ደምዳሚ መግለጺ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ – ሕድሪ

ensf - hidri
ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ካብ መጋቢት 26 / 2016 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ኣጀንዳታቱ ሰሪዑ፡ ስሩዕ ኣኼቡኡ ከሰላስል ቀንዩ፡፡ እቲ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኣብ ኣጀንዳታቱ ተመርኲሱ ንሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ገምጋማት፡ ደቂቕ ሓበሬታ ብምልውዋጥ፡ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈታቱ ብምቕባልን ምዝታይን፡ ናይ መጻኢ ሓጺርን ነዊሕን መደባት ስርሑ ብምስራዕ፡ ነናብ ዝተዋህቦ ዕማሙ ንምግስጋስ ወጢኑ፡ ኣኼብኡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ መጋቢት 30 /2016 ዛዚሙ፡፡
እዚ ናይ ርብዒ ዓመት ገምጋም ስራሕ፡ ንምርኣይ ንኹለን ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚ ኣካል ስሩዕ ኣኼባ ጸዊዑ ዝቐነየ ርክባት፡ ብሰንኪ ኣተሃላልዋ ቦታ ኣባላቱ ንኹሉ ኣብ ግምት ዘእተወ ብውሱን ግዜ ማለት ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጥራሕ ብምክያድ ኢዩ ኣኼቡኡ ከሰላስል ቀንዩ፡፡
ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ፡ ኣብ ሃገራዊ፡ ከባቢያዊ ይኹን ዓለማዊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኣብ ዝገምገመሉ፡ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ብኩሉ መዳያቱ ማለት ኣብ ህዝባዊ ቁጠባ፡ ኣብ ሰለማዊ ፖለቲካዊ ሂወት፡ ኣብ ማሕበራዊ ዝምድና ይኹን፡ ርጉእ ውሽጣዊ ናብራ፡ ንኤርትራን ህዝባን ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ ከስምረሉ ከሎ፡ ነዚ ብኣወንታ ክህሉ ዝግብኦ ፖለቲካዊ መኽሰባት ብሰሪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ሽታ ማይ ኮይኑ ምህላዉ ተገንዚቡ፡፡
ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ዓለማዊ ኣገናዝባ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ሙሉእ ብሙሉእ ንደላይ ለውጢ ብፍላይ ከኣ ንውድባት ኤርትራ ናብ ዝጥዕም ኣንፈት ይቕየር ብምህላዉ ክንረብሓሉ ይግባእ ይብል፡፡ ምኽንያቱ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሃገርና ገባቲ ስርዓት ምህላዉ ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ቡሩህ እንዳኾነ ይመጽእ ብምህላዉ ነቲ ኣቐዲምና ኣለሊናዮ እሞ ኣብ ኣንጻር ምልኩ ብመትከላዊ መስመር ቃልስና ደው ኢልና ዝጸናሕና ዝያዳ ብምሕያል፡ ሓርነትና ክዉን ንምግባር ድሌት ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ቃልሲ ክካየድ ብኡ ኣቢልና ከኣ ንስርዓት ህግደፍ ዕርቃኑ ከነውጽኦ ዝጠዓመ ግዜ ምዃኑ ደንበ ደላይ ፍትሒ ከስተብህለሉ ይግባእ ብምባል ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ መልእኽቱ የመሓላልፍ፡፡ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ፍሹል ሜላ ምሕደራ የካይድን ይኽተልን ብምህላዉ ኣብ ልዕሊ ሂወት ዜጋታቱ ሕሱም ጭፍጨፋ ከም ዘካይድ ጭብጥታት ሰነዳት ተረኺቡዎ ኣብ መጋባእያ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ዓለም ንኽቐርብ ዝደናደነሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ብሽቑረራን ምፍርራሕን ዝግዛእ ዘሎ ህዝብና ካብ ጭቆና ንምንጋፍ ኩሎም ኣብ ናይ ቃልሲ መድረኽ ዝርከቡ ዜጋታት ብክንድ’ታ ዝኽእልዋ ዘበለ ዘድሊ ዕቱብ ናይ ቃልሲ ኣበርክቶኦም ከወፍዩ ጸዊዑ፡፡
ርክብ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ብፍላይ ኣብ ናይ ከባቢና ፖለቲካ ብዕምቖት ካብ ዝዘተየሎም፡ ህግደፍ በቲ ምስ ሰላም ዘይቃዶ ባህሪኡ ጌሩ፡ ኣብ እቲ ከባቢያዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘየርብሕ ቀጥታዊ

ዝኾነ ምትእትታው ይገብር ብምህላዉ፡ ንመጻኢ ናብ ንቡር ንምምላስ ዓቢ ጻዕሪ ዝሓትት ዝተሓላለኸ ኩነታት ይገድፍ ምህላዉ ተገንዚቡ፡፡ ካብኡ ናብኡ ኣብ እዚ ሕጂ እዋን እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣብ ምእዋጅ ኩናትን ዘይርጉእ ሃዋህዉን ተሸጒጡ ዝነብር ገባቲ ስርዓት በቲ ናይ ምፍሳስ ደም ኣእዳው ኣቢሉ ተጽንቢርዎ ዘሎ ኩነታት ናይ የመን፡ ንመጻኢ ልክዕ ከም ምስ ኢትዮጵ ክህሉ ዘለዎ ሰናይ ጉርብትና ንምህናጽ ዘድሊ ዓቢ ስራሕ ዘድልዮ ተንካፍን ተኣፋፍን ሓድጊ ገዲፉ ይዓርብ ምህላዉ ከኣ ርእዩ፡፡ ነዚ ሩኡይ ዝኾነ ተኸሲቱ ዘሎን ክስዕብ ዝኽእልን ኣሰካፊ ኩነታት ብምዕዛብን መሰረት ብምግባርን እምበኣር፡ ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ንሙሁራትን ኪኢላታትን ናይ እዚ ዓውዲ ፖለቲካ ዝኾኑ ደቂ ሃገር ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ፡ ብምግንዛብ ክጻወትዎ ዝግበኦም ተራ ምእንቲ ድሕነት ህዝቦም፡ ሃገሮምን ከባቢኦምን ንስለ ጽቡቕ ኣበርክቶ ታሪኽ ሂወቶምን እጃሞም ከበርክቱ ይጽውዕ፡፡
እዚ ብዘመናዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ ኣብ ኣኼባ ዝቐነየ ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገርዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፤ ህግደፍ ጸረ ኩሉ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ከብሎ ዝኽእል ህሉው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብቐረባ ይዕዘቦ ብምህላዉ እኹል መምዘኒታት ብምንጻር ኣንጻሩ ተቓሊስካ ንምዕዋት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ምስ ኩለን ፖለቲካዊ ፕሮግራመን ኣነጺረን ኣብ ንጥፈታት ምስ ዝርከባ ውድባትን ሃገርና ክሳብ ኣብ ዝተሓተ ነጥቢ መራኸቢ ቃልሲ ኣቓልቦ ብምሃብ ናይ ሓባር ጸላኢ ብናይ ሓባር ቅልጽም ንምስዓር ኣበርቲዑ ክሰርሓሉ ከም ዝጸንሐን ብዝሓየለ መልክዑ ክደፍኣሉ ከም ዝኾነን ኣነጺሩ፡፡ መርኣያ ናይ እዚ ከኣ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ንምቋም ልፍንታዊ ሓይሊ ውድባት፡ ዝያዳ ንምድንፋዕን ካልኦት ውድባት እውን መትከላቱ ብምርኣይ ንኽስዕበኦ ምስ መላፍንቲ ውድባት ብምውህሃድ ኩፉት ማዕጾ ጌሩ ምህላዉን እዚ ንምግባር ከኣ እዋን ቃልስና ዝጠልቦ ዘሎ ኣማራጺ ዘይብሉ ክኸውን ዘለዎ ውድባዊ ዕግበቱ ከም ዝኾነ ኣስሚሩሉ፡፡
ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ- ሕድሪ ኪኖ ልፍንታዊ ሓይልን ምህናጽ ናይ ሓባር ግንባርን፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ ምርኩስ ብምግባር ኣብ ግንባር ይኹን ስምረት ምስ ክጥለብ ዝግበኦ ሓይሊ፤ ድሌት ሓፋሽ ደላዪ ፍትሒ ንምምላእን ብዓቢኡ ከኣ ውድባውን ሃገራውን ሓላፍነቱ ምዃኑ ብምግንዛብ ካብ ናይ ምዕዳም ተበግሶ ድሕር ክብል ከም ዘይኮነ ኣነጺሩ፡፡
ኣብ መወዳእታ ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፡ ነቲ ሓርነት ህዝብና ክዉን ንምግባር፡ ሂወቱ እንዳ ወፈየ ኣብ ግብሪ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ፊት-ንፊት ምስ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ዝገጥም ዘሎ ሰራዊት-ሕድሪ ልዑል ናይ ቃልሲ ምስጋንኡን ብምቕራብ፡ ንኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ ውዳቤታቱ ይኹን ተሓባበርትን ደገፍትን እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝኾኑ ኣካላት ብተመሳሳሊ ካብኣታቶም ዝጥለብ ዘበለ ንምብርካት ብዝገብርዎ ዘለዉ ዘይሕለል ጻዕሪ፡ ናእድኡ ብምምሕልላፍ፡ ንቐጻሊ እውን ካብኣታቶም ዝድለ ዘበለ ንጥፈታት ኣብ ምምላእ ልዑል ተሳታፍነት ከርእዩ እንዳጸውዐ፡ ዝተዋህቦም እምንቶ እጃም ስራሕ ንክፍጽሙ ድሕር ዘይብሉ ምዃኖም ዓቢ እምነት ብምሕዳር እዩ፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ
መጋቢት 31 /2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10242

Posted by on Apr 2 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net