ዝንቡዕ ሓበሬታ ንሓፋሽ ብምሕላፍ ጣቋ ኣይርከቦን

ensf - hidri

ቁኑዕ ሓበሬታ ምርካብን ምምሕልላፍን ኣብ መዓልታዊ ሂወት ወዲሰብ: ኣብ ከማእዝኖ ዘለዎ ንቕሓትን ንቑሑነትን ዓቢ እጃም ይኹን ግደ ኣለዎ፡፡ ብፍላይ እኳ ንዓና ንኤርትርውን ኣብ ጉዳይና ዝተመርኮሱ  ሓበሬታታትን  ርጉጽነቶምን ሓርኢ ተመን ኮይኖሙና ዝነብሩ ዘለዉ ህዝቢ ብምዃና፡ ዝርካቦም እቶም ምስ ቃልሲ ንሓርነትና ዝተሓሓዙ ፍጻሜታትን ዝትንክፉ ሓበሬታታትን ሩጉጻት ኣብ ርእሲ ክኾኑ ምግባእ፡ ኣብ ኣቀራርበኦም ንረብሓ ኣብ ምውሳኽ ፍናን ቃልሲ ዝውዕል ኣበርክቶ ከም ዝህልዎም ክንገብር ሃለዋትና ይግድደና ኢዩ፡፡ ከምኡ’ውን ብንዝርግሖም ዘበሉ ሓበሬታታት ካብ ተሓታትነቶም ከምዘይ ንሰቱኽ ኣሰተብሂልና ከነቕርቦም ሓላፍነትና ኢዩ፡፡ በዚ መሰረት ዝመሓላለፉ ሓበሬታታት ይኹኑ ፍጻሜታት ሙሉእ ተሓታትነቶም  ኣብ ኣመሓላለፍቶም ይኾኑ ማለት ኢዩ፡፡

ነዚ ምርኩስ ብምግባር ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃደኤ- ሕድሪ ነቲ ብዕለት 23 ለካቲት 2016 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ.ኮም (Awate.com) ተዘርጊሑ ዘሎ መእሰሪ ዘይብሉ፡ ንመን ምዃኑ ዘይኑጹር፡ ንጻረ ግዜ ዘይብሉ፡ ኣብ እቲ ተጠቒሱ  ዘሎ ቦታ ኣይኮነን’ዶ ኣብ እዚ ዓመት እዚ ኣብ እቲ ዝሓለፈ ዓመት እውን እንተኾነ ናይ ዝኾነት ትኹን ኤርትራዊት ውድብ ሰራዊት ምስ ናይ ህግደፍ ሰራዊት ተራጺሙስ ክንድ እቲ ዓዋተ ዘርጊሕዎ ዘሎ ቁጽሪ ሙሩኽ ቁጽሪ ስዉእ ይኹን ቁሱል ኣጓኒፉ ከም ዘይፈልጥ ክንሕብር ንፈቱ፡፡ እዚ ንስደራቤት ተጋደልቲ ሰራዊት ሕድሪ ብፍላይ፡ ንሓፋሽ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብሓፈሻ፡ ሻቕሎት ኣውሪድሎም ዝቐነየ ብሃሳሰ ለባም ዝተጻሕፈ ጽሑፍ፡ ዝኽፈል ዘሎ ዋጋ ንሓርነት ብኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ትዝ ዝብሎ ኣይመስልን፡ ንምዝኽኻሩ ዝኣክል ግን ሰራዊት ሕድሪ ደኣ ካብ መስዋእቲ’ኸ መኣስ በዅሩ ይፈልጥ ክንብሎ ሙሉእ ድፍረት ኣሎና፡፡ እቲ ኣብ ሙሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ መስመሩ’ውን እንተኾነ፡ ዘይ ከም እቶም ንዓይ ይጥዓመኒ ብምባል 2 ሚኢታዊት እንዳኸፈሉ፡ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ኣስመራ ከመላለሱን ዘይጥቀሙሉ ኣባይትን ጥራይን ከጥርዩ ዝሕልኑ  ዘይኮነስ፡ ተደረብቲ ሰዓታት እንዳሰረሐ ሰራዊቱ ዝኣሊ ዘሎ ከም ምዃኑ ኣብ መስመር እምነት ቃልስና እዚ ሸለል ዘይበሃል መስዋእቲ ኣባላቱ ንዋጋ ሓርነት ምዃኑ ኢዩ ዝኣምን፡፡ ኣብ መስመር ሰራዊት ሕድሪ፡ ነዚ ቃልሲ’ዚ ንምዕዋት  ዝጎደለ ዘበለ ኣብ  ምምላእ፡ ብገንዘቡ፡ ብጉልበቱ፡  ብግዚኡ ይኹን፡ ብፍልጠቱ፡ ናብ እዚ ቃልሲ እዚ ዝብርከት ኩሉ፡ ኣካል እቲ ክክፈል ዘለዎ መስዋእቲ  እዩ፡፡ እምበር’ከ እቲ ጎድኒ ንጎድኒ ምስ ምንቅስቓስ ሰራዊት ሕድሪ እንዳተመዓራረየ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝግበር ናይ ቃልሲ ምውድዳባትን ምስግጋር ሓበሬታታትን ዓቢ መስዋእቲ እኮ እዩ ዝኽፈሎ ዘሎ፡፡

እዚ ኣቐባሊ ሓበሬታ (ምንጪ ሓበሬታ) ዝጎሰየ፡ ከም ተረኽቦ ተገሊጹ ዘሎ ሓቅነት ይኹን ተሓታትነት ሐበሬታ ዝጎደሎ ከም ሰበር ዜና (breaking News) ተቐንጢኡ ዝኣተወ ሃላው ሓበሬታ፡ ምናልባት ኣገልግሎቱን ጥቕሙን ንህግደፍ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝኽእል፡፡

ኣብ እዚ ከነነጽሮ ንደሊ፤ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብዘየገድስ፡ የግዳስ ኣብ እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ከባቢታት ናይ ጽባሕ ንጉሆ ራኢኡ ምስ ናይ ሓርነት ካልኦት ሓይልታት ኤርትራን ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ንግዜኡ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ዘሎ ሰራዊትን ብሃገራዊ ህዝባዊ ወኒ ቀጥ ዝበለ ሓይሊ ኮይኑ ክርከብ ካብ ሕጂ ዕላምኡ ኣነጺሩ ራኢኡ ናብ ምትግባር ዝጎዓዝ ዘሎ ሓይሊ ወተሃደራዊ ክንፊ ግሃድኤ- ሕድሪ ማለት ሰራዊት ሕድሪ ኣሎ፡፡ ካልእ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ደው ዝበለ ሓይሊ ምህላዉ ውን ከይጠቐስና ክንሓልፍ ኣይግባእን፡፡

ኣብ እዚ ክንምልሰሉ ዝግድደና ዘሎ እሞ ከኣ ብኮን ደኾን ንሰራዊት ሕድሪ ማለቱ ይኸውን ዘብለና ቅንጣብ ሓበሬታ ይንበቦ ኢዩ፡፡ ንምንጻሩ ዝኣክል ቅድሚ እዛ ዝንብዕቲ ሓበሬታ ኣብ ዓዋተ መርበብ ሓበሬታ ዝወጸትላ ዕለት፡ ሸውዓተ መዓልታት ኣቐዲሙ ኣብ ሰናጭሮ ሓስሓሶ ስለያዊ መልእኽቱ ከሳሲ ዝተንቀሳቀሰ መልእኽተኛ ጉጅለ ህግደፍ መጺኡስ ምስ እቲ ንሓርነት ዝበቅዕ መዓልታዊ ንጥፈታቱ  ንምስራሕ ላዕሊ ታሕቲ ዝብል ዝነበረ ሰራዊት ሕድሪ ኣብእቲ ሰናጭሮ ሓስሓሶ ተራኺቡ፡ ኣብ እቲ ረፍዲ መቐጸልታ ናይ እቲ ዋጋ ንሓርነትና ክክፈል ዝጸንሐን ክሳብ ሓርነትና ጋህዲ ዝኸውን ብሕጂ’ውን ክክፈል ዘለዎን፡ ዋጋ ሓርነት ዝሓተተ ደማዊ ኩናት ተኻይዱ፡፡ እዚ ኣብ እዋኑ ካብ ዋናታት እቲ ውዕሎ ተገሊጹ እዩ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ምንጩ ዘየነጽር ሓበሬታ ተሰኪምካ ናብ ገጻት ወብሳይታትን ፈዝቡክን መጉያይ እንትርፎ ከተዓዛዝብን ከምእዚ ሒጂ ከመላልስን፤ ጣቛ ዘጨብጥ  ሓበሬታ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ፡፡

እቲ ዘሕዝን  ኣብ ዓዋተ መርበብ ሓበሬታ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ናይ ተቓዉሞ ኣሃዱታት ምስ ሰራዊት ኤረትራ ኣብ ምእራይ ዕንጸይቲ ሃንደበት ተራኺቦም ኢሉ ኢዩ ጺሒፍዎ ዘሎ፡፡ እቲ ናይ ስለያ ኣሃዱ ህግደፍ ዕንጸይቲ ክኣሪ ኢሉ ናብ እቲ ቦታ መጺኡ ኢልካ ክትጽብጽበሉ ዘኸእል  ቅንጣብ መርትዖ ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ፡፡ እቲ ካልእስ እስከ ይጽንሓልና ነዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ህግደፍ ኮይኑ ባህ ኢልዎ ዝለኣኽ ዘሎ ይኹን ተገዲዱ ዘሳሲ ዘሎ ከም ናይ ኤርትራ ሰራዊት ጌሩ ክቅበሎ ከሎ፡ እቲ ሃገራዊ ሰራዊት ዝብል ስም ዝወሃብ  ንብኸመይ ዝተሃንጸን ንመን ደው ዝብልን ሰራዊት ዝወሃብ ሽም ምዃኑ ዘይምስትውዓሉ ክኸውን ኣለዎ ጸሓፊ፡፡

ኣብ መወዳእታ ክበሃል ዘለዎ፡ ከም እቲ ማይስ ካብ ዓይኒ ማያ ዳኣ ዝበሃል ንሓርነት ዝኸውን ሓበሬታስ ካብ ሓራን ሓርነትን ደኣ ንብል፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር

መጋቢት 20

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10218

Posted by on Mar 23 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net