ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ምሕደራ

ፖለቲካዊ መግለጺ

መግለጺ ናይ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ምሕደራ ብዛዕባ ግንባር ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ስለምንታይ ደጉንዩ ይወጽእ ኣሎ?

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝተመስረተሉ ቦታ ኣብ ሳንዲየጎ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ እዩ። እዚ‘ውን ድሕሪ‘ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ነተን ተቓወምቲ ውድባት ሓድነት ንኽገብራ፡ ብሲቪላውያን ማሕበራት ዝካየድ ዝነበረ ኣስተዋጽኦ ዕዉት ድሕሪ ምዃኑ፡ ምስ‘ቶም ካብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ኣብ‘ቲ ኣኼባ‘ቲ ዝተኻፈሉ ኣባላት ድሕሪ ምልላይና ዝተበገሰ እዩ።

እዚ በበይኑ ዝዋሳእ ዝነበረ ጉጅለታት፡ ድሕሪ ዑደት መምህር ተስፉ ዘውደን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት ኣመሪካን ጀርመንን ዘካየዶ ሰሚናራት፡ ንዅሉ ሸንኻት ዝሕቘፈ ምንቅስቓስ ኪፍጠር ብክልቲኡ ሸናኻት ከም መደብ ተታሕዘ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ፡ ብተበግሶ ውልቀሰባት ናይ ሓድነት ዕላማ ከም ቅርጺ ተሃኒጹ ንምድንፋዕ ሓድነት ዅሎም ሓይልታት ኤርትራ ኣበርክቶኡ ከወፊ ንክኽእል ዝዕላምኡ እዩ ዝነበረ። ካብ‘ዚ ብምብጋስ ድማ ኣብ ካልኣይ እግሪ ዑደት መምህር፡ ክልተ ጉጅለታት ተፈጢረን፡ ማለት ሓንቲ ኣብ ኣሜሪካ ካልኣይቲ ድማ ኣብ ጀርመን ክቖማ ከእላ። ጸኒሑ ከኣ ወከልተን ኣብ ሳንዲያጎ ተራኺቦም እታ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ምሕደራ (ኤምደም)እተሰምየት ውድብ ቆመት። ቀንዲ ምዝገባኣ ድማ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ነበረ። ብድሕሪኡ እታ ውድብ ኣብ ፈለማይ ምንቅስቓሳ ኣብ‘ቲ ንምቛም ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተገብረ ኣኼባ ናይ ኣቓቂ – ኣዲስ ኣበባ ብሸሞንተ ወከልቲ ኣባላት (ሰለስተ ካብ ኣመሪካ ሓሙሽተ ድማ ካብ ጀርመን) ክትካፈል በቕዐት።

ድሕሪ ምዝዛም ኣኼባ ኣቃቒ፡ ብሽነኽ ገለ ኣባልት ናይ ጨንፈር ኤምደም (ኣመሪካ) ብዘይ ኣፍልጦ ናይ ውድብና ሽዑ ንሽዑ መደብ ምምስራት ናይ ሓደ ኣርባዕተ ውድባት ዝኣባላቱ ግንባር ሒዞም ኣብ ምንቅሽቓስ ተላዒሎም፡ ኣብ ገነት ሆተል ኣዲስ ኣበባ ክንራኸብ ከኣ ጻውዒት ገበሩ። ድሒርና ከም ዝፈለጥናዮ መንነት እቶም ውድባት ክርአ እተን ዀይኑ እተን ሰለስተ፡ እቶም ሰለስተ ተቐናቐንቲ ኣባላት ሰደግኤ-ነበር ዝመርሕወን ክኾና እንከለዋ እታ ራብዓይቲ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ምሕደራ ነበረት። ኣብ‘ቲ ኣኼባ ምስ ተረኸብና ድማ እቲ ስሙር ግንባር ዝብል ብሓደ ዝኣከበና ሓሳባት ተለዊጡ ናብ ናይ ስምረት እተን ውድባት ዝብል ሕቶ ተቐየረ። ኣብ‘ቲ ኣኼባ‘ቲ እዚ መደብ‘ዚ ኣብ ክንዲ ቅድም ስለምታይ ብቕጽበት ድሕሪ ምቛም ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ይመጽእ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ተላዕለ እሞ „ሽዑ ከይከውንስ ምእንቲ ብዝሒ ወከልቲ ክህልዉና ብዝብል ስልቲ ዝተገብረ እዩ“ ብማለት መልሲ ተዋህበ። ክልተ ውድባትን ካብ እታ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ምሕደራ ከኣ ጨንፈር ጀርመን ውሽጣዊ ተቕውምኦም ኣርኣዩ። ኣብ‘ቲ እዋን‘ቲ ንደገ ዘይምግላጽና ድማ ምስ‘ቲ ኣብ ህዝቢ ዝርአ ዝነበረ ናይ ስምረት ሃንቀውታ ኣሉታዊ ጽልዋ ከየሕድር ከምኡ‘ውን ንቀንዲ ጸላኢ ኣህዛብ ኤርትራ (ህግደፍ) መሳርሒ ንኸይከውንን ብምስጋእና ነበረ።

ኵነታት ናይ ሓባር ግንባርና ኸምዚ‘ሉ ብዘይ ንጹር ጥርናፈ እናኸደ እንከሎ ድማ ብብርክት ዝበለ ቝጽሪ ውክልና ሒዝና ኣብ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተገብረ ጉባኤ ተኻፈልና። ይኹን እምበር እቲ ስሙር ግንባር ኢና ዝበል ዝነበረ፡ ብንጹር ስምምዕ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘይነበሮ፡ በብግዜኡ ጠፋጢፍካ ዝኸይድ ምትእኽኻብ ናይ ውልቀሰባትን፡ ምምላእ ናታቶም ድልየትን ጥራሕ ኢዩ ዝነበረ። ብገለ ድፍኢታት፡ ኣብ ጉባኤ ዘይተኻፈለ ሰብ ዝለዓለ ቦታ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንክወሃቦ ቅኑዕ ከይኑ ስለ ዘይረኸብናዮ ድማ ንዕኡ ነቲ ኣገባብ ብምቅዋም፡ ብውሽጡ ዘይተሰማምዐን ንጹር መደብ ዕዮ ዘይነበሮን ግንባር ኣገዳሲ ቦታት ክሕዝ ዝግባእ ስለ ዘይነበረ‘ውን ነቲ ንኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ምሕደራ፡ ኣብ‘ቲ ኣብ ኣዋሳ ዝተሰላሰለ ኣኼባ ክወሃብ ዝተሰምየልና ቦታ ኣይተቐበልናዮን።

ድሒሩ ዝሰዓበ ዝገደደ ወጥሪ ኸኣ ኣብ ናይ ቀዳማይ ዓመት ኣኼባ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ዝተፈጥረ ዝተፈላለየ ኣገደስቲ ተረክቦታት እዩ ዝነበረ። ኣብ‘ቲ ጊዜ‘ቲ ኣብ መንጎተን ኣርባዕተ ውድባት፡ ኣብ ብዙሕ መሰረታዊ ጉዳያትን ከምኡ‘ውን ኣብ‘ቲ ክሳብ‘ቲ እዋን‘ቲ ዝተፈጥረ ክዉንነታት፡ ሓደ ኣረእእያ ኣይነበረናን። ብዘካ‘ዚ እውን ብጊዜ ክንፈትሖ ንኽእል ኢና ካብ ዝብል ሓሳብ ዝተወንዘፈ፡ ካብ መጀመርያ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ምስረታ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝተራእየ፡ ናይ ኣሪዞና ጉዳይ፡ ኣብ ስክፍታታት ኣእትዩና ከም ዝነበረ እውን ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን። ገለ ሸነኻት ናይ‘ቲ ናይ ሓባር ግንባር፡ ንግላዊ ሸቶኦም ንክወቕዑ ዓብላሊ ተራ ንክህልዎም ብምሕላን፡ ዝተፈላለዩ ሰባትን ጉጅለታትን ካብ‘ዝን ካብትን ጠራኒፎም ኣባላት‘ቲ ግንባር ብምግባር፡ ኣብ ኣኼባታት ብድምጺ ዓብሊሎም ዝደለይዎ ከም ዝወሰኑ ይገብሩ ከም ዝነበሩ እውን ከይጠቐስናዮ ኣይንሰግርን። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ኣብ‘ቲ ብመትከል ዝተቓወምናዮ „ምትሕንፋጽ“ ንወኪልና ዝተዋህበ ሓላፍነት ብወገንና ኣይንቕበሎን ምስ ተባህለ እውን ብገለ ኣገደስቲ መራሕቲ ኤስደለ ንወኪል ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ምሕደራ ንዝዀነ ማንም ቤት ጽሕፈት ክሕዝ እውን ኣይንደለናዮን ምንባርና ርግጽ እዩ ክሳብ ምባል በጺሖም እዮም።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ምሕደራ፡ በዚ መግለጺ እዚ ካብ‘ቲ ዝተባህለ ግንባር ካብ ዝሓለፈ ሓምለ 2012 ኣትሒዙ ኣባሉ ከም ዘይነበርናን ከም ዘይኰናን፡ ብዝዀነ ይኹን ንሱ ብዘውጽኦ ውሳኔታትን መርገጽን ከም ዘይንቕየድን ከምኡ‘ውን  ናይ‘ቲ ድሒሩ ሰሚሩ ዝተባህለ ብ„ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ(ኤስደለ)“ ዝበሃል ዝፍለጥ ውድብ እውን ይኹን ናትና ሕራይነት ከይብሉ ዝኣወጀ ብምዃኑ፡ ምስኡ ምንም ዘራኽብ ከም ዘይብልና፡ ንዅሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ነፍልጥ።

ኣባልነትና ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከም‘ቲ ኣብ ምምስራቱ ዝነበረና መርገጽ ሕጂ‘ውን ህያው ምዃኑ ነስምር። ነቲ ብ10 ሕዳር 2015 ዝተዋህበ መግለጺ ዓሰርተ ውድባት ድሕሪኡ ዝሰዓበ ውሳኔታት መሪሕነት ባይቶን ምሉእ ብምሉእ ንድግፍን ንምዕዋቱ ንቃለስን። ህላዌ ምድንፋዕን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ እቲ እንኮ መተካእታ ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ንምስልሳል ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤኡ ብዘሎና ንዋታውን ሰብኣውን ዓቕሚ ኣበርክቶ ክንገብር ድልውነትና ንገልጽ።

 

ኣካይዲት ሽማግለ

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ምሕደራ

20.02.2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10190

Posted by on Mar 5 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net