ሃይማኖት ኢስልምና ምስ ደሞክራስያ ይቃደዶ

ብፍስሓ ናይር

” We are keen to keep religion separate from politics and we call for complete neutrality. We want a party that talks about everyday problems and not one that talks about the Last Judgment and Paradise. We want religious activity to be completely independent of political activity”
Rached Ghannouchi/ Ennahda Party/ Tunisia

ኢስላማዊ ዓለም ናቱ ትንሳኤን ወርቃዊ መዋዕልን ኣብ 8ይን መበል 13 ዘመን ኣብ ሳይንስን ሰነ-ጽሑፍን ሕክምናን ንቅድሚት ሰጒሙ ከምዝነበረ ኣብ ታሪኽ ዝተመሃርናዮን ንዝክሮን ዓቢይ ስልጣነ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ዘበርከተ ኢዩ፡፤ ጥንታዊ ስልጠነ ኣብ ግሪኽ ፣ ጽኒሑ ድማ ኣብ ማከላይ ምስራቅ ዓለምና፣ በብቅሩብ ድማ ብንግድ ናብ ምዕራብ እናስፋሕፈሔ ከደ። ኣብ ምውላድ ሃገራውነት ካብ 1800 ንነጀው ሃገራት ንምቋም መጀመርያ ሮማውያን ድሒሩ ድማ ኦስማናውያን/ ኦቶማንስ ቀዳማይን ካልኣይን ውግኣት ዓለም ዝተፈጥራ ሃገራት ስልጣነ እንተሪና፣ እተን ሃገራት ኣብ ማእከላይ ምስራቅ ዝቆማ ሃገራት ዓረብ ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሓ ብንጉሳውያን ወይ ምልካዊ ስርዓታት ኢየን ክመሓደራ ዝጀመራ ፣ እዚ ስርዓታት እዚ ንሕዝቡ ብኩሉ ፖሊቲካውን ፣ ቁጠባውን፣ ባህላውን ሃይማኖት ከም መፈራርሒ ገሩ ክገዝእ ጽኒሑን ኣሎን።

ኣብ ሃገራት ዓረብ ወይ ድማ ኣብተን ብኢስልምና ዝኣምና ሃገራት ሎሚ እቲ ብ13 ዘመን ዝተራእየ ስልጣነ ዘዕቅብ ወይ ዘንጸባርቅ፣ማሕበረ ሰብ ክምስረት ኣይተኻእለን፣ ንሱ ድማ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዎ፣ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ናይ ለውጢ ምንቅስቃሳት ኣብዘን ሃገራት ክርኤ ጸኒሑ ኢዩ እንተኾነ እቶም ለውጢ ዝደልዩ በቶም ምልካውያን ነጋውስትን፣ መሳፍትን፣መራሕቲ ሃይማኖት ኢምማትን ተዓንቂጹ እቲ ሕዝቢ ኣብ ድኽነትን ድንቁርናን ይነብር ኣሎ፡፤ እዞም መራሕቲ ናይ ሃይማኖትን ነጋውስትን፣ ንሃይማኖትን ፖሊቲካን ክፈልዩ ስለ ዘደልዩ፣ ካብኡ ወጺእካ መሰልካ ምሕታት ከም ክሕደት ይቁጸር፡፤

ሃይማኖት ኢስልምና ኣብቲ ነቢይ መሓመድ ዝተራእዮ ቅዱስ ቁርዓን ዝተመርኰሰ ብዛዕባ መንግስትን ፖሊቲካን ኣይኮነን ዝገልጽ እንታይ ድኣ ፍትሕዊ ማሕበረስብ ምሕናጽ ኢዩ ዝገልጽ እዚ ማለት ኣብዛ ትነብሩላ ዓለም ፍትሒ ከነግስ ኣብ ነንሕድሕድኩምን ምስ ካልኦት ሕዝብን ብሰላም እትነብርሉ መገዲ ኢዩ ዝገልጽ፣ ኣብቲ ነቢይ መሓመድ ዝመጽኣሉ እዋን መንግስቲ ምስ ወተሃደራቱ ኣይነበረን ኣንታይ ድኣ ሕዝቢ ሰበኽ ሳግም ኢዮም ነሮም፡፤ ምስ ምስፍሕፋሕ ኢስልምና ልክዕ ከምቲ ናይ ክርስትና ሃይማኖት፣ በብእዋኑ ናይ ፍልልያትን ኣተሓሳስባን ተራእዩ፣ ንኣብነት ኣብ ክርስትና በብ እዋኑ ፍልልያትን ምፍንጫላትን ተራእዩ ናይዚ ውጺኢት ድማ ሎሚ ኦርቶዶክሳዊት፣ ካቶሊካዊት፣ ከነሻዊት ከምኡ እውን ብዝሓት ሰባኽያን ኣለዉ፣ ኣብ ሃይማኖት ኢስልምና እውን፣ ሱኒ፣ ሽዓ፣ ከምኡ ካልኦት ብዙሓት ስበኽያን ኣለዉ፣ እቶም ክርስትያን ምንጪ እምነቶም ቅዱስ መጽሓፍ ኢዩ፣ እቶም ኢስላም ድማ ምንጪ እምነቶም ቅዱስ ቁርዓን ኢዩ፣ ኣብ ክልቲኡ ሃይማኖታት ከከም ኣፍልጦኦምን ኣተረጓጉማኦምን ግን ይፈላልዩ፡፤

ኣብ ታሪኽ ከምዝረኤናዮ እዚ ክልተ እምነታት ኣብ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ኣሉታውን ኣዋንታውን ግደ ነርዎን ኣለዎን፣ ኣብ ታሪኽ ክርስትናዊ ኣተሓሳስባ ዘለወን ሃገራት በብግዜኡ ብዙሕ ውግኣትን ግርጭታትን ተኻዪዱ ኢዩ፣ ንኣብነት እቲ ካብ 1618-1648 ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን፣ ፕሮተስታንትን ዝተኻየደ ክሳብ ሕጂ እውን ኣሰሩ ዝርኤ ዘሎ ሓደ ምስክር ሃይሞኖት ክሳብ ክንደይ ኣብ ፖሊቲካዊ ሕይወት ኣትዩ ከምዝነበረን፣ እዚ ድማ ድሕሪ ብዙሕ ቃልስን ጻዕርታትን ሃይምኖት ካብ መንግስትን ፖሊቲካን ክፍለ ከምዘለዎ፣ሎሚ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፣ዝመሓደሩሉ ኣገባብ ምሕደራ ኢዩ፣ ኣብተን ዓረባውን ኢስላማውን ሃገራት ግን ገና ኣብዚ ደርጃ እዚ ሰለዘይተበጽሔ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ውግእ ሓድሕድ- ሱኒ ኣንጻር ሺዓ ይካየድ ኣሎ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ገለ ሓይልታት ኣብቲ ናይ መበል 16 ክፍለ ዘመን ናይ ካሊፋታት ምሕደራ ክምለሱ ዝደልዩ ሓይልታት ኢስልምና ሎሚ ንመላእ ዓለም ኣብ ኢስላምና ንምቅያር ዝቃለሱ ( ISIL-ISIS)ኣለዉ፡፤ ገለ ፈለጣትን መራሕትን ሃይማኖት ኢስልምናን ሃገራትን ደሞክራስያን ዕልማናዊ መንግስታት ኣንጻር ሃይሞኖት ኢስልምናን ኣተሓሳስባን ሰለዝኾና፣ ከምዚ ዓይነት ምሕደራ በቶም ኣብ ኢስልምና ዝኣምኑ ሕዝብታት ቅቡል ጥራሕ ዘይኮነ ሓራም- ገበን እውን ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ። ዕልመናዊ መንግስቲ ማለት ግን ኣንጻር እምነታት ዘይኮነስ፣ እምነትን፣ መንግስትን ዝፈሊ፣ ኣብ ናጽነት ናይ እምነታት ኢድ ዘየኤቱ ስርዓታት ምሕደራ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ዝኽተል ኦ ዓለማዊ ምሕደራ ኢዩ።

ሎሚ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ዝሓላፈ ዘመን ናይ ካሊፋታት ክንምለስ ኣሎና ደሞክራስያን ሰብኣዊ መሰላትን ብሕጊ ኢስልምና ክኸውን ኣለዎ፣ ሃይማኖትን መንግስትን ክፍለ የብሉን ዝብሉ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ፖሊቲካውን በርገሳውን ማሕበራት ኣለዉ። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብን ኣብ ኢስልምና ዝኣምና ሃገራትን መሰል ውልቀ-ሰብ፣ ይኹን ሰብኣዊ መስላት ብሓፈሻ ቅቡል ኣይኮነን፣ እሞ እንታይ ኢዩ እቲ ጸገም ሃይምኖት ኢስልምናዶ ደሞክራስያዊ ፍልስፍና፣ ኣብ ኤርትራኸ ብኸምዚ ኣረዳድኣ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ኣይፍለን ዝብልን ክፍለ ኣለዎ ዝብልን ብሓንሳብ ከናብር ይኽእልዶ፣ እስከ ምሁራትና ካብ ክልቲኡ ሸነኽ ብዛዕባዚ ኣረኣእያ አጽንዑልና።

ዝተወከስክዎ ጽሑፋት
1. Ennahda Party, Separation of state and religion
2. L. Ali Khan, A theory of Universal Democracy
3. Muhammed Assad, The principle of State and Government in Islam
4. Islam and Democracy, what is the problem? Alajazeera Media Debate

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10372

Posted by on Jun 13 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net