ክጋደል ኢየ ምባል፡ ንጋደል ምባልን ምግዳልን በበይኑ ኢዩ!!! ቀዳማይ ክፋል

ensf - hidri

ዓወት ኢዩ ሽሙ፡ ንመበል 19 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዳርጋ ከም ኩሉ ሰራዊት ኤርትራ ተገፊፉ ድሕሪ ናብ ከባቢ ዓሰብ ኪሊማ ዝበሃል ቦታ ወሪዱ ምዕላሙ ኣብትሕቲ ምልኪ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ጥሪ 15/ 2016 ኣብ ስለያ ግንባር ማእከላይ እዚ ተመዲቡ ከም መራሒ ጋንታ ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ፡ ዓወት ካብ ሎሚ ጽባሕ ክሓይሽ ኢዩ እንዳበለ ብሃገራዊ ስሚዒት ተደሪኹ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ተጸሚሙ ከገልግል ጸኒሑ ኣብ መጨረሽትኡ ግን ሓሶታትን ታህዲድን ህግደፍ ንሃገር ብምልእታ ናብ ቁልቁል እንዳደፍአ ደመወዝ ወሲኸ ምባሉ፡ ናይ ጥምቀትን መርዓን ኣስቤዛ ከይተረፈ ናብ ምስላዕ ኣትዩ እንከሎ ናብራ ኣመሓይሸ፡ ሰብ ከምትሕዝትኡ ዘይኮነስ ከም ዝመደበሉ ክነብር ኣዚዙ እንከሎ ምዕቡል ወፍሪ ምትእትታው ክብል፡ ክራይ ገዛ እኳ ከይተረፈ ኣነ እየ ዘካርን ክራይ ዝቕበልን እንዳበለ፡ ዕዳጋ ኣረጋጊአ ክብል ንኣሽካዕላሉ ፍጹም ክጻወሮ ከምዘይከኣለን ብዉሁድ ቓልሲ ክግጠም ኣለዎ ኢሉ ረጥሪጥዎ ከምዝመጸ ይገልጽ፡፡ Web site ሰራዊት ሕድሪ (www.hidri.net) ብመገዲ ናይ ሰራዊት ጋዜጠኛኣ ኣቢላ ምስ መንእሰይ ዓወት ዝገበረቶ ሓጺር ቃለመጠይቕ እንሆ ናብ ኣንበብታ ተቕርበልኩም፡፡

ሰራዊት፦ መርሓባ ዓወት እንቋዕ ደሓን መጻእካ፡፡ ከመይ ኣለኻ? ከመይ መጺእካ? ከመይ ኔሩ ጉዑዞ ስግረ-ዶብ?

ዓወት፦ ኩሉ ሰላም ኢዩ ደሓን ኢየ ደሓን መጺአ ኣለኹ፡ ዋላ እኳ ሓሊፎም ብምኽታር ከወድቑኒ ሓሲቦም እንተነበሩ ኣነ ንባዕለይ ምስ ዕጥቀይ ስለዝኾንኩ ተታኲሰ ፈንጢሰ ኢየ ወጺአ፡፡ ከምኡ ኢለ ወጺአ ኣብ እዚ ምስ ከማይ ዝኣመሰሉ ምረት ስርዓት ህግደፍ ካብ ገዝኦም ዘውጽኦም ደቂ ሃገረይ ምጽንባረይ ብጣዕሚ ሕጉስ ኢየ ዘለኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ እንቋዕ ደሓን ጸናሕኩምና፡፡

ሰራዊት፦ መኣስ ወጺእካ ካብ ሃገርና? ዓወት፦ ጥሪ 15/ 2016

ሰራዊት፦ ሕራይ ኣብ ምስጋርካ ዝነበረ ኩነታትካ ይኹን ኩነታት ብቐረባ እትፈልጦ ናይ ሃገርና ጉዳይ ኣዕልለኒ?

ዓወት፦ እንታይ እሞ ክብለካ እየ ብሕሱም ህዝቢ ይግፋዕ ኣስገዳድ ውትህድርና ኣሎ፤ ግፋ ኩሉ ግዜ፡ እቲ ዝርካቡ ዉሑድ ዘሎ ሰራዊት ንባዕሉ እንዳተገፍዐ እዩ ዝነብር ዘሎ፡ ተገፊፉ ይስለፍ ድሕሪኡ ወይ ይኹብልል ወይ ይሃድም ናብ ስግረዶብ፡ ኩሉ ግዜ ሓደሽቲ ይመጹ ግን ከኣ ኣይጸንሑን ቀልጢፎም ኢዮም ዝሃድሙ፡ ገሊኦም ብፍላይ መልክዖም ከይፈለኻዮም እዮም ዝሃድሙ፡ ኩሉ ህዝቢ ብኣስገዳድ ኢዩ ዘሕልፎ ሂወቱ፡ ዓመጽ ንኣገልግሎት ኢሎም ኣገዲዶም ዘዕጠቕወን ኣሕዋትና ኩሉ ግዜ ዓመጽ ምስወረደን ኢዩ፡ እተን ኣይተዓመጻን ወይ ብድሌተን ኢየን ትብለን ምእንቲ ንኽጣየሳ ወይ ዕረፍቲ ክስደዳ ኢለን ምስ ዝሓተተን ሓላፊ ይድቅሳ፡ ኮታ ኩሉ ናይ ሃገርና ግፍዒ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን ተቓሊስካ ዝፍታሕ እምበር፡፡ በዚ ኢና ከኣ ራሕሪሕናዮ ወጺና ዘለና፡፡

ሰራዊት፦ ምስዕጥቀይ ወጺአ እንዳተታኾስኩ ኢልካኒ ኔርካ፡ ምስ ዕጥቁ ሰብ ናብ ቅድሚ ድፋዕ ክሓልፍ በይኑ ደኣ ይፍቀድ ድዩ? ማለት ምስዕጥቅኻ ናብ ቅድሚ ድፋዕ ክትሓልፍ ከመይ ኢልካ ኪኢልካ?

ዓወት፦ ኣይፍቀድን ኢዩ፡ ናብ ቅድሚ ድፋዕ ምሕላፍ ምስ ዕጥቂ ይኹን ብዘይ ዕጥቂ ማራ ኣሸጋሪ ኢዩ፡ ሓደ ሰብ ኣይኮነን ምስ ዕጥቁ ዋላ ብዘይ ዕጥቂ ውን ናብ ቅድሚ ድፋዕ ኣይኮነን ክንቀሳቐስ ሽንቲ ማይ ክሸይን እውን ኣይሓልፍን ኢዩ፡ እንተኾነ ግን ኣነ ኣብ እቲ ቦታ ፉሉጥ ኢየ ብዘይምግናን ውን እሙን እየ፡ እተን ንዓይ ዝረኸባኒ ኣሃዱታት ከኣ ኣብ እቲ ከባቢ ከም ዓላሚ ናይ እተን ኣብ እቲ ከባቢ ዝርከባ ማልሻ ኣሃዱታት ባርዕን ተወርወርን ዝበሃላ ምዃነይ ይፈልጡኒ ኢዮም፡፡ ናበይ ኢኻ ኢሎም’ውን ሓቲቶሙኒ ኢዮም፡ ኣነ ከኣ ኣኼባ ክገብር ኢየ ነዞም ማልሻ ኢለ አመኽንየ ድሕሪ ምሕላፍ ትኽ ኢለ ቁልቁል ሒዘ ተሰዊረዮም፡፡ ደሓር ግን ሓቢሮሙለይ ኢዮም ይመስለኒ ክልተ ሰባት ሰብ ብረት ጎድኒ ጎድነይ ብምሕላፍ ክትኩሱለይ ጀሚሮም፡ ኣነ ከኣ ተኲሰሎም፡፡ እቲ ዝገርም እቲ ሓደ ካብኣቶም ብማዕዶ ዝፈልጦ ምዃነይ ኣለልየዮ፡ መተዓቢተይን ወዲ ዓደይን ኢዩ፡፡ ዝገበረ የብሉን ከኣ እዚ ስርዓት ኣዴኻ ዋላ ክትቀትል ኢዩ ዝእዝዘካ፡፡ ጽባሕ ከም እዚ ንዓይ ዘጓነፈ ክገጥሞ ኢዩ፡፡

ሰራዊት፦ ኣብ እቲ ንስኻ ንነዊሕ ዓመታት ዝተንቀሳቀስካሉ ነዊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ መስመራት ናይ ዶብ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ኣሎ? ካብ መነባብሩኡ ጀሚርካ ክሳብ ናይ ሰለማዊ ሂወት ኣመራርሕኡ ከመይ ይምስል?

ዓወት፦ ሕማቕ፡ ሕማቕ ኣሎ፡፡ ኩሉ ግዜ ምስተሸቁረረ ኢዩ፡ ስግረ ዶብ ክሰግሩ ዝተረኸቡ ዝቕጥቀጡሉን ዝርሸኑሉን መስመር ብምህላዉ ኩሉ ግዜ ክፍዒ ምስተዓዘበ ኢዩ፡ መነባብርኡ እንተ ሪኢኻ ከም ኩሉ ህዝቢ እንድዩ ክሽገር ጸኒሑ ሕጂ ግን ካብ እቲ ካልእ’ውን ዝኸፍኦ ኢዩ ዝመስል፡ ከመይ እንተበልና እዚ ናይ ከባቢ ዶባት ሃገርና ዘሎ ህዝብና ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ብሙሉኡ ዝርካቡ ጥሪት ኣፍረዩ ብምጉሳይ ብማሕረስን ኢዩ ዝናበር፡ ሕጂ ምስ እዚ ሰልዲ ዘየለን ሰብ ገንዘብ ኣብ ባንከታት ምዕጻዉን በቃ ጥሪቱ ዕዳጋ ወሪደን ዝገዝአን የለ፤ ዝጥምተን የለ፡ እንተ ተሸጣ ከኣ ብዉሑድ ገንዘብ፤ ሓንቲ ኪሎ በርብረ ኮይነን ደው፡፡ ብጭቡጥ ክብለካ ኣጣል ካብ300- 500 ክሽየጣ ከከም ግዝፈንን ጽባቐኤንን ገዲፈየን ኪሎ በርበረ ከኣ 450 ኣላ፡ ቡን ማእከላይ ጽባቐኡ 300ናቕፋ፡ ሽኮር ክብ ለጠቕ ይብል ኩሉ ግዜ ማእከላይ ዕዳግኡ 50 ናቕፋ ኢዩ፡ ባኒ ንሓንቲ 8 ናቐፋ ኢዩ ዋግኣ፤ ክርቢት እኳ ክርቢት 5 ናቕፋ ኢያ ትሽየጥ፡ እስከ እዚ ሓረስታይ ሃገርና ዝወርዶ ዘሎ ጸበባ ንርኣዮ፡ ምስኡ ከኣ እቶት ቀውዒ ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ሃገርና ዋላ ዓውዲ ዘይወደቖ ኢዩ፡፡ ሽግር ኣሎ፡ ጥሜት ኣሎ፡ ረዲኤት ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ብዉሑድ ስፍሪታት ክጅምር ኢሉ ገዲፈዮ ጠቕላላ የለን ካብ ምባል ማለት ኢዩ፡፡  ህዝቢ ኤርትራ ካብ ደቁ ድዩ ዋላ ዝምድና ብምቑጻር ካብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተሰዲዶም ዝነብሩ ቤተሰቡ ኢዩ ክሕገዝ ጸኒሑ እምበር ብዓንተቡኡ’ውን ካብ ናተይ ዝብሎ መንግስቲ ዝግበረሉ ምትብባዕ ይኹን ሓገዝ ኣይጸንሖን  ሕጂ ግን እዚ ብህዝቡ ዘይግደስ ስርዓት ከምቀደሙ እኳ ብወጻኢ ዘለዉ ከይሕገዝ ጥቡቕ ምቁጽጻር ብምግባር ዘቐመጦ ገንዘብ ካብ ባንኪ ኣውጺኡ’ውን ክጥቀመሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ኣሎ፡፡ ብቐሊሉ እዚ ይመስል ናብራ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዚ ገዲፈዮ ዝወጻኩሉ ቅንያት፡፡

ሰራዊት፦ ሽጋራ ትስሕብ ኢኻ ዓወት፡ ባኮ ሽጋራ ክንደይ ኢያ ትሽየጥ ዘላ ኣብ ኤርትራ? ዓወት፦ (ሰሓቕ…) 40 ናቕፋ ትሽየጥ ኣላ፡፡

ሰራዊት፦ እሞ ገንዘብ ካብ ኢድ ሰባት ስለዝመንዘዖን ጥሪት ናይ መሳኪን ሓረስቶት ሃገርና ዝገዝኣን ምስኣኑን ኢዩ ዕዳጋ ተረጋጊኡ ኣስቤዛ ሓሲሩ ዝበሃል ዘሎ ማለት ድዩ?

ዓወት፦ በቃ ንሳ እያ መሊሱ ስለዝተሸገረ ሓረስታይ ሃገርና ጥራሕ ኢዩ እቲ ዕዳጋ ሓሲሩ ዘብሎ ዘሎ፡፡ ነገር ሓቂ ግን እዚ ሓረስታይ ሃገርና ኣይ ጥሪቱ ዕዳጋ ረኺበን፡ ኣይ ኣስቤዛ ሓሲሩሉ፡ ኣይ እኽሊ ሓሲሩሉ ብፍላይ ምስ እዚ ድኹም ቀውዒ ዝነበረ መሊሱ ኢዩ ተሸጊሩ ዘሎ፡ እኽሊ ሕጂ ኩቡር ኢዩ ዘሎ ንኣብነት ስገም ንመስፈር ካብ 100-120 ናቕፋ እዩ ዝሽየጥ ዘሎ፡፡ ጣፍ ካብ 180-200 ናቕፋ ዑፉን ጸዕዳ ይኹን ቀይሕ ካብ 150-180 ናቕፋ ውርደት’ዩ፡ በዚ ከኣ ኣብ ኢድ ዝተሓዝ ሰልዲ የለን ኣዝዩ ተሸጊሩ ኣሎ ህዝብና።

ሰራዊት፦ ገንዘብ ማዕረ ክንድኡ ምቁጽጻር ዘግብሮ ዘሎ ንስርዓት ህግደፍ እንታይ ኢዩ ይበሃል ቁሩብ?

ዓወት፦ ስግረዶብ ምስ ዝኸዱ ሰባት ቡዙሕ ገንዘብ ናብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ናብ በዓል ጁቡትን ከይዱ ኢዩ እቲ ናይ ካልኦት ሃገራት ዝኸደ እኳ ብሸቃጦ ገለ ጌሩ ስለ ዝኣቱ ደሓን ኢዩ፡ እቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ግን ኮነ ኢላ ኢትዮጵያ ሒዛቶ ስለ ዘላ መተካእትኡ ክሳብ ዝሕተም ኢዩ ዝውረ፡፡

ሰራዊት፦ አትዮጵያ ደኣ ናቕፋ እንታይ ኢሎሞ ክሕዝዎ እንተተባህለ’ኸ?

ዓወት፦ ኣነ ከም ዝመስለንስ ስቕ ኢልካ ሃለውለው ኢዩ ኮይኑ ዝስመዓኒ፡፡

ሰራዊት፦ ህዝቢ ክህረም ወይ ክግፋዕ ሪኤዮ ወይ ኣርእዮሙኒ ትብሎ ሰብ ብጩቡጥ ኣሎዶ ኣበይከ ኢዩ ዝረኣኻዮ?

ዓወት፦  እወ ሪእየ ብተደጋጋሚ ካብ ሰራዊት ይኹን ካብ ገባር፡ ሕጽር ብዝበለ ኣብ እዚ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣቢሉ (ቅንያት ቀውዒ ኢዩ ኔሩ) ንበርሀ ሃንስ ዝበሃል ሓደ ካብ ኣባላት ስለያ ምክልኻል ( ሽሙን ሳጉኡን ነጊሩና ኣሎ እንተኾነ ክንገልጾ ዘይከኣልና ዕንቅፋት ናብ ቃልሲ ንከይመጽእ ወይ ውን ሓንሳብ ካብ ተጋገኹስ ኢሉ ኣብ ጌጋ ከይ ጽመድ ብምሕሳብ ኣብ እዚ ክንገልጾ ኣይመረጽናን) ኣብ ማእከል ዓዱ በትሪ ጌሩ ዛሕ ኣቢልዎ ካብኡ ናብ ኣብ ሰንዓፈ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብምውሳድ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝኣክል ዳሩ ኣርእዮሞ፡ ኣብ መጨረሽትኡ ከኣ ኣብ ሰንዓፈ እንተዘይኮይኑ ኣብ መበቖል ዓዱ ከይነብር ከልኪሎሞ ንሱ ከኣ ጠቕሊሉ ዓዱ ገዲፉ ከይፈተወ ኣብ ሰንዓፈ ሰፊሩ ዘሎ ኢዩ፡፡ ካልእ ከኣ፡ ካብ ኣባላት ስለያ ግንባር መራሒ ጋንታ ዝነበረ ብርሃነ ሃይለ ዝተባህለ ሓዳሩ ኣብ ዓሰብ ዝኾነ ብጻይና ክሓጽብ ዊዒሉ እንከሎ ምስ ወጋሕታ ትራኸብ ኢኻ ኢሎም ………..ወይ ጉድ…… አብ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይተሰምዔ እንበር ዘይተገብረ የለን ክበሃልስ ለካ ሓቂ እዩ………..እሞ ሓው ዓወት ነዛ ሒዝናያ ዘለና ጉዳይ ብርሃነ ሃይለ ራዲዮ ወጋሕታ ሰሚዕካ ዶ ተራኺብካ ዶ ኢሎም ኣብ ልዕሌኡ ዝፈፈጸምዎ ግፍዕታትን ካልእን ሕጂ ቁሩብ ዕረፍቲ ውን ሰለ ዘድልየካ አብ ካልኣይ ክፋል የራኽበና……

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

ለካቲት 16 /2016 ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10156

Posted by on Feb 19 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net