መዓለሽ’ስ እንብዛ’ኳ በዚሑ!!

ቀዳማይ ክፋል

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ልዕሊ ኩሉ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ሓደጋ ዕንወትን ምብትታንን ምድሓን ኣብ ትሕቲ ዝብል መሳጢ ዝኾነ ጭርሖ ብ2011’ዩ ተመስሪቱ። ኮይኑ ግን ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ነቲ ዝቆመሉ ዕላማታት ክልለለን ክጭበጥን ዝኽእል ኣድማዒ ተራ ከይተጻወተ ብዙሕ ቅልውላቅ ክሓልፍ ጸኒሑን እንሆ የሕልፍ’ውን ኣሎ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣድማዒ ተራ ከይጻወትን ብዝተፈላለየ ቅልውላው ክሓልፍን ዝገበሮ ምክንያታት ብርክት ዝበለ’ዩ። ገለ ካብኡ ንምጥቋስ ዝኣኽል ገለ መራሕቲ ፖሎቲካዊ ውድባት ኣብ ጉዕዞ እቲ ሓባራዊ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ልሉይ ኣሉታዊ ተራ እናተጻወቱ ከለዉ ግቡእ ነቐፌታዊ ገምጋም ዘይምቕራብን ሱር ነቐል ዝኾነ መኣረምታ ዘይምግባርን’ዩ። መዓለሽ ብምባል ዕሸሽ ወይ ሸለል ጥራይ ዘይኮነስ እንተ ብውልቀ እንተስ ብጉጅለ ብግብሪ ነቲ ኣሉታዊ ተራ ዝጻወት ዘሳስን እሙን ድኹዒ ዝኸውንን ኣካላት ምህላዉ ብጣዕሚ ካብቲ ዘሕዝን ተርእዮ’ዩ። ከምቲ <<መዓለሽ ከመል ኣልጀሽ>> ዝበሃል ምስላ ንተሓኤ ምስቲ ኩሉ ሰራዊታ ንውድቀት ከተምርሕ እጃም ከም ዝተጻወተ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ሕጂ’ውን ኣብ መስርሕ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ማእከሉ ፍጹም ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘይገብር ዝምድናታት ንሞራል ህዝብን ተቓለስትን ክሳብ ክንደይ ገዚፍ ሃስያታት ከውርድ ምጽንሑን ምህላዉን ብምግንዛብ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ክንመሃሉን ክውገድን ጥራይ’ዩ ዝግባእ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ መዓለሽ ምባል ይኣኽል ንዝብል ሰናይ ሓሳብ ምንሻውን ምንጻግን ኣብ ዕንክሊል ንምንባር ዘሎ ድሌት ጥራይ’ዩ ዘመላክት።

ኣቶ ፍስሃ ናይር ብቅጽበት ምስ መዓለሽ ትብል ቃል ብምትእስሳር ዝተባህለን ዘይተባህለን ከላግብ፡ ኣጉል ፍልስፍና ክህብን ድሑር ኣተሓሳስባ ከሳውርን ዝደረኾ ምክንያት፡ ብርግጽ ሓልዮትን ጥብቕናን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ምክንያቱ እቲ ብዕሊ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ንህዝቢ ተዘርጊሑ ዘሎ ጽሑፍ ንባዕሉ መንነት ደራሲኡ ብንጹር ዘጉልሕ ጽሑፍ ምዃኑ ይእምት። ቋንቋ ዓረብ ከም ቋንቋ ንሓደ ሃይማኖታዊ እምነት ዘለዎም ኣካላት ዝውክል ወይ ንካልእ ኣካል ሕ/ሰብ ድማ ዝርሕቆ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ። ብርግጽ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነት ዘለዎም ዜጋታት ዓረብ ቋንቋኦም ዓረብ ምዃኑ ዝዘንግዐ ይመስል። ኣብ  ኤርትራ ድማ ቋንቋ ዓረብ ዝቐርቦን ዝርሕቆን ኣካል ሕ/ሰብ ምህላዉ’ዩ ዝሕብር። ብዝኾነ ግን ቋንቋ ዓረብ ንሓደ ሃይማኖታዊ እምነት ዘለዎም ኣካላት ዝውክል ወይ ንካልእ ክፋል ሕ/ሰብ ዝርሕቕ ኣይኮነን። ኣብ ፖሎቲካዊ ቻርተር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኩሎም ቋንቋታት ኤርትራ ማዕረ ምዃኖም ትግርኛን ዓረብኛን ድማ ዕላውያን ቋንቋታት መንግስቲ ክኾኑ ኣስፊሩ ንረኽቦ። ስለዚ ኣቶ ፍስሃ ናይር ነቶም መዓለሽ ዝቋንቁኦም ብዝብል ክገልጽ ዘገደዶ ምክንያት ንባዕሉ ካበናይ ድሑር ዝኾነ ኣተሓሳስባ ከም ዝብገስ ንምልላዩ ብዙሕ ዘጸግም ኣይኮነን።

ካብኡ ዝኸፍአ ድማ ኣቶ ፍስሃ ናይር ንመዓለሽ ትብል ቃል ኣብ ዘመነ 50ታት ተመልሱ ምስ ማሕበር ኣንድነትን ምስቲ ገባቲ ኢሳይያስ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታቱ ንምርግጋጽ ኣብ ዘመነ 60ታት ዝጥቐመሉ ዝነበረ ድሑር ዝኾነ ዝንባሌታትን ንምዝማድ ምፍታኑ’ውን ካብቲ ኣዝዩ ዘደንጹ’ዩ። ማሕበር ኣንድነት ከም ኣተሓሳስባ ናይቶም ሽዑ ብእምነት ዝሓዝዎን ዝዋስእሉ ዝነበሩን ፖሎቲከኛታት ደኣምበር ንሓደ ኣካል ሕ/ሰብ ዝውክል ፖሎቲካዊ መስመር ኣይነበረን። ኢሳይያስ ካብ ዝብገስ ኣትሒዙ ናይ ባዕሉ ጸቢብ ፖሎቲካዊ መስመር ሒዙ ዝተበገሰን ጸረ ህዝቢ ገባቲ ስልጣን ጨቢጡ ን25 ዓመታት ዝኣኽል ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝብትንን ዘዕኑን ዘሎ መራሒ ምዃኑ፡ ኣሽንኳይ’ዶ ንነዊሕ ዓመታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣንጻሩ ዝቓለሱ ዘለዉ ሓይልታት ትማል ብድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት ንዝተወለዱ ወለዶታት እናተጋህደ ዝመጸ ሓቂ’ዩ። ፖሎቲካዊ መስመር ኢሳይያስ ንዕኡን ንጉጅልኡን ዝምልከት ደኣምበር ንዝኾነ ክፋል ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝውክል ዘይምዃኑ ኣቶ ፍስሃ ናይር ብግቡእ ዝግንዘብ ኣይመስለንን። ፖሎቲካዊ መስመር ህግደፍን ዕላማታት ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ክልተ ክትዓረቕ ዘይኽእል ተጻራሪ መርገጻት ብምዃኑ፡ ትማሊ ሎሚን ጽባሕን ንኢሳይያስ ዝሽሕጥ ኣተሓሳስባ ዘይምህላዉ ርዱእ ክኸውን ይግባእ። ንእግረ መንገደይ ግን ሓደ ካብቲ ህ/ግንባር ሜዳ ኤርትራ በይኑ ክብሕትን ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክጭብጥን ዝገበረ ረቋሒታት ብሉጻት ካድራት ተሓኤ ኣብ ዝመረጾ ግዜ ይኹን ቦታ ክጨውን ክቕንጽልን ከሎ መሪሕነት ተሓኤ መዓለሽ ብዝብል ይሓልፎ ብምንባሩ ዘምጽኦ ሳዕቤን ምዃኑ ፍጹም ክዝንጋዕ ኣይግባእን።

ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ተገላባጢ ፖሎቲካዊ እምነታትን መርገጻትን ምንጽባርቑ ሕሉፍ ታሪኽ ባዕሉ ዓቢ ምስክር’ዩ። ሶቭየት ሕብረት ከም ተሓላቒት ውጹዓት ኣህዛብ ዓለምን መሪሕ ዴሳዊ ደንበን ዝወስዱ፡ ብፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ኣቢላ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዴሳዊ ስርዓት ንምትካል ትጽዕር ምንባራ ዝኣምኑ ፖሎቲካዊ መምሃራን ነበሩ። ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ምስቲ ዘካይዶ ዝነበረ ምድልዳል መሬትን ምህጋር ኣባይትን ሕ/ሰብኣዊ ሰውራ የካይድ ምህላዉ ብምእማን፡ ንሕቶ ሃገራዊ ነጻነት መዓለሽ ወይ ዕሸሽ ብምባል ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እታ ብደርጊ ክትህነጽ ዝሓስብዋ ዴሳዊት ኢትዮጵያ’ዩ ዝፍታሕ ብምባል ዝምህሩ ሃዋርያት ምንባሮም ክዝኽር ይግደድ። ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ ምስ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ብምዝታይ ንኤርትራ ኣብ ሰለስተ ክፍልታት ወይ ዞባታት ብምክፋል ራስ ግዥ ዝብል ፖሎቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝተሓንገጡ፡ ነዚ ዕላማታት’ዚ ንምዕዋት’ውን ክንደይ ላዕልን ታሕትን ዝጓየዩ ኣካላት ከም ዝነበሩ ኣይዝንጋዕን። ንሳቶም ካበናይ ሕ/ሰብ ነይሮም ብዘየገድስ እቲ ዝተሓንገጥዎ ዕላማታት ንዕኦም ዝውክል ደኣምበር፡ ንድሌታትን ባህግታትን ገለ ክፋል ሕ/ሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ኣይነበረን።  ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ገለ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ምስ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብሕቡእ ዘተ ዘካይዱ ምህላዎም ኣብ ገለ ዓቢ ተሰማዕነት ዘለወን ጋዜጣታት ሱዳን ብዕሊ ዝተቓልሓሉ ኩነታት ኣሎ’ዩ። እዚ’ውን ሓቅነት ምስ ዝህልዎ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ወይ ንሓደ ክፋል ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝውክል ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ።

ብዝኾነ ኣቶ ፍስሃ ናይር ብመሰረቱ ብርዒ ኣልዕሉ ክጽሕፍ ክጅምር ከሎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ከይፈርስ ካብ ዘለዎ ሰናይ ድሌት ዝብገስ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ከምቲ ኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን ዝበሃል ንመን ንምክልኻልን ምጥባቕን ከም  ዝተበገሰ ካብ ማንም ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብ 3ይ ክፋልን መጨረሻን ድርሰቱ <<መዓለሽ ካብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ምፍራስ እቶም ኣተሓሕዛ ዝጸየቁ ይተኣለዩ>> ክብል ካብ ደፈረ፡ ብቀዳምነት ነቲ ኩሉ ግዜ ብጸይቕታት፡ እከይ ሸርሕታትን ምዝራግን እንተዘይኮይኑ ብኣውንታዊ ራእይን ተግባርን ዘይልለ ኣቶ በሺር እስሓቕ ይተኣለ ክብል ዘኽእል ፖሎቲካዊ መንነትን ሕልናን ከም ዘይብሉ ርዱእ’ዩ። እዚ ንስለ ፖሎቲካዊ ሃልኺ ወይ ካብ ባዶ ብምብጋስ ንኣቶ በሺር እስሓቕ ንምጽላም ዘቕርቦ ዘይኮነስ ኣብ ሓቀኛ ውድዕነት ዝተሞርኮሰን ኣብ ባይታ ዝድህሰስን ምዃኑ ንምርግጋጽ ብጭቡጥ ኣብነታት ደጊፈ ከቕርብ’የ። ነዚ ጽሑፍ’ዚ ብድሕሪ ምንባብ እቶም ንጻዕዳ ጻዕዳ ንጸሊም ድማ ጸሊም ክንብል ፍጹም ጸገም የብልናን ብምባል መግለጺ ዝዘርግሑ ኣካላት ሕጂ ንስለ’ቲ ሓቂ ንጻዕዳ ጻዕዳ ንጸሊም ድማ ጸሊም ክብሉ እናተባባዕኩ ህዝቢ ዝጽበዮም ምዃኑ ከዘኻኽር ይፈቱ።

ብፍረ ሓቂ ዓወት

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10318

Posted by on May 7 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net