ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም አብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ

እቲ መስዋእትን ስንክልናን ብሉጻት ደቂ ሃገር ዝሓተተ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተጸበዮ ሰላምን ራህዋን አየጨበጦን ፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣብ እዋን ባዕዳውያን ገዛእቲ ከማን ርእዩዎ ዘይፈልጥ ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ተፈድዩ ይርከብ። አብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ፤ ሓዘንና ፡ ሞትና ፡ ስቓይና ፡ ማእሰርትና ፡ ስደትና ፡ መከራና ሳዕሪሩ ፤ ኩሉ ነገር ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ኣሎ ፤ እነሆ ክብርና ተቐንጢጡ ፡ መሰልና ተጋሂሱ ፡ንብዓት አደ ንውላዳ ኮይኑ ዘመኑ። ቁጠባዊ ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊን ሰብኣዊን መሰልና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጅሆ ተታሒዙ። ሕድሪ ስዉኣት ተጠሊሙ : ወርቃዊ ዕድል መንእሰያትና ባኺኑ ፡ ገጠራት ኤርትራ ባዲሙ ፡ ወላዲት ወላድ መኻን ኮይና ፡ ቤተሰባት ጸኒተን:: ጭካነ ስርዓት ህግደፍ ቃልዕ ወጺኡ እነሆ ቅንጸላ መንእሰያትና ካብ በረኻ ናብ ከተማ ኣስመራ ኣትዩ ደም ንጹሃት መንእሰያት ኣብ ቅድሚ አዴታቶም ኣብ ጎደና ኣስመራ ክፈስስ ተራእዩ። መከራን ስቓይን ህዝብና ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ሳሕቲ ዝኽሰቱ ተርእዮታት ኮይኑ ‘ሎ።

ነዚ ኩሉ ኢሰብኣዊ ፍጻሜ ኣብ ኣስመራሳህራማእከላይ ባሕሪ እንዳሰማዕና ስቕ ክንብል ሕልናና ኣየፍቅደልናን፣ ታሪኽውን ክሓተናዩ። “ኣነ እንተዘይተበጊሰ መን’ዩ ክብገስ? ጉዳይ ሃገረይ ኣነ እንተዘይጌረዮ መንዩ ዝገብሮ? ሎሚ እንተዘይጌረዮ እሞ ማዓስ ክዓሞ?” ኢልና ነብስና ንሕተት  ከምቀደምና።

እዋናዊ ተመክሮና ኣይ ፍሽለት ጥራይ ኣይኮነን። በቲ ሓደ ወገን፣  መስርሕን ውጽኢትን መርመራ ናይታ ገበናት  ኢሰብኣዊ ስርዓት ህግደፍ ንምጽራይ ትሰርሕን ትቕጽልን ዘላ መርማሪት ኮምሽን ብምድጋፍ ኣብ ኣፍደገ ቤት/ጽ ሕቡራት ሃገራት አብ ጀኔቭን ኒውዮርክን ካልኦት ከባቢታትን፣ ደላይ ፍትሒ ዝገደፈ ገዲፉ ኣሽሓት ማይላት ተጓዒዙ ብኣሻሓት ብምስላፍ  ኣብ ክንዲ እቲ ውጹዕ ህዝቡ፣   ብዓውታ “ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ” ክብል ነጎድጓዳዊ ድምጹ ከስምዕ ምስረኤኻን ምስ ሰማዕካን “ኣንታ እዚ ህዝቢ ዘበግሶን ዝውድቦን እዩ ስኢኑ እምበር ታሪኽ ናይ ምስራሕ ኣመሉ ‘ባ ኣይመተን” ዘየብል ኣይኮነን።

ዝኸበርኩም ሰብ ሕልና ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ወድዓዊ ክውንነት ብምብጋስ ፡ ንሕና ቃንዛ ህዝብና ዝተሰማዓና ቁስሊ እዛ ሃገር ዘቐንዘወና ካብ ዝተፈላለየ ድሕረባይታ ዝመጻናን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላተ-ዓለም እንነብርን ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ደገፍቲ ናይ’ቲ  – ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ (grass-root movement) ዝኾና ተቓለስቲ ኢና።  “ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ “ ወይ Global Initiative To Empower Eritrean Grassroots’ Movement (GIEEGM)” ተባሂሉ ዘሎ ግዝያዊ ናይ ስራሕ ስምና ከምዘነጽሮ ፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቃስ (grass-root movement) ምስ ኩለን ፖለቲካውያንን ዘይፖለቲካውያንን ማሕበራት ብሓባር ብምስራሕን ንኹሎም ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ  ብምስታፍን፣ ምልኪ ብምልጋስ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ከረጋግጽ ዝኽእል  – ዝሰለጠን ኣሳታፍን ቀጻልነት ዘለዎን መንገዲ እዩ ዝብል እምነት ኣሎና።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት አዋርሕ ሰሙናዊ ብመራኸቢ ቴክኖሎጂ ተጠቒምና ክንላዘብን ክንመኻኸርን ድሕሪ ምጽናሕ ከም ኣሳለጥቲ ኴይንና ኣብ ቀረባ እዋን ንኹሎም አብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን “ካብ ታሕቲ ንላዕሊ” ዝመሰረቱ ብናይ ሓፋሽ ህዝቢ ተሳትፎ ፡ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንኽመርጽ ዝጽውዕ ሰነድ ንምቕራብ ከኣ ‘ዩናይ ቀረባ ምደብና ። ስለዚ “ካብ ህዝቢ ንህዝቢ” ክኸውን መታን ነዚ እነዳልዎ ዘሎና ሰነድ ሓፋሽ ህዝቢ ክሳተፎ ስለዘለዎ ኩልኹም ደለይቲ ፍትሒ ነቲ አብ ቀረባ እዋን እንልእከልኩም ሰነድ አንቢብኩም ክታምኩም ከተንብሩሉ ብትሕትና ንጽውዕ።

እቶም ብዝተፈላለየ ርዱእ ምኽንያት ክታምኩም ከተንብሩ ዘይትኸሉ ከኣ ጠለብኩም ተረዲእና አስማትኩም ዓቂብና ኩሉ እትገብሩልና ደገፋት ብስቱር ክንሕዞ ምዃንና ቃል ንኣትወልኩም። እቲ ብህዝቢ ዝቐውም ዓለምለኻዊ መሪሕነት ምስ ፖለቲካውያን ውድባትን ካልኦት ጥርናፈታትን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ባይታ ምፍጣርን ውድቀትን ስዕረትን  ናይቲ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምቅልጣፍን ደኣ እምበር፣ ንውድባት ወይ ካለኦት ጉጅለታት ናይ ምትካእ ዕላማ የብሉን። ተበግሶና ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን፣ ኣብ መጻኢ ስልጣን ናይ ምሓዝ ሕልሚ’ውን የብልናን። ዕላማና  ካብ ምስላጥን ምቛምን ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ ኣህጉራዊ መሪሕነት ኤርትራ ዝሓልፍ ኣይኮነን።

እቶም ክታምኩም ብምንባር ይኹን ብኻልእ ሸነኽ ክትተሓባበሩ ፍቓደኛታት ዝኾንኩም እቲ ክንዝርግሖ ንቀራረበሉ ዘሎና ሰነድ ቅድሚ ምፍናውና ከተንብቡዎን ናይ ምምሕያሽ ርእይቶኹም ንኽትህቡና ክንልእኸልኩም መታን በዚ ዝስዕብ ኢመይል ክትረኽቡና ብትሕትና ንጽውዕ። ዝኾነ ሕቶ እንተሃልዩኩም ወይ መብርሂ እንድሕር ኣድዩኩም’ውን በዚ ዝስዕብ ኢመይል ክትውከሱና ብትሕትና ንሓትት።

gieegm@googlegroups.com

 

ዝርዝር ኣስማት ኣባላት ሓይሊ ዕማም

ስም ከተማ ሃገር ኢ-መይል
ኣሕመድ ብርሃኑ ዋሽንግቶን ሲያትል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ  berhanuamen@yahoo.com
ኣማኑኤል ኢያሱ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ aseye.asena@gmail.com
ፕሮፈሰር ኣርኣያ ደበሳይ ንውኣርክ፣ ደላዌር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ Araya124@gmail.com
ኢራሂም መሓመድ ኣምስተርዳም ነዘርላንድስ ibrahimms100@gmail.com
ዶ/ር ሰለሙን ገብረዝጊ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ solomongg2@yahoo.com
ተኽኣ ዮሃንስ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ teka.yohannes@yahoo.com

 

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10284

Posted by on Apr 21 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net