ሕጂ’ውን ንሓባራዊ ጽላል ደንበ ተቃውሞ በርቲዕና ክንሰርሕ ኢና!!

ንስራሕ እሞ ንፈንጣሕ ከኣ! ዶ’ምበር ኢድ ጸላኢ ኣይህልዎን ኢልካ ካብ ምሕሳብ ዓዲ ኣይውዓልንዩ። እወ ንሱ ደኣ ኣበይ ክሰኣን-ጸላኢ`ሞ ካብኡ ሓሊፉ ካልእ ስራሕ የብሉን። እንተኮነስ እቶም ውዲታትን ሸርሕታትን ጸላኢ እናኣፍሸልና ኣብ ዕማም ህዝብን ሃገርን ምድሓን ተዋፊርና ኣለና ንብል ኣካላት ደንበ ተቓውሞ ግን ልዕሊ ሸርሕታት ህግደፍ በሪኽና ክንወጽእ’ዩ ትጽቢት ዝግበረልና። ግን ኣይበቓዕናዮን። እቲ ዝሰርሕ ንሱ ኮይኑ እቲ ዓቕሙ። እቲ ካልእ ክሰርሕ እናኸኣለ፡ ምስቲ ኣይሰርሐን ወይ ፈሺሉ እናተባህለ ዝሕመ ደንበ ተቓውሞ ነብሱ ከተኣሳስር ኣይደለየን። ንሱውን ፍሹል ከይበሃል ያኢ! ስለዝኾነ ከኣ ብማዕዶ ዝዕዘብን ብኾፉ ዝፈርድን ጥራሕ ኮይኑ ብድኻምን ውድቀትን ደንበ ተቃውሞ ዝወራዘ በዚሑ። ኣብ ውሽጢ እቶም ብዓቕሞም ትልኽ እናበሉ ዝሰርሑ ዘለዉ ውድባት ድማ ካብ ኣንጻር ጸላኢ ዝውዕል ውቅዒት ኣብ ሕድሕድ ዝውርወር ጸለመታትን ተጻብኦታትን በዚሑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነውሪ ክረኤን ክስማዕን ንቡር ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ህግደፍ ብዘይካቲ ባዕሉ ዝፍሕሮ መቓብሩ ካብ ተቓወምቲ ውድባት እተሕምሞ መውቃዕቲ ስለ ዘይረኸበ እንተወሓደ ንግዚኡ ሩፍታ ረኺቡሎ።

እንታይዩ እቲ ጸገም ኢልና ብግቡእ ገምጊምና ንጸሊም-ጸሊም ንጻዕዳ-ጻዕዳ ክንብል እንተዘይክኢልና ጸገምና ሕጂውን ቀጻሊዩ። ደንበ ተቓውሞ ግን ካብ ብድፍረት ንዝተጋገየ ክነቅፍን ክእርምን ወይ’ውን ክቐጽዕ፡ መዓለሽ እናበለ ክሓልፎ ክቐሎ’ዩ ጸኒሑ። ካብ ብመትከል ተገሪሑ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘቐድም፡ ብሕኸኸኒ ክሓከካ ዝተነድቀ ጸቢብ ጉጅላውነት ቀንዲ መሳርሒ ቃልሲ ኮይኑ ኣሸጊሩና ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይሰውራዊ ኩነታት ካብ በዓል ጣፍ’ሲ በዓል ኣፍ ከምዝበሃል ደፋራት ሰብ ኣፍ ብሓሶቶም መሬት ዶሮና ጌሮማ ጸኒሖም ኣለዉ። እንተኾነ ሓሶት ናይ ሳልስቲ ምድንጋር ጥራሕ ስለ ዝፈጥር፡ ሎሚ ከም ዓሚ ንህዝቢ ከደናግሩ ኣይክእሉን እዮም። ንሕና’ውን ደጊም እንታይ ክንደግም! ማዕለሽ ምባል ንህዝባዊ ቃልሲ ስለ ዘይጠቅም ገዲፍናዮ ኣለና።

ኣብ ከምዚ ዝጸናሕናዮ ዘይንቡር ኩነታት፡ ሓደ እንተቐዲሙካ ካብኡ ንላዕሊ ጎዪኻ ኣብ ክንዲ ትቕድሞ ሓንኲልካ ተውድቖ እሞ ከምቲ ዝለመድካዮ ዘገም ኢልካ ትቕድሞ ዝዓይነቱ ኣካይዳ’ዩ ነጊሱ ጸኒሑ። ውድባትና ከኣ ካብ ሕድሕድ ስለ ዘይሕሻ ተሓንኲለን ዝወድቃ እምበር ንተጻባኦታት ተጻዊረን ንቕድሚት ዝሓና ኮይነን ኣይጸንሓን። ንተጻብኦ ጸላእትን ተጻባእትን ተጻዊሩን ስዒሩን ንቕድሚት ዝሓንን ብቑዕን ሓያልን መሪሕ ውድብ ምህናጽ የድልየና ኣሎ። ከምኡ ዝበለ ውድብ እንተተሃኒጹ እንተመሪሑ ሰዓቢ ይረክብ፡ እንተተዛሪቡ’ውን ሰማዒ ይረክብ። ከምዚ ዘለናዮ ናይ መሳቱ ቃልሲ ግን ኣዋድቓ ፈረስ እናወደቕካ ምንባር’ዩ ዘኸትል። ድሕሪ ሕጂ ግን ኣዋድቓ ፈረስ ኣይንወድቕን። ዝኸኣለ ይጒየ ዘይከኣለ ይሳለ ዝተሸኽለ ይተኣለ እምበር ዝተሸኽሉ ኣብ ክንዲ ዝእለዩ ንዝጎየዪ ሓንኲሎም ከውድቑ ከነፍቅድ ኣይኮንናን።

እዚ ንውድባት ብተናጽል ክሳቒ ዝጸንሐ ተርእዮ ኣብቲ ሓባራዊ ጽላልና ዝኾነ ሃገራዊ ባይቶ’ውን ድኻማት ተባዚሑ ዝንጸባረቐሉ እምበር ኣዎንታታት ጎሊሑ ዝወጽኣሉ መድረኽ ኮይኑ ኣይጸንሐን። ኣብኡ ዝጸንሓና ኣህላኺ ዝርዝራት ንኻልእ ግዜ ገዲፍና ግን ኣብቲ ሕጂ ቀንዲ መጽሓፊና ጉዳይ ክንኣቱ። ባይቶና ሓሚሙ ትልኽ ክብል ከምዝጸንሐ ንኹሉ ጋህዲ ኮይኑ`ሎ። እቲ ሕቶ ንምድሓኑ`ዶ ንጓየ ወይስ ትልኽ እናበለ ከሎ ቀቢርና ካልእ ሓድሽ ባይቶ ንውለድ’ዩ። እቲ ዝገደደ ሽግር ከኣ ኣብ ንቕበሮ’ዶ ወይስ ነሕውዮ ዘሎ ፍልልይ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ንቕበሮ ዝብሉ ጭራሽ ከምዝቐበጹ ብዘየማትእ መንገዲ ስለዘይገልጹ እቶም ሓድሽ መተካእታ ክፈጥሩ ዝደልዩ ከኣ ፋሕ ኢሎም በብሒዞሞ ዘለዉ ዝምባለታት ነቲ ዘሎ ጸገማት ይፈታሕ ኣይፈታሕ ብዘየገድስ ውድባት ንኽጥርንፉ ምብጋሶም ‘ዩ። ንኽንጥርንፍ ኢልካ ምብጋስ ቅዱስ ሓሳብ’ዩ። ልዕሊ’ዚ ቅዱስ ዕላማ እቲ ናይ ምጥርናፍ ቻምፒዮን ኮንካ ምውጻእ ነብሰ-ሕብጠት (egos) እንተዓብዩ ግን ነቲ ኣብ ጎድንኻ ኮይኑ ክሕግዝ ዝፍትን ዕቑር ሓይሊ’ውን ኣብ ክንዲ ከም ፈታዊ ዝረኤ ከም ተወዳዳርን ተጻባእን ዝቑጸረሉ ኩነታት’ዩ ዘስዕብ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ስለ ዘለና ድማ ኢና እቶም ክንጥርንፍ ዝብሉ ቁጽሮም ልክዕ ከምቶም ንክጥርነፉ ዝድለዩ ዘለዉ ኣካላት እናበዝሑ ዝኸዱ ዘለዉ።  ብርእይቶና ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ፈተነታት ምጥርናፍ  ከነነኣእስ ፈጺምና ዘይንብገስ’ኳ እንተኾንና፡ ካልእ መላሕጸጽ ቆርበትን መጥፍእ ግዜን ንዋትን ጸዓትን ኮይኑ ንኸይተርፍ ዘለና ስክፍታታት ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ ቅድሚ ንካልኦት ምጥርናፎም እቶም ንኽጥርንፉ ተበጊሶም ዘለዉ ወፍርታቶም እንተዘዋሃህዱ ምሓሸ ንብል።

ንሃገራዊ ባይቶ ንምምስራት ዘንቀለና ዓላማታት ቅኑዕ ነይሩ ሕጂ’ውን ንምድሓኑን ዱልዱል ቀጻልነቱን ዝግበር ቃልስታት ኩሉ ቅኑዕ’ዩ። ንሱ ጥራሕ’ውን ኣይኮነን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ነቶም ኣብ ትሕቲ እዚ ጽላል’ዚ ዝጸንሑ ኣካላት ጥራሕ ዘይኮነስ ካብኡ ንላዕሊ በሪኹ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ባይቶ ዘይጸንሑ ኣካላት’ውን ዝግበኦም ክብሪ ሂቡ ንምጥርናፎም ተበግሶታት ክወስድ ዝግባእ’ዩ። ከምኡ ዝኣመሰለ ተበግሶታት ኣይነበረን ማለት ግን ኣይኮነን። ግን ከኣ እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ዘይነበሩ ኣካላት’ውን እንተኾነ ብማዕዶ ብሕመቕ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ክንዲ ምሽክዕላልን ኣይበልናን’ዶ ካብ ምባልን ኣካል ናይቲ ፍታሕ ኮይኖም በሪኾም እንተዝወጹ ክብሪ ምረኸቡ። ከመይሲ፡ እቶም ኣብ ፍታሕ ምርካብ ዝፈሸሉን እቶም ፍታሕ ንምምጻእ ዘይፈተኑን ኩሎም ኣብ ሃገራዊ ክሳራ ማዕረ’ዮም።

ንሕና እዞም ሹዱሽተ ውድባት ዝተፈላለዩ ኣካላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብሓፈሻ እቶም ካብ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ ዘለዉ ኣካላት ከኣ ብፍላይ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርታት ምእንቲ ምጥርናፍ ደንበ ተቓውሞ ኣዚና ነመጉስ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ግን ጻዕሪ ንስለ ጻዕሪ ጥራሕ ከይከውን ኣተኩሮ ዘድልዮ ነገር ከይኣመትና ክንሓልፍ ኣይንደልን።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዳግም ህይወት ክለብስ እንተኾይኑ ወከልቲ ኩሉ ትካላት (ኣካላት) ሃገራዊ ባይቶ ዝሳተፉሉ ሰፊሕ ሰሚናር ተኣትዩ ኩሉ’ቲ ዝጸንሐ ጸገማትና ዘርዚርና ንመያየጠሉን ናብቲ ዝቕጽል ሃገራዊ ጉባኤ ክንኣቱ ዘድሊ ሰናዳትና ካልእ ናይ ኣመራርሕ ረቛሒታትን ተሰማሚዕና እንወጸሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ ንብል። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ሰሚናር ክሳብ ናብ ጉባኤ እተብጽሓና ሽማግለ ክንመርጽ’ውን ዝከኣል’ዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣገዳሲ መስርሓት ሓሊፉ ከይደንጎና ናብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ክእቶ ይከኣል’ዩ። በዚ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ዝእቶ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ነቲ ኣቐድም ኣቢልና ብሰሚናርን ዝተሰማማዕናሉ ሕጋውነት እነልብሰሉ ጥራሕ ይኸውን እምበር ንበኣሰሉን ንዋጠጠሉን መድረኽ ክኸውን ኣይክእልን-ኣይግባእን ከኣ።

በዚ ክሳብ ሕጂ ክኸይድ ዝጸንሐ ኣግላሊ ኣገባብ ግን ተደሚሩ ወይ ጎዲሉ (+ or -) ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ዘካይዶ ጉባኤ እምበር ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ክግበር ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ከኣ መዳኸሚ’ዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት ከኣ ዝርካቡ ዓቕምና ዓቂብና ጸረ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ደኣ ክውዕል ይግባእ እምበር ካልእ መዳኸሚ ብልሓት ከነናዲ ዝምረጽ ኣይኮነን። ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ መሳርሕቱ ኣባላት ሰክረታርያ ዘይተሓወስዎ በይኑ ዝውስኖ ውሳኔን፡ ሕጋዊ ትካል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ደስኪሉ እናሃለወ ተክኒካዊት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከምድላያ እትውስኖን እትጽውዖን ኣኼባታት መሊሱ ዘረሓሕቕ እምበር ምጥርናፍ ዝፈጥር ኣይኮነን።

እቲ ሕጂ ዝደለ ዘሎ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ደንበ ተቓውሞ ነብሶም ካብቲ ከነዓውቶ ንደሊ ኢና ዝብልዎ ዕላማታት ኣትሕት ኣቢሎም ንህዝባዊ ረብሓታት ቀዳምነት ምሃብ ጥራሕ’ዩ። ብትዕቢት ተዋሒጥካ ኣነ’ዶ ክንቀፍ ብምባል ዝኸይድ ድርቅና ዓዲ ኣየእቱን’ዩ። ብኸምኡ ዓዲ ዝስራሕ ነይሩ  እንተዝኸውን ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ብድርቅና ዝተላዕጠጠ ስለ ዘየለ ንዕኡ ምጠቐመ፡ ሃገር’ውን ምጠቐመ። ተፈቲኑ ዝፈሸለ መንገዲ ብማዕዶ ደኣ ንርእዮ እምበር ኣካሉ ክንኸውን ኣይንብህግን።  ኣብ መስርሕ ልዝብን ሕድገታትን ኣዎንታዊ ተራ ክህልዎ ይክእል ኢልና ንርእዮ ድማ ኣብ ሕድሕድ ውድባት ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ብቓልዕን ብስዉርን ዝኸይድ ሕድሕድ ምጥቕቓዕን ጸለመታትን ደው ምባል’ዩ። ጸለመታት መሳርሒ ድኹማት’ዩ። ግልጺ መድረኽን ምክእኣልን ግን ክልመድ ዘለዎ ሰውራዊ መሳርሒ’ዩ።

ምድሓን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ከም ቀዳማይ መማረጺ ኢና ንወስዶ። ከመይ’ሲ፡ ተመኩሮ ነዊሕ ዓመታት በቲ ድኽመቱ’ውን ተማሂርካ ኣብ ልዕሊኡ ትነድቕ እምበር ካብ ምፍራሱ ዝርከብ ረብሓ የለን። በቲ ክኸዶ ዝጸንሐ ኣገባብ ኣይምዉት ኣይስሩር ኮይኑ ክኸይድ እንተቐጺሉ ግን መተካእትኡ ካብ ምንዳይ ዓዲ ኣይወዓልን። እቶም ንሃገራዊ ባይቶ ዘቖሙ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ዕላማታት እዮም ነበርቲ እምበር ሃገራዊ ባይቶ መሳርሒ’ዩ። ዘይሰርሕ መሳርሒ ከኣ ብዝሰርሕ መሳርሒ ምቕያሩ ነውሪ ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ግን ኣተሓሕዛ ደኣ ጸይቕናሉ እምበር ሃገራዊ ባይቶ ዘይሰርሕ ስለ ዝኾነ’ዩ ፈሺሉ ዝብል መደምደታ የብልናን። ስለዝኾነ  ድማ’ዩ ካብ ባይቶ ምፍራስ እቶም ኣተሓሕዛ ዝጸየቑ ተኣልዮም ብካልኦት ንዕኡ ዝበቕዑ ክትክኡ ከም ቀዳማይ ምርጫና እንወስዶ።

ንምጥቕላል እምበኣር፦

  • ሕድሕድ ርኽክባትን ዘተታትን ፖለቲካዊ ውድባት ቀጺሉ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ንኹሉ ዝጥርንፍ ኣሳታፊ ሰሚናር ክእቶ።
  • ሕሉፍ ጸገማትና ይግምገም መፍትሒታት ይንበረሉ፡ ትምህርቲ ንረኽበሉ፡እምበር ናይ ቆዮቓ መድረኽ መታን ከይከውን ድማ ኣቐዲሞም ነዚ ዘንጸባርቑ ወረቓቕቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተፈላልዩ ኣካላት ጥቕልል ኢሎም ክቐርቡ።
  • ቅድሚ ሕጂ ዘይተለምደ’ኳ እንተኾነግን ከም ክተኣታቶ ዘለዎ ባህሊ፡ ካብቲ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ነጻ ዝኾኑ ኣካላትን ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ከም ተዓዘብቲ ክሳተፉ።
  • ክሳብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ከኺደና ዝክእል ትካላዊ ምምዕርራይ ክግበር።
  • ነዚ ኩሉ ሕጋዊ መዕለቢ ክግበረሉ ንኣኼባ ሃገራዊ ባይቶን ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤን መዓልቲ ክውሰን።
  • ካብዚ ዝሓይሽ እማመ እንተቐሪቡ ክንመያየጠሉ ድልዋት ኢና።

ሹዱሽተ ውድባት (in no particular order)

  1. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ)
  2. ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
  3. ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር (ስምኤደሃ)
  4. ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ)
  5. ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ሰደግኤ)
  6. ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ)

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10282

Posted by on Apr 20 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net