መግለጺ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኣጋጣሚ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ

ENSF

መግዛእታዊ  ወተሃደር ኢትዮጵያዊ ካብ ኤርትራ ተሓግሒጉ ካብ ዝወጽእ፡ እነሆ ርብዒ ዘመን ገይሩ ኣሎ። መላእ መሬት ኤርትራ ሓራ ብምዃንን፡ ተፈላጥነት ኣህጉራዊ ማሕብረ ሰብ ዝረኸበት ሃገረ ኤርትራ ብምቋምን፡ ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ዕማም ሰውራ ኤርትራ ተረጋገጸ’ዩ።

 

እዚ ዓይነታዊ ለውጢ’ዚ፡ ኣብ’ቲ መሪር ጎዕዞ ተጋድሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ሓይልታቱ ብሳላ ምስታፍ ዝተረጋጋጸ’ዩ።

 

ነዚ ዕላማ’ዚ ንምርግጋጽ ክብል ልዕሊ ሳላሳ ዓመታት ብረታዊ ተጋድሉ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ኩሎም ፖለቲኮ ማሕበረ ሓይልታቱ ኣብ ምውሳን ፖለቲካዊ ውሳኔ ብምስታፍ፡ ኣብ መላእ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ብምስፋን፡ ነቲ ዝተናወሐ ኲናት ዘዕነዎ ዳግም ብምዕራይን ሓዳስ ኤርትራ ብምህናጽን፡  ጻማ ተጋድሎኡ ክረክብ ይግብኦን ባህራያውን ነበረ።

 

እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኣብ ኮረሻ ፖለቲካዊ ስልጣን ብዘይሕጋውን ዲሞክራስያውን መንገዲ ዝሓዂረ  ሓይሊ፣ ኣብ ዝተናወሐ ሃገራዊ ተጋድሎ ጸረ ኢትዮጵያዊ መግዛእታዊ ስርዓታት ንዝተቃለሱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብምንጻግ፡ በይናውን ኣግላልን ፖለቲካዊ መርሓ ተኸተለ። ፖለቲካዊ ስልጣኑ ንምቕጻል፡ ነዚ ንርብዒ ዘመን ዝቐጸለ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ናብ ምስራጽ ተጓየየ። ንናጽነት ካብ ሃገራዊ ትሕዝቶኡ ባዶሽ ብምግባር፡ ንሃገር ናብ ዓቢ ቤት ማሕቡስን ነጻጊት ደቃን ለወጣ። ካብ ዝተፈላለዩ ሕብረተ ሰብኣዊ ቀጸላታት ከም መንእሰያት፣ ዲፕሎማስያውያን፣ ካድራትን መራሕትን ህግደፍ፣ ሰራሕተኛታት ሲቪል ስርቪስን፣ መማህራን፣ ስነ ጥበባውያን፣ ጋዜጠኛታት፣ ስፖርተኛታትን ሰራዊትን ትሕተ ዕድመ ህጻናትን ሂወቶም ዘውሕሱሉ ቦታ ንምርካብ ናብ ስደት ክውሕዙ ይግደዱ ኣሎዉ። ስርዓት ህግደፍ፣ ምስ ኩለን ጎራባብቲ ሃገራት ብጻሕተሮ ከንቶ ውግኣት፣ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዓቢ ጉድኣት ኣስዐበ፣ ብኣማእት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝብና ካብ ቦትኡ ንክዘናበልን፣ ሰፊሕ ቦታታት ሃገርና ዓነወን።ቁጠባውን ንግዳውን ምንቅስቓስ ንታሕቲ ኣንቆልቆለ።

 

ብስንኪዚ ኩሉ ከኣ፣ ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ፡ እታ ቀዳመይቲ ሃገር፣ ዜጋታታ ብብዝሒ ናብ ስደት ዘምርሑ ኮይና ትርከብ። ኣብ ምድሪ በዳ ስይናእን ማእከላይ ባሕርን፡ ስቅያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣቃልቦ ሰብኣዊ ውድባት ክስሕብ ኮይኑ’ዩ። ምስ’ቲ ኩሉ ስቅያት ግን፡ ዋሕዚ ሰደተኛታት ኤርትራውያን መዓልታዊ ከዛይድ ይረአ ኣሎ። ከምኡ’ውን ከም ግድነታዊ ውጽኢት ጉጉይ ፖሊሲታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ቁጠባዊ ቅልውላው ኩነታት ኤርትራ ብዝኸፈአ የንቁልቊል ብምህላዉ፡ መንግስቲ መስረታዊ ኣገልግሎታት ንህዝቢ ከቅርብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፣ ኣብ ኣስመራ ካብ ነዊሕ ጊዜ ናይ ማይን መብራህትን ሕጽረት፡ ከምኡ’ውን ሰፊሕ ተርእዮ ስራሕ ኣልቦነት ክኽሰት ጸኒሑን ኣሎን።

 

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ካብ’ቲ ዝሓለፉ ግዜ ንላዕሊ ንሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ብዝህድድ ሓደጋታት ኣብ ዝህውጸሉ ዘሎ ወቅቲ፡ ሓፋሽ ህዝብና ብከቢድ ተጋድሎኡ ንዘረጋገጾ ሃገራዊ ናጽነት ንምዕቋብ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ ለውጥታት ሓቀኛ ረብሓ ዘሎዎም ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕን ኣምሳያኡ ኣብ ፖለቲካውን ሰልፋውን ብዙሕነት ዘትከለ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን፡ ዕቱብን ስሙርን ቃልሲ ንምክያድ፣ ብሓባር ታሪኻዊ ሓላፍነት  ኪንስከም ንጽውዕ። እዚ ድማ ዝሓለፈ ምዕራፍ ብምዕጻውን፡ ብወድዓውን ግልጽነትን ዝልለ ሓዲሽ ምዕራፍ ብምኽፋትን፡ ካብ ሕድሕድ ምትህልላኽን ጎናዊ ምትፍናንን ብምርሓቅ ጥራይ‘ዩ ዝረጋገጽ። በዚ መንገዲ’ዚ ድማ’ዩ ህዝብን ሃገርን ካብ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ሓደጋ ምድሓን ዝካኣል።

 

ነዛ ብሳላ ቃልሱን ተወፋይነቱን መስዋእቲ ንጹሃት ደቁን ዝተረጋገጸት ታሪኻዊት ዕለት ዝኽሪ ናጽነት ዝጸንቢል ዘሎ ኣብ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ምውቅ ዮሃና ነቅርብ። ኣጋ ወገሕታ፣ ጸልማት ድቕድቕ ሰለ ዝብል፣ ዓወት ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግድን ቀሪቡ ምህላዉ እምነትና ዓቢ ኢዩ።

 

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

 

ኤርትራ ሓራን ነጻን ኮይና ትንበር!!

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!!

 

ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ

24 ግንቦት 2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10347

Posted by on May 25 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net