ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይልገስ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ ?

ብፍስሓ ናይር

ኣብዚ ግዜዚ ዝኾነ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝሳተፍ ነዛ ጭርሖ፣ “ፍትሒ ይንገስ፣ ምልኪ ይልገስ” እናበለ ኢዩ ዝጭርሕ ግን እንታይነቱን ትርጉሙን ግን ብግብሪ ኣየርእን ኢዩ፣ ፍትሒ ክበሃል ከሎ ነቲ ኣብ ሰነዳት ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣህጉራዊ ወዕል ብዛዕባ ቁጠባውን፣ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት ከምኡ ድማ ኣህጉራዊ ወዕል ብዛዕባ ሲቪላውን ፖሊቲካውን መሰላት፣ እዚ ሰለስተ ስነዳት ዚ ድማ ብሓንሳብ ማሕደር ናይ መሰላት ወደሰብ ይበሃል ወይ ድማ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ፣ ” Bill of Rights”

ናይ ሓንቲ ሃገር ቅዋም ነዚ ሰነዳት ዘኽብር ዓናቅጽ ኣለዎ። ዝበዝሓ ሃገራት ኣባላት ሕቡራት ሃገራት በዚ ሰነዳትዚ ይቅየዳ። ንሕናኸ?

 

ዕላማ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ብዛዕባ ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይልገስ ንብል ኣፍልጦና ብዛዕባ እዚ ሰነዳት ክብ ንምባል ኢዩ። ስለምንታይ ኢና ፍትሒ ይንገስ እናበልና መልእኽቲ ናይ ለውጢ ንደሊ ንኩልና ብሩህ ኢዩ፣ ግን ቅድሚ ኹሉ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኣፍልጦና ብዛዕባ እዚ ሰነዳት ክሳብ ክንደይ ኢዩ፣

 

ስለምንታይ ኢና ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይልገስ ንብል?

 

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ሓደ ባርባራዊ ስርዓት፣ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕሰን፣ ንሕልና ወድሰብ ዝቀትል፣ንባህርያዊ ክብረትን ንማዕረን ዝግህስ፣ናይ ሓሳብን እምነትን ንምግላጽ ዝኽልክል፣ንሕዝቢ ብፍርሓትን ጥምየትን ሒዙ ዘሎ ናይ ውሑዳት ምልክነት ሰሎዘሎ ኢዩ፡፤

 

ኣዋጅ ኣድማሳዊ ሰብ ኣዊ መሰላት ብዛዕባዚ እንታይ ይብል፣ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ብ 10 ታሕሳስ 1948 ብውሳነ 217 A 111፣ ሓፈሻዊ ባይቶ ዝጸደቀን፣ ዝተገልጸን ኣብ መእተዊ ከምዚ ይብል፣

 

” ንባህርያዊ ክብረት፣ ንማዕረን ዘይገሃስን መስላት ደቂ-ሰብ ምቅባል መሰረት ሓርነት፣ ፍትሒን፣ ሰላምን ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፣

 

ሰብኣዊ መሰላት ዘይምኽባርን ምጥሓስን ንሕልና ወዲ-ሰብ ዘቈጥዔ ባርባራዊ ተግባራት ከምዘስዓበ፣ ከምኡ እውን ደቂ-ሰብ ሓሳባት ናይ ምግላጽን ናይ እምነት ሓርነት ዘስተማቅሩሉ ከምኡ እውን ካብ ፍርሓትን ጥምየትን ዝገላገሉሉ መጻኢት ዓለም ከም ዝለዓለ ትምኒት ናይ ተራ ሕዝቢ ዝተገልጸ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው”

 

እቲ መ እተዊ ነዊሕ ስለዝኾነ ካብቲ መእተዊ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተገልጻ ተመርኲሰ ምስቲ ህልዊ ኩነታትና ኣፍልጦናን ኣብ ምኽባር ሰብ ኣዊ መሰላት ክገልጽ ክፍትን ኢየ፣

 

ፍትሒ ማለት እንታይ ኢዩ ?

 

ኣብ ኣነባብራና ገለ ነገር ምስእንስእን ፍትሒ የለን ንብል፣ ሓደ ሓቐና ፍትሓዊ ማሕበረ – ሰብ ከመይ ይመስል፣ክትሓንጾከ ይከኣልዶ? ኣብ ዝሓለፈን ዘሎን ሳይንሳዊ መጽናዕትታት ብዛዕባ ፍትሒ ብዙሕ ፖሊካዊ ክትዓትን ኣስተምህሮታትን ተኻዪዱን ይካየድ ኣሎን፣ ንኣብነት ኣመሪካዊ ፍላስፋ ጆን ራውልስ

ንፍትሒ ዝገልጽ ክለሳ ሓሳብ ዘቅረቦ ነሩ ንሱ ድማ ኣብ መንጎ ስራሕን ትቅበሎ ደመዎዝን ኣዛሚዱ ይገልጾ፣ ግን ከ መን ኢዩ እቲ ዝበዝሔ ዝቅበል መንከ ኢዩ እቲ ዝተሓተ ዝቅበል፣ ኣቀዲምካ ክትፈልጥ ኣይከኣልን ይብል፣ ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ፍትሒ ምህላውን ዘይምህላውን ንምፍላጥ ጽንኩር ኢዩ፣ ገለ ፍልልያት ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ ይብል፣ ራውልስ፡፤

 

ደቂ-ሰባት ይፈላለዩ ኢዮም፣ ዝተፈላለየ ቅድመ-ኩነታትን ድልየታትን ድማ ኣለዎም፣ ከምቲ ክእለቶምን ድልየቶምን ድማ ኣብ ማሕበረ- ሰብ የበርክቱን፣ጻማ- ራሓጾም ይቅበሉን። እንተኾነ ግን እቲ ፍልልያት ኣብ መንጎ ደቂ-ሰባት ዓብይ ጋግ ዝፈጥር ክኽውን የብሉን፣ እቲ ፍልልያት ነቶም ኣብ ዝተሓተ ኣነባብራ ንዘለዉ ዝጥቀም ምስዝኸውን ቅቡል ኢዩ፣ እንተዘይኮነ ነቶም ድኻታትን ውጽዓትን ዝውጽዕ ኮይኑ ግን ቅቡል ኣይኮነን፣ ናይ ራውልስ ከለሳ- ሓሳብ ብጣዕሚ ሰብኣውን ፣ሕውነታውን ኢዩ፣

 

ንዓንቐጽ 1 ኣብ ኣድማሳዊ ሰብ ኣዊ መሰል ድማ ዝገልጽ ኢዩ፣

 

ዓንቀጽ 1

“ኩሎም ደቂ-ሰባት ሓራ ኮይኖም ዝተወልዱ፣ ከም ኡ እውን ማዕረ ክብረን መሰልን ዘለዎም ኢዮም፡፤ ኣ እምሮን ሕልናን ዝተዓደሉ ብምዃኖም ድማ ኣብ ነንሕድሕዶም ብመንፈስ ሕውነት ኪቀራረቡ ይግባእ።”

 

ኣብ ሓደ ፍቲሓዊ ህብረተ-ሰብ፣ ናይ ኩሎም ድሕነትን ቅሳነትን፣ ንፍልልያት ዘንእስ ኣመቀራርሓን ኣተዓዳድላን ስልጣንን ሃብትን ሃገር ምስ ዝህሉ ኢዩ ፍትሒ ኣሎ ዝበሃል ይብል ፣ ራውልስ፡፤ እቲ ፍልልያት ናይ ሓባር ጥቅምታት ዝሑሉ ምስዝኸውን ድማ ኢዩ ወድስብ ፍትሒ ዘስታማቅር። እቲ መሰረታዊ ኣምር ናይ ራውልስ ክለሳ ሓሳብ ኩሎም ደቀ-ሰባት ማዕረ ዕድላት ክዋቦም ኣለዎም ዝብል ኮይኑ ን እንታይነት ፍትሕን ኣተረጓጉማኡን ሕርሕራይ ገሩ ይገልጾ፡፤

 

ንሕና ኣብ ደንበ ተቃውሞ ደለይቲ ፍትሒ ክሳብ ክንደይ ኢዩ ኣፍልጦና ብዛዕባ ፍትሒ፣ ሓደ ፍትሓዊ ማሕበረ-ሰብ ከ ክንሓንጽ ንኽእልዶ?

 

ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓለምና ናብ ፍጹም ፍትሓዊ ማሕበረ-ሰብ ዝበጽሔ ሕዝቢ የለን፣ ክብጻሕ እውን ዝከኣል ኣይኮነን፣ እንተኾነ ናብኡ ገጽና እንተሰራሕና፣ ነቲ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ንምባል እንተተቃለስና ኢዩ ተሰማዕነትን ተቀባልነትን ንረክብ። ኣብዚ ቃልሲ ዚ ኮምፓስ ናህና- ዝመርሓና ሰነድ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መስላትን፣ ኣህጉራዊ ውዕል ቁጠባውን ማህበራውን ባህላውን፣ ከምኡ ድማ ኣህጉራዊ ውዕል ሲቪላውን ፖሊቲካውን ኢዩ እሞ ኣብ ነንንብረሉ ሃገራት በብ ቋንቋታትና ንሕዝብና ነምህርን ንማሃርን እናበልኩ ናይ ሎሚ መልእኽተይ ብዛዕባ ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይልገስ ኣብ ጽሑፋት ጆን ራውልስ ተመርኲሰ ብሕጽር ዝበለ ገሊጸ ኣሎኹ ኣብ ቐጻሊ ድማ ኣብዚ ሰነዳት ተመርኲሰ ንፍትሓዊ ቃልስና ዝሕግዝ ጽሑፋት ብተኸታታሊ ከቅርብ ክፍትን ኢየ። ብዛዕባ ፍትሒ

ንዝያዳ መብርሂ ኣብ ጉግል ኣቲኹም ፣ ( John Rawls) ከተንብቡ ትኽእሉ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10457

Posted by on Sep 20 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net