ማዕለሽ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ

ብፍስሓ ናይር

ማዕለሽ ትብል ቃል ብቋንቋ ዓረብኛ ኣብ መዓልታዊ ኣዘራርባ ዝጥቀምዋ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ዓረብ ግን ዘይትዝውተር ቃል ኢያ፣ትርጉም ብቋንቋ ትግርኛ ፣

“ድሓን፣ጸገም ኣይኮነን” ኢልካ ትሕልፎ ናይ ምጽውዋር ኣመላልሳ ቃል ኢዩ ፣ብሓጺሩ ሕመረት ትርጉሙ፣ናይ ስንፍናን ሸልልትነትን ኣይኮነን፣ እንታይ ድኣ ናይ ኣኽብሮትን ምጽውዋርን፣ ኣብ ባህልና ክንዝውትሮ ዝጸናሕና ዘሎናን ኢዩ። ሰለምንታይ ብጾትና መርሕነት ኣባላት 6 ውድባት ግን ነዚ ቃል ኣብ መግለጺኦም ተጠቂሞም፣ሓደገኛ መልእኽቲ ዘለዎ ኢዩ።

 

መታን ንኣንባቢ ዝይዳ ክበርህ ኣብ ሓተታ መግለጺኦም ከምዚ ዝብል ጥቅሲ ኣሎ፣

 

“እንታይ’ዩ እቲ ጸገም ኢልና ብግቡእ ገምጊምና ንጸሊም-ጸሊም ንጻዕዲ-ጻዕዲ ክንብል እንተዘይክኢልና ጸገምና ሕጂ’ውን ቀጻሊ’ዩ። ደንበ ተቓውሞ ግን ካብ ብድፍረት ንዝተጋገየ ክነቅፍን ክእርምን ወይ’ውን ክቐጽዕ፡ መዓለሽ እናበለ ክሓልፎ ክቐሎ’ዩ ጸኒሑ። ካብ ብመትከል ተገሪሑ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ነቐድም፡ ብሕኸኸኒ ክሓከካ ዝተነድቀ ጸቢብ ጉጅላውነት ቀንዱ መሳርሒ ቃልሲ ኮይኑ ኣሸጊሩና ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይሰውራዊ ኩነታት ካብ በዓል ጣፍ’ሲ በዓል ኣፍ ከምዝበሃል  ሰብ ኣፍ ብሓሶቶም መሬት ዶሮና ጌሮማ ጸኒሖም ኣለዉ። እንተኾነ ሓሶት ናይ ሳልስቲ ምድንጋር ጥራሕ ስለ ዝፈጥር፡ ሎሚ ከም ዓሚ ንህዝቢ ከደናግሩ ኣይክእሉን እዮም። ንሕና’ውን ዯጊም እንታይ ክንዯግም! ማዕለሽ ምባል ንህዝባዊ ቃልሲ ስለ ዘይጠቅም ገዱፍናዮ ኣለና።”

ክቡራት ኣንበብቲ እዝስ እንታይ ይበሃል፣ እቲ ዘሕፍር ደቂ 80- 90 – ናይ ቀደም ወለዶ- octogenarian supreme leaders of Eritrea/ Mullahs ናይ ቀደም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካድራት ዝነበሩ ከምዚ ዓይነት ናይ ምንሻው ኣዘራርባ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣውሪዶም ኣብቲ ናይ ሓምሳታት ፖሊቲካ ኤርትራ ኣብ መንጎ እቶም ንናጽነትን መሰልን ኤርትራ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዝነበረ ዘለፋን ጸርፍን ፣ቀጺሉ ድማ እዚ ሎሚ ንኩልና ዝዋርድ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ኢየ ዝብል ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ መታን ሓደ ክፋል ሕዝቢ ኤርትራ-ክርስትያን ሕዝቢ ከበሳ ንምኽሳብ  ሓንሳብ ደቂ ሓሊማ ሓንሳብ ዓማ ክብልዶ ኣይኮነን ሎሚ ሓመድ ድፍጫኹም ዝስትየኩም ዘሎ፣ እሞ ንስኻትኩም እውን እታ ማሕበረ ኣንድነትን ኢስያሳን ዝተጠቅምዋ እንተተጠቅምና ኢና ንዕወት ኢልኩም ምስቶም 50 ዓመታት ምሳኻትኩም ዝተቃለሱን ዝቃለሱን ዘለዉ ማዕለሽ ዝቋንቆም ገዲፍናዮም፣ ኢልኩም መዋጅኩምሲ ኢስያስ ተቀብለና ዲኹም ትብሉ ዘሎኩም ወይስ እንታይ ኢዩ መልእኽትኹም?

ቀጺልኩም ድማ ንስኻትኩም ደፋራትን ገበርትን ኣረምትን፣ደቂ ማዕለሽ ግን ሓሰውትን ኣደናገርትን፣ጐጃጀልትን ኢልኩም ትኸስዎም፣ ብካልእ ሽነኽ ድማ፣ ከምቲ ኣርእስቲ ጽሕፍኩም ዝብሎ፣ሕጂ እውን እንተኾነ ንሓባራዊ ጽላል በርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ትብሉ ምስመን ምዃኑ ግን ኣይገለጽኩምን፣ግን ምስ መደረኽን……… ካልኦት እቶም ማዕባል/ ገርበል እናበሉ ኣብዚ ፓልቶኮት ንሰውራ ኤርትራ ጸለሎ ክኸድኑ ዝሓድሩን ዝውዕሉን ዶ ይኸውን………….. እቶም ደቂ ሓሊማ ኣነ ከምዝፈልጦም ቋንቁኦም ይኹን ባህሎም ናይ ባእስን ቈየቋን ኣይኮነን……. እታ  ቀንዲ መልኽትኩም ግን ናብ መድረኽ ዝኣመታት ኢያ ትመስል…………… እሞ እዚ ድኣ…………..ከምቲ መስከረም ነት ዝገለጾ ዶ ይኸውን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ትኸስዎ ዝጸናሕኩም መደረኽ መንጎኛ ኮይኑ ወይስ ወዲ ዓድና ስለዝኾነ ነዘን ደቂ ማዕለሽ ንምህራም ንመደረክ ኣብ ጐድንኹም ገርኩምዶ ኣይመስልን፣ ካብ ብመኣስ ድኣ ኢኹም ምስ መደርኽ ዝኣክል ምትእምማን ፈጢርኩም……….. ወይ ጉድ ኣብ እርጋንኩም ናይቲ ኣብ ኣብ ዋዕላ በትገርጊስ ኣብ ኣስማራ ነቦና ኢብራሂም ስልጣን በቶም ቲፎዞ ናይ ማሕበር ኣንድነት ዝተባህለ ምድጋምኩም፣ “በዓል ኣመል ኣመሉ ኢሃድግ ወደብር ኣካኑ” ይብሉ ለባማት ሕዝብና ትግረ ተዘረብቲ፣በዚ ያታ ኣቦታትና ልዝብ ኢዩ ትብሉ ብኣንጻሩ ከኣ ምስ ልምድን ባህልን ልዝብ ዘይብሉ ናይ ስነ-ምግባርን ኣኽብሮትን ዘይብሉ መግለጺ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምውጻኩም ፍሽለትኩም ዝገልጽ ኢዩ፡፤ ከምቲ ኣቀዲመ ዝገለጽኩዎ፣ ንክልቲኡ ጽሕፋት እናዛመድኩ ኣብ ክልቲኡ በብዓንቀጽ ምጽሓፍ ክቅጽል ኢየ……………ተኸታተሉኒ።

 

ጻሓፊ ናይዚ ሓጺር ዓንቀጽ ኣብቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን

ሕጂ እውን እንትኾነ ጽላል ደንበ ተቃውሞ በርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ብዝብል ኣርእስቲ ወጺኡ ዘሎ ናይ 6 ፖሊቲካዊ ውድባትን ድሒሩ ከም መብርሂ ብ15 ውድባት ኣባላት ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምንቡባቡን ምትንታኑን ጸሚዱ ኣብ ቀጻሊ በብዓንቀጹ ርእይቶኡ ክህብ ኢዩ፡፤

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10304

Posted by on Apr 26 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net