ህዝብና ኣብ ደንካልያን ደሴት ዳህላክን ኣብ ሕሱም ኩነታት ይርከብ !! ጉጅለ ህግደፍ ንራሻይዳ ካብ ቦትኦም የዘናብል !!

ensf baner

ዓሰብ

ህዝብና ኣብ ደንካልያን ደሴት ዳህላክን ብሰንኪ ሕጽረት መግብን መድሃኒትን ዝስተ ጽሩይ ማይን ይሳቐ ምህላዉ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ህዝብና ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብምግፋፍ ዓሰን ብንግድን ዝነብር ምዃኑ ዝተፈልጠ ኮይኑ ብሰንኪ ዘይርጉእ ጸጥታዊ ኩነታት ካብ’ዚ ህያው ስርሑ ቦኺሩ ምህላዉ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ገሊጽና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፣ እቲ ጉዳይ እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ተረጋጊጹ። ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ፣ ጀላቡ ንምንቅስቓስን ከምኡ’ውን ሞቶራት (ጀነረይተር) ንከስርሑን ዘድሊ ነዳዲ ተሳኢኑ ብምህላዉ፣ ዜጋታትና ኣብ ኣዚዩ ሓደገና ኩነታት ይርከቡ ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ። ሕብረተሰብ ዓለም ብዛዕባ’ዚ ኣሰቃቒ ኩነታት መነባብሮ ህዝብና ፍሉይ ቆለሓታ ክገብርን ካብ’ቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ህልቂት ኩነታት ንምድሓንን ክበገስን ነዚ ኩነታት ዝከታተሉ ግዱሳት ተሪር ምሕጽንታ የቕርቡ ምህላዎም’ውን ተፈሊጡ። ገለ ካብ ኣባላት ሰራዊት’ውን እዚ ኩነታት’ዚ ኣዚዩ የሻቕሎም ምህላዉ ይገልጹ ኣለዉ ክብል እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ብሓገዝ ናይ’ቶም ኣብቲ ቦታ ዝረከቡ ሓይልታት ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ “ሓርሲለ” ዝርከብ ምንጪ ማይ  ክሰርሕ ጀሚሩ ብምህላዉ፣ ናይ ዝስተ ማይ ሽግር ኣብ ወደብ ዓሰብ ብመጠኑ ተፈቲሑ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

መድሃኒትን ነዳዲን ካልእ ሃልኺ እቁሑትን ካብ ወደብ ምጽዋዕ ናብ ወደብ ዓሰብ ዝሰጋገረሉ ዝነበረ ብሎኮ ተዓጺዩ ብምህላዉ ነቲ ኣብ ደንካልያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ሕጽረታት ዝያዳ ከም ዝብእስ ኮይኑ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣብዚ መዳይ’ዚ ብተጋዳላይ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ግሃድኤ፣ ህዝብና ኣብ ዳንካልያ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ኩንታት ኣመልኪቶ፣ ህጹጽ ረድኤትን ግቡእ ቆላሕታን ሕብረተ ሰብ ንምግባር፣ ናብ ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ትካላት ህጹጽ መዘክራት ከም ዝተላእከ ካብ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ጉዳያት ግሃድኤ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

ምጽዋዕ፡

ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓርቢ 18 መጋቢት 2016 ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ሰፈራት ቀይሕ ባሕሪ ንዝነብሩ ደቂ ራሻይዳ ኣዘናቢሉ ኣብ ሕርጊጎ ይእክቦም ምህላዉ ተፈሊጡ። ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ ነዞም ራሻይዳ ካብ ቦቶኦም ምልቃቖም፣ ገለ ካብ ገዛውቶም ከፍርስ ከሎ፣ ገለ ድማ ከም ዘንደደን ኣብ ዱካናቶም ዝነበረ ትሕዝቶ ብምህጋር ድማ ነቲ ዱካናት ከም ዘፍረሰን፣  ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታትና ሓቢሮም። ነዚ ኣብ ልዕሊ ራሻይዳ ዝተወስደ ውሳኔ፣ ደራኺ ምኽንያቱ ዛጊት ክፍለጥ ግን ኣይተኻኣለን። ራሻይዳ ከም ሰበኽ ሳግም መጠን ጥሪቶም ሒዞም ማይን ሳዕርን ናብ ዝርኽብሉ ሰፈራት ዝጓዓዙ ሕብረተሰብ ምዃኖም ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ ኣብ ሕርጊጎ ኣኪቡ ናብ ካልእ ዘይደልይዎ ቦታ ንኸየሳፍርዎም ዓቢ ስግኣት ከም ዘለዎም እቲ ዝበጽሓና ዜና ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ።  ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ብዙሓት ራሻይዳ (ሰብኡት) ንብረቶምን መካይኖምን ሃጊሩ ፣ ኣሲርዎም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሸኽ መሓመድ ዓብደላ ፈይሩዚ ዝተባህለ ሓደ ምስ ሰበ ስልጣን ህግደፍ ፍሉይ ዝምድና ዘለዎ ካብ ዓበይቲ-ዓዲ ራሻይዳ፣ ንክፍትሑ ብዘካየዶ ጻዕሪ፣ ገለ ካብ’ቶም ዕድመ ዝደፍኡ ከም ዝተለቐቑ ተፈሊጡ። ሸኽ ፈይሩዚ ነዚ ሱጉምቲ ምኽንያት ናይ’ዚ ስጉምቲ’ዚ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ፣ ነቶም ንዕኡ ዝፈጸሙ ሓለፍቲ ምስ ሓተተ፣ ዝፈልጥዎ ነገር ከም ዘየሎ ብምግላጽ፣ እቲ ውሳኔ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ መሰረት ዝተፈጸመ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

ቅድሚ ገለ ግዘያት፣ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ 200 ዝኾና መካይን ራሻይድ ብሓይሊ መንዚዑ ከም ዝነበረ ተረጋጊጹ። ኣብ መንጎ ራሻይዳን ኣብ ለዕላዋይ ጽፍሒ ዝርከቡ ገለ ካብ መራሕቲ ህግደፍን ኣብ መሸጣን ምምሕልላፍን ደቂ ሰባት ብሓባር ይሰርሑ ምንባሮም ኤርትራውያንን ዓለምን ዝፈልጥዎ ሓቂ ኢዩ።

 

ኣስመራ፣

እቲ ብትሕዝትኡ ዝዓበየ ዝበሃል ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሆስፒታል ኦሮታ፣ ብዋሕዲ መድሃኒትን ብምቁራጽ ኢለትሪክን ማይን ከምኡ’ውን ብዋሕዲ ዓቕሚ ክኢላ ሰብ (ከም ሓካይምን ነርስን)፣ ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ክህበሉ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ። ገለ ካብ’ቶም ኣብቲ ቦታ ዝሰርሑ ባእታታት ነቶም እሙናት ምንጭታትና  ኣብ ዝሃብዎ መብሪሂ፡ “እዚ ብቻይናውያን ዝተሰርሐ ኣብ ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ዳርጋ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኑ፣ ጽርየት ስኢኑ፣ ሆስፒታል ክትብሉ’ውን ዘጸግም ኢዩ። መድሃኔትን ካልእ ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ዘድሊ ነጋራት ዳርጋ ፈጺሙ የሎን ክበሃል ይከኣል’’ ክብሉ ከም ዝገለጹ ተሓቢሩ። ምንጨታትና ከም ዘረጋገጽዎ፣ ኩነታት ሆስትፒላትን ኪሊኒካትን፣ ኣብ መደበራት ሰራዊት’ውን ከይተረፈ፣ ካብዚ ናይ ኦሮታ ሆስፒታል ዘይሓይሽ ከም ዝኾነ ዝተፈልጠ ኢዩ ክብሉ ገሊጾም።

ህዝብና ኣብ ዓቢ ጸገም ከም ዘሎን፣ ጽርየት ከም ዘየለን፣ ሓለፍቲ ናይ ህግደፍን ዓቕሚ ዘለወምን ናብ ሱዳን ይኹን ናብ ክንያን ካልእ ሃገራትን ብምኻድ ይሕከሙ ምህላዉም ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያትን ዋና ጸሓፊ ህግደፍን ኣብ ፍሉይ ሆስፒታል ኣብ ካርቱም ተሓኪሞም ምንባሩም ዝተፈላለዩ መዕከናት ዜና ኣቃሊሖም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ።

 

ኣስመራ፣

ብሰንኪ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣብ መነባብሮ ህዝብና ዓቢ ሃሰያ ስዒቡ ምህላዉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።ገለ ካብ’ቲ ዝተገልጸ ጸገማት፣ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ውሱን ዓቐን እንተዘይኮይኑ፣ ጥረ ገንዘብ ኣብ ኢዱ ክሕዝ ከም ዘይፍቀዶ ተፈሊጡ። ኣብ ክንዲ ጥረ ገንዘብ ክሳብ 3000 ናቕፋ ዝኸውን ብቸክ ከም ዝዋሃቦን፣ ነዚ ንምርካብ ይኹን ንምሽራፉ ግዜ  ከም ዝበልዕን ብዙሕ ጸገማት ከም ዘጓንፎን ተረጊጹ። ብሰንኪ’ዚ ተሓላለኺን ዘይጽፉፍን ኣሰራርሓ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፣ ዜጋታትና ብገዛእ ገንዘቦም ኣብ ዝደልይዎ ግዜን ሰዓትን ክረኽቡ ከም ዘይክእሉን፣ ከም ውጽኢቱ ድማ፣ ናብርኦም ዋላ’ውን በቲ ዝተሓተ ደረጃ ከሰላስሉ ይጽገሙ ምህላዎምን እቲ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰረ፣ ማእቶት ሕርሻ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ክራማት ኣብ ኣዚዩ ኣስጋኢ ኩነታት ከም ዘሎ’ውን ተፈሊጡ። ናይ’ዚ ምኽንያት ድማ፣ ሓረስቶት ኣብ ኢዶም ዝኣክል ጥረ ገንዘብ ክሕዙ ስለ ዘይፍቀዶም፣ ሕርሸኦም ንኸካይዱ ዘድልዮም ጉዳያት ከማልኡ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ በጺሖም ምህላዎም ኢዩ ክብል እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። ተራ ሕርሻዊ ንጥፈታትን ምኹስዃስ ጀራዲንን ዝሓቶ ቅድመ ተደላይነታት ከም ፍረን ነዳዲን ካልእ ንዕኡ ዝኣመሰለን ኣብ ዘይተማላእሉ ኩነታት ህዝብና ኣዚዩ ኣስጋኢ ኩነታት ይጽበዮ ምህላዉ ዝሕብር ኢዩ ክብሉ ነዚ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ምንጭታትና ኣረጋጊጾ።

ብኻልእ ወገን’ውን ጉጅለ ህግደፍ ናይ ኩሎም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት፣ እንተላይ ናይ’ቶም መሕወይ ግብሪ 2% ዝኸፍሉ፣ ናይ ንግዲ ፍቓድ (ሊቸንሳ) ኣሕዲጉ ድኳናቶም ክዓጹ ጀሚሩ ምሃልው ካብ ውሽጢ ሃገር ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ። ጉጀለ ህግደፍ ብብልሽወና ብሰበይ ሰብካ ዝተበከለ ስርዓት ብምዃኑ፣ ነዛ ብስእሊ ኣቕሪብናያ ዘሎና ናይ ኢሎክትሮኒክን ፊድዮን ዱኳን ናይ ሓንቲ ኣብ ወጻኢ እትነብር ዘመድ ሓጎስ ገብሪሂወት (ክሻ) ስለ ዝኾነት፣ ንይምሰል ከም ዓለማ ተዓጺያ ድሕሪ ምውዓል፣ ሽዑ ንሽዑ ምሸት ክትክፈት ከም ዝተገብረ ተረጋጊጹ። እዚ ጉዳይ’ዚ ብቓልዕ ይትግበር ምህላዉ ንምሉእ ከተማ ኣስመራ መዛረቢ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ ተፈሊጡ።

“ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

20/03/2016

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10229

Posted by on Mar 25 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net