ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

ግንቦት 23, 2016

ህጹጽ  ጻውዒት  ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን

 

ክቡራት ኣብ ውጻኢ ሃገራት ትነብሩ  ኤርትራውያን

ሃገርና ኤርትራ ጽባሕ መዓልቲ መበል 25 ዓመት ናጽነታ ከተብዕል እያ። ናጽነት ሃገርና ዋላ`ኳ ብኸቢድ መስዋእቲ ኣማኢት ኣሽሓት ክቡራት ደቃ ዝተረኽበ እንተኾነ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግና ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ዝሓሸ ህይወት ሕልሙ ከግህደሉ ኣይከኣለን። በዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳኸፍአ ዝኸይድ ኩነታት ዘይሓዝንን ዘይግደስን ኤርትራዊ የለን። እቲ መሪር ሓቂ እዚ ኾይኑ ፡ ኩላትና ዜጋታት ብሓባር ናጽነትና ንምርካብ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከንቱ ኮይኑ ከምዘይተርፍ ከነረጋግጽ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለና።

ኣብ ኩሉ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡዎም ቦታታት ኩሎም ጽዑቕ ዝኾነ ምውዕዋዕ ብምግባር ኣኼባታት ብምክያድን ከባቢያዊ ተወከልቲ ብምምራጽን፣ እቶም ናይ ከባቢ ተወከልቲ ድማ ተኣኪቦም ብደረጃ ሃገር፣ እቶም ናይ ሃገር ተወከልቲ ኸኣ ተኣኪቦም  ናይ ክፍለ-ዓለም፣ ንሳቶም ተኣኪቦም ድማ ናይ ኣህጉራዊ መራሕቲ ብመንገዲ ካብ ታሕቲ-ንላዕሊ አካይዳ ንኽመርጹ ኢና እማመና ነቕርብ ዘሎና። እዚ ዕዉት ንኽኸውን፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ኩሎም ንኽሰምዑ አዝዩ ጽዑቕ ጎስጓስ ከድሊ እዩ። ዕላማ ናይዚ ተበግሶ`ዚ፡ ነተን ድሮ ተጠርኒፈን ወከልተን መሪጸን ዘለዋ ከተማታት ወይ ከባቢታት ሰጊርካ ወይ ጎሲኻ ብምኻድ ምድግጋም ናይ ስራሕ ክገብር ዘይኮነ፡ ነተን ዛጊት ተበጊሰን ዘለዋ ከተማታት ንምድንፋዕ ነተን ዘይተበገሳ ድማ ኣበጊሱ ነቲ ናይ መሰረታት ምልዕዓል (grassroots movement) ብደረጃ ዓለምለኸ ንምስፍሑ እዩ። ኣብ መስርሕ ናይዚ ምምራጽ ኣህጉራዊ መራሕቲ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ብዘይ አፈላላይ ናይ ዓሌት ፡ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ዕድመ፡ ብሄር፡ ከምኡ`ውን ተወዲቦም ይኹን ከይተወደቡ ዝቃለሱ ደለይቲ ፍትሒ ዘሳትፍ ንኽኸውን ኩሉ ዝከኣል ክንገብር ኢና። አብ ሃገርና ለውጢ ብመንገዲ አብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝርከቡ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከምዝመጽእ ጥርጥር የብልናን። ኮይኑ ግን፡ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ናይ መቃለሲኡ ስትራተጂ አነጺሩ ብምትሕብባር ምስ ዝሰርሕ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝያዳ ሞራል ይህቦምን የሐይሎምን እዩ`ሞ ተሓባቢርካ ምስራሕ ኣዝዩ ወሳኒ ተራ አለዎ።

ዝበዝሑ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ  ጉዳይ ሃገሮም ዝግባእ ንጡፍ ኣበርክቶ ካብ ምግባር ከልኪልዎም ዝርከብ ምኽንያት፡ ንኹሎም ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝውክል፣ ሃገርና ንምድሓን ዝግበር ቃልሲ ዘወሃህድ፣  ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ሕጋዊ መሪሕነት ዘይምህላዉ ምዃኑ ክንኣምነሉ ዝግባእ ሓቂ`ዩ። ብሓጺሩ፡ ዓቕምን  ጸጋን ኣብ ዲያስፖራ  ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ድሕነት ሃገር ከውዕል ዝኽእል መሪሕነት የድልየና`ሎ። ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ  መሪሕነት፣  ብኻብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ (grass-root) ምንቅስቓስ ተጠርኒፍና ክንመርጾ ከም እንኽእል ምሉእ እምነት ኣለና። ኣብ ዲያስፖራ ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሉእ  ውክልና ዘለዎ ኣህጉራዊ መሪሕነት ንምምራጽ፣ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቕሰ፡ ብዘይ ናይ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ከባቢ፡ ጾታን ባህልን ኣፈላላይ ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝሳተፍ ምርግጋጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።  እዚ መስርሕ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዝርከብሉ ከተማታት፡ ሃገራትን ክፍለ-ዓለማትን ብግቡእ ክካየድ ኣለዎ። ስለዚ፣ ምሉእ ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ መሪሕነት ንምምራጽ ዘኽእለና –  ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ (grass-root movement) – ንምድልዳልን ንምዕዋትን  ክትጽንበሩና ንጽወዕ።

 

ግደ ዓለምለኻውያን መራሕትና

ተራ ዓለምለኻውያን መራሕትና ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ምእላይን ናብ ዲሞክራሲ ዘሰጋግር ባይታ ንምጥጣሕን ዝሕግዝ ኣድማዒ ንድፊ/ስትራተጂ ምሕንጻጽን እዩ። ብግብራዊ መለክዒታት ክረአ እንከሎ፡ እቲ ሓቀኛ ለውጢ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ናይ ለውጢ ባእታታት ብምትሕብባር ጥራይ እዩ ክመጽእ ዝኽእል። ብቐንዱ፡ ተራ ዓለምለኻውያን መራሕቲ ምስ ንጡፋት ናይ ደለይቲ ፍትሒ/ ናይ ተቓውሞ ውድባት ተወሃሂዱ ጥጡሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ንምክያድ ዘማእዝን ውጥን ምድላው እዩ። ምርካብ ደገፍ ናይ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ኤርትራውያን`ውን ምስኡ ዝተሓሓዝ ሓላፍነቱ እዩ። ኣብ ደገ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ንምውካል ብሕጋዊ መንገዲ ዝምረጽ ክሳብ ዝኾነን፡ ኣብ

 ደገ ዝርከቡ ኤርትራውያን ወኪሉ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ክዛረብን ክሰርሕን ሕጋዊ ስልጣን ክህልዎ እዩ። ኣድማዕን ጽዑቕን  ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብምጥቃም፡ እዚ ናይ መሪሕነት ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት  ከቢድ ጸቕጢ ክገብር ድፍኢታት ገይሩ ንኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ናይ ለውጢ ባእታታት ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ ምሃብ ብውሑድ ክሳራ ንዝድለ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ክጽዕት እዩ።

 

 መስርሕ ምምራጽ ኣህግራዊ  መሪሕነት

እዚ መስርሕ ኣብ ደረጃ ከተማ ዝጅምር ኮይኑ፡ መጀመርታ ኣብ ኩለን ኤርትራውያን ዝነብሩለን ከተማታት ዝተወዓወዐ ምልዕዓልን መጸዋዕታ ሓፈሻዊ ኣኼባን ክግበር ኣለዎ።  ንኹሎም ኣብ እቲ ቦታ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንምርካብ ጽዑቕ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ።  ንኹሎም ኤርትራውያን፣  ብፍላይ ናይ ሬድዮ ይኹን ካልእ መራኸቢ ብዙሓን ተጠቓምነት ዘይብሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ  ንምዕዳም ዕቱብ ጻዕሪ ምክያድ ይግባእ።  ሰፊሕን ኣድማዕን ጎስጓስ ብትግርኛን፣ ዓረብኛን፡ እንግሊኛን ተዳልዩ፡ ብጽሑፍ፡ ብረድዮ፡ ብመርበብ ሓበሬታ፡ ብጅምላዊ ቴለፎን መልእኽታት ክመሓላለፍን፣ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ብምካያድ ክዝርጋሕ የድሊ። ንህዝቢ ሓፈሻዊ ኣኼባ ምጽዋዕ ጥራይ ዘይኮነ፣ ተሳትፎኡ ንድሕነት ሃገር ወሳኒ ምዃኑ  ክፈልጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ  እዩ።

ብድሕር`ዚ፡ ዝተመረጹ ወከልቲ ከተማታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ተኣኪቦም ብደረጃ ሃገር መሪሕነት ይመርጹ።  ነዚ ንምስላጥ፡ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ንኣኼባ ዘድሊ ውጥንን ውደባን ብዝግባእ ከተዋድድ`ውን ኣገዳሲ ይኸውን።  እቶም ብደረጃ ሃገር/ዞባ ዝተመርጹ ከካብ ዞባኦም ተኣኪቦም ኣህጉራዊ መሪሕነት ይመርጹ። ንኣብነት፥ ካብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ዝተመረጹ መራሕቲ፡ ሕጋዊ ተቐባልነት ዘለዎ መሪሕነት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ይመርጹ። እዚ መስርሕ ኣብ ኩለን ክፍላተ-ዓለማት ይግበር። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ መሪሕነት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ኣብ ኤውርጳ፣  ሰሜን ኣሜርካ፣ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኤስያ፣ ኣውስትራልያ፣ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜርካን ዓለምለኻዊ  መሪሕነት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንምምራጽ ይእከቡ።

 

ንሕና መን ኢና?

ንሕና ኣብ ታሕቲ ክታምና ኣንቢርና ዘለና ውልቀሰባት፡ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረባይታ ዝመጻእናን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላተ ዓለም ንነብርን ተቓለስቲ ኤርትራውያን ኢና። ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ደገፍቲ ናይ  – ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ (grass-root movement) ኢና።  “ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ “ ወይ “ Global Initiative To Empower Eritrean Grassroot’s Movement (GIEEGM)” ተባሂሉ ዘሎ ስምና ከምዘነጽሮ፡ ኣብ ሃገርና እወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ኩሎም  ኤርትራውያን ንኽሳተፉ መንገዲ  ዝጸርግ ስጉምቲ እዩ። ብሓባር ዝጠምረና  ነጥቢ – ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ (grass-root movement) ምስ ኩለን ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ውድባት ብሓባር ብምስራሕን ንኹሎም ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ  ብምስታፍን፣ ምልኪ ብምልጋስ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ከረጋግጽ ዝኽእል  – ዝሰለጠ መንገዲ እዩ ዝብል እምነት ኣሎና። ተበግሶና ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን፣ ኣብ መጻኢ ስልጣን ናይ ምሓዝ ሕልሚ`ውን የብልናን። ዕላማና  ካብ ምስላጥን ምቛምን ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ ኣህጉራዊ መሪሕነት ኤርትራ ዝሓልፍ ኣይኮነን።

 

መጸዋዕታና ንመንእሰያት ኤርትራ፡-

 መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምዕዋት እዚ ምንቅስቓስ ህዝብን ምርግጋጽ ተሳታፍነት ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ኤርትራውያንን መሪሕ ተራ ክጻወቱ ንጽበዮም ኣካላት ሕብረተሰብና እዮም። መጻኢ ኤርትራ ኣብ ንጡፍ ተሳታፍነት መንእሰያት ከም ዝምርኮስ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ።

 

 

መጸዋዕታና ንደቂኣንስትዮ  ኤርትራ

ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ብዝተጻወተኦ ጅግንነታዊ ተራ ኣብ መጽሓፍቲ ታሪኽ ዓለም ስመን ዘመዝገባ እየን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ በዚ ጨቋኒ ስርዓት ተገሊለን ክትርእየን ዘሕዝን እዩ። ብርግጽ ገለ ካብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ንጡፋትን ኣድማዕቲ  ተቓለስትን ተጣበቕትን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ እየን። ስለዚ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ  – ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ`ውን (grass-root movement) ንምርግጋጽ  ዲሞክራስያዊ ለውጢ   ኣብ ሃገረን መሪሕ ግደ ክጻወታ ምሉእ ምትእምማን ኣለና።

 

 ጻውዒትና  ንኤርትራውያን  ስነጥበባውያን  ብቐዳምነት፡ ብጉዳይ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ጾር ተሰሚዑኩም ህዝብኹም ኣብ ምንቃሕ፡ ምጉስጓስን ድምጺ ሓድነት ምቅላሕን  ክትገርብሩዎ ዝጸናሕኩምን ዘለኹምን ውሕሉል ኣበርክቶ ነመስግን። እዚ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ናይ ህዝቢ ምንቕቓሕን  ምጉስጓስን ዓቕሞም ፈሊጡ ብቐዳምነት ግዳያት ዝገብሮም ስነጥበባውያን አዮም። አዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣሊና  ህዝቢ ዝመሰረቱ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንምትካል ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ኣወዳድባ (bottom-up approach) ዝመሰረቱ ህዝባዊ ከባብያውን ዓለምለኻውን ባይቶታት ንምቛም ዝዓለመ ተበግሶ፡ በቲ ተውህቦኹም ኮይኑን፡ ጽዒርኩም ዘማዕበልኩሞን ሙያ ደገፍኩም ክትገልጹን ኣበርክቶኹም ከተዕዝዙን ብኽብሪ ንጽዋዓኩም። እቶም ተባዓትን ሰብ ሕልናን ስነጥበናውያን ድሮ ኣብቲ ቅኑዕ ሸነኽ ናይ ታሪኽ ኣለኹም፣ ስለዚኸኣ፡ መጎስ ይግበኣኩም። ዜማታትኩም፡ ግጥምታትኩም፡ ሙዚቃኹም፡ ጽሑፋትኩም፡ ከምኡ’ውን  ዋዛታትኩም ከምዘለዎ ናይ ሕልና መግቢ እዩ`ሞ፡ ሃየ ደኣ ዳሕድሑዎ። እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብታ ጃልባ ፍርሒ  ዘይሓኾርኩም ድማ ምስቶም ምዑታት መሳርሕትኹም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝኩም ባዕልኻትም እትስንዱዎ ታሪኽ ከተወቅቡ  ብኣኽብሮት ንዕድመኩም።

 

መጸዋዕታ ነኤርትራውያን ውሑዳን ብሄራት

እዚ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብማዕርነት ንኹሎም ዜጋታት ዝልግሶ ነገር እንተ ድኣ ኣልዩ፡ ግፍዕን ማእሰርትን ጥራይ እዩ። ንገለ ውሑዳን ብሄራት ሀገርና`ውን ናይ አነባብራኦም ልምድን ባህልን ብምግሃስ፡ ደቆምን ንብረቶምን እንዳመንዘዐ፡ ምስቲ ካልእ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ምትፍናንን ዘይምትእማማን ንምንጋስ ብዙሕ ቶኽቷዂ ተግባራት ምክያድ ሓደ ካብቲ በታታኒ ሸርሕታት ናይዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት እዩ። ነዚ ንምፍሻል ግን ኩልኹም አባላት ውሑዳን ብሄራት ሃገርና ምስ የሕዋትኩም ተወሃሂድኩም ብምቅላስ ክብርኹምን ክብሪ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራን አብ ምምላስ እጃምኩም ከተበርክቲ ንጽውዕ።

 

መጸዋዕታና ንመራሕቲ ሃይማኖት

መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ብዝተፈላለዩ መንገድታት ኣብ ስቅያት ህዝቦም ዘለዎም ቅሬታ ኣብ ምግላጽ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም እዮም። ተሳታፍነት ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖታት ክርስትናን ምስልምናን`ውን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ኒውዩርክ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዓቢ ሞራላዊ ምትብባዕን ድጋፍን ሂቡ እዩ። ከምቲ ናይ ዝሓልፈ፡ ሕጅ`ውን ነዚ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ (grass-root movement) ደገፎም ክቕጽሉ ንጽውዕ።

 

መጸዋዕታና ንኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት

ንኹሎም ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት ብንጡፍ ኣበርክቶኦም ነዚ ምንቅስቓስ ንምዕዋት ክሰርሑ ንጽውዕ። ኣባላት ዓለምለኻዊ ስምረት ኤርትራውያን፡ ሃገራዊ መድረኽ ንዘተ ኤርትራውያን፡ ዜጋታት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራን ካልኦት ሲቪካውያን ማሕበራትን ነዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሰን ዘለዋ ከም ናይ ጸሓፍቲ፡ ሰሚናራትን ኮንፈረንስን ካልኦትን ጉጅለታት ክጽንበሩወን ንጽበዮም።

 

መጸዋዕታና  ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታን ፈነወታት ረድዮን መደባት ፓልቶክን

ጊዜአንን ካልእ ጸጋታተንን ንስቓይ ህዝበን ንምቅላሕን ሓበሬታ ናይ ምትሕልላፍ መድረኽ ንምኽፋትን ዝሰውኣ ኩለን ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታን፡ ፈነወታት ረድዮን፡ መደባት ፓልቶክን ምስጋና ዝግባእ እዩ። ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ ንዝጻወትኦ ዘለዋ ዓቢ ተራ ኣድናቖትና እንዳገለጽና፡ ነዚ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ`ውን (grass-root movement) ዝተፈላለዩ ፈነወታት፡ ከም ናይ ቃለመጠይቓት፡ ቃል ኣሰናዳኣቲ፡ መደባት ዘተን ክህበኦ ንጽውዕ።

 

መጸዋዕታና  ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ

መስረትቲ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንምምጻእ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝተበገሱ ምዃኖም ዘየተሓታትት ነጥቢ ኮይኑ፡ ውጹዕ ህዝቦም ንምድሓን ብዝገበሩዎን ዝገብርዎ ብዘለዉን መስዋእቲ ኩሉ ግዜ ክምስገኑን ክኸብሩን ዝግበኦም እዮም።  ኣብዚ ጊዜ ንኹለን ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሓቚፈንኦም ዘለዋ ጉጅለታትን ኣባላትን ነዚ ነበግሶ ዘለና ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ (grass-root movement) ክድግፉ ክንጽውዕ ንፈቱ። እዚ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ ምስ ኩለን ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ውድባት ብምትሕብባር ምስ ዝሰርሕ፡ ነዚ ውድባት ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈላሉ ዕላማ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ንምውቃዕ ኣዝዩ ዓብይ ተኽእሎ ዘለዎ እዩ። እዚ ንረብሓ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ውድባትን ህዝቢ ኤርትራን ክሳብ ዝኾነ ኸኣ፡ ኩለን ውድባት ምሉእ ደገፍ ከም ዝህበኦ ንኣምን። ውድባት ነዚ ምንቕስቓስ እዚ ብሕማቕ ኣረኣእያ ከም ዘይጥምትኦ ምሉእ ተስፋ ኣለና። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ነዚ ምንቕስቓስ ዘይምድጋፍ ዕድመ ጨቋኒ ስርዓትን ስቅያት ህዝብን ምንዋሕ ጥራይ ስለ ዘስዕብ እዩ። መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ኤርትራ ፡ ሃገራዊ ባይቶ፡ ከምኡ`ውን ካልኦት ፖለቲካውያን ውድባት ንሓድነት ህዝቢ ዝገብርኦ ዘለዋ ተበግሶታት ክዕወት ተስፋ ኣለና። ከምኡ`ውን ሕቡራት ፖለቲካውያን ውድባት ተቓወምቲ ኣብ ነጻ ተሳታፍነት ፖለቲካውያን ውድባት ኣብ ተረጋግጽ መጻኢት ኤርትራ ደገፍ ህዝቢ ኤርትራ ንምርካብ ዝሕግዘን ራኢአን ከሐድሳን መደባተን ክዳልዋን ንምነ። እቲ ዝምረጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ምስ ኩለን ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ተሓባቢሩ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ጥጡሕ ባይታ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምክያድ ዘማእዝን ውጥን ከዳሉ ትጽቢት ንገብረሉ። በዚ ኸኣ ንኹለን ውድባት ምስ ኣሕዋት ኤርትራውያን ተሓባቢረን ንዓወት እዚ ምንቅስቓስ ኣበርክቶአን ክገብራ ንጽውዕ።

 

መጸዋዕታና ንምሁራን ኤርትራውያን

ኤርትራ በቶም ንተንኮላትን ሸርሕታትን ስርዓት ህግደፍ ተረዲኦም ንህዝቦም ብምንቃሕ፡ ነቲ ናይ ሓርነትን  ፍትሕን ቃልሲ ከቀላጥፉ ብዝኽእሉ ምሁራን ዝተባረኸት ክነሳ፡ እቶም ንህዝቦም ዝወርዶ ዘሎ ዓዘቕቲ ተሰሚዑዎም፡  ከምቲ እትጽበዮም  ኣብ ባይታ ዝነጥፉ ዘለዉ ምሁራን ኣዚዮም ውሑዳት ኢዮም እንተ በልና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ስለዚ ኩሎም ምሁራትና በብዘለዉዎ ከባቢ ምስ ህዝቦም ሓቢሮም ንምዕዋት “ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ወይ “ Global Initiative To Empower Eritrean Grassroot’s Movement (GIEEGM) እጃሞም ከበርክቱ ንዕድም።

 

መጸዋዕታና ንኣብ ጉዳይ ኤርትራ ተስፋ ዝቖረጹ ዜጋታት

ሽሕ`ዃ ኣብ ኤርትራ ብዘጓንፍ ዘሎ ስቓይ ዘይስምዖ ዜጋ ክትስእል ከቢድ እንተኾነ ፡ ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክገብርዎ ዝኽእሉ ከም ዘይብሎም ብምእማን ናይ ተስፋ-ምቝራጽ ስምዒት ኣጥርዮም እዮም። ኩላትና ኣብ ሓደ ግዜ ከምኡ ዓይነት ስምዒታት ኣሕሊፍና ክሳብ ዝኾንና ኸኣ ኩነታቶም ጽቡቕ ገይሩ ይርደኣና።  እንተኾነ፡ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ስቅያት እናረኣየ ዓይኑ ዓሚቱ፡ እናሰምዐ`ውን ኣእዛኑ ሓቲሙ ክሓልፎ ናይ ቅሳነት ኣእምሮ ዝህቦ ኮይኑ ኣይረኣየናን። ስለዚ ኸኣ፡ ኩሉ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዝርከብ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብዚ ኣበጋጊስናዮ ዘለና ምንቅስቓስ ተጸንቢሩ ብንጡፍ ተሳታፍነቱ እቲ ንጽበዮ ጩራ ባና ለውጢ ከድምቕ ንጽውዕ። ነቶም ብዛዕባ ብሰንኪ ተሳታፍነቶም በዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣብ ልዕሊኦም ይኹን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራ-ቤቶም ክወርዶም ዝኽእል ሓደጋ ስክፍታታት ዘለዎም ዜጋታት መንነቶም ብስቱር ተታሒዙ ኣብዚ ምንቕስቓስ ኣበርክተኦም ክገብሩሉ ዝኽእሉሉ መንገዲ ክግበር እዩ። እንተ ወሓደ መንነቶም ከየጋለጹ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ቀንዲ ነገር እንተ`ሎ ግን ሓድነትና ዕምሪ ናይዚ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት  ዘሕጽር ምዃኑ እዩ።

 

ኣረኣእያና ኣብ ማሕበረኮማት ኤርትራውያን

 ኣብ ስደት፡ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢታት፡ ኣገዳስነት ማሕበረኮማት ኤርትራውያን ርዱእ እዩ። እዘን ማእከላት፡ ንዝተፈላለዩ ስደተኛታት ኣገደስቲ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ይህባ። ብመጀመርያን ብቐንዱን ከም መራኸብን መዘናግዕን ኤርትራውያን ኮይነን ብምግልጋል፡ ንሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መንበርን ስራሕን ምንዳይ፡ ካልኦት ንምንባር ዘድልዮም ነገራት ኣብ ምምላእን ይነጥፋ። እዘን ማእከላት ንኣብ ሓዘን ዝርከቡ ኣባላት ብምጽንናዕን፡ ናይ ስርዓት ቀብሪ ኣሰናድኦ ምግባርን፡ ከምኡ`ውን ኣብ መርዓን ካልኦት ማሕበራውያን ኣጋጣሚታትን ምሉእ ሓገዘን የበርክታ። ኣብ ርእሲ`ዚ ኩሉ ንጥፈታተን፡ ንኣብ ስደት ዝዓብዩ ቆልዑት ብባህልን ቋንቋን ሃገሮም ተዀስኪሶም ክዓብዩ ናይ ምምሃር ዓቢ ተራ ይጻወታ። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት፣ ማሕበረኮማት ናይ መንግስቲ ባጀት ዝቕበላ፡ ዘይፖለቲካውያን ማእከላት እየን። እዚ እቲ ሓቂ ኮይኑ፡ ምስዚ ናይ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ምንቕስቓስ (grass-root movement) ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምምጻእ ኢድን ጓንትን ኮይነን  ክሰርሓ ከምዝኽእላ እምነት ኣለና።

 

ቅድመኩነት  ዓወት  ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ

እዚ ምንቅስቓስ`ዚ ንኽዕወት፡ ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ዝርከብ ናይ ክርስትያንን፡ ምስልምናን ካልእ እምነታትን፣  ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ፣ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ፣ ካብ ኩሉ ብሄራት ዝተዋጸአን ኤርትራዊ ኣህጉራዊ መሪሕነቱ ንምምራጽ ክሳተፍ ኣለዎ።

ነዚ ምንቅስቓስ እዚ ንምዕዋት፡ ንጡፍ ተሳታፎን  ኣበርክቶን ኩሉ ኤርትራዊ  ኣብ ዲያስፖራ ንዕድም ኣለና። ሃገር ኣብ ምድሓን ንዝህልወኩም ኣበርክቶ፡ ዓቕምኹም ብዘይምብቃቕ ኣብዞም ዝስዕቡ ነዚ ምንቅስቓስ ወሰንቲ ዝኾኑ ንጥፈታት ተራኹም ክትጻወቱ  ንጽውዕ ኣሎና፦

  1. ጋንታ ጽሓፍቲ – ብትግርኛ፡ ኢንግሊዘኛ፡ ዓረብኛን፡ ናይ ካልኦት ብሄራት ቋንቋታትን ክጽሕፉ ዝኽእሉ ሰባት የድልይዋ። ዕማም ኣባላት እዛ ጋንታ፡ መሃርቲ ዓንቀጻት፡ ህዝባዊ ኣዋጃትን ካልኦት ነዚ ምንቅስቓስ ዝሕግዙ ጽሑፋትን ምድላው እዩ።
  2. ጋንጋ ጎስጓስን ውደባን – ኣብ ምልዕዓል፡ ምውዳብ፡ ምውህሃድን ምክያድን ንኩሉ ዘሳትፍ ኣኼባታት ኤርትራውያን ኣብ ዘዘለውዎ ከተማታትን ሃገራትን፡ ከምኡ`ውን ኣብ ኣህጉራዊ ዋዕላ ተበግሶታት ዝወስዱ ንጡፋት የድልይዋ። ኣባላት ናይዛ ጋንታ ኣብ ምውዳብን ምክያድን ኤርትራውያን ሃገሮም ኣብ ምድሓን ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ዝጉስጉስ ዘተባብዕን ሰሚናራትን ዋዕላታትን ሓላፍነት ክወስዱ እዮም።
  3. ጋንታ ዜናን ሓበሬታን – ተራ እዛ ጉጅለ ምስ ዘለዋና ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታን ናይ ሬድዮ ፈነወታትን ተሓባቢርካ ንዓወት እዚ ምንቅስቓስ ምስራሕ እዩ።
  4. ጋንታ ገንዘብን ስንቅን – እዛ ጉጅለ ካብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ምንጭታትን ገንዘባውን ካልእን ጸጋታት ኣብ ምእካብ ክትዋፈር እያ። ካብ ዓለምለኻውያን ትካላት፡ ሃገራትን ኤርትራውያንን ገንዘባዊ ሓገዝ ምሕታት ቀንዲ ሓላፍነታ ኮይኑ፡ ብግቡእ በብግዜኡ ፋይናንሳዊ ጸብጻባ ከተቕርብ እያ። ዝተኣከበ ገንዘብ ብግቡእ ክተሓዝን ኣብ ግቡእ መዓላ ከምዝወዓለ ንምርግጋጽን መቆጻጸሪ ሜላታትን ስሩዕ ኦዲትን ክግበረሉ እዩ።
  5. ጋንታ ህዝባዊ ርክባት – ሓላፍነት እዛ ጉጅለ እዞም ዝስዕቡ ይኾኑ፡-

ሀ) ምሕያል ርክባት ምስ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡሉ ቦታታት ከም ኣብያተ ክርስቲያናት፡ መሳጊድን ከምኡ`ውን ኣገደስቲ ውልቀሰባት ምውዳብ።

ለ) ንኹሉ ዘሳትፍን ውሁድን ናይ ቃልሲ ሃዋሁው ምፍጣርን ምዕቃብን።

  1. ጋንታ መጽናዕቲ – እዛ ጋንታ ንዓወት ምንቅስቓስ ዝሕግዙን ዘቃላጥፉን መጽናዕታዊ ጽሕፋት ኣብ ምብርካት ክትሰርሕ ኢያ። ድሒሩ`ውን፡ ከም ኣድላይነቱ፡ ነቲ ዝምረጽ ኣካል ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኤርትራውያን ኣብ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ወሃብቲ ሓገዝ ሃገራትን፡ ትካላት ዝገብሮ ርክባት ዝሕግዙን፡ ንዓወት እዚ ምንቅስቓስ ዘቀላጥፉን መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣብ ምብርካት ክትሰርሕ እያ።

ጋንታ ሕጋዊ ጉዳያት – እዛ ጉጅለ እዚኣ ምንቅስቓስ ንዘድልይዎ ናይ ሕጊ ምኽርን ሓገዝን ግቡኣ ከተበርክትን ኤርትራውያን ክኢላታት ሕጊ ክጽንበርዋን ትጽቢት ይግበር።

  1. ጋንታ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ፡ እዚ ምንቅስቓስ እብ ኩሉ ንጥፈታቱ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ዓጢቑ ክሰርሕ ተራ ኤርትራውያን ክኢላታት ቴክኖሎጂ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ እዞም ክኢላታት ግዜኦምን ፍልጠቶም ወፍዮም ነዚ ምንቅስቓስ ንምዕዋት ክሰርሑ ንጽበ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ንጥፈታት ብግቡእ ክዕመሙ እንተኾይኖም፣ ምትሕብባር ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዞም ንጥፈታት ከበርክቱ ዓቕምን ድልየትን ዘለዎም ውፉያት ኤርትራውያን የድልዩ። ንስለ ህዝቦም ክብሉ ነዚ ዝተገልጸ ሓላፍነታት ዝስከሙ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ኸኣ ምሉእ ርእሰ ምትእምማን ኣለና።

ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ወይ መብርሂ ምስ እትደልዩ ብኢመይልና gieegm@googlegroups.com ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። ሃገርና ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላልይዋ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብህጹጽ ገለ ነገር ክንገብር ኣለና።

 

ኣስማት ደገፍቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ብፊደላዊ ቅደም ትኸተል                    

  Name City Country
1 Abdalla   Aldin Riyadh Saudi Arabia
2  Abdul   Saleh Dallas, TX USA
3 Abeba   Baatai Arlington, VA USA
4 Abraha   Tesfagaber Oslo Norway
5 Abraham   Efrem Stockholm Sweden
6 Abraham   Tesfu Yamoussoukro Côte d’Ivoire
7 Ahmed   Abdella Fremont, CA USA
8

 

Ahmed   Berhanu Seattle, WA USA
9 Amanuel   Berhane Flemington, NJ USA
10 Amanuel    Eyasu London UK
11 Anna   George Jackson, NJ USA
12 Araya   Debessay Newark, DE USA
13 Asgedom   Araya Gothenberg Sweden
14 Asihel   Butsuamlak Fairfox, VA USA
15 Azieb   Welday London UK
16 Belay   Iassu Berwick  Novascotia Canada
17 Berhane   Haile Boston, MA USA
18 Berhane   Mehari Tel avive Israel
19 Berhane   Wolegabriel London UK
20 Berhe   Fesehaye London UK
21 Daniel   Gabray Djibouti Djibouti
22 Daniel   Haile Dartford UK
23  Daniel   Teklay Sacramento, CA USA
24 Dawit   Tesfayohannes Vilnius Lithuania
25 Debesai   Kifle Addis Ababa Ethiopia
26 Desalegn   Berhe Coventry UK
27 Efrem   Beraki Toronto Canada
28 Efrem   Gebrekidan Snellville, GA USA
29  Firke   Tsegay  Atlantic City, NJ USA
30 Fitsum   Mesgina Louisville, KY USA
31 Fetsum   Abraham Washington  DC USA
32  Ghebremichael   Zeray Boston, MA USA
33 Gebrai    Endrias Southfield, MI USA
34 Gebrehiwet   Asrat Lynnwood, WA USA
35  George   Ghebreselassie Newark, DE USA
36  Ghirmay   G.Egziabiher Washington, DC USA
37 Ghrmai   Sequar Seattle, WA USA
38 Habte   Hagos London UK
39 Habtom   Abraha Brighton, CO USA
40 Habtom   Hagos Edmonton, Canada Canada
41 Habtom   Mehari Telaviv Israel
42 Haddis   Hagos Woodbine, MD USA
43 Haile  Ghebretensae Indianapolis, IN USA
44 Ibrahim   Mohammed Amsterdam Netherlands
45 ibrahim   Noor London Camden Town UK
46 Idris   kahsay Oslo Norway
47  Isayas   Tekle  Dover, DE USA
48 Iyasu   Tesfamariam Melborne Australia
49 Kassahun   Checole Trenton, NJ USA
50 khaled   mohammedsaid Stockholm Sweden
51 Kidane   Araya Houston, TX USA
52 kidane   Beraki Indianapolis, IN USA
53  Kidanemariam   Sebhat Nairobi Kenya
54 Kiflom   Beyene Seewen Switzerland
55 Maasho   Ghebru Glen Ellyn, IL USA
56 Mebrahtu   Sibahtu Hillsborough, NJ USA
57 Mengest Weldemichael Dallas, TX USA
58 Mehreteab   Tesfai Ås Norway
59 Mekonen   Teame Sacramento, CA USA
60 Mengisteab   Debessay Albany, NY USA
61 Mengstab   Girmay Addis Ababa Ethiopia
62 Mesfin   Tsegay Saint Paul, MN USA
63 Michael   W. Eyob Somerville, MA USA
64  Michael   Ghebrehiwot Boston, MA USA
65 Michael   Hidru Boston, MA USA
66 Michael   Mehari London UK
67 Mihret   Ghebreyesus Addis Ababa Ethiopia
68 Mohamed   Edris Toronto Canada
69 Mulugeta   Besrat louisville, KY USA
70 Mussie   Fesehaye sola Norway
71 Mussie   Yemene Cincinnati, OH USA
72 Neamn   Tekie   Germany
73 Ogbai   Ghebremedhin  Cambridge, MA USA
74 Petros   Teklu Mississauga Canada
75 Robel   Tesfai Thun Italy
76 Selam  Amine Biel Switzerland
77 Selam  Asihel Manassas, VA USA
78 Semere  Mebrahtu Freestate South Africa
89 Senai  Misghina Washington DC USA
80 Solomon  Ghebrezghi London UK
81 Taher  Berih Toronto Canada
82 Tamrat  Woldu Evanston, IL USA
83 Teame  Kassa Ashkelon Israel
84 Teka  Yohannes New York, NY USA
85 Tekea  Haile Bergen Norway
86 Tekle  Kidane Seattle, WA USA
87 Tekleweyni  Alazar   Israel
88 Teklit  Kesete Netanya Israel
89 Tesfaldet  Meharenna La Palma ,CA USA
90 Tesfaldet  Tesfamariam Tel Aviv Israel
91  Tesfay  Tsehaye Jefersson City, MO USA
92 Tesfazion  Tesfamichael Stockholm Sweden
93 Tsigheyohannes  Kidane Amsterdam Netherlands
94 Yassin  Mahmud Birmingham UK
95 Yebio  Woldemariam New York, NY USA
96 Yohannes  Haile Edmonton, Alberta Canada
97 Yohannes  Tseggay  London UK
98 Zaid  Tesfamariam New York, NY USA
99 Zekarias  Kebraeb Berlin Germany
100 Zerat  Weldemichael   Australia

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10351

Posted by on May 25 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net