ማዕለሽ- ካብ ባይቶ ምፍራስ እቶም ኣተሓሕዛ ዝጸየቁ ይተኣለዩ

ሳልሳይ ክፋልን መጨረሽታን

ብፍስሓ ናይር

ኣብ ናይ ሎሚ ሳልሳይን መጨርስታን ክፋል ነቲ ትሕዝቶ መግለጺ 6 ፖሊቲካዊ ውድባት ኣብ ኣገደስቲ ነጥብታት ጸሚቈ ምስቲ ሳይንሳዊ ኣፍልጦ ብኤክስፐርትስ ዝተዋህበ መዔቀንታት ከነጻጽሮ ክፍትን ኢየ። ትሕዝቶ መግለጺ 6 ውድባት ጽማቅ ብብነጥቢ ኣብዚ ታሕቲ ኣቀሚጠየን ኣሎኹ መታን ኣንባባይ ክርድኣኒ፣

  1. ማዕለሽ ምባል ንህዝባዊ ቃልሲ ሰለዘይጥቅም ገዲፍናዮ ኣሎና፡
  2. ንዝጐዩ ዝሕንኩሉን ዘውድቁን ኣይነፍቅድን፣
  3. ብትዕቢት ተዋሒጥካ ኣነዶ ክንቀፍ………ዝብሉ፣
  4. ተፈቲኑ ዝፈሸለ መንገዲ ብማዕዶ ደኣ ንርእዮ እምበር ኣካሉ ክንከውን ኣይንብህግን፣
  5. በዚ ኣግላሊ ኣገባብ ግን ተደሚሩ ወይ ጐዲሉ….. ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዘካይዶ ጉባኤ እምበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ክግበር ዝከኣል ኣይኮነን፣
  6. ሰሚናር ወከልቲ ኩሉ ትካላት ሃገራዊ ዝሳትፍዎ ክግበር፣
  7. ሃገራዊ ባይቶ መሳርሒ ኢዩ፣ ዘይሰርሕ መሳርሒ ምቅያሩ ነውሪ ኣይኮነን፣
  8. እቶም ኣተሓሕዛ ዝጸይቁ ይተኣለዩ ብካልኦት ንዕኡ ዝበቅዑ ክትክኡ ከም ቀዳማይ ምርጫና እንወስዶ፣
  1. ንምጥቅላል ዝቀረበ ነጥብታት፣

 

– ሓድሕድ ርኽክባትን ዘተታትን…………………..ዝጥርንፍ ሰሚናር፣

– ሕሉፍ ጸገማትና ይግምገም፣መፍትሕታት ይንበረሉ፣

– ክተኣታቶ ዘለዎ ባህሊ፣

– ክሳብ ካል ኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝ ከኣል ትካላዊ ምምዕራይ……

– ነዚ ኩሉ ሕጋዊ መ ዕለቢ ክግበርሉ……….ን ኣኼባ ……….መዓልቲ ክውሰን፣

– ካብዚ ዝሔሽ እማመ እንተቀሪቡ ክንመያየጠሉ ድልዋት ኢና፣

 

ክቡር ኣንባቢ መግለጺ 6 ፖሊቲካዊ ውድባት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምስ ወጽኤ ቅድሚ ድማ በዞም መራሕቲ 6 ውድባት በብተራ ንመቃለስቶም ካብ ህግድፍ ዝባኣሱ እምባገነን ኣብዚ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዘለዉ መራሕቲ ኢዮም ብምባል ኣብቲ ለይቲ ምስ መዓልቲ ኣብ ፖልቶኮት መጺኦም እዚ ምባሎም ብጣዕሚ ዘጉሂ ኢዩ፣

 

ብመነጽርን ኣረዳድኣን ልዝብ ኣብ መንጎ ክልተ ተጻባእቲ ክካየድ ከሎ ከማልኦ ዘለዎ ኣካደምያውን መሰረታዊ ቅጥዕታትን ኣለዎ፡፤ ገለ ካብኡ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ከምዘሎ የቀምጦ ኣሎኹ፣

 

Basic Techniques for negotiation/ Dialogue/ መሰረታዊ ብልሓት ንዘተ

 

-Techniques and strategies for negotiation/dialogue are highly dependent on context. Discuss the points above. ብልሓትን ስትራተጅን ንዘተ  ኣብቲ ትሕዝቶ ዝተመርኰሰ፣ ን ኣብነት እቲ ኣብ መንጎ 6 ፖሊቲካዊ ውድባትን 15 ፖሊቲካዊ ውድባትን ዝተረኽበ ግርጭት ክሳብ ክንድዚ መሰረታዊ ኣይነበረን እንታይ ናይ ውልቀ ሰባት ግርጭት ኢዩ።

The aim of negotiation is not to help a conflicting partner to win at the expence of the other but for the advantage of all/ Win-Win strategies of negotiation. ዕላማ ናይ ዘተ ንሓደ ወገን ብዋጋ እቲ ካል እ ተዛታያይ ንክስዕር ክትሕግዝ ዘይኮነስ፣እንታይ ድኣ ኩሎም ዝጥቀሙሉ ሰዓርን ተሳዓርን ዘይብሉ ምስ ዝኸውን ዕዉት ይኸውን። ኣብ ኤርትራውያን ዘተ ብከምዚ ዕላማ ዶ ነካይዶ ወይስ…………ኣይመስለንን።

 

– Good process of negotiation increases the chance of good outcome. ጽቡቅ መስርሕ ናይ ዘተ ዕድላት ናይ ጽቡቅ ውጽ ኢት የብርኽ፣

Good process complements the natural competition of negotiation by generating co-operation. ጽቡቅ መስርሕ ምትሕብባር እናምጽኤ ነቲ ባህርያዊ ውድድር ናይ ዘተ ምልኣት ይህቦ

 

A good process: ጥዑይ /ጽቡቅ መስርሕ ዘተን ሕግታቱን

Promote confidence building between the partners. ጥዑይ መስርሕ ዘተ እምነት ኣብ መንጎ እቶም ተጠቀምቲ/ተዋሳቲ የዕዝዝ፡፤

 

Some basic rules of the negotiation/ ገለ መሰረታዊ ሕግታት ናይ ዘተ

 

– Ensure confidentiality- A standard ground rule- confidentiality is the keystone of negotiation- ምርግጋጽ / ኩሎም ወገናት ዝሰማም ዑሉ ክሳብ መጨርሽታ ዝረዳዱ ኣብ ቃልዕ ከይወጽእ ወይ ድማ ከምዚ ሕጂ ብጾት መርሕነት ኣባላት 6 ውድባት ምስቶም 15 መርሕነት ፖሊቲካዊ ውድባት እናተራኸቡ ከለዉ ኣብ መድያ ወጺኦም መግለጺ ምውጻእ ነቲ ጀሚሮም ዝጸንሑ ናይ ዘተ ርክብ ይዕንቅፍ፣ ሰለዚ

– Demonstrate competence and commitment- ብቅዓትን ትግባረን፣ ክሳብ እቲ መስርሕ ዘተ ዝውዳእ ናይሓድሕድ ምኽብባር ካብቲ ናትካ መሻረኽትካ ኣፍልጦን ድልየትን ምስቲ ናይ ዘተ መስርሕ ክሳብ ኣብቲ ትደልዮ ትበጽሕ፣ብቅዓትን ትግባረን ኣብ መስርሕ ዘተ ናብ ምትእምማን ውጺታውን ይመርሓካ፡፤

–  Emphathise- Empathy- seeing things not only by your eyes but see by others eye. It is important to see your opposing parties as human beings, try  at least to understand they too have pain and anger. እቶም ንስኻ ብዓይንኻ ከምጸይቅትን፣ ጐጃጀልትን ትርዮም ንሶምከ ንኣኻ ብዓይኖም ከመይ ይርዩኻ፣ ምሳኻ ብርእይቶ ምስዝፍልዩ ከም ኣጋንንቲ ኣይትርኣዮም እንታይ ድኣ ከም ሰብ። ጥቅሲ ናይ ነልሶን ማንደላ፣ ምስ ጻላእትኻ ድኣ ኮፍ ትብል እምበር ምስ ኣዕሩኽትኻ እንታይ ኣድለየ ይብል፣ እሞ መራሕቲ 6 ፖሊቲካዊ ውድባት እቲ ኣብ ላዕሊ ካብቲ ጽሕፍኩም ዘውጻእክዎን ብፍጹም ናብ ዘተ ዘምርሕ ኮይኑ ኣይረኽብክዎን፣ እንድሕሪ ዘይተኣምኑ ኰንኩም ኣብዚ ጽሑፋት እዚ ክትውከሱ እምሕጸነኩም፣

  1. Democracy and Deep-Rooted Conflict: Options for Negotiators: wrttien by international experts and experienced negotiators( See, IDEA – International Institute For Democracy and Electoral Assistance)

 

– Retain belief in a solution- If the frustration of the process grow to great, consider the alternatives to negotiation. Rememebr the reasons that brought one’s party to the table. Expect bumps in the road, but maintain a commitment to keep travelling/

ኣብ ፍታሕ እምነት አሕድር፣ 6 ውድባት ኣብ መግለጺኦም ስኽፍታ ቀሊል ከምዘይኮነ ይገልጹ፣ ወላ እኳ ተስፋ-ቀቢጽነት እናዓበየ እንተኸደ፣ካል እ ምርጫ ንዘተ ኣብ ግምት ኣእቱ፣ ንሓደ ወገን ኣብ ዘተ ዘምጽ ኦ ምኽንያታት ዘክር፣ ኣብ መገዲ ዘተ ዕንቅፋታት ክጓነፍ ከምዝከል ፍለጥ፣ ግንከ ነቲ መገዲ ዘተ ኣይተቋርጽ።

 

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጥቅሰ ጽሕፍኩም ምስ ልምድን ባህልን ኣገባብን ናይ ዘተ ዝገራጮ ናይ ምንሻውን ምጽያቅን ኮይኑ ረኺበዮ፣ግን ነቲ ናይ ንባብ ዓቅሙን ምርምርን ትሑት ዝኾነ ኤርትራዊ ግን ከምቃሕ ዝበሎም ክትርግምዎ ዕድል ሂብዎም እንሆ ኮ ሎሚ ኣብ ፖልቶኮት ይኹን ካል እ ንደንበ ተቃውሞ ከድክሙ ዝተፈላለዩ መርዚ ዝነዝሑ፣ ንኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ከም ናይ ኢስላም ምስኡ ኣታሒሕዝካ ድማ ነቲ ባይቶ ናብ እስልምና ምጽጋዑ ሳዕባኑ ሓደገኛ ክኸውን ኢዩ፡፤ ኤርትራ ደኦምክራስያዊ ኪዳን ይኹን እቲ ካል ኣይ ጉባኤ ናይ ባይቶ በቶም ዝድግፍዎ ክኸውን ኣለዎ፣ እቶም 6 ውድባት ከልእ መሳርሒ ኣሎና ካብ በሉ………..መገዲ ጻዕዳ ይግበርሎም። እቶም 15 ፖሊቲካዊ ውድባት ድማ ሕዝቦም ኣኪቦም ንካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ይቀራረቡ፡፤ ቅድሚ ሕጂ እውን መስርሕ ዘተ ብመንገድና እንተዘይኮነ ኢሎም ካብ መስርሕ ዘተ ዝተርፉ ነሮምን ኣለዉን፣ ምሕዝነትን፣ ብሓባር ምስራሕን ብድልየትን ዕግበትን እምበር ብግዲ ኣይኮነን። እቶም ብሓንሳብ ክሰርሑ ዝኽእሉ ካልኣዊ ድዩ ብዙሓዊ ዝምድና ገሮም ክሰርሑ መሰሎም ኢዩ፡፤

 

እቶም 6 ውድባት ድሮ ሰፊሕ ግንባር ኣብ ምሕናጽ ሰለዘለዉ ዓወት እምነየሎም፡፤

 

ደራሲ እዚ ጽሑፍ እቶም 15 ውድባት ይኹኑ 6 ውድባት ንሓደ ዝድግፍ ነቲ ሓደ ዝቃወም ዘይኮነስ፣ እቲ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝግበር ካል ኣዊ ድዩ ብዙሓዊ ናይ ብሓንሳብ ምስራሕ ብድልየት እምበር ብግዲ ኣይኮነን እዚ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ በቶም ተመራመርቲ ማሕበራዊ ሳይንስ ብፍላይ ድማ ስነ-ቁጠባዊ ከም( See Robins 1990: PP 121, Mintzberg 1994:p 5-8; Dijkstra 1998) ኣብ መጽናዕትታቶም ዘመስከርዎ ኢዩ፣ጸኒሖም ድማ ኩሎም ውደባታት ናይ ግላውን ሕዝባውያን ዝምርኰስዎ ኣምር ስለ ዝኾነ ክሕግዘና ይኽእል ብዝብል ኣብታ ዝቅመጥላ ሃገር ምስቶም ክኢላታት ትካላት ብምርኽካብ ንደንበ ተቃውሞና ብሓባር ናይ ምስራሕ ዓቅምታትናን ክእለትናን ክብ ንምባል ክሕግዘና ዝኽእል ምንጭታት ብምድላይ ካብ 2001 -2016 ዝተወከስክዎ ድኣ እምበር ኣልዕል ኣቢለ ዝጻሓፍክዎ ኣይኮነን፡፤

 

 

ዝተወከስኩዎም ትካላትን መጽናዕታዊ ጽሑፋቶምን

 

  1. IDEA- Institute Democracy and Electoral Assistance/ Global
  2. NIMD- Netherlands Institute Multiple Democracy
  3. Einstein Institute for peace and democracy/ Gene sharp
  4. SIDA- Swedish International Development Agency

 

All the materials from these above mentioned institutes provide skills and knowledge for us activists in our struggle from dictatorship to democracy.

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10311

Posted by on Apr 28 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net