መዓለሽ’ስ እንብዛ’ኳ በዚሑ!!

ካልኣይ ክፋል

ኣቶ በሺር እስሓቕ ንፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ዝተባህለ ውድብ ዝመስረተን ብኣቦ መንበርነት ዝመርሕ ዘሎ ባእታን ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ። ፖሎቲካዊ ብቕዓቱ፡ እጃሙ ኣብ ሓድነት ውድቡ ምዕቓብ፡ ምስ ኣባላት መሪሕነቱን መሰረታቱን ዘለዎ ዝምድናታት፡ ባህርያቱ፡ ተጸዋርነቱ፡ ስነ ምግባሩ ………….ወዘተ እንታይ ይመስል? ልዕለይ ኣፍልጦ ክህልዎ ዝኽእል ኣቶ ፍስሃ ናይር ስለዝኾነ ባዕሉ ክገልጽ ከም ቅኑዕን ዝበለጸ ምርጫን ክወስድ’የ። ኣብ መስርሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ዝነበሮ ተራን ኣብ ጉዕዞ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝጻወቶ ድራማታትን ግን ጽባሕ ንውሽጣዊ ሕልናይ ዘይወቕስ ትዕዝብትታተይ ብዘይዝኾነ ጎደሎን ምግናንን ምግላጽ ንዓይ ዝምልከት ሓላፍነት ምዃኑ ብጽንዓት ይኣምን። ኣቶ በሺር እስሓቕ ክህልዎ ዝኽእል ፖሎቲካዊ ራእይ፡ ብቕዓት፡ ንቃልስን ተቓለስትን ዘለዎ ክብርን ምስ ሰባት ዘለዎ ዝምድናታትን ክሳብ ክንደይ’ዩ? ብዘየገድስ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ኮይኑ ተመዚዙ ምንባሩ ዝዝኸር’ዩ። ብዘይቀለዓለም መዓለሽ ዝወለዶ ወይ ብሃሳሰ ለባም ዝተገብረ እንተዘይኮይኑ ኣቶ በሺር እስሓቕ በየናይ መምዘኒታትን ረቋሒታትን’ዩ? ኣቦ መንበር ኣስናዳኢት ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ኮይኑ ተመዚዙ ንዝብል ግሩህ ሓታታይ ካብ ስግንጢር ሓሊፉ ካልእ መልሲ ዝወሃቦ የልቦን።  

ብርግጽ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ስርሓቱ ምስ ጀመረ ብሰንኪ’ቲ ዘይልዙብ ኣንደበትን ዘይርጡብ ኣገባብ ኣካይዳን ኣቶ በሺር እስሓቕ መብዛሕቶም ኣባላቱ ሕጉሳት ኣይነበሩን። ንድፊ ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ርእይቶን ሓሳብን መላእ ተሳተፍቲ ብሓፈሻ ካብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ወጻኢ ንዝነበሩ ፖሎቲካዊ ውድባት ድማ ብፍላይ ኣብ ግምት ንምእታዉ ከየቕረበ’ዩ ንምግባእ ኣምሪሑ። ካብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ወጻኢ ንዝነበሩ ፖሎቲካዊ ውድባት ክብሪ ብምሃብ፡ ነዚ ረዚን ሓባራዊ ሃገራዊ ዕማምን ባህግታትን’ዚ ከመይ ብሓባር ከነዓውቶ ንኽእል ብዝብል ምስኦም ብምርኻብ ዘተን ልዝብን ከካይድን ርእይቶኦም ክሰምዕን ፍጹም ድልውነት ኣይነበሮን። ኣብ ኣሳታትፋ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ዝነበረ ሓላፍ ዘላፍ ኣካታዒ ጉዳይ ኮይኑ ብምንባሩ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ርእይቶን ቕሬታን ንዝነበሮም ኣካላት ዝሰምዕ እዝኒ’ውን ኣይነበሮን። ብኣንጻሩ ክሳተፉ ምስ ዝደልዩ ጽቡቕ ነቲ ዝተዋህቦም ቁጽሪ ምስ ዘይቕበሉ ድማ ባዕሎም ይፈልጡ ግደፍዎም ዝብል ዕቡይ መልሲ ይህብ ነይሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ብክንድ’ቲ ርዝነቱን ከዓውቶ ዝነበሮ ኣገዳሲ ሽቶን ንድፊ ሰነዳቱ እንታይ ይመስል ነይሩ ዝብል ሕቶ ምልዓል ኣድላዪ ይኸውን። ኣብ ስርዓተ ቋንቋ ትግርኛ እንዶ ዘይነበሮ ኣብ ትርጉም ክልቲኡ ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ድማ ፍጹም ተመሳሳልነት ዘይብሉ ኣብ ገለ ገሊኡ ኣብ ሕድሕዱ ዝጋጮን’ዩ ዝነበረ። ካብኡ ዝኸፍአ ግን ፖሎቲካዊ ራእይኡን ክሃርሞ ዝደሊ ሽቶን ንጹርነት ዘይነበሮ፡ ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ህዝብን ዘይጥርንፍ፡ ንገሊኡ ታሪኽ ኣጋኒኑ ዘቕርብ ንገሊኡ ድማ ዝጥምዝዝ ምንባሩ ኩሎም ተሳተፍቲ ዝምስክርዎ ሓቂ’ዩ። ብርግጽ’ውን ተሳተፍቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ኩሉ ዝነበሮም ስምዒታት ብምጉሳይ ንስለ’ቲ ህዝባዊ ቃልስን ሓድነት ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ብዝነበረ ብርቱዕ ሃንቐውታን ድሌትን ንምምዕርራዩ ብዙሕ ጻዕሪታት’ኳ እንተገበሩ፡ ፍጹም ክመዓራረ ዝኽእል ኣይነበረን። ብኣቶ በሺር እስሓቕ ዝምራሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ርጡብ ንድፊ ሰነዳት ከቕርብ ብዘይምኽእሉን ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ እንታይ ሒዙ ክወጽእ? ንጹር ዝኾነ ራእይ ሒዙ ብዘይምቕራቡን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ክቐውም ብዝቐረበ ሓሳብ ኮምሽን ተመስረተ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ምቹእ ፖሎቲካዊ ባይታ ስለ ዘይተጣጣሓሉን ምስቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ርጡብ ንድፊ ሰነዳት ሒዙ ዘይምቕራቡን ተደማሚሩ ንኣቶ በሺር እስሓቕ በዳሒ ዝኾነ ሕቶታት ኣብ ዝቐርበሉ ዝነበረ እዋን ምጽዋርን ብቁዕ መልሲ ምሃብን ተሳኢንዎ በቲ ልሙድ ባህርያቱ ንተሳተፍቲ ከናሹን ክዝልፍን’ዩ ተራእዩ። ተሳተፍቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንሓባራዊ ዕላማን ዕማምን ንምዕዋት ከም ዝመጹ ብምዝንጋዕ፡ ፍተዉ ጽልኡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን’ዩ ኣምጺእኩም ክብል’ውን ፈኸረ። ብሰንኪ’ዚ ዘይልዙብ ኣንደበቱን ተራጻሚ ባህርያቱን ድማ ምስ መላእ ተሳተፍቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ናብ ምትፍናን ኣትዩ እቲ መድረኽ ንጫውጫውን ታዕታዕን ከምርሕ ከምቲ ልሙድ ኣሉታዊ እጃሙ ተጻወተ። ድሒሩ ግን ገለ ለባማት ዓገብ ምስ በልዎ ከይፈተወ ይቕሬታ ክሓትት ተገደደ።

ኣቶ በሺር እስሓቕ ብምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ፍጹም ሕጉስ ኣይነበረን። ኣብቲ እዋን’ቲ ናይ ዘይሕጉስነቱ መርኣያ ብኣቶ ፍስሃ ናይር ኣቢሉ እዚ ኮምሽን’ዚ ግንባር ክልተ ኣውራጃታት ሓማሴንን ኣከለጉዛይን’ዩ ከም ዝበለ ብጽሑፍ ከይተረፈ ተታሒዙ ዘሎ ሰነድ ምህላዉ ይሕብር። ኣቶ በሺር እስሓቕ ንባዕሉ ጽኑዕ ሃይማኖታዊ እምነት ዘይብሉ ክንሱ፡ ብኣካልን ስልኪን ምስዞም ክርስትያን ኣብ ሓደ ፖሎቲካዊ ውድብ ከመይ ኢልኩም ትቓለሱ ዝብል ጎስጓስ ከም ዘካይድ’ውን ዝፍለጥ’ዩ። ኣቶ ፍስሃ ናይር’ውን ብእምነቱን ርእይቶኡን እቶም ቋንቋ መዓለሽ ዝጥቐሙ ዝብሎም ኣካላት ሕ/ሰብ ቆየቋን ባእስን ከም ዘይፈትዉ፡ ከምኡ’ውን ሕድገታት ከም ዝገብሩ፡ እቶም ካልእ ቋንቋታት ዝጥቐሙ ኣካላት ሕ/ሰብ ድማ ቆየቋን ባእስን ከም ዝፈትዉን ሕድገታት ከም ዘይገብሩን ብድፍረት ክገልጸልና ምብቕዑ ይገርም’ዩ። እዚ ንገለ ክፋል ሕ/ሰብ ዘመላክዕ ንካልእ ክፋል ሕ/ሰብ ድማ ዘነኣእስ: ጎዛዛዪን ፈላላይን ዝኾነ መግለጺ’ዚ ካብ ሓደ ንህዝቢ ይቓለስ ዝብል ኣባል መሪሕነት ሓደ ፖሎቲካዊ ውድብ ዝወጽእ ዘሎ ኣበሃህላ ምዃኑ ብጣዕሚ ኣነዋርን ዘሕፍርን’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣቶ በሺር እስሓቕን ኣቶ ፍስሃ ናይርን ኣበናይ ኣካል ሕ/ሰብ ከም ዝስርዑ ማለት ካብቲ ባእሲ ዘይፈቱን ሓድገታት ዝገብርን ድዮም ወይስ በኣንጻሩ? ከብርሃልና ዕድመይ የቕርብ።  

ኣቶ በሺር እስሓቕ ንድፊ ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ነቲ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክኸውን ዝመዘዞ ኣካል ኣየቕረበን። ስለዝኾነ ድማ ኣብ መድረኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ዝፈጠሮ ጸገማትን ሕልኽልኻትን መላእ ተሳተፍቲ ዝፈልጥዎ ሓቅታት ኮይኑ፡ ድሕሩ ፍጹም መወኸሲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ክኸውን’ውን ኣይበቕዐን። ብድሕሪ ምዝዛም ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ’ውን እንተኾነ ጸብጻብ ስርሓቱን ዝወጸ ባጀትን ንመሳርሕቱ ዝነበሩ ይኹን ነቲ ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ ክኸውን ዝመዘዞ ኣካል ከቕርብ ፍጹም ድልውነት ኣየርኣየን። ብተደጋጋሚ ብፍላይ ጸብጻብ ባጀት ከቕርብ ንዝቐረበሉ ዝነበረ ሕቶታት እንቢ’ኳ እንተዘይበለ ብግብሪ ግን ተግባራዊ ክገብር ብዘይምኽኣሉ ፍጹም ረብሪቦም መዓለሽ ኢሎም ገደፍዎ። እዚ ዝለመደ ኣቶ በሺር እስሓቕ ኣብ ካልእ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ንምግማቱ ብዙሕ ኣይእግምን’ዩ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ድራማታት ኣቶ በሺር እስሓቕ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ እንታይ ከም ዝመስል ኣብ ሳልሳይ ክፋል ሒዘልኩም ክሳብ ዝቐርብ ሰናይ ቅነ። ሕጂ’ውን ኣብ ትሕዝቶ ጽሑፈይ ንጻዕዳ ጻዕዳ ንጸሊም ድማ ጸሊም ክብሉ ዝኽእሉ ኣካላት ምስ ዝህልዉ ብክብሪ ይዕድም።

ብፍረ ሓቂ ዓወት

08 ግንቦት 2016            

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10320

Posted by on May 11 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net