መዓለሽ’ስ እንብዛ’ኳ በዚሑ!!

ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ክቡራት ኣንበብቲ ብመሰረት’ቲ ዝኣተክዎ ቃል እንሆ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል ጽሑፈይ ሒዘልኩም ይቐርብ።

ከምቲ በዓል ኣመል ኣመሉ ነይገድፍ ዝበሃል ምስላ ኣቶ በሺር እስሓቕ ብቀጥታ ድሕሪ ምዝዛም ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንኩሉ’ቲ ዝተበጽሐ ንጹር ዝኾነ ፖሎቲካዊ ስምምዓትን ውሳኔታትን ብምጥሓስ፡ ኣብ ተመክሮ ቃልሲ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ሓድሽ ፍልስፍናን መጎትን ሒዙ ጽዑቕ ወፍርታትን ጎስጓስን ከካይድ ተበገሰ። ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ኣሰናዳኢት ሽማግለን ማዕረ ሓላፍነትን ስልጣንን’ዩ ዘለዎም ብምባል ብድፍረት ክገልጽ ኣይሓፈረን። ካብዚ ብምብጋስ’ውን ነቶም ብዕድመን ተመክሮን ካብኡ ዝንእሱ ጌይሩ ዝወስዶም፡ ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝተመዘዙ ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ብምንእኣስን ምጉሳይን ኣብ ዞባታት ተሓጋገዝቲ ዞባዊ ሽማግለታት ንምምስራት ተጓየየ። ከምኡ’ውን ካብ ደገፍትን ፈተውትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ን2ይ ሃገራዊ ጉባኤ መካየዲ ዝኸውን ክርኸብ ዝኽእል ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዛት ብቀጥታ ናብ ሳጹን ኣስናዳኢት ሽማግለ ክኣቱ ከም ዘለዎ መምርሒታት’ውን ኣመሓላለፈ። በዚ ምክንያት ድማ ኣብ መንጎ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ኣሰናዳኢት ሽማግለን ዘይምቕዳው ተበጊሱ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንሓድሽ ቅልውላው ገጹ ከምርሕ ታሪኻዊ ግድነት እናኾነ መጺኡ።

ኣቶ በሺር እስሓቕ ዝመርሖ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ብቁዕን ጽፉፍን ዝኾነ ንድፊ ሰነዳት ከቕርብ ከም ዘይበቕዐ ብግብሪ ኣመስኪሩ’ዩ። ሕጂ’ውን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዘንጸባርቕን ንሓድነት መላእ ኣካላቱ ዝዕቕብን ብቁዕ ዝኾነ ንድፊ ሰነዳት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ከቕርብ ኣይኸኣለን። እቲ ዝኸፍአ ግን ብቅዓትን ዘይብቅዓትን ናይቲ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝቐረበ ንድፊ ሰነዳት ብዘየገድስ፡ ኣቶ በሺር እስሓቕ ነቲ ንጹር ዝኾነ ፖሎቲካዊ ስምምዓትን ውሳኔታትን ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብምጥሓስ፡ ብዘይዝኾነ ኣፍልጦን ምውኻስን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንድፊ ሰነዳት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ንታሕቲ ክወርድ ገበረ። ብተደጋጋሚ ንፖሎቲካዊ ስምምዓትን ውሳኔታትን ምጥሓስ ድማ፡ ንዕላማታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝጻረር: ንመላእ ተሻረኽቲ ኣካላቱ ክብሪ ዘይህብ ብምዃኑ: እቲ ቅልውላው ክዛይድ ከምቲ ልሙድ ኣመሉ ልሉይ ኣሉታዊ ተርኡ ተጻወተ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ንምእላይ ድማ ኣብ መንጎ ኣባላት ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን /ኤዲኪ/ ካብኡ ወጻኢ ዝርከቡ 5ተ ፖሎቲካዊ ውድባትን ኣብ ገሊኡ ዝሰማምዕሉ ኣብ ገሊኡ ድማ ዝፈላለይሉ መርገጻት ተንጸባረቐ።

እቲ ብኣቶ በሺር እስሓቕ ዝምራሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዘቕረቦ ንድፊ ሰነዳት ዘይብቁዕን ንመላእ ኣካላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዘየንጸባርቕን ምዃኑ፡ ብሓባራዊ ጻዕርታት ምእራሙ ከም ዝኸኣል ዝብል ኣብ ኣካላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ተመሳሳሊ መርገጻት ብምንጽብራቑ ዝኾነ ይኹን ፍልልይ ኣይተመዝገበን። ኣወራርድኡ ዝምልከት’ውን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዘይዝኾነ ኣፍልጦ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ፖሎቲካዊ ውድባትን ንታሕቲ ምውራዱ ግጉይን ዘይሕጋውን ምንባሩ ሓባራዊ ርእይቶ ኮይኑ፡ ንዕኡ ንምእራም ኣብ ዝውሰድ ስጉምትታት ግን ንጹር ፍልልያት ተመዝገበ። ብ5ተ ፖሎቲካዊ ውድባት እቲ ግጉይን ብዘይሕጋዊ መንገድን ንታሕቲ ወረዱ ዘሎ ንድፊ ሰነዳት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ውዱቕ ምዃኑ ብዕላውን እውጅን መንገዲ ክእረም ኣለዎ ዝብል መርገጽ ወሰዱ። ኣባላት ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን /ኤዲኪ/ ድማ ኣይፋሉን ፖሎቲካዊ ፍታሕ ክንገብር’ዩ ዘለና፡ ነቲ ንድፊ ሰነዳት ብሓባር ብምእራም ምስ ዝወርድ እቲ ኣቐዲሙ ወሪዱ ዘሎ ብቀጥታ ውዱቕ ስለ ዝኸውን ብዕላውን እውጅን መንገዲ ምግላጽ ኣድላይነት የብሉን ዝብል መርገጽ ሓዙ።

ብወገነይ እቲ ብኣባላት ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን /ኤዲኪ/ ዝተታሕዘ መርገጽ ምንጪ መበግሲኡ ንክብሪ ኣቶ በሺር እስሓቕ ዝጣበቕ፡ ንፖሎቲካዊ ስምምዓትን ውሳኔታትን ግምት ዘይህብ፡ ንዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ’ውን ዘተባብዕ ምዃኑ ይኣምን። ብርግጽ’ውን እቲ ጸሓፊኡ መን ምዃኑ ዘይሰሓት፡ መግለጺ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን /ኤዲኪ/ ክንሱ ብስም 15 ፖሎቲካዊ ውድባት ዝተደርሰ ሰነድ ነቲ ብ5ተ ውድባት ዝተታሕዘ መርገጽ ካብ መንፈስ ስዓራይን ተሳዓራይን ዝብገስ’ዩ ክብል ገለጹ። ብርግጽ’ውን ንሳቶም ኩሉ ግዜ ንፖሎቲካዊ ስምምዓትን ውሳኔታትን ሰጊሩ ዝዕንድር ተደጋጋሚ ኣሰራርሓ ክሰዓር ድሌትን ባህግን ከምዘይብሎም ብንጹር ካብ ኣቐመጡ፡ ብወገነይ እወ ብዘይቀለዓለም ኩሉ ግዜ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዘይኽተል ጸይቒ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ክሳራ ንሓድነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ኣካላቱን ድማ ብፍላይ ስለ ዘይዕቕብ ክሰዓር ኣለዎ ይብል። ብጋህዲ ከኣ እቲ ፍልልይ ኣብዚ ምህላዉ’ዩ ዘመላኽት።  

ንእግረ መንገደይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን /ኤዲኪ/ ገለ ፖሎቲካዊ ውድባት ሓዊሱ ብመንገዲ ስሚናር ኣቢሎም ነቲ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ተነዲፉ ዝነበረ ንድፊ ሰነዳት ከም ዘመዓራረይዎ ዝወሃብ መግለጺ ክሳብ ክንደይ ሕጋውነት ኣለዎ? ዝብል ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ ክሕብር ይፈቱ። ምክንያቱ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንብዙሕ ፖሎቲካዊ ዝንባሌታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ዝውክል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብሰንኪ’ቲ ተደጋጋሚ ዝፍጠር ቅልውላውን ምጥሓስ ፖሎቲካዊ ውሳኔታቱን ንባዕሉ ኣብ ምልክት ሕቶ ካብ ዝኣቱ ነዊሕ ግዜ ኣቁጺሩ ብምህላዉ። እቶም ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝተመዘዙ መሪሕነት ባይቶ፡ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ኣሰናዳኢት ሽማግለን ሕጂስ ሕጋዊ ሓላፍነት’ውን የብሎምን። ስለ ዝኾነ ድማ ፍሉያት ፖሎቲካዊ ውድባት ብዝገብርዎ ምርድዳእ ነቶም ሕጋዊ ሓላፍነት ዘይብሎም ኣካላት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ክግበር ምሕሳብ ሕጂ’ውን ንቃልሲ ዓቢ ክሳራ’ዩ። ስለዚ ወከልቲ ኩሎም ኣካላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝሳተፍዎ ሰሚናር ብምስልሳል፡ ምንጭን ተሓታትነትን ናይቲ ጭቡጥ ዝኾነ ተደጋጋሚ ፍሽለታትን መፍትሒታቱን ምንዳይ ጥራይ’ዩ እቲ ቅኑዕ ምርጫ ዝኸውን። ካብዚ ሓሊፉ ግን ብምንጪ ናይቲ ፍሽለታት ዝሕተቱ ኣካላት ብምስሳይ መዓለሽ ብዝብል ወይ ብግዝያዊ ጽገናታት ክመጽእ ዝሕሰብ ለውጥታት ዳግማይ ፍሽለት ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ዘምጽኦ ፋይዳ የብሉን።    

ብዝኾነ ትሕዝቶ ጽሑፈይ ንምጥቕላል ዝኣኽል፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝተፈላለየ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያን ዕላማታትን ዘለዎም ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ዝውክል ክሳብ ዝኾነ፡ ንድሌት መላእ ኣካላቱ ዘንጸባርቕ ክኸውን ይግባእ ደኣምበር መዓንደሪ ሓደ ርእይቶ ዝውንን ጉጅለ ወይ ምትእኽኻብ ክኸውን ኣይግባእን። ንህዝቢ ኤርትራ ዝብትንን ዘዕኑን ዘሎ ዓንዳሪ ጉጅለ ህግደፍ እናጸላእካ፡ ከምቲ ሓያል ኣንበጣስ ግራትካ በሊዑ ኣብ ሕጓኻ ይሓድር ዝበሃል ምስላ ኩሉ ዋጋታት ቃልሲ ንዕንደራ ኣቶ በሺር እስሓቕን ንሱ ዝፈጥሮ ተደጋጋሚ ቅልውላውን ክትቕበል ዘገድድ ምክንያት ፍጹም ኣይህሉን’ዩ። ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ክትህሉ ዝበሃግን ምርጫ ዝውሰድን ብሓባር ንምቕላስ ካብ ዘሎ ድሌትን ሕልናን ደኣምበር ንምልሕሓጽ ወይ ድኹዒ ኣቶ በሺር እስሓቕ ንምዃን ኣይኮነን። ፖሎቲካዊ ውድባት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘይተዳህሰሰ ሓድሽ ክስተትን ምዕባሌን ብመትከላት እንካን ሃባን ክዝትዩ፡ ክላዘቡ፡ ክቐራረቡን ሕድገታት ክገብሩን ኣብ ዝኾነ መስርሕ ቃልሲ ንቡርን ኣገዳስን’ኳ እንተኾነ፡ ፖሎቲካዊ ስምምዓትን ውሳኔታትን እናተጣሕሰ ከሎ ግን መዓለሽ ክበሃል ወይ’ውን ሕድገታት ክግበር ምሕሳብ ናይ ጥዕና ዘይኮነስ፡ ፖሎቲካዊ ቁማር ወይ’ውን ውድቀት ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ከምቲ መዓለሽ ከመል ኣልጀሽ ዝበሃል ምስላ ንውድቀት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዓዲሙ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ልዕልነት ህ/ግንባር ኣረጋጊጹ ሓደ ካብቲ ምልካዊ ስርዓት ክንቕበል ዘገደደ ረቋሒታት ምዃኑ ምስትውዓል ይሓትት። ኣብ ዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ’ውን ብስንኪ መዓለሽ ምብዝሑ ኣብ ዕንክሊል ክነብር ካብ ዝገብር ዘሎ ሓደ ካብቲ ምክንያታት ምዃኑስ ኣይተረፎን። ኩሉ ነገር ደረትን ዶብን ስለ ዘለዎ ከኣ ኣሽንኳይ’ዶ መዓለሽ መዓር’ውን ምስ ዝበዝሕ ዝቐትል ምዃኑ ማንም ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።   

ኣቶ በሺር እስሓቕ፡ ኣቶ ፍስሃ ናይር፡ ኣቶ ኣቡበከር ፍሬታይን ብዙሓት ንዕኦም ዝኣመሰሉ ኣካላትን ንዘይቅኑዕ ኣይቅኑዕን ንዘይሕጋዊ ድማ ኣይሕጋውን ዝብል ርእይቶ ምሓዝ ብውሕዱ መሰል ምዃኑ ብምቕባል ንምኽባሩ ወይ’ውን ብጭቡጥ ዝኾነ ወድዓዊ መርትዖታት ንምስዓሩ ፖሎቲካዊ ብቕዓት የብሎምን። ኮይኑ ግን ግዝያዊ ፖሎቲካዊ ረብሓታት ዝረኽቡ እናመስሎም ግዲ ኮይኑ፡ ንዝኾነ ጉዳይ ምስ ማሕበር ኣንድነትን ኢሳይያስ ኣብ ዘመነ ሱሳታት ንዝጥቐመሉ ዝነበረ ድሑር ዝንባሌታትን ብምትእስሳር ፖሎቲካዊ ምንዝርና ክሰርሑ ይዕዘብ። በዚ ፖሎቲካዊ ግዕዝይናን ጸረ ደሞክራስን ዝኾነ ኣጉል ፈተናታት’ዚ ዝሽቑረር ወይ ዝደሃል ጽሩይ ፖሎቲካዊ መስመርን ውሽጣዊ መንፈስን ዘይምህላዉ ብግቡእ ክፈልጡ ይግባእ። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውን ምስቲ ኩሉ ሓይሉን ዓቕምታቱን ንምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ክንቕበል ግድነት ምኾነ ነይሩ ይመስለኒ።

ኣብ ገምጋም ህልዊ ፖሎቲካዊ ውድዕነት ኤርትራ ብቁዕ ዝኾነ ንቅሓትን ብስለትን ብዘይምውናን ዝፍጽም ዘሎ ጌጋታት እንተኮይኑ ግን ማሕበር ኣንድነት ኣተሓሳስብኡን ውዳቤኡን ምስ ውድቀት መስፍነ ስርዓት ሃ/ስላሴ ኣብቒዑ’ዩ። ንኤርትራ ኣብ 3ተ ክፍልታት ደንካልያ፡ ከበሳን ቆላን ዝኸፋፍል ኣተሓሳስባ’ውን ምስ ውድቀት ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ኣኸቲሙ’ዩ። እዚ ክልቲኡ ኣተሓሳስባ’ዚ ንዝኾነ ክፋል ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝውክል ብዘይምንባሩ ድማ: ንዕኡ ዝናፍቕ ዘይምህላዉ ኣይጠራጥርን። እቲ ኣብ ሃገርና ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብምጭባጥ ህዝብን ሃገርን ዘጥፍእ ዘሎ ጨካን ኢሳይያስን ጉጅልኡን እንተኾነ’ውን ንዝኾነ ክፋል ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝውክሉ ኣይኮኑን። ኣይፋሉን ኢሳይያስን ጉጅለ ህግደፍን ኣብ ሃገርና ዝውክልዎ ኣካል ሕ/ሰብን ክፋል ሃይማኖትን ኣለዎም’ዩ ዝብሉ ምስ ዝህልዉ ግን፡ እንተላይ ንኣቶ በሺር እስሓቕን መሰልቱን ብምድማር፡ እቲ ኣብ መላእ ኤርትራን ህዝባን ዝበጽሕ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ግፍዕታትን ግህሰታትን ዘይብጽሖም፡ ንመን ከም ዝቓለሱ’ውን ዘይርድኡን ጥራይ’ዮም ክኾኑ ዝኽእሉ።     

ኣብ መደምደምታ ኣቶ በሺር እስሓቕ ፖሎቲካዊ ብቕዓት ዘይብሉ፡ ናይ ስራሕ ተበግሶታት ዘይወስድ፡ ኣብ ግቡእ ቆጸራታት ኣኼባ ዘይርኸብ፡ ንተቓለስቲ ፍጹም ክብሪ ዘይህብ፡ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዘይኽተል፡ ማዕዳን ምክርን ዘይቕበል፡ ብዘይዝኾነ ቅልውላው ክነብር ዘይኽእል፡ ግርጭታት ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ድሑር ዝንባሌታት ዘሳውር: ምስዚ ኩሉ ድማ ክቱር ህርፋን ስልጣን ዘለዎ ባእታ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ ብተደጋጋሚ ንዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳይ ክመርሕ ምምዛዙ፡ ምውካሉን ምቕባሉን ብሓቂ ንረብሓ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደኾን ይኸውን? ካብኡ ሓሊፉ’ውን ብተደጋጋሚ ጸይቕታት እናጸየቐ ክሳብ ዝስዕርር ምስኡ ሕግብግብ ምባልን ንዕኡ ምጥባቕን ብርግጽ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ እንታይ እጃም‘ኾን ይህልዎ ይኸውን? ናይ ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ነቲ ንጻዕዳ ጻዕዳ ንጸሊም ድማ ጸሊም ክንብል ፍጹም ጸገም የብልናን ክብል ብስም 15 ፖሎቲካዊ ውድባት ክደርስ ቅንጣብ ሕፍረት ዘይተሰመዖ ደራሲ ክገድፎ’የ። ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ጽሑፈይ ተበጊሱ: ብድፍረት ንጻዕዳ ጻዕዳ ንጸሊም ድማ ጸሊም ክብል እናተባባዕኩ ብዙሓት ኣብ ትጽቢቱ ምህላዎም ይሕብር። 

ክቡራት ኣንበብቲ ሰናይ ንባብን ርሑስ ቅነ በዓል ነጻነትን ክኾነልኩም ይምነ።  

ምስ ክቡር ሰላምታ

ብፍረ-ሓቂ ዓወት                                       

20 ግንቦት 2016

   

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10335

Posted by on May 21 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net