ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ብምንጻር፡ ብኩሉ መዳያዊ ዓቕሚ ፊት- ንፊት ብምግጣም ይዕወት።

hidri march 2016

ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሓያል ቃልሲ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ብምንጻር፡ ብኩሉ መዳያዊ ዓቕሚ ፊት- ንፊት ብምግጣም ይዕወት ብዝብል ፖለቲካዊ ኣምር፡ ቃልሱን መትከላቱን  ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ጭቁን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመገዲ ወተሃደራዊ ክንፉ ሰራዊት ሕድሪ ኣቢሉ መስመሩ ኣብ ምዝርጋሕ ዝርከብ  ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፡ ጉሉሕ ዕላማ ዘትሓዞ  ንጹር ራኢ ንመጭባጥ፡ ኣብ ጽዑቕ ናይ ስራሕ ምንቅስቓስ ቀንዩ፡፡ እዚ ብመራሕቲ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ ኣብ ቅድመ ግንባር ብምውራድ ምስ ተጋደልቲ ሰራዊት ሕድርን ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ብምዝታይ፡ ዕድመ ምልካዊ ስርዓት ዝሓጽረሉ ናይቃልሲ ቅብብል ምእንቲ ከነሐይል ኣጀንዳታቱ ሰሪዑ መልእኽቲ ቃልሱ ከመሓላልፍን መልእኽቲ ቃልሲ ክቕበልን  ዝቐነየ መሪሕነት፡ ብኣቦ መምበር ፈጻሚ ኣካል ብጻይ ዑቑባዝጊ ድቡስን (ወዲ ድቡስ) ብምኽትል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ብጻይ ጥዑምዝጊ ጠዓመን (መትከል) ኢዩ ክምራሕ ቀንዩ፡፡

እቲ ካብ መጋቢት 06 ክሳብ መጋቢት07 / 2016 ኣብ ግንባራት ሰራዊት ሕድሪ ብካድራትን ብላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕትን ሰራዊት ሕድሪ እንዳተወሃሃደን እንዳተሰነየን ክሰላሰል ዝቐነየ ርክብን ሰሚናርን ምስ ተጋደልቲ ሰራዊት ሕድሪ፡ ቀንዲ ኣጀንድኡ፡ ወጽዓና ዝወለዶ ቃልስና ኣብ ምድንፋዕን ምዕባይን ውድባዊ ተልእኾ፡ ህሉው ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ኤርትራ፡ ጠለባት ህዝብና ኣብ ቃልስናን፡ መስርሕ ንምዕዋት ምሕዝነት 6 ፖለቲካውያን ውድባት፡ ብዛዕባ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ናብ ኣውሮጳ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ኣውሮጳ ሃገራት ዘካየዶም ህዝባዊ ሰሚናራትን፡ ኣኼባታት ናይ ኣባላትን፡ ውጺኢታቶምን ብዝርዝር ናብ መሰረታት ከምዝበጽሑ ጌሩ፡፡ ኣብ እዚ ርክብ ህግደፍ ብዛዕባ ብሰፊሑ ናብ ደንበ ተቓዉሞ ብባጀትን ብኣካልን ወፊሩ ምህላዉ ጭብጥታት ብምስናይ ከቕርብ እንከሎ፤ ብፍላይ ከኣ ህግደፍ ኣብ ወተሃደራዊ ክንፍና ብዘለዎ ስግኣት ብዘነጽር ንህግደፋዊ ተጻቦኦታቱ  እንዳ ኣበርዓንኩም በታ ዋላሓደ መዳርግቲ ዘይብላ ሂወትኩ ንዋጋ በጃሓርነት ስለእትውፈዩ ዘለኹም ውቁብ ዋጋ ታሪኽ

 

ንሓርነት ዋናታቱ ንቕድም ንስኻትኩም ክቡራት ተጋደልቲ ሰራዊት ሕድሪ ኢኹም ክብል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተጋደልቲ ሰራዊት ሕድሪ ዘለዎ ተስፋን ባህግን ገሊጹሎም፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ተጋደልቲ ንዝቐረቡ እዋናውያን ናይ ቃልሲ ሕቶታት ብምምላስ ሪኢቶታት፡ ሓበሬታትን ለበዋታትትን ብምስማዕ ነታ ግድን ክትመጽእ ምኳና ዘይንማትኣላ ሓርነት ህዝብና ዝሓተተቶ ዋጋ ክንከፍል ጉቡእ ኢዩ እሞ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ህዝብና  ንሓርነት ዝበቅዕ ዋጋ ቃልሲ ካብ ምኽፋል ድሕር ክንብል ከም ዘይግባእ ብምንጻር መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ፡፡

እዚ ከም እዚ ኢሉ ከሎ፡ ነቶም ካብ ኣርባዕተ መዓስከራት ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ፡ ንዝተዋጽኡ ኤርትራውን ስደተኛታት ዝተኻይደ ሰሚናርን ፉቱሕ ዘተን ዘዳለዎ፡ ቤት ጽሕፈት ውደባን ብምትሕግጋዝ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ክኸውን ከሎ፡ ብምኽትል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ብጻይ ጥዑምዝጊ (መትከል) ካብ መጋቢት 10 ክሳብ መጋቢት11 /2016 ተመሪሑ

ዝተሰላሰለ ኢዩ፡፡ ብጻይ መትከል ኣብ ኣጀንዳታቱ፡  ህግደፍ ናይ ምግዛእ ሜላታቱ ካብ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተመኮረ ረቂቕ ናይ ምግባት ሜላ ዝሓዘ ከም ዝኾነ፡ መውጻእቲ ሓራ ሰረታቶም ኣብ ህዝቢ ምእንቲ ክኸውን እጃምና እንታይ ኢዩ፡ ውድባት ኤርትራ ናብ ህዝበን ዘለወን ቅርበትን ኣቀራርበአንን፡ ስለምንታይ መንእሰይ ወለዶና ናብ ግብራዊ ቃልሲ ናይ ምውራድ ባህጉ ተዳኺሙ፡ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራ ተሳዒሩ ኣብ ወጻኢ ካብ ሃገርን  ኣብ ውሽጢ ደንበታት ተቓውሞን ግን ኣስተርሕዩ ይነብር፡ ምህላዉ ዝገልጹ መሰጥቲ እዋናውያን ናይ ኣስተምህሮ ኣጀንዳታት ብምድላው’ዩ ቀሪቡ፡፡

ኣብ መጨረሽታ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረበ ዝተፈላለየ ናብ ፖለቲካዊ ሂወት ሃገርና ዘተኮረ ሕቶታት ድሕሪ ምምላስ፡ ሪኢቶታት ተሳተፍቲ ሰሚናር ብሓፈሻ ፍልልያቱ ጸይሩ ህዝቢ ከይቃለስ ደንበ ተቓዉሞ ናብ ህዝቢ ዘለወን ኣቀራርባ ተስፋ ዘቑርጽን ህሉው ኩነታት ህዝብናን ድሌታቱ ኣብ እዚ እዋንን ፈጺመን ዘየለለያ ብምኳንን እቲ ካልእ ንወጽዓና ዕድሚኡ ክነውሕ ካብ ዝገብሮ ዘሎ ኢዩ እሞ፡ ኣብ እዚ ሰሚናር እዚ ግን ዘውፈረኩም ጥራሕ ጌርኩም ትምለሱ ዘለኹም ንመጀመርታ ግዜ ብምኳንኩም እዚ ሜላ ኣቀራርባ ክትቅጽሉሉ ንላቦ ብምባልን፡ ንዝቐረበ ኣስተምህሮ ብምምስጋን ብዝሓየለ መልክዑ እዚ ምንቕቓሕ ክቕጽል ሓሳባቶም ብምግላጽ፡ ውድባት ኣብ ዝገብረኦ ህዝባዊ ጎስጓስ ሕድ-ሕደን ምጽልላምን ምጥቕቓንን ኣወጊደን ኣብ ጭቆናን ጠንቂ ስደትናን ኣተኲረን ውነ ህዝቢ ብምስሓብ ናይ ቃልሲ መንፈሱ ክመልሳሉ ክጽዕራ ንላቦ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

መጋቢት 12 /2016

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10203

Posted by on Mar 15 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net