ማዕለሽ ምባል ንህዝባዊ ቃልሲ ስለዘይጠቅም ገዲፍናዮ ኣለና

ካልኣይ ክፋል

ብፍስሓ ናይር

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ትርጉምን መልእኽትን ናይቲ ብ 6 ውድባት ኣብ ትሕቲ፣

ሕጂ እውን ንሓባራዊ ጽላል በርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ዝብል ኣርእስቲ ጠቂሰ፣ነበሃህላ ብጾት መርሕነት 6 ውድባት ሓተታ ትሕዝቶ ነቲ ኣርእስቲ ዝሃብዎ ዝገልጽ ዘይኮነስ ተገራጫውን፣ምትእስሳር ዘይብሉ/non-coherent መግለጺ ንፍታሕ ዝመርሕ ዘይኮነስ ንዝያዳ ጽልእን ምርሕሓቅን ዝመርሕ ጽሑፍ ምዃኑ ገሊጸ ነረ ሎሚ ድማ ካልኣይ መቀጸልታ እንሆ፣

 

“ምስ ሰብ ማዕለሽ ተሓንኲልና ሸኺልና ከይንተርፍ፣ነዞም ውድባት ማዕልሽ ሰዒርካ ንቅድሚት ዝሓንን ሓያልን መሪሕ ውድብ ምሕናጽ የድልየና ኣሎ፣ከምዚ ዝበለ ውድብ እንተተሃኒጹ እንተመሪሑ ስዓቢ ይረክብ፣ እንተተዛሪቡ እውን ሰማዒ ይረክብ………..ድሕሪ ሕጂ ኣወዳድቃ ፈረስ ምውዳቅ የለን…………ዝኸኣለ ይጉየ………….ዝተሽኽሉ ይተኣለዩ……….ንዝጐዩ ሓንኲሎም ከውድቁ ኣይነፍቅድን።”

 

ውይከ!!!!!!!!!ሕዝቢ ኤርትራ እኳ ኣብዚ ግዜዚ ጐዪዮም ዘድሕንዎ ኢዩ ዝደሊ ዘሎ፣ ብፍላይ ድማ እቲ ሕዝብና እትብልዎ ኣብ ኣስመራ በዚ ግዜዚ መስረታዊ ንሕይውት ዘድልዩ ከም ዝስተ ማይ፣ መግቢ፣ መዕቆቢ ስኢኑ፣ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ምልካዊ ስር ዓት ዝሳቀ እሞ ዝጐያ ኣፍራስን ዘጋልቡ ሰባትን እንተለዉ …………..እንሆ ጉልጐል…………….እንሆ ፈረስ>>>

 

እቶም 15 ፖሊቲካዊ ውድባት ኣባላት ኤርትራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሓንኰልቲ ከምዘይኮኑ

ኣብቲ ድሒሩ ዝወጽኤ መብርሂ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብሪሆሞን፣ብሰሚናር፣ ድዩ ፣ብምምኽኻር እውን ባዕልኹም ጀሚርኩም ከምዝቀነኹም ኣብ መብርሂኦም ንጹር ኣሎ፣ ኣብ ምምካርን ዘተን ከሎኹም ድኣ እዛ ምትእስሳር ዘይብላ መግለጺት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምውጻኩምሲ፣ እንታይ ኢዩ ዕላማኣ፣ እዝስ፣ እዚኦም መራሕቲ 6 ውድባት እምበርዶ ብጥዕናኦም ኢዮም ዘብል ኢዩ።

 

እስከ ሕሰቡሉ ትማል እንታይ ኢልና ሎሚኸ እንታይ ንብል ኣሎና ኢልኩም ሓሲብኩም ትፈጥዶ ?

 

ገለ ካብቲ ክትብልዎ ዝጸናሕኩም ክጠቅስ፣

 

ገለ መሰረታት ኤርትራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እውን ንኸቀራርቡኹም ሽምግልና ኣካዪዶም፣ንሕና ድሮ ናይ 6 ውድባት ግንባር ነቀውም ኣሎና እቲ ባይቶ መይቱ ኢልኩም ኣፋኒኹሞም፣ ሎሚ ድኣ እንታይ ምስ ረኤኹም ኢኹም፣ ንሓባራዊ ጽላል በርቲዕና ክንሰርሕና ኢልኩም ብጉያ ጉያ መግለጺ ኣውጺኩም፣ እቲ ቅድሚ ዓሚ ዝተመስረተ ግንባር ድኣ ኣበይ በጽሔ፣ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሓያል ውድብ ምሕናጽ የድልየና ትብሉ ቅድሚ ዓመት ግን ስፊሕ ግንባር ከምዝመስረትኩም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ይኹን ፓልቶኮት ዓው ኢልኩም ኣውጅኩም ኢኹም፣ይመስለኩምዶ በዚ ዓይነት ወግሒ ጸብሔ ዝቀያየር መርገጽ ሕዝቢ ክስዕበኩም፣ ወይስ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ወልቀ-መላኺ ስርዓት  ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብብግዜኡ መድናገሪ ዝኾነ መግለጺ እናሃብካ ኢዩ ሕዝብና ዝስዕባና፣ ኢልኩምዶ ይኸውን።

 

ቀጺልኩም ድማ ከምዚ ትብሉ፣

እዚ ንውድባት ብተናጽል ከሳቂ ዝጸንሔ ተር እዮ………ባይቶና ሓሚሙ ትልኽ እናበለ………………..እቲ ሕቶ ንምድሓኑዶ ንጉየ………ወይስ ካልእ ሓዲሽ ባይቶ ንውለድ………………….ብርእይቶና ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ፈተነታት ከነናእስ ዘይኮነስ፣መጥፍእ ግዜ ኮይኑ ንኸይተርፍ ዘሎና ስኽፍታ ቀሊል ኣይኮነን፡፤

 

እንታይ ድኣ ተረኺቡ ኢዩ፣ ኣበይ ኣበለ እቲ ዝጀርኩምዎ ግንባር። ኣብ ቀጻሊ ኣመሰራርታ ግንባራት ናይ ዓለምናን ጐረበት ሃገርና ኢትዮጵያን ኣዛሚደ እዞም 6 ውደባት ኤርትራ ናይ ሓባር ግንባር ከቆማ ይኽእላዶ ብዝብል ትንትና ቀርብ ኢየ።

 

ቀጺልኩም ድማ ፣

 

“ንሃገራዊ ባይቶ ንምምስራት ዘንቀልና ዓላማታት ቅኑዕ ነይሩ ሕጂ እውን ንምድሓኑን ድልዱል ቀጻልነቱን ዝግበር ቃልስታት ኩሉ ቅኑዕ ኢዩ……………….ንሕና እዞም 6…………………ንዝካየድ ምጥርናፍ ደገፍቲ ኢና፣ ንስለ ጻዕሪ ኮይኑ ከይተርፍ ኣትኩሮ ዘድልዮ ምዃኑ ………ገሊጽኩም”

 

ግርም ስኽፍታትኩምን መንቀልን ዕላማን ናይ ኤርትራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ኣመንኩም፣ንዝካየድ ምጥርናፍ እውን ደገፍቱ ካብ ኰንኩም፣ ንዝኾነ ኣሰራርሓ ዝቅይዶ መንቀልን ዕላማን ድኣ እምበር ውልቀ-ሰባት ኣይኮኑን፣ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብደሞክራስያዊ መስርሕ ዝተወልደ ኩሉ-ሓቆፍ ድሕሪ ክንደይ ቃልሲ ዝመጽኤ ኩልና እጃምና ዘበርከትናሉ ኣብነታዊ ናይ ሓባር ጽላል ኢዩ፣ኣብ ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን ድማ ኩልና ብወልቀ፣ ይኹን ብውድብ ተሓተቲ ኢና።

 

ክቡራን ናይ ቃልሲ ብጾት ንደሞክራስያዊ ለውጢመሪሕነት 6 ውደባት ኤርትራ ብስነ-ሓሳብ ናይ ሓባር ስራሕን መንቀልን ዕላማን ካብ ኣመንኩም ሰለምንታይ ናብ ምትሕልላኽን፣ ምውጋድን ትጥምቱ፣ ትፈልጥዶ ኣብዚ እዋንዚ ዞባና ይኹን ፣ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ከምዚ ዘሎ ተቃውሞ ደንበ ኣቃልቦ ኣይህብዎን ኢዮም፣ ምኽንያቱ ውጺኢቱ ከምቲ ኣብ ሃገራት ሰመን ኣፍሪቃን ሃገራት ማእከላይ ምስራቅን ዘሎ ዝተራእየ ኮይኑ ኣብታ ሃገር ሰላምን ቅሳነትን፣ ተሳኢኑ፣ እታ ሃገር ብናይ ውግእ ጐይቶት ተመሪሓ ኣይሃገር ኣይመንግስቲ ኮይና ትተርፍ፣ ሰለዚ ናብ ከምዚ አቅጣጫ ንከይመርሕ ደንበ ተቃውሞ ብልሓትን ፍልጠን ጥበብን ከድልየና ኢዩ፡፤ ሰለዚ ኣትኩሮና ብ ኤርትራ ደረጃ ጥራሕ ዘይኮነ ከም ኣካል ናይ ማሕበረ-ሰብ ክንሓስብን ክንሰርሕን ኣሎና።

 

ይቅጽል……………………………..

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10308

Posted by on Apr 27 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net