ጸብጻብ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ጀርመን 20/02/16።

ensf hidri - ger 2016

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኩሉ እዋን ንላዕሊ ከፊኡዎን ዋሕዚ ስደት ካብ እዋን ናብ እዋን እናነሃረን ይርከብ። ቁጠባዊ ምንቁልቋል ሃገርና፡ ትሕቲ ዜሮ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ዓለም ብዓለሙ ዘተሓሳስብ ዘሎ ፖለቲካውን ቑጠባውን ዲፕሎማስያውን ውድቀት ኤርትራ ኣብ ጎደና ልምዓት ዝምርሹ ምህላዎ ዝገልጹ መራሕቲ ህግደፍ ፖለቲካዊ ስጊንጥርነቶ ካም ምርግጋጽ ንላዕሊ ካልእ ዝጭበጥ ቁምነር የልቦን። እዚ ኣብ ቦትኡ ከሎ ብዘይካ ውግእን ወረ ውግእን ናይ ሰላምን ልምዓትን ሕልምታት ተራእይዎ ዘይፈልጥ ስርዓት እነሆ ኣብቲ ናብ ድሮ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ኣንፈት ዝህብ ዘሎ ነውጺ ማእከላይ ምስራቕ ኣብ ኣፍ ድርኩዂት ሃገራት ዓረብ (ከሊጅ( ኢድ ክነስእን ከዕለብጥን ይጓየ ንሪኦ ኣሎና። ብኣንጻሩ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ኩሉ እዋን ንላዕሊ ኣብ ፍልልያትን ናይ ስልጣን ቅድድምን ተሸሚሙ ሃለዋት መሰረታዊ ለውጢ ናብ ምህሳስ ገጹ ወሪዱ ይርከብ። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እዩ እምበኣር ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝመርሖም ብርክት ዝበሉ ኣባላት ኣመራረሓ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ዝርከቡዎም ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ህዝቢ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፉርት 20 የካቲት 2016 እተኻየደ

ኣቦ መንበር ፈጻሚት ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ብጻይ ዕቕባዝጊ ድቡስ፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፉርት ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣባል ፈጻሚት ኣካል ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ግ/ሃ/ድ/ኤ/ሕድሪን ብጻይ ፍሰሃጽየን ገብረ ከምኡውን ብጾት ኣባላት ኣመራረሓ ባይቶ ኣብረሃም እያሱን ማሕሙድ ዕላጅን ኣብረሃም ተስፋገርግስን ብኣካል ኣብ እተረኽቡሉ ሰፊሕ ኣኼባ፡  ኣህጉራውን ዞናውን ብፍላይ ድማ ኩነታት ሃገርናን ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎን መሪር ሂይወትን ኣብ ግምት ዘእተወ እዋናውን ኣገዳስን ህዝባዊ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ብጻይ የማነ ተስፋሚካኤል ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ጨንፈር ጀርመን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሓጺር መግለጺ ድሕሪ ምስማዕ መድረኽ ናብ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ኣካል ብጻይ ዑቕባዝጊ ተዋህበ። ኣብዚ እተሰላሰለ ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ሓፈሻዊ ኣተሃላልዋ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብስፊሑ ዝገምገመ ኣኼባ ብምንባሩ ረዚን ፖለቲካዊ ቆላሕታ ነበሮ። ብተወሳኺ ህዝባዊ ኣኼባ 85% ውዑይ ናይ ለውጢ ሓይሊ መንእሰይ ዝሸፈኖ ብምንባሩ! ንሃገራዊ ጉዳያትና ዝፈታተኑ ዘለዉ ዓበይቲ ብደሆታትን  እዋናውያንን ፖለቲካዊ ጉዳያት ሃገርናን ብሰፊሑ ዘካተዐ ዕቱብ ኣኼባ እዩ ተሰላሲሉ ነይሩ።

ሓፈሻውን ውድባውን ጉዳያት መብርሂታት ድሕሪ ምሃብ፡ ኣብ ሞንጎ ሽዱሽተ ውድባት ዝሰላሰል  መስርሕ ናብ ሓድነት ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልናታትን ንኣኼበኛታት ሓፈሻዊ መብርሂ ተዋሂብዎም። ብድሕሪኡ ዝቕጽል መድረኽ ንተሳተፍቲ ዕድል ብምሃብ ንሃገራውን ዞናውን ፖለቲካዊ ኩነታት ዝምልከት ሕቶታትን ርኢቶታትን ለበዋታትን ብምስትእንጋድ፡ ንዝቐረቡ ኣገደስቲ ሕቶታት ዕቱብ መብርህታትን መልስታትን ተዋሂቡዎም። ሃነጽቲ ርኢቶታትን ለበዋታትን ድማ ከከም ኩነታቶም ብጸጋ ተቐበሎም።

 

ንጹር ምእንቲ ክንበብ ሕቶታትን ርኢቶታት ተሳተፍቲ ኣኼባ ሓደ ብሓደ ምቕራቦም ንግሉጹነት ሓጋዚ ስለ ዝኾነ ከም ዝስዕብ ጌርካ ምቕራቦም ይምረጹ።

1ይ መንእሰያት ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ፈቖዶ ሃገራት ይብተኑ ኣለዉ። ስለምንታይ ኢኹም ንዚ ኣወሃሂዱ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዘቃልሶ ስኢኑ ፋሕ ዝብል ዘሎ ሓይሊ መንእሰይ ኣወሃሂድኩም ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክተቃለሱዎ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕ ዘይትጽመዱ?

2ይ ሎሚ ንሕና ብዛዕባ ሓፈሻዊ ደምበ ተቓውሞ ኢና ንዛረብ ዘሎና። ንሓደ ቃልሲ ህዝቢ ክዓስሎ እንተኾይኑ! ሓያል ሰልፊ ክቐውም ይግባእ። ዋላ ንቑጠባዊ ምዕብልናታት ኣንተኾነውን ብሰልፊ ዝሓየለ ውድብ ምስ ዝህሉ እዩ። ስለምንታይ ብዛዕባ ሰልፊ ዘይንዘራረብ?

3ይ ዓብዪ ተስፋ ተገይሩሉ ዝነበረ ሃገራዊ ባይቶ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ከም መዓልቱ ዝወደቐ ኣቕሓ ወዲቑ (ኤክስ-ፓየር) ኮይኑ። ብድሕሪ ሕጂ እዘን 6ተ ውድባት በዚ ሒዘነኦ ዘለዋ ክኸዳ ይግባእ። ክሕተት ዘለዎ ግን ነዘን 6ተ ውድባት ኣበየናይ እዩ ፍልልየን፣ ኣበይከ የራኽበን?

4ይ ኣብዚ ተኣኪብና ብዛዕባ ሓፈሻዊ ጉዳያት ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ምዝርራብና ኣዝዩ ዝምስገን እዩ። ከምዚ ንሪኦ ዘሎና ግሉጹነት ዝዓሰሎ ኣኼባ ንሪኢ ስለ ዘሎና ክድፈኣሉን ክምዕብልን ዝኽእል እዩ ዝብል ዕግበት ኣሎና። ኣብዚ ዘይበርሀ እንተሎ ብዛዕባ መስርሕ 6ተ ውድባት ክግለጽ ከሎ ብልፍንቲ ይተኣሳሰራ ከም ዘለዋ ይዝረብ ኣሎ። ልፍንቲ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለትዩ? ኣገባብ ቃልሲ ክቕየር ኣለዎ ዝብል መግለጺውን ንሰምዕ ኣሎና፣ እንታይ ማለት እዩ? ቀጻልነት ሃገራዊ ባይቶኸ! ክተውሕሱልና ትኻሉዶ? ነዚታት መብርሂ እንተዝወሃብ ጽቡቕ መረዳእታ ምወሰድና።

5ይ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ  ሓደ ሸነኽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣኼባ ተኻይዱ ነይሩ። ካብ ኣባላትኩም ኣብቲ ኣኼባ ኣይተረኸቡን፡ እዚስ ጠቕላላ ምርሕሓቕዶ! ኣይኮነን? ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ብዛዕባ ሓድነት ዝበሃል ዘሎ ትሩጉሙ? ኣብቲ ብበዓል ዶር ሃብተ እተጸወዐ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ጉባኤ ክግበር ምዃኑን ኩለን ውድባት ድማ ክጽወዓ ምዃነንን ተገሊጹ ነይሩ፡ ብወገንኩምከ እንታይ ርኢቶ ኣለኩም? ክግበር ዝበሃል ሃገራዊ ጉባኤ ባይቶ ኣፍልጦ ኣለኩም ዶ?

6ይ ብዛዕባ ባይቶ ኣብቲ ዕድመ ስልጣኑ ዘሕለፈ ስለዝኾነ ውዱቕ (ኤክስ-ፓየር) ዝብል ኣጽቢቕና ንሰማመዓሉ። ከምዚ ዘለዎ ጉባኤ ሰሪዑ ከቃልሰና ማለት ሕልሚ እዩ። ህዝቢ ቀጥታ ስልጣኑ ክምንጥሎ ነይሩዎ። ኣነ ክህቦ ደልየ ዘለኹ ኣብ መእተዊ ኣኼባ ከይተገልጸ ዝሓለፈ ዞባዊ ጉዳያት ኣሎ። ኩነታት ማእከላይ ምስራቕ ብጉቡእ ንከታተሎ ኣሎና። በዚ ንከታተሎ ዘሎና ኣብ ድሮ 3ይ ኲናት ዓለም እተገማመምና ንመስል። ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ዝኽሰት ኲናት ሰዓርን ተሰዓርን ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ምዕግርጋር ከምዘይተርፍ ርዱእ እዩ። ኣህጉራዊ፡ ዞናዊ፡ ፖለቲካዊ ኩነታት ምግምጋሙ ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ። ብዛዕባዚ ከም ውድብ ብጉቡእ ብዝተሰነደ መጽናዕትታት ኣለዎዶ? ዝብሉን ካሎኦትን ብርክት ዝበሉ ሕቶታትን ነይሮም። መብዛሕትኦም ሕቶታት ተመሳሰልቲ ብምንባሮም ግን  ኣብዞም ካብ 1ደ ክሳብ 6ተ ተሰሪዖም ዘለዉ ሕቶታት ተኻቲቶም ስለዝርከቡ ኣብ ጽሙቕ ዝበለ ክነንጸባርቖም ክኢልና።

ብመሰረት ዝቐረቡ ሕቶታት ሓደ ብሓደ ኣዕጋቢ መልስታት ምስ ተገብረሎም፡ ኣኼበኛ ብሙሉእ ዕግበት ነናብ ዝመጾ ብሰላም ተመሊሱ።

ክፍሊ ዕዮ ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ዞና ኤውሮጳ ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ካብ ዘጠናኸረቶም ጸብጻባት ብውሑዱ ነዚ ይመስል ነይሩ።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

ለካቲት 27/2016 ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ ዞና ኤውሮጳ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10181

Posted by on Feb 28 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net