ክጋደል ኢየ ምባል፡ ንጋደል ምባልን ምግዳልን በበይኑ ኢዩ!!! ካልኣይን መጨረሻን

ensf - hidri

ሓው ዓወት አብ መጨረሻ ናይ ቀዳማይ ክፋል ዕላልና ብጀካ እቲ ንበርሀ ሃንስ ኣብ ማእከል ዓዱ በትሪ ጌሩ ዛሕ ከብሎ ምርኣይካ ብዛዕባ ……ካብ ኣባላት ስለያ ግንባር መራሒ ጋንታ ዝነበረ ብርሃነ ሃይለ ዝተባህለ ሓዳሩ ኣብ ዓሰብ ዝኾነ ብጻይና ክሓጽብ ዊዒሉ እንከሎ ምስ ወጋሕታ ትራኸብ ኢኻ ኢሎም  ኣብ ልዕሌኡ ዝፈፈጸምዎ ግፍዕታት……. ከተዘንትወልና ኢና ደው አቢልናዮ ኔርና እሞ ቁሩብ ምልስ ኢልካ ዶ ምቕጸልካልና?

ዓወት፦  እወ  ብርሃነ ሃይለ  ካብ ኣባላት ስለያ ግንባር መራሒ ጋንታ ዝነበረ ሓዳሩ ኣብ ዓሰብ ዝኾነ ብጻይና ክሓጽብ ውዒሉ እንከሎ ምስ ወጋሕታ ትራኸብ ኢኻ ኢሎም ክልተ ካብ ኣባላት ስለያ ምክልኻልን ሓደ ካብ ኣባላት ኣሃዱና ቅድሚ ቁሩብ ግዜ ናብ ኣብ ሰንዓፈ ዝርከብ ቤት ጽሕፈትና ዝተቐየረን ከይኖም ዕራርቦ መጺኦም “ኢንግላንድ ዝዓይነቱ ፌሮ” ምስ ምንቅስቓስ እንዳ ሰጠመ ዝኸይድ ክልተ ኣእዳዉ ብምእሳር እንዳኣጋፍዑ ናይ ፖሊስ መኪና ጌሮም ወሲዶሞ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ክሳብ ኣነ ናብ እዚ ዝመጻእኩሉ ግዜ ከኣ ደሃይ ዝበሃል ኣይነበሮን፡፡

ካልእ’ውን ኣነ ተጸሊኡኒ ኣብ እንዳ ሓሞይ ከለኹ ኣሲሮም ክወስዱኒ ኢሎም ሰባት ተላኢኾም መጺኦሙኒ፡ ደሓር ኣነ ኣብ ክንዲ ሓኪም ሒዝኩም ትመጹንስ ሓሚመ ከለኹ ብሓይሊ ክትወስዱኒ ኢልኩም ትመጹ ኢለ ኣንጸርጺረ፡ እቶም ተኣዚዞም ዝመጹ ግን ክርዱኡኒ ኣይከኣሉን ብሓይሊ ክወስዱኒ ተደናዲኖም ደሓር ኣነ ገዲፈዮም ደጎል ዘሊለ ከይደ እዚ ኩሉ ክኸውን ስድራ ብሙሉኡ ይዕዘብ ኔሩ ኣብ መጨረሻ ተኲሶሙለይ ኣብ ዓዲ ሙሉእ ከኣ ኡይ…… ተባህለ፡ መርዓተይ ጥንስቲ ኢያ ኔራ ዝቐተሉኒ መሲሉዋ ኣእወየት ብስንባደ ከኣ ሽዑንሽዑ ጥንሳ ተነጺሉ ኣብ መሬት ሰፋሕ ኢላ ወዲቓ፡ ምስ ከዱለይ መጺአ ከኣ መርዓተይ ናብ ሕክምና ኣብጺሕና ናብ ኣብ ሰንዓፈ ዝርከብ ቤት ጽሕፈትና ከይደ ኣምሪረ ተዛሪበዮ ንሓላፊና ( ሽሙ ጠቒሱ) ካብኡ ድሓን ሒጂ ሰሙን ኣዕሪፍካ ቦታኻ ተመለስ ኢሉኒ ከም እታ ዝኣዘዘኒ ጌረ ከኣ ናብ ቦታይ ተመሊሰ፡፡

ሰራዊት፦ ናብ መርዓትካ ምስከድካ ዲኻ ሓሚምካ ኣጋጣሚ ወይስ ብሑሙምካ ኢኻ ከድካ ናብ እናዳ ሓሙኻ?

ዓወት፦ መጀመርታ ኣነ ዝሓመምኩሉ ንመጽናዕቲ ተኣዚዘ ኣብ ዝተንቀሳቐስኩሉ ቦታ እዩ፡ እቲ ዝተጎዓዝኩሉ ቦታ (ሽም እቲ ቦታታት ይዝርዝር) ናብ እቲ ተቓወምቲ ተንቀሳቒሶሙሉ ቀንዮም ዝተባህለ ቦታ እታ ዝርካባ ጋንታ ሒዘ ተበጊሰ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ እቲ ቦታታት ምፍታሽ ግን ዓሶ ሒዛትኒ ኣይከኣልኩን፡ ደሓር ብረድዮ ኩነታት ጥዕናይ ሓቢረ ኣብ ክንዲ ረዲኤት ዝግበረለይ ተወሰኽቲ ኣባላት ብምስዳድ ንዘይተወሰነ ግዜ ክጸንሕ ተኣዚዘ ሰባት’ውን መጺኦሙኒ ሕማመይ ግን መሊሱ በርቲዑኒ፡ ጠቕላላ ንኣርባዕተ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣቢለ ፈቖዶ በረኻ ቀንየ፡ ድሓር ግን ዝገበሩ ይግበሩኒ ኢለ ነቶም ካብ መጀመርታ ምሳይ ዝወፈሩን ነቶም ብድሓር ዝተወሰኹ ኣባላትን ሒዘ ተመሊሰ፡ ካብኡ መጀመርታ ናብ ቦታና ኣቲና፤ ካብኡ ግን ካብ ቦታና’ውን ርሑቕ ስለ ዘይነበረ እቲ ናይ እንዳ ኣሕማይ ገዛ ናብኡ ከይደ ናይ ገዛ ክንክን እንተረኸብኩ ብምባል በዚኣ ከኣ እያ እታ ሽግር ኣብ ገዛይ ዝመጸት፡፡

ሰራዊት፦ ወይ ጉድ…… በል እስከ እዚ በርሀ ሃንስ ዝበልካዮ ሰብኣይ ኣበይ ዝዓዱ ኢዩ?

ዓወት፦ መኾ እትበሃል ዓዲ ኢያ ዓዱ፡፡ አነ ነዚ ብኸመይ ኢየ ዝፈልጦ መሲሉካ፡ ሓደ ኣብ እቲ ከባቢ ነዊሕ ዓመታት ስለ ዝተንቀሳቐስኩ ምስ ቡዙሓት ገባሮ ናይ እቲ ከባቢ ይፋለጥ ኢየ፡፡ እንደገና ከኣ ኣነ ዋላእኳ ቆሓይናይ ይኹን እምበር መርዓተይ ጓል እቲ ዓዲ እያ፡፡ በዚ ካኣ እየ ነቲ ዓዲ ይኹን ነቲ ከባቢ ጽቡቕ ጌረ ዝፈልጦ፡ ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ማለት ኣብ 2001 ኣቢሎም ዝተኣሰሩ እሞ ክሳብ ሎሚ ዘይተፈትሑ ከም በዓል ኣቦይ ፈዳይን ኣቦይ ባህታን ዝበሃሉ ሽማግለታት ዝጠፍእዋ ዓዲ ምዃና እታ ዓዲ’ውን ይፈልጥ ኢየ፡፡

ሰራዊት፦ ብርሃነ ሃይለ’ኸ እቲ ትራኸብ ኢኻ ምስ ወጋሕታ ማለቶም ምስ ሬድዮ ድምጺወጋሕታ ማለቶም ድዮም? ብኸመይ’ከ ንስኻ ነዚ ምስ ወጋሕታ ትራኸብ ኢኻ ዝብል ክሱ ሰሚዕካዮ?

ዓወት፦  ምስ ሰራዊት ማለት ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ፡ ጥራሕ ውስድ ምስ ኣበልዎ ምስ ወጋሕታ ቀጻሊ ይራኸብ ኢዩ ዝብል ወረ ሽዑንሽዑ ከም ዝንዛሕ ጌሮም ኣነ ከኣ እቲ ዝተናፈሰ ወረ በጺሑኒ ከም ኩሉ ሰብ፡፡

ሰራዊት፦ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ መንእሰያት ሃገርና’ኸ ከመይ ኣለዉ ትብለና?

 

ዓወት፦ እንታይ መንእሰይ’ዶ ኣለዋ እዩ ሃገርና ናብ ንእስነት ከይበጸሐ እንድዩ መገዲ ስደት ዝጅምር፤ ብትኽክል ዝግብኦ ዕድመ ንእስነት ከይረገጸ እንድዩ ናብ ሳዋ ተጓሕጒሑ ዝውሰድ፡ ደሓር በቲ ኣብ ሳዋ ዝወርዶ ጸቕጥን ግፍዕን ናብ ስደት ይውሕዝ፡ ወዱ ጓሉ መንእሰይ ኤርትራ ተሰዲዱ ኢዩ፡ ኣዋልድና እኳ ከይተረፋ በይነን ኢየን መገዲ ስደት ዝቖርጽኦ ዘለዋ፡ ቀደም ጓል በይና ኣይኮነን’ዶ ናብ ስደት ናብ ዕዳጋ እኳ ትኸይድ ኣይነበረትን ሎሚ ግን ዝኸፍአ እንተኸፍአ ካብ ጭቆና ህግደፍ ዝኸፍእ የለን ብምባል ሰለስተኮይነን ወይ ከልተ ኮይነን ዘይኮነስ ነንውልቀን እውን ከይተረፈ ኣጻምእን ጣሻታትን ብምቑራጽ ዶባት ክሰግራ ንዕዘብ ኣለና፡፡ በዚ ከኣ ዓይኒ ዝመልእ መንእሰይ ኣብ ኤርትራ የሎን፡፡

ሰራዊት፦ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብረት ዝዓጠቐ ሓይሊ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ንዝወርድ ትእዛዛት ዝቕበል፡ ሞራሉ ሙሉእ መንግስቲ ኣሎኒ ዝኣምኖ ዝኣምነኒ ኢሉ ዝተዳለወ’ዶ ይመስለካ?

ዓወት፦ ዝሓልየልና መንግስቲ ከም ዘይብልና ኢና ንፈልጥ፡ ሃገር ናይ ዉሑዳት ዝረብሑላ ምቕያራ ኩልና ንፈልጥ ኢና፡ ሞራል ናይ መንግሰቲ ኣሎ ዝብል ስሚዒት ፍጹም የለን፡ ተገዲሱ ዋርድያ ዝወጽእ እኳ ዘየለ፡፡  ብኣንጻሩ ተረፍ ዝተሰደደ ናይ ለውጢ ሓይሊ በየን ይቕልቀል እሞ ምስኡ ብምጽንባር ከመይ ጌሩ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ብምግጣም እቲ ስርዓት ወዲቑ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ብምትካል ደሞክራሲ ዘለዋ ሃገር ትህልዎ ኢዩ ዝሓስብ፡፡

ሰራዊት፦ ንስኻ ከም ክትገልጸለይ ዝጸናሕካ መራሒ ጋንታ ኢኻ ኔርካ እስከ ኣብ ጋንታኻ ክንደይ ኣባላት ኔርኩም?

ዓወት፦ መበገሲ ማለት ቅድም፡ ክሳብ 20 ሰብ ኔርና እዚ ቅድሚ ሸውዓተ ሸሞንተ ዓመት ማለት ኢዩ ኣብእዚ ሎሚ ግን ቡዙሓት ኣባላት ኣለዉዋ ትበሃል ጋንታ ሸሞንተ ወይ ትሽዓተ ኣባላት ዘለዉዋ ኢያ፡ ኣብ ጋንታይ ከኣ ሓንሳብ ሸሞንተ ገለ ንበጽሕ ጸኒሕና ከኣ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ንኸውን ንተርፍ ኔርና ማለት ገሊኡ ይኹብልል ገሊኡ ስግረዶብ ይኸይድ ገሊኡ ከኣ ሓሚመ ኣለኹ ኢሉ ኣይርኢ ኣይሰምዕ ይኸውን፡፡ ብሓጺሩ መጸውዒ ከይተርፍ ኢዩ ሓይሊ፡ ጋንታ፡ መስርዕ ትብል እምበር ኣባል ስለ ዘሎ ኣይኮነን፡ ዝበዝሕ ግዜ መራሒ መስርዕ ዝበሃል ካልኣይ ርእሱ ኢዩ መራሒ ጉጂለ ክኣ ንባዕሉ ጥራሕ ደው ኢሉ ትረኽቦ ሰዓቢ ዘይብሉ፡፡

ሰራዊት፦ ግን ስለምንታይ ሕጂ’ኸ እቲ ሰራዊት ይሃድም ኣሎ? እኹል ደመወዝ ተጌሩ ምህላዉ እንድዩ ዝግለጽ ዘሎ?

ዓወት፦ ደመወዝ ተወሲኹ ዝበሃል ኣሽካዕላል ኢዩ፡ ደመወዝ ተወሲኹ ክብሉ ሰሚዕና ግን ከኣ ብእንዳ ኽንደይ ተጀሚሩ ኣሎ እንተኢልካ መልሲ ኣይትረክብን ኢኻ፡፡ ኣብ ምምሕዳራት መንግስቲ’ዶ ሚኒስትርታት’ዶ ኣብ ተማሃሮ ማይ ነፍሒ ገለ’ውን ይብሉ እዮም፡፡ እንድዒ መቸም ንሕና ኣይወሰድናን ኣብ እዚ ኣጋ ምስዳደይ ውን ካብ ወርሒ 6 ደመወዝ ክጅመር ኢዩ ዝብል ወረ ይስማዕ ኔሩ ኢዩ፡፡ ብዝኾነ እቲ ቀንዲ ጸገምና ንሕና ህዝቢ ኤርትራ እቲ ጨፍላቒ ስርዓት ዘውርደልና ዘሎ ሕሰም ደኣ እምበር ክፍሊት ናይ ደመወዝ ኣይኮነን፡፡ ናጽነት እንተዝህልወና ዲሞክራሲ እንተዝህልወና ወተሃደራት ህግደፍ ኮይና ንጥምቶ ደመወዝ ኣይምነበረናን ሕጂ’ውን፡፡

ሰራዊት፦ ዓወት ንስኻ ክሳብ ካብ ሃገር ዝወጻእካሉ ፈጺምካ፡ ወይ ተወሲኽና ዝብለካ ወይ ክውሰኽ ሪኤ ዝብል

ዓወት፦ ኣነ ኣይረኣኹን፡ ንሕና’ውን ኣይተወሰኽናን፡ ካብ ወርሒ6 ወሰኽ ደመወዝ ኣሎ ዝብል ወረ’ዶ ሰሚዕና’ወ፡፡

ሰራዊት፦ ሕራይ ናይ መወዳእታ ሕቶይ እስከ ሪኢቶኻ ንኽትህበኒ ከቕርበልካ፡ እሞ ከደኣ እንታይ ንግበር? ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ናብ መንእሰይ ኤርትራ ዘቕንዐ ሪኢቶኻ ክትህበኒ ምደለኹ፡፡

ዓወት፦ በቃ ተቓሊስና ብምግጣም ጥራሕ ኢና ከነውድቖ ዘለና፡ ድሓር ከኣ ንቃለስ ምባል ብዘረባ ጥራሕን ምቅላስን ኣዝዩ ይፈላለ ኢዩ፡ ስለ እዚ ካብ ስደት ናብ ስደት ዘይኮና ክንናጠር ዘለና፤ እቶም ሩሑቕ ሃገራት ዘለዉ’ውን ከይተረፈ ናብ ባይታ ቃልሲ ብምውራድ ብግብሪ ክንቃለስ ኣለና ብሃላይ ኢየ፡፡ ቃልሲ ከኣ በብእቲ ትኽእሎ ብምብርካት ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሰውራ ሙሉእ ምድግጋፍ ይገብረሉ ከም ዝነበረ፡ ሎሚ ድማ ነዚ ካብ ደቁ ፈላልዩ ናብ ሕሱም ድኽነት ኣውደቂዎ ዘሎ ጨፍላቒ ስርዓት ምስ ተቓለስቲ ደቁ ጽቡቕ ምቅርራብን ሓገዝን ብምብረካት ባዓቲ ቃልሲ ክኾኖም ኣለዎ፡፡

ሰራዊት፦ አዚና ኢና ነመስግን የቀንየልና  ዓወት ደጊመ ከኣ እንቋዕ ብሰላም መጻእካ እብል፡

ዓወትኣነ ውን ነቲ ፍሕሹው ኣቀባብላኹም አዝየ እየ ዘመስግን  እንቋዕ ከኣ ደሓን ጸናሕኩምና፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

ለካቲት 20/2016 ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10159

Posted by on Feb 26 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net