ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ – ሳልሳይ ክፋል

ራብዓይቲ ክፍሊ ጉዕዞኣ ብወገናት ከረን ብመሬት መንሳዕ ክኾውን ስሌ ዝወሰነት ኣብ ከባቢ ምሕላብ ፣ቁሩሕ ዝተባህለ ቦታ ብዕለት 15/9/1965 ጹዕጹዕ ውግእ ኣካይዳ ። ንጸላኢ ዘርዓዱ ጥይት ምስ ተወደኦም ብሶንኪ ንጸላኢ ዝገጠሙ ንዘለዓለም ዘይርሳዕ ትምህርቲ ዝሃቡዎ 21 ስዉኣት ከም ምኽትል መራሕ ራብዓይቲ ክፍሊ ዓብደላ ባረን ተጋዳላይ ጃብር ዖካን ተሰዊኦም ። ካብ ጸላኢ ካብ 80 ዘይውሕዱ ተቀቲሎም ። ጉዕዞኦም ድማ ተጎናድቡ ይኹን እምበር  ድሒሩ ካልእ ግዜ ናብ ክፍሎም ክበጽሑ ክኢሎም ።

ብዛዕባ ሳልሰይቲ ክፍሊ ዘካየደቶ ውግኣት ዕሌታቱን ውግኣት ዝተኻየደሉ ቦታታትን ምስ ሓተትኩዎ ፣ ካብ ንእሽቶ ሰነዳቱ ዘቀምጠላ መቀመጢ መጻሕፍቲ ፣ ከምቲ ገለ ናይዚ እዋን ደባትር ክትርኢዮ በለጭለጭ ዝብል ክትንከፍ ከሎ ድማ ወረቃቅቱ ዝበታተን ዘይኮነስ ከምቶም ኣብኡ ኣስማቶም ዝተመዝገበ ጀጋኑ ስዉኣትን ዉጉኣትን ፣ ጽኑዕ ፣ ተሪር ሮጊድ ገበር ዘሎዎ መዝገብ ስዉኣትን ዉጉኣትን ኣውጸኤ ። ሓሚድ ብሰንኪ እቲ ዝነበሮም ኩነታት ጉድሌታት እኳ እንተዘይተሳእኖ ሓደ ካብቶም ዕለታዊ ተረኽቦታት ዘመዝግቡ ዝነበሩ ባእታታት እዩ ። እዚ ደብተር ብዙሕ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መዛግብቲ ናይ ጀብሃ ዘይሰፈረ ነገራት ዝሓዘለ ስሌ ዝነበረ ኣገዳሲ መወከሲ ኮይኑና እዩ ። ብተወሳኺ ከም መሪሕነት  ሳልሰይቲ ክፍሊ ብዛዕባ ዝካየድ ዝነበረ ውግኣት ፣ ስዉኣት ፣ ካብ ጸላኢ ዝስለብ ነገራትን ወዘተ ፣   ጸብጻባት ናብ ሰውራዊት መሪሕነት ትጽሕፉዶ ነርኩም ኢለ ምስ ሓተትኩዎ ፣ እወ ጸብጻብ ነመሓላልፍ ነርና ፣ ነገር ግን ምስታ ቀንዲ መደበራ ከሰላ መሬት ሱዳን ዝነበረት ሰውራዊት መሪሕነት ዝነበረና ናይ ቦታ ርሕቀትን ኣብቲ ስእነት ቁልጡፍ  መራኸቢ ናውትን ፣ ኣብ ተለኣኣኽቲ ወይ ተጋደልቲ ንሙርኰስ ስሌ ዝነበርና መልእኽትታት ይደናጐ ነሩ ። መገድታት እውን ሓደገኛ ዘይየተኣማምን ነበረ ። ገለ እዋናት ብፍላይ ካብ ወገናት ባርካ ምስ ራሓቅና እቲ ምልእኣኽ ገሊኡ ካብ ክልተ ሶሙን ንላዕሊ ይወስድ ነሩ ዝብል መልሲ ሂቡኒ ።

ገለ ካብቲ ሳልሰይቲ ክፍሊ ኣብ ከብዲ ክፍሊ ናታ ቅድሚ ምብጻሓ ዘካየደቶ ውግኣት ኣብ መዝገቡ ተወክሱ ክጠቅስ ከሎ ፣-

  • 19/9/1965 – ውግእ ማይ ላም፣ እዛ ዕለት  ሓላፊ ሕክምና ሳልሰይቲ ክፍሊን ሰለስተ ካብ ህዝብን  ዝተሰወኡላ ሓደ ድማ ዝተማረኸላ ዕለት እያ ። ስዉእ ሶሎሙን ኣብዚ ውግእ ጋንታኡ መሪሑ ተሳቲፉ  ። ስዉእ ሶሎሙን  ከምቲ ኣቀድሙ ዝተጠቅሰ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት መራሕቲ ጋንታት ሳልሰይቲ ክፍሊ እዩ ነሩ ።  ጸላኢ ዓብይ ቁጽሪ ምዉታትትን ቁሱላትን ነሩዎ ይብል ።

ሓላፊ ሕክምና ሳልሰይቲ ክፍሊ ምስ ተሰወኤ ድማ መተካእታኡ ዶክቶር ስራጅ ዑመርዲን ተመዲቡ ።

  • 9/10/1965 – ኣብ ለይቶ ካብ ንጎሆ ክሳብ ጻሓይ ዓራርቦ ዝቀጸለ ውግእ ተኻይዱ ። ካብ ጸላኢ ካብ 53 – 58 ዝኾኑ ወታሃደራት ተቀቲሎም ።
  • ብዕለት 31/10/1965 – ኣብ ደራቡሽ ደምበላስ ፣ ሰለስተ ጋንታታትን ሓንቲ ጋንታ ፊዳኢይንን ዝተኻፈሉዎ ምስ ህዝቢ ኣኼባ እንዳተኻየደ ዝተገብረ ውግእ ነሩ ። ኣብዚ ውግእ እቲ ፍሉጥ መራሒ ሰራዊት ጸላኢ ተኽሌ ወይኒ ተቀቲሉ ።
  • 23/11/1965 – ኣብ ዓድሸኽ ኣብ ዝተገብረ ውግእ እቲ ዉሩይ መራሕ ማለሽያ ናይ ጸላኢ ተኽለንኪኤልን ሓደ ኮሎኔል ካብ ጦርሰራዊትን ሞይቶም። ካብ ጸላኢ ብሓፈሻ 64 ተቀቲሎም ። ንሕና 7 ስዉኣትን 2 ዉጉኣትን ነሩና ። ምኽትል  መራሕ ሳልሰይቲ ክፍሊ ሓሚድ ጀምዕ ሁማድ ድማ ሓደ ካብቶም ብጅግንነት ዝተሰወኡ እዩ ።

ቦታኡ ድማ ብተጋዳላይ እብራሂም ሳምራ ተተክኡ ።

  • 25/11/1965 – ውግእ ዖብለት ካብ ጸላኢ ብዙሓት ሞይቶም ። ሓይሊ ጸላኢ ጦር ሰራዊት ፣ ፖሊስን ባንዳን ( ማለሽያ) ዘጠቃለለ ነሩ ።ካብ ቀዳመይቲ ክፍሊ ፣ጋንታ ሓጅ ሙሳን ጋንታ ዱንጉስ ኣራይን ኣብቲ ውግእ ምሳና ተኻፊለን  ።
  • 22/12/1965 – ማት ጎበ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ደምበላስ ሓንቲ ጋንታ ካብ ሰራዊትና ምስ ጸላኢ ገጢማ ካብ ጸላኢ 13 ተቀቲሎም ።
  • 3/1/1966 – ኣብ ኮሮኮን ጸላኢ 18 ወታሃደራት ከሲሩ ። ካብ ህዝቢ 4 ተሰዊኦም ።
  • 17/1/1966 – ኣብ መገዲ ባረንቱ ኣቁርደት ሓይልታትና ኣድብየን ጸኒሐን ንኣቁርዳት ዝጓዓዝ ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ኣጥቅዔን ዓብይ ክሳራ ኣውረዳሉ ፣ ብወገና ሓደ ዉጉእ ጥራሕ ነሩና ።
  • 22/2/1966 – ኣብ ዓድ ሸኽ ካልኣይ ውግእ ተኻይዱ ጸላኢ 32 ሙዉታትን ብዙሓት ቁሱላትን ነሩዎ ። ዝተፈላለየ ብረት ተሰሊቡ ። ኣብዚ ውግእ ጋንታ ሓጅ ሙሳ ካብ ቀዳመይቲ ክፍሊ ምሳና ተኻፊላ ። ብወገና 4 ስዉኣትን 2 ዉጉኣትን ነሩና ።

ከምዚ ዝኣምሰለ ውግእት ኣብቲ ጸላኢ ዝቆጻጸሮ ዝነበረ ፣ ኣፍደገ መሬት ከበሳ ስሌ ዝተኻየደ ንህንደዳ ጸላኢ ኣበርዕኑ ዓብይ ክሳራ ዘውረደሉ  ውግኣት ስሌ ዝነበረ ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓብይ ጽልዋ ኣሕድሩ ። ብፍላይ ድማ ጸላኢ ኣብ ከበሳ ሞንጎ ህዝቢ ዝነዝሖ ዝነበረ ኣደናጋሪ ነፍሕታት ተቃሊዑ ። ህዝቢ ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊታት ኤርትራ ዝተኣኻኸቡ ተጋደልቲ ፣ንምሳሌ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት መራሕቲ ሳልሰይቲ ክፍሊ ዝነበረ ከም ባዓል ባሻይ ገረዝጊሄርን ካልኦትን ኣብ ሞንጎ ሰልፊታት ሰራዊት ሓርነት ብዓይኑ ስሌ ዝራኣየ ፣ እዞም ተጋደልቲ ዕላማኦም ሃይማኖት ከምዘይኮነ ፣ ጥራሕ ኣስላም እውን ከምዘይኮኑ ክበርሃሉ ጀመረ ። እዚ እቲ ሰራዊት ሳልሰይቲ ክፍሊ፣ ኣብ ሞንጎ ዝሓቆፎ  ህዝቢ ባርካ ላዓል ኮይኑ ምስ ጸላኢ ቀጻሊ ምርጻም ዘካይደሉ ዝነበረ ግዜ እዩ። ህዝቢ  ባርካ ላዓል ሽም መራሕ ሳልሰይቲ ክፍሊ ዓብዱልካሪም ኣሕመድ እንዳልዓለ ደርፊታት ግጥምን ዘስማዓሉ ዝነበረ እዋን እዩ ። ኣብቲ ግዜ ድማ ደረፍትን ገጠምትን ካብ ህዝብና ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊታት ኤርትራ ብሓፈሻ ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ካልኣይቲ ክፍሊ ንጅግንነትን መስዋእትን ሰራዊት ሓርነት እንዳኣልዓሉ ይደርፉ ነሮም ።

ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ውግኣትን ከቢድ መጥቃዕትታን ዓወት ኣብ ጎንና እኳ እንተነበረ ፣ ኣብ ገሊኡ እዋናት ብሰንኪ ጉድለት ጠያይት ይኹን ካልእ ኣገዳሲ ወታሃደራዊ  ዕጥቅታት   ንድሕሪት ክንምለስ ንግደድ ነርና ። ጠያይትን ብረትን ክመጽእ ከሎ ድማ ካብ ኣሃዱታትና ብረት ኣውርድና ተሰክሞምዎ ክመጹ ንወገናት ሳሕል ንሰዶም ነርና ። ኣብቲ ግዜ ጸላኢ ከይየጥዓካ  ወታሃደራዊ  ንብረትካ ንምጉዓዝ መጽዓኛ  ክትጥቀም ትፈርሃሉ  እዋን እውን ነሩ ። ነፍስ ወከፍ ክፍሊ ድማ ናታ ንብረት ናይ ምምጻእ ሓላፍነት ባዕላ ትስከም ነራ ። መሬት ሳልሰይቲ ክፍሊ ድሕሪ ምብጻሕና እውን እንተኾነ ዉሱን ቁጽሪ ኣሃዱታትና  ብረት ንምምጻእ ይኹን ድሕረ ግንባርና ንምሕላው ብማለት ፣ ንባርካ ላዓል ኣይለቀቃን ።

ምስዚ ኣተሃላለዋ እዚ ጎኒ ንጎኒ ብመገዲ ካልእይቲ ክፍሊ ናብ ሳልሰይቲ ክፍሊ ናይ ምእታዊ መደብ ታሓንጽጹ ነሩ ። ብኡ መሰረት ድማ ኣሃዱታትና ብመገዲ መሬት ማሪያን መንሳዕን ንሳምሃር ብሙውራድ ናብ ሳልሰይቲ ክፍሊ ብምብራቃዊ ገማግም ባሕሪ ኣከለጉዛይ ብወርሒ 7/1966 ኣተዋ ። ንሳልሰይቲ ክፍሊ ገጽና ምስ ተበገስና ድማ እቲ ድሕሪ መስዋእቲ ተጋዳላይ ሓሚድ ጀምዕ ከም ምኽትል መራሕ ሳልሰይቲ ክፍሊ ተመዲቡ ዝነበረ ባእታ ምኽንያት ኣቅርቡ ካብ ሓላፍነቱ ስሌ ዝወረደ ፣ ኣነ ናይ ምኽትልነት ሓላፍነት ተሰክመ ነረ  ።

ኣብ ጉዕዞና ጽርጊያ ባጽዕ ኣስመራ ድሕሪ ሙቅራጽና መጀመሪያ ምስ ጸላኢ ዝገጠምና ኣብ እምባትኑጋ ( ዓጋምቡሳ ) ዕለት 24/7/1966 ነሩ ። ሓይሊ ጸላኢ በቲ ገባር ዝባሃል ዉሩይ መራሒ ዝምራሕ ጦር ሰራዊትን ኮማንዶስን እዩ ነሩ ። ንጸላኢ ሴፍ ዘይይብል ክሳራ ወሪዱዎ ፣ ገባር ተወግኡ ሓይሊታቶም ክስሕቡ ድማ ተገድዶም  ። ድሕሪዚ ሓይልታትና ብቀጥታ ደቡባዊ ምዕራብ ገጹ ኣምሪሑ ኡምለ ( ዲዖት ) በጽሑ ፣ ኣብኡ ድማ ብዕለት 5/8/1966 ውግእ ገጥምና ኣብዚ ውግእ ፣ ሓደ ካብ ወጻኢ ሃገር ስድራኡ ክርኢ ኣብ ዓዱ ዝመጸ ሙሓመድ ኢብራሂም ማስሪ ዝባሃል ተማሃራይ ተሰዊኡ ። ሰራዊትና ጉዕዞኡ ንቆሓይቶ ገጹ ኣምሪሑ ኣብ ከባቢ ከተማ ዓዲቀይሕ ምስቲ ንሰውራ ክሃሪም ተሃንድዱ ዝመጸ ብዑመር ሙሓመድ ዝባሃል ዉሩይ መራሕ ሓይሊ ጸላኢ ብዕለት 6/8/1966 ውግእ ተኻይዱ ። ዑመር ሙሓመድ ኣብዛ ውግእ  ተቀቲሉ ፣ ካባና እውን ሓደ ዑመር ሙሓመድ ዝባሃል ተጋዳላይ ወዲ ምላድ ማንታ ተሰዊኡ ሰለስተ ድማ ተወግኦም ። ምስ ምንቅስቃሳትና ኣብዚ ክፍሊ ዝተተሓሓዘ ቀጻሊ ውግኣት ድማ ይካየድ ነሩ ገለ ካብኡ ፦

  • ብዕለት 3/10/1966 ኣብ ዓሳ ዋሊ ኣብ ዓጋምቡሳ ውግእ ተኻይዱ ጸላኢ ብርቱዕ ክሳራ ነሩዎ ፣ ብወገና 1 ስዉእን 2 ዉጉኣትን ነሮም ።
  • ምስ ምጅማር ሓድሽ ዓመት ድማ ብዕለት 21/1/1967 እታ መስተንክር ዝኾነት ንጸላኢ ዘስደመመት ታሪኻዊት ውግእ ዳንደር ተኻይዳ ። ነዚ ናይ ምክልኻል ውግእ ዘካየዱ ናይ ሳልሰይቲ ክፍሊ ምሩጻት ጀጋኑ ተጋደልቲ 15 ጥራሕ ነሮም ። ኣብዚ ጅግንነታዊ ውግእ ጸላኢ ሓደ ዓብይ ወታሃደራዊ መራሒ ዘሎዎም ካብ 120 ዘይዉሕዱ ምውታትን ዉጉኣትን ነሩዎ ። ብወገንና ድማ ክልተ ተሰዊኦም ። ንሳቶም ድማ  ስዉእ ጅግና ሙሓመድ ብርሃን ነጋሽ ( ወዲ ነጋሽ ) ናይ ሳልሰይቲ ክፍሊ ገንዘባዊ ሓላፊን ሓደ ካብቶም ዉሩያት ፊዳኢዪን ሳልሰይቲ ክፍሊ ጣሃ ማሕሙድን ነሮም ። እዞም ምሩጻት ዉሑዳት ጀጋኑ ሳልሰይቲ ክፍሊ ምስቲ ብብዝሒ ሰብን ዕጥቅን ዘይነጻጸር ሓይሊ ጸላኢ ዘካየዱዎ ውግእ  ንጸላኢ ዘርዓደ  ፣ ነቲ ኣብ መዓሙቅ ቦታኡ ሶሊኹ ዝኣተወ ሓይሊ ሰውራ ዝናዓቅ ከምዘይኮነ ዘፍለጠ ፣ ንህዝብና ድማ ኣብ መላእ ኤርትራ ዓብይ ፍናን ዝሃበ ነጥቢ መቀይሮ እዩ ነሩ ።

ድሕሪ መስዋእቲ ወዲ ነጋሽ ቦታኡ ብተጋዳላይ ሱለይማን ዲኒ ኣቡባካር  ተተክኡ ።

  • 24/1/1967 – ጥቃ ዓዲ ቆሓይን ብርቱዕ ውግእ ተካይዱ ጸላኢ ክሳርኡ ላዕሊ ነሩ ።
  • ብ 13/2/1967 – ኣብ ሃዛሞ ንጸላኢ ዘሕምም መጥቃዕቲ ወሪዱዎ ።
  • 24/2/1967 – ጸላኢ ብዙሕ ከሲሩ ፣ ብወገና 4 ተሰውኦም ።
  • ወርሒ 3/1967 – ኣብ ዓዲ መፋልስ (ስራየ) ሓይሊታትና ኣብ ዝነበራሉ ቦታ ትዝምቢ ዝነበረት ነፋሪት ጸላኢ ብተጋደልትና ተሃሪማ ወዲቃ ።
  • 19/4/1967 – ኣብ ዓዲ ላምዛይ ( ደምበላስ ) ካብ ጸላኢ 17 ተቀቲሎም ካባና 2 ተጋደልቲ ተሰዊኦም ።
  • 27/4/1967 – ኣብ ልዕሊ መደበር ኳዓቲት ለይቲ መጥቃዕቲ ተኻይዱ  ሓይሊታትና ተቆጻጽሮምዎ ፣ 24 ብሬት ተሰሊቡ ። ካባና ሓደ ተሰውኡ ።
  • 5/5/1967 – ኣብ ኣግዶብርሃን ንሓይሊታትና ንምጥቃዕ ዝመጸ ሓይሊ ጸላኢ ዓብይ ክሳራ ወሪዱዎ ። ብወገና 6 ተሰዊኦም ።
  • 8/5/1967 – ኣብ ዓዲ ፋዱል ደምበላስ ፣ ካብ ጸላኢ 58 ተቀቲሎም  ንሕና ሓደ ስዉእ ነሩና ።
  • 13/5/1967 – ኣብ ዓዲ መፋልስ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ብርቱዕ ክሳራ ወሪዱ ብወገና ሓደ ስዉእ ነሩና ።
  • 12/6/1967 – ለይቲ ኣሃዱታት ፊዳኢዩን ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ጸላኢ ( ጦር ሰራዊትን  ኮማንዶስ ) ኣብ ዓዲ ቀይሕ መጥቃዕቲ ኣካይደን ዘይተወሰነ ክሳራ ኣውርዶሙሉ ።
  • 4/7/1967 – ውግእ ማይ ጻዕዳ ጸላኢ ሰፍ ዘይይብል ክሳራ ወሪዱዎ ። ብወገና 2 ስዉኣትን 4 ዉጉኣትን ነሩና ።
  • 27/7/1967 – ኣብ ቆሓይን ጸላኢ ብሕሱም ተጠቂዑ ። ንሕና 3 ስዉኣት 1 ዉጉእ 1 ሙሩኽ ነሩና ።
  • 29/7/1967 – ኣብ ባራት ዳጋ ከባቢ ደብረ ብዜን ዝተኻየደ ውግእ ፣ ጸላኢ ብዙሓት ምዉታትን ዉጉኣትን ነሩዎ ብወገና ሓደ ካብቶም ዉሩያት መራሕቲ ሳልሰይቲ ክፍሊን ቀዳሞት ተጋደልቲ ሰራዊት ሓርነትን ኻሊፋ (ኣባስበር) ዝተሰወኣላ ዕለት እያ ።
  • 29/10/1967 – ውግእ ኣስራው ዳጋ ጸላኢ 70 ምዉታትን ቁሱላትን ነሩዎ ክልተ ድማ ተሰዊኦሙና ።
  • መወዳእታ ወርሒ 11/1967 – ኣብ ሩባ ያንጉስ ኣብ ሰምሃር ኣብ ልዕሊ ብረት ንምምጻእ ይንቀሳቅሳ ዝነበራ ኣሃዱታትና፣ ጸላኢ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ፈቲኑ ሓንቲ ነፋሪት   ተሃሪማ ተባሪዓ።
  • 2/12/1967 – ውግእ ምስ ጸላኢ ኣብ ሾጎልጎል ባርካ ካብ ጸላኢ 70 ዝኾኑ ተቀቲሎም ብዙሓት ቆስሎም ። ኣባና ዝኾነ ክሳራ ኣይነበረን።
  • 5/12/1967 – ኣብ ኣለቡ ባርካ ህዝቢ ንምብስባስ ናብ ካልኣይቲ ክፍሊ ገጹ ዝንቀሳቀስ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ብርቱዕ ክሳራ ወሪዱዎ ካባና 1 ዉጉእ ።
  • 8/12/1967 – ኣብ ዳራቡሽ እቲ ግኑን መራሒ ኮማንዶስ ገብረንጉስ ዝተቀትለላ ውግእ ኢያ፣ ጸላኢ ብዓሰርተታት ዝቁጸሩ ምዉታትን ቁሱላትን ነሩዎ ፣ሓደ ብሬንን ብዙሕ ፎክስ ብሬትን ተሰሊቡ ።
  • 19/12/1967 – ኣብ ዓዲ ቀልቀል ካብ ጸላኢ 3 ተቀቲሎም 4 ተወጊኦም ።

ይቅጽል

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10412

Posted by on Aug 8 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net