ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ጨንፈር እስራኤል ካልኣይ ጉባኤ ጨንፈር ኣካይዱ፣

ensf hidri - israel 2016

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ጨንፈር እስራኤል፣ ካልኣይ ናይ ጨንፈር ጉባኤኡ ዛዚሙ፣ እቲ ብዕለት 19/02/2016 “ባህግና ሓርነት: ማዕርፎና ዓወት!” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ዝተኻየደ  ጉባኤ፣ ብመሰረት ሕጊ መሪሕ ውድብ እቲናይ’ቲ ዝጸንሐ መሪሕነት ገደብ ግዜ ስለዘብቀዐ፣ ኩሉ ጸብጻባቱን ሕሉፍ ስርሓቱን  ኣጻፊፉን ገምጊሙን ብምቕራብ፣ ሓላፍነቱ ናብ መሰረታት ብምርካብ ናይ ዝቕጽል ግዜ መራሕቶም ብደሞክራስያዊ አገባብ ክመርጹ ጌሩ፣ ጉባኤ ብዝሰረዖ ኣጀንዳታት መሰረት ኣብ መኽፈቲ ኣቦ -ወንበር ጨንፈር ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ንተሳተፍቲ፣“እንቋዕ ደሓን መጻኹም!”ድሕሪ ምምባል፣ “ዝሓለፍናዮም መድረኻት ኣወንታውን ኣሉታዊን ጎድንታትና ገምጊምና ምስ ህልው ኩነታት  ህዝብን ሃገርን ብዓቢኡ፣ ምስ ህሉው ኩነታትና ድማ ብተወሳኺ፣ ኣመዛዚና፣ ነቲ ኣወንታዊ ጎኒ ክንጽዕተሉን ክንደፍኣሉን ነቲ ኣሉታዊ ጎኒ ድማ ክንእርሞን ናብ ቅኑዕ መኣዝን ክንቅልሶን እንውጥነሉ መድረኽ ብምብቃዕና ሓበን ይስማዓኒ ድሕሪምባል፣ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን፣ ተገዛእነት ሕግን ስምዒትን፣ ህዝባዊ ቃልስ ንዕርክነትን፣ ግሩህነትን ሚዛን ንቕሓትን ተራጺሙ፣ ንቐጻልነትን ሓይልን ቃልስና ዝፈታተን ህሞት ምንባሩ ዘኪሩ፣ ቀጺሉ፣  “ይኹንእ ምበር፣ ካብ’ቲ ዝገደፈልና ስንብራት፣ ዝተሞከርናዮ ይዓቢ ምኽንያቱ፣ ልዕሊ ኩሉ ግዝኣተ ሕጊን ብራኸ ንቕሓትን ክሳብ ክንደይ ኣበርቲዕና ክንሰርሓሉን ክንደፍኣሉን ከምዝግባእ፣ ነቲ ዝነበረና ርድኢት ኣዝዩ ወሲኽሉ እዩ።” ክብል አስሚሩሉ።

ኣቦ-መንበር ግሃድኤ-ሕድሪ ጨንፈር እስራኤል ኣብ ጸብጻቡ፣ ኩነታት ህዝብን ሃገርን፣ ክንዮ እዚ ሕጂ ብቓልና እንብሎ ዘሎና ኣዝዩ ጸንኪሩ ምህላው ክንስሕቶ ከም ዘይግባእ ብምዝኽኻር፣  ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብሕጽረት ቀረብ፣ ብድርቅን ጥሜትን፣ ብዓቢኡ ድማ በቶም ሕድሪ ሰማእታትና ዝጠለሙ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ፣ ነብሲ-ወከፍ ደቒቕ ከቢድ ዋጋ እናኸፈለ ይሓልፍ ምህላዉ፣  ክዝንጋዕ ከም ዘይብሉ ኣስሚሩሉ። ነዚ ንምግታእ ቃልስና ብዝተዓጻጸፈ ናህሪ ክስጉም ግዜ ዝጠልቦ ሓቂ ምኻኑ ብምግላጽ፣ ግሃድኤ-ሕድሪ፣ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ፣ ካብ ነዊሕ ዝጸንሐን ዘይቅየርን መትከሉ ብዘይቅድመ-ኩነት ሓድነት ምዃኑን፣ ግሃድኤ- ሕድሪ ምስኩለን ኣሓት ውድባትን ምንቅስቓሳትን ክሳብ ዝተሓተ ተኽእሎ ብሓንሳብ ምስራሕ ክሳብ’ቲ ዝበረኸ ድማ ሓድነት ንምግባር ይፈታትንን ይጽዕርን ምህላው ብምግላጽ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ምስ ብዙሓት ኣሓት ውድባት ኣብ ጽቡቕ ምርድዳእን ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ጽምዶን ፈሊሙ ምህላዉ ሓቢሩ። ብፍላይ ምስ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ብኹሉ መሰረታቱ ዝድፍኣሉ ዘሎ ጉዳይ ሓድነትን ምስ ሽድሽተ ውድባት ዝኸይድ ዘሎ ልፍንታዊ ስራሕን ከም ኣብነት ብምጥቃስ ውድብና ነቲ ዝኣተዎ መብጽዓ ሓድነት ብግብሪ ይሰርሓሉ ምህላዉ ጠቒሱ።

 

ኣቦ መንበር ጨንፈር ብተውሳኺ ብደረጃ ጨንፈር ኣብ ጉዳያት፣ ዲፕሎማሲ፣ ጸጥታ፣ ውደባ፣ ፋይናንስን ዜናን ባህልን ዝሓዞ ጸብጻባት፣ ኣወንታውን ኣሉታውን ጎንታትን እናዛመደ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ፡፡ ብተወሳኺ እውን ንህሉው ኩነታት ሜዳን ሰራዊት ሕድርን ብዝምልከት ብምስዓብ፣ መድረኽ ንካልኦት ኣባላት ኣመራርሓታት ኣረኪቡ፣ ነናቶም ዝርዝራዊ ጸብጻብ ምስ ኣቕረቡ፣ ከኣ ካብ መሰረታት ብርክት ዝበለ ሕቶታት፣  ርእይቶታትን ምኽርን ለበዋን ፈሲሱ። ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ኣባላት ዘለዎም ጽምኣት ሓድነት ዘንጸባረቑሉ ኣጋጣሚ ኔሩ፣ “ከይሓልም ፈሪሐ ኣይድቅስን”  ብዝዓይነቱ ኣበሃህላ  ብርግጽ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመ ዕንቅፋታት ቀሊል ከምዘይነበረ ብምዝካር፣ ኣብ እንኽተሎ ኣገባባት መምሃሪ እምበር ሕቶ ሓድነት ክዝሕትልን ክፍራሕን ከምዘይግባእን፣ ግሃድኤ-ሕድሪ ክንዮ ማዕጹኡ ንሓድነት ምርሓው፣ምእንቲ ራህዋን ሓርነትን ህዝብን ሃገርን ማዕጾ ናይ ማሓዙት ውድባትን ምንቅስቓሳትን ብዘይምስልካይ፣ ክኹሕኩሕ ከም ዝግባእ፣ ብዝተፈላለየ መልክዕ ብምስላታትን ብሂላትን ዝገልጹ ብዙሓት ኔሮም።

ኣብ መወዳእታ ብዝተፈላለየ ስራሕ ብሉጽነት ንዘርኣያ ናይ ጨንፈር ጉጅለታት ወረቐት ምስክርነት ብምዕዳል፣  ምርጫ  ናይ ዝቕጽል ግዜ መሪሕነት ተኻይዱ። እቲ ጉባኤ ነጸብራቕ እቲ ኣባላት ዝቐሰምዎ ንቕሓትን ኣምር ዴሞክራስን ናይ ምጽውዋርን ግሉጽነትን ዝተጋህደሉ ወቕቲ እዩ ኔሩ፡፡ ኣብ’ቲ ኣገባብ ኣመራርጻ ንኣባላት ኣብ ነብሲ-ወከፍ ንመሪሕነት ዝተረቑሐ ኣባል ዘለዎ ኣሉታውን ኣወንታውን ጎድንታት ብግልጽን ብምክብባርን ብምግላጽን ንመሪሕነት  “ይበቅዕ! ኣይበቅዕን!” ዝብል ምስ ብቑዕ ምኽንያታቱ ዝተዘተየሉን ብጋህዲ ዝተገልሃሉን ንጽፉፍ መሪሕነትን ኣመራርሓን ባብን መንገድን ዘርሓወ ባይታ ኔሩ። ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ኣብ ቅድሚ’ቶም ካብ ካልኦት መሓዙት ምንቅስቓሳት ተዓዲሞም ነቲ ጉባኤን ምርጫን ዝተዓዘቡ ንምስክርነቶም ዝሃቡን ወከልቲ፣  ብዓይኒ ኩሎም ኣባላት ግሃድኤ-ሕድሪን መሪሕነት ዝበቕዑን ብሉጻት ሰባት ተመዚዞም ብድምጺ ብልጫ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸቡ ድማ ሓላፍነት ተረኪቦም፣ ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ምስኩሎም ኣባላት ኣመራርሓን ምስ ኩሎም ኣባላት መሰረታትን ዝነበረ ብሉጽ ፍቕርን ምትሕልላይን  ብምምስጋን፣ ንሓደስቲ ኣባላት ኣመራርሓ ሰናይ ናይ ስራሕ እዋን ብምምናይ ሓጺር ለበዋን ምኽርን ብምሃብ እቲ መደብ ተዓጽዩ።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!

ለካቲት 22 /2016

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ ጨንፈር እስራኤል

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10165

Posted by on Feb 26 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net