • እዚ ጽላል እዚ ድማ ሐደ ካብቶም ዓበይቲ ንዕዉትን ጥርኑፍን ቃልሲን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ተባሂሎም ዝተዋደዱ ዓቢ መሳርሒ ስለ ዝኮነ እዩ።

መድረኻዊ መደብ ንምዕዋት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

  1. ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከም ትካል ክሳብ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ተኸናዊኑ ሓዲሽ መሪሕነታዊ አካል ብምቛም፣ እቲ ዝጸንሐ መሪሕነት ሐላፍነቱ ዘውርድን፣ ቀጻልነቱ፣ ዕላውን ሕጋውን እዩ።
  2. እቲ ጸረ ምስልሳልን ምዕዋትን ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝኸይድ ዘሎ ምስምሳትን ጭርጭር ዓበደን ተወጊዱ፣ ምስ’ቶም አባላት ባይቶ ዘይኮኑ ውድባት ዘተ ብምክያድ አብ ስምምዕ ምብጻሕን፣ ሐቢርካ አብቲ ን2ይ  ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምእታው ይከውን
  3. ካልኣይ ሃገራዊ ጉባአኢ ዝግበርሉ ቦታን ዘድልዮ ገንዘብን ካብ አባላቱን ካብ አብ ህዝብናን ምሕታት፣
  4. ነዚ ጉባኤ’ዚ ግብራዊ ምግባርን ምዕዋቱን ድማ ብዝለዓለ ደረጃ፣ መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ሐላፍነት ይስከም።

ጉዳይ መንእሰያት ኤርትራ

መንእሰይ ኤርትራ ዝሐልረ ገድሉን ዘጋጥሞ ዘሎ ተደራራቢ ሽግራትን ንዝመጽእ ግዜ ዝስከሞ ሐላፍነትን አብ ግምት ብምእታው፣ ተራ ናይ ኤርትራዊ መንእሰይ ብቐሊሉ ዝርአ ጉዳይ ኣይኮነን። ኣድላዩ ቆላሕታ ተዋሂብዎ ብፍሉይ ተጻኒዑ ግቡእ ቦትኡ ንኽሕዝ ናይ ኩሉ ኤርታዊ ምትሕባባር ዘድልዮ ዓቢ ስራሕ እዩ።

አብ ጉዳይ ሃገር አብ ግዜ ሽግር ይኹን ራህዋ ሐላፍነትን ግደን መንእሰይ አብ ምዕባሌን ሐያልነትን ናይ ሐደ ሃገር ዋስኒ ምኳኑ ብነጥብታት ንርአዮም

  • መንእሰይ እቲ ዝሰፈሔ አካል ናይ ሕብረተሰብ እዩ፣
  • ማእቶት ናይ ሃገር እብኡ እዩ ዝምርኮስ፣
  • እቲ ቀንዲ ንዝመጽእ ወለዶን ስምዒት ሃገራውነትን ባህልን ልምድን ናይ ሐደ ህዝቢ ዘሰጋግር ንሱ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ “ተቐባል ሕድሪ” ንሱ ኢዩ።
  • አብ ግዜ ወራርን ውግእን ተኸላኻሊ ህዝብን ሃገርን ንሱ እዩ፡ መዛግብ ቃልሲ ህዝብና ምስ ዝግንጸል፣ ነጻነት ኤርትራ ብዘይ ተወፋይነትን መስዋእትን መንእሰይ ኤርትራ አብ ግብሪ አይምወዓለን።
  • መንእሰይ ዘይብሉ ሃገር ይአርግ እዩ። ከምኡ’ውን መንእሰይ ዘይብሉ ከተማ ይአርግ እዩ። ምዕራብ በርሊን ከም ኣብነት እንተወሲድና፣ ቅድሚ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ዋላ ካንሾሎታት ደምበታትን ስድራ ቤታት ኣተሃላልውኡ ክሳብ ክንደይ ዓኒዩ ምንባሩ ምጥቃስ ይከኣል። ስለዚ መንእሰይ ዘጥፈኤ ሃገር እንታይ ይመስል ሪኢና እሎና። ካብ ጸጋታት ናይ ምዕባሌታት ክሳብ ክንደየናይ ርሑቅ ከም ዘሎና ክንፈልጥ ይግባእ። እዚ ክንብል ከሎና ግን፣ ነቲ ኩነታት ኣብ ግዜይኡ ክንረድኦ እንተበቒዕና ተስፋ ይልቦን ማለት ግን አይኮነን። እታ ፍታሕ ድማ ኩላህና እንፈልጣ እያ።  ሕማም ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ምቡርቛቅ እዩ። ኣብ’ዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ድማ፣ ንሕና ከም እንርደኦ እዚ አብ ወጻኢ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ንግዝአት ህግደፍ ኣይቅበልን ኢዩ ዝብል ብእግሩ ዘድመጸ እዩ። ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ረዚን መድረኻዊ ዕማም እምበኣር ነዚ መንእሰይ ኣብ ግብራዊ ቃልሲ ንክሳተፍ ባይታ ኣጣጢሕና ቅልጡፍ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ምርግጋጽ ኢዩ።

 

ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡

ግደ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሓርነታዊ ዕጥቃዊ ቃልስና ክሳብ ክንደይ ዓቢን ከም ዝነበረ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕበነሉ ታሪኽ ኢዩ። እንተኾነ ግን ድሕሪ ናጽነት፣ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ  ካብ’ቶም ቀንዲ ግዳያት ናይ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ከም ዝኾነት ኩላህና እንፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ስለ’ዚ እምበኣር፣ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ግደ ፍርቂ ሕብረተሰብ ዝኾነ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ንምዕዛዝ ክንቃለስ ሓላፍነትና ኢዩ። እሳተን ዘይሳተፍኦ ቃልሲ ክዕወት ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ከንቶ ኢዩ።

 

ስትራተጂካዊ አገዳስነት ኤርትራ

እስትራተጂካዊ አገዳስነት ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ አብ’ዘን ገለ ናይ ወሽመጥ ዓረብ ሃገራት ጎሊሑ ይረኤ እነሆ። አብ ጠቕመን ንክውዕለኦ’ውን ብዙሕ ይጽዕራ አለዋ። እዚ አብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ድማ አፉ ከፊቱ ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ንምውእታው ላዕልን ታሕትን ክብል ብቐረባ ንኸታተሎ ዘለና ጉዳይ እዩ። ሃገርና አብ ዘይትፈልጦ ናይ ግርጭታት ዓዘቕቲ ከጥሕላ ብዙሕ ይጓየይ ስለ ዘሎ፣ ልዑላውነትን ውሕስነት ሃገሩ ዘገድሱ ህዝብና፣ ምስ ግዜ ተቓዳዲሙ ሃገሩ ብቕልጡፍ ከድሕን እንተዘይ በቒዑ፡ ንዳሕራይ ኣብ ዘይወጽእ ጣዕሳ ከምዝወድቅ ዘጠራጥር አይኮነን።

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ” እንዳበልና ነዚ ርኡይ ዝኮነ ሐደገኛ ኩነታት ዕሽሽ ኢልካ ዝሕለፍ አይኮነን። እንታይ ደኣ፣ ኩሉ እንውንኖ ዓቕምታት ኣብ ሓደ ጠርኒፍና ነዚ ጉጅለ`ዚ ቀልጢፍና ብምእላይ፣ ነዚ አገዳሲ ዝኾነ እስትራተጂ ሃገርና፣ ህዝብና፣ ሓቀኛ ረብሕኡን ረብሓ ሃገርን ማእከል ዝገበረ  ቅኑዕ ስትራጀጂካዊ ቅዲ ምሕዝነታትን ዉዑላትናን ክገብር ንምርግጋጽ ክበቅዕ፣ ቃልስታትና ብዝተዓጻጸፈ ሐይሊ ክንህር ከም ዘለዎ ምግባር ሐላፍነትና ናይ ኩላህና ኢዩ።

ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝአቱ ዘሎ ናይ ግብረ ሰናይ ሐጋዛት ናብ ኤርትራ አብ ጠቕሚ መን`ዩ ክውዕል?                                                                        

ንስሙ ንጥቕሚ ህዝቢ ኤርትራ እዩ’ኳ እንተ ተባህለ፣ ኩላህና ዘይንስሕቶ፣ ዕድመ ህግደፍ መናውሒ ከም ዝኮውን ብዙሕ መርቶዖታት ከነቕርብ ይከኣል ኢዩ። እሞ ንሕናኸ ነዚ አብ ዓጽረሞት  intensive care አትዩ  ብማሽን ዘስተንፍስ ዘሎ ጎሒላ አብ ኩሉ ከይበጽሔ ነታ ገመድ ንምስሐብ ዓቕሚ ንምንታይ ንስእን?  ሕጂ’ውን ዓቕምታትና ጠርኒፍና፣ እቲ ዝወሃብ ሓገዛት ናብ’ቲ ዝግበኦ ህዝቢ ንምብጻሕ፣ ምስ’ተን ለገስቲ ሃገራትን ማሕበራትን ጽዑቕ ርኽክባት ብምክያድ ሓቐና ኩነታት ኤርትራ ክንሕብር ይግባእ። ልዕሊ ኹሉ ግን፣ እዚ ቀንዲ መንቀሊ ስቅያት ህዝብና ኮይኑ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ፣  ካብ ስሩ ቦንቂስና ፍትሕትን ብልጽግናን ዝሰፈኖ ስርዓት ምስ ነቕውም፣ ስቅያት ህዝብና ከብቅዕ ናይ ግደን ኢዩ።

 

መደምደምታ፡

ኣብ መደምደምታ ክንብሉ እንደሊ፣ እዚ ብወገንና ቀሪቡ ዘሎ ሓሳባት ኣብ’ዚ ሰሚናር’ዚ ብነካይዶ ልዝብን ብእንልዋወጦ ሓሳባትን ክህብትም ምዃኑ ዘሎና እምነት ብምግላጽ፣ ደጊማና ኣብ’ዚ ሰሚናር’ዚ ምስታፍኩም ከነምስግንን፣ ውጽኢታዊ ሰሚናር ክኸውንን ተስፋ ንገብር።

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

11/02/2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10139

Posted by on Feb 12 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net