መግለጺ 6ተ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰሚናር 5 መጋቢት-2016

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶና፡ ብውሳኔ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶኡ መሰረት፡ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤኡ 15 ነሓሰ 2015 ክካየድ ክምዝነበሮ ኩላትና እንዝክሮ ሓቂ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ንሽርክና ኩሉ ዝሓቁፍ ባይቶና ዝብትን ንድፍታት ኣዳልያ፡ ሕጋዊ ኣገባብን ኣሰራርሓን፡ ዝተበጽሐ ፖሎቲካዊ ስምምዕን ብምጥሓስ፡ ነቲ ባይቶና ንምሕዳስ ዝነበረ ዓቢ ትጽቢት ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቐቶ ዘይሰሓት እዩ። 6ተ ውድባትና ካብ’ቲ እዋን’ቲ ጀሚሮም፡ ነዚ ቅልውላው’ዚ ንምፍታሕ ዕቱብ ተበግሶታትን ጻዕርታትን፡ ካብ ምክያድ ኣይተቖጠቡን። እንተኾነ ግን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንተበግሶታትና ጸማም እዝኒ ሂቡ ጸኒሑ።

ኣቦ-መንበር መሪሕነት ባይቶ፡ ነቲ ዝነበሮ መዝነት ተጠቒሙ ንሕግታትን፣ ኣሰራርሓታትን  ባይቶና ኣኽቢሩ፡ ቅልውላው ባይቶ ዝፍተሓሉ ኣንፈት ክንዲ ዝኽተል፡ ብመንገዲ ኢ-መይል ገይረዮ ብዝብሎ ተዋስኦ፡ ሕግታት ባይቶ ብምጥሓስ፡ ኢደ ወነናዊ ስጉምታት እናወሰደ ብምቕጻሉ፡ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ባይቶና፡ ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓሞቐ ከይዱ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ፈጻሚት ቤት-ጽሕፈት ብሰንክቲ ዘይሕጋዊ ኣካይዳ ኣቦ መንበር ባይቶ ኣብ ደውታ ዝኣተወሉ ኩነታት ተፈጢሩ ይርከብ። ስለዝኾነ’ውን፡ ሃገራዊ ባይቶና ናብ’ዚ ሎሚ ዝርከቦ ዘሕዝን ውድቀት ዝሸመሙዎ ኩሎም ድኽመታት ብግቡእ ተገምጊሞም ናብ ካላኣይ ጉባኤ ከእትወና ዝክእል ጥጡሕ ባይታ ከይተፈጥረ እዚ ዝቕጽል ዘሎ ኣግላልን ዘይሕጋውን ኣካይዳ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለና።

ሃገራዊ ባይቶና ኣብ’ዚ ዓሚቕ ፖሎቲካዊ ቅልውላው’ዚ ተሸሚሙ ምህላዉ ንኹሉ ብሩህ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እናሃለና ኢና እምበኣር፡ ብሓው በሺር ኢሳቕ ን”ኣኼባ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ውድባት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብዝምልከት”፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ፡ ንዕለት 5 መጋቢት 2016 ንሰሚናር ዝዕድም መልእኽቲ፡ ካብ ሹዱሽተ ውድባትና፡ ንሰለስተ መሓዙት ውድባትና ጥራሕ፡ ብዕለት 01 መጋቢት 2016 ምሸት ዝተላኣከ፡ ብዕለት 2 መጋቢት 2016 ኣብ ኢዶም ምብጽሑ ዘረጋገጽና።

እቲ ደብዳቤ ከምዝብሎ “ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቅድሚ ሕጂ ናባኹም ዝለኣኾ ንድፊ ሰነዳት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ብመሰረት ካብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ዝመጸ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብኡ ዘድሊ እርማት ገይራ እያ“ ድሕሪ ምባሉ እቲ ዝቐርብ ኣጀንዳ ናይ’ቲ ሰሚናር ድማ፦

  1. ኣብ ሰለስቲኡ ሰነዳት ምይይጥ ብምግባር ክህብትሙን ክድንፍዑን፡ ርእይቶታትን መማረጺ ሓሳባትን ምቕራብ።
  2. ከመይነት ምምቕራሕ ኮታ ፖለቲካዊ ውድባት ተሳተፍቲ ናብ ጉባኤ ምርድዳእ፡………….ዝብሉ እዮም።

ብቐዳምነት ንሕና እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማትና ተጠቒሱ ዘሎ ሹዱሽተ ፖሎቲካዊ ውድባት፡ ባይቶና – ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ሓደጋ ወጺኡ ክድሕንን ክጥጥዕን እምነትና ኣብ ርእሲ ምዃኑ ሕጂ’ውን ተስፋ ዝቖረጽናሉ ጉዳይ ከምዘይኮነ ንኹሉ ደናይ ፍትሒ ከነረጋግጽ ንፈቱ። ሃገራዊ ባይቶና ክድሕንን ክጥጥዕን እንተኾይኑ ግን፡ ብተሳትፎ ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት እምበር ናይዞም ኣብ ሰሚናር ተዓዲሞም ዘለዉ ውሱናት ውድባት ጥራሕ ስለ ዘይኮነ፡ ብኦኦም ጥራሕ ዝፍታሕ ሽግር የብሉን። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኣግላሊን ዘይሕጋውን ኣተሓሳስባ ከይተኣልየ ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገራዊ ባይቶ ስለዝደለናዮን ስለ ዝተተምነናዮን ጥራሕ ዝመጽእ ኣይኮነን። ኣግላሊ ኣካይዳ ተፈቲኑ ዝፈሸለ ስለ ዝኮነ ዳግማይ ኣብ ክሳራ ንኣትወሉ መንገዲ ኣይንመርጽን።

ስለዝኾነ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ኢድ ስለስተ መሓዙት ውድባትና ጥራሕ፡ በጺሑ ዘሎ መልእኽቲ፡ መርገጽ ሹዱሽተ ውድባትና ከም”ዚ ዝስዕብ’ዩ።

  1. ናብ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ እዋኑ ከይንኣቱ ዝዓንቀፈና ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣሰናዳዊት ሽማግለ፡ ንኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝብትን ንድፊ ኣዳልያ፡ ንዝተበጽሐ ፖሎቲካዊ ስምምዕ ብምጥሓስ ካብ ሕጋዊ ኣገባብ ወጻኢ ናብ ኩሎም ኣባላት ስለ ዘውረደቶ እዩ፤ ካብ’ዚ ቅልውላው’ዚ ንምውጻእ ድማ፡ ዝወረዱ ንድፍታት ብእዉጅ ክሰሓቡን፡ ካልእ ንድፊ ክዳሎን ብደረጃ ሹዱሽተ ውድባትና ዘቕረብናዮ ቅኑዕ ጠለብ፡ ብኣሰናዳዊት ሽማግለን መብዛሕትኦም ላዕለዎት መራሕቲ ኤዲኪን ተቐባልነት ብዘይምርካቡ’ዩ። ሕጂ’ውን ምስ ንድፍታት ጉባኤ ብዝተታሓሓዘ ዘቕረብናዮ ቅኑዕ ጠለብ ዘይዕጸፍ እምንትና ብምዃኑ።
  2. ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሓለፉ መግለጺታቱ፡ ንመሳርሕቱ ኣባላት ሰክረታርያ ሃገራዊ ባይቶ ከየማኸረ፡ ብኢደ ወነኑ ንኹሉ ሕጋዊ ትካላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ሰሪዙ፡ ባዕሉ ናብ ካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ከምዘእትወና ክገልጽ ጸኒሑ። ብግብሪ ድማ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ካብ ሓላፍነታ ክትድስክል ብምግባር ዝፈጸሞ ሕጋዊ ጥሕሰት ምህላዉ ስለዝንኣምን፤
  3. ኣሰናዳዊት ሽማግለ፡ ዝተኸተለቶ ዘይሓላፍነታዊ ኣከያይዳን ዝፈጸመቶም ርኡያት ጥሕሰታትን፡ ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ ባይቶ ቀሪባ፡ ክትሕተትን፡ ምስዝፈጸመቶም ርኡያት ጉድለታት ዝመጣጠን ሕጋዊ ኣራሚ ስጉምቲ ክውሰደላ ዝግባእ ኣካል ደኣ’ምበር፡ ኣብ ንቡር ዕዮ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጸሚዳ ክትሰርሕ ከምዝጸንሐት ብዘምስል፡ ሰሚናር ጸዊዓ ክትመርሕ ግቡእ እዩ ኢልና ስለዘይንኣምን፤
  4. ኣብ ሞንጎ ኣቦ-መንበር መሪሕነት ባይቶን ኣቦ-መንበር ኣሰናዳዊት ሽማግለን ክካየድ እንዕዘቦ ዘሎና ዘይእዉጅ ናይ ስራሕ ምምቕቓል፡ ንስራሕን ሓላፍነት ፈጻሚት ቤት-ጽሕፈት ብምድስካል ዝፍጸም ዘሎ ርኡይ ሕጋዊ ጥሕሰትን ካልኦት ጸገማትን፡ ብኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ብዕምቆት ተገምጊሞም፡  ጸገማት ባይቶና መፍትሒ ተቐሚጡሎም፡ ንቡራት ሕጋዊ ኣሰራርሓታትን ስርዒታዊ ሓላፍነታትን ባይቶና ተኸቢሮም፡ ዝኸዱሉ ንጹር ኣንፈት ከይተታሕዘ፡ ናብ ዕዉት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ንሰጋገረሉ ኩነታት ክህሉ ይኽእል’ዩ ኢልና ስለዘይንርኢ፤

 

ኣብ’ዚ ብሓው በሽር ኢሳቕ ተጸዊዑ ዘሎ ሰሚናር ክንሳተፍ ከምዘይኮንና ብዕሊ ንገልጽ።

  1. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፡
  2. ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ(ኤስደለ)
  3. ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)
  4. ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ(ደምሳኤ)
  5. ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራ ንድሕነት ሃገር(ስምኤድሃ)
  6. ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ(ደምሓኩኤ)

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10186

Posted by on Mar 4 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net