ዓብይ ሰላማዊ ሰልፊ ብኤርትራውያን አብ ከተማ ሊቨር ፑል

አብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ሊቨር ፑል ብስደተኛታት ኤርትራውያን ዝተዳልወ ዓብይ ሰላማዊ ሰልፊ ሚያዝያ 4 2007 ተኻይዱ። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ አብዚ እዋን ካብታ ዝፈትውዋን ዘፍቅርዋን ሃገሮም ተሰዲዶም አብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝርከቡ ስደተኛታት ዝተዳለወ እዩ ኒሩ። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ መንግስቲ እንግሊዝ አብ ሃገሩ ንዝርከቡ ኤርትረውያን ስደተኛታት ጉዳዮም ብግቡእ ክርእየሎምን፡ ናይ ሰራሕን መንበሪ ፍቓድን ንኽውሃቦም ዝጠልብ ኒሩ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ አስታት 450 ኤርትራውያን ከምኡ ድማ ድጋፍ ክገብሩ ዝተሳተፉ እንግሊዛውያ ዝርከብዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኒሩ። ሰላማዊ ሰልፈኛታት ካብ ማንቸስተር፡ ሊቭረ ፑል፡ ሊድስ፡ ኒውካስትል፡ ኮቨንተሪ፡ በርኒንግሃም፡ ብላክቢሪ፡ ነቲንግሃም፡ ሰቶክ፡ ዝበሃል ቦታት ብአውቶቡሳት ተጋዓዒዞም ዝመጹ ኒሮም። ከምኡ ድማ ግዱሳት ሰባት ካብ ለንደንን ካልእ ቦታታትውን ተረኺቦም ኒሮም። ንምጉዓዝያን ካልእን ብሓፈሻ እስታት 5000 ፓውንድ (160000 ናቕፋ) ወጻኢታት ጊሮም። እዚ ሰልፈኛ ካብ ዊልያምስሰን ስኪር ተበጊሱ ናብ ኢሜግሪሸን ኦፊስ አስታት 2 ኪ.ሜ. ዝኸውን ብእግሪ ጭርሖ እናስምዓ ተጋዒዙ። አብቲ ቦታ ድሕሪ ምብጻሕ ድማ ነቲ ዝምልከቶ ብዓል ስልጣን ናይ ጥርዓንን ዝትኣከበ ናይ ድጋፍ ፊርማን ብመንገዲ ወከልቶም አቕሪቦም። አብቲ መስርሕ ፖሊስ ነቲ መስርሕ ካብ ዝጅመር ስጋብ ዝውዳእ ድማ ብዓጀባ ሓለዋ አካይዶም።

እዚ ሰልፊ ክንየው እቲ ምሕታት መሰል ዕቑባ ንኤርትራውያን ካልእ ዘንጸባርቖ ተርእዮታትውን ኒሩ። መንእሰይ ኤርትራ አብ ገዛእ ሃገሩ መሰሉ ተኸቢሩሉ ክነብረላን ክዕቆበላን ዝኽእል ሃገር ስኢኑ ካብ ሱዳን ኢትዮጵያን ሓሊፉ አብ ሰሜን አፍሪካ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ አውሮፓ፡ ሰሜን አሜርካ፡ ካናዳን አውስትራልያን ተዘርጊሑ ይርከብ። እዚ ዋሕዚ መንእሰይ ድማ ህያው ምስክር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ወዲ ሰብ አብ ኤርትራ ዘንጸባርቕን ኒሩ።

አብዚ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብርክት ዝበሉ ህጻናት መንባሮም ነቲ አብ 60ታት ህዝቢ ኤርትራ ብንጉስ ሃይለ ሰላሴ ገዛውቱን ዓዱን ይነድድ ብምንባሩ ብጡርኑፍ ካብ ዝፈትዋ ሃገሩ ናብ ሱዳን በኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ዝነበረ አዲታት ህጻውንቲ ሓዚለን ናብ ዘይፈልጥኦ በረኻታት ሱዳን ንዕቑባ ይኸዱ ብምንባሮም እቲ አብ ዓለም ንብዙሕ ዓመታት ዝተኸፈተ መዓስከር ስደተኛታት አብ ሱዳን አብ መጀመርያታት 1960 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሰደተኛታት ዝቐመሉ እዋን እዩ። ሕጁ ድማ እቲ ጉዳይ ነጻነት ሃገር መስተረጋገጸ ብሰንኪ ዘይቡቕ ምሕደራን፡ ሕጊ አልቦነትን ልዕልነት ሕጊ ዘይምህላውን፡ ሰላም ዘይብሉን ዘይርጉእ መነባብሮን፡ ግዱድ ውትህድርናን፡ ወፍሪ ባርነትን፡ግፋን፡ብዙሓት ዝጭወዩላን ሃለዋቶም ዘጥፍኡላን ሃገር ብምውናንና እቲ አብ 1991 አብ ናጽነት ኤርትራ ክምለስ ሃንቀውታ ዝነበሮ ስደተኛ ዳግም ናብ ሰደት አምሪሑ። ሰደት ድማ ኩል ግዜ ናቱ ዝኾኑ አሉታዊ ሳዕቤናት ሰለዘለዎ አብ ሰደት ክሕጎስ ዝኽእል ሰብ ክህልው ኣይክእልን እዩ። እቶም አብ ሰደት ዝውለዱ ቆልዑ ድማ ጣዕምን ፍቕሪ ሃገሮምን ክረኽቡ አይክእሉን እዮም። ነዚ ህያው አብነት ድማ እቲ አብዛ ሰላማዊ ሰልፊ ዝርከብ ህጻን ዝተሰከሞ ጭርሖ እዩ “ ሓንሳብ አብ ሃገርና ተጋፊዕና ሕጁ ድማ ንካልኣይ ግዜ ንጋፋዕ አለና” ዝብል እዩ።

እዚ ህጻን ከም ኩሉ ህጻን አብ ሃገሩ ክነብር ክጻወት ፍቕሪ ሃገሩ ክረክብ ኣይጸልእን እንታይድኣስ አብ ዝባን ወለዱ ዝፍጸም ምግሃስ መሰል ወዲ ሰብ አብ ሃገሩ ክንብሮ ግን አይክእልን እዩ። ሰለዚ እቶም አብዚ ሰልፊ ዝርኣናዮም ህጻናት ድማ ግዳይ ናይቲ ስርዓት እዮም።

አብዚ እዋን ብዙሓት ኤርትራውያን አብ መላእ ዓለም ይሰደዱ ብምህላዎም፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ድማ ዓብይ ቆላሕታ ብምሃብ ዋላ እኳ ንኤርትራውያን ጉዳዮም ብዝሓሸ መንገዲ ይርእያሎም እንተሃለዋ፡ አብ ዓዲ እንግሊዝ ድማ ብዙሓት ኤርትራውያን ዑቑባ ረኺቦም ከምኡ ድማ ብዙሓት ጉዳዮም ተዓጽዩ ብዘይ ሓገዝ ዝተረፉ ስለ ዘለው ነዚ ንምቅልሑን ግቡእ መሰል ናይ ዑቑባ ንኽረኸቡ ድምጾም ንኽስምዑ ዝተዳለወ እዪ ኒሩ። ኤርትራውያን መሰሎም አብ ዝኸነ ቦታ ንከኽብሩ ናይ ሓባር ድምጾም ከስምዑ ከምዘለዎም ዘንጸባረቐ ሰልፊ እዩ ኒሩ።

ብሓፈሻ መሰል ኤርትራዊ ዝኸበር አብ ሃገርና መሰል ወዲ ሰብ ዝተኸብረላ ሃገር ክንውንን ከለና እዩ። እቲ ዝተግብረ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓጋዊ ሸነኻቱ ዝተማልኣን ዝጸፈፈን ኮይኑ መሰልና እኽቡሩልና ክንብል ከለና ከምዚ ዓይነት መሰል ሂቦሙና አብ አደባባይ ድምጽና ከነስምዕ ዝኽኣልና ሕግን መሰልን ዝተኸብረሉ ሃገር ስለዝኾነ እዩ። አብ ገዛእ ሃገርና ግን ነዚ መሰል ተሓሪምና ይትረፍ ዶ ክንዛረብን ሕቶ ክነልዕልን አብ ውሽጢ ገዛና ተዓጺና ድምጽና ከየስማዕናውን ክነብር አይክኣልናን። ሕግን ግዝኣተ ሕግን ዘለዎ ሃገር ግን ናይ ዜጋታቱ ጥራሕ ዘይኮነ መሰል ናይ ዝኸነ ዜጋ ዘኽብር እዩ ስለዝኸነ ድማ ድምጽና እስሜዕና። ስለዚ መሰል ዝተኸብረላ ሃገርውን ንኽንውንን ኩሉ ጻዕሪ ክነካይድ አለና።

መሰል ወዲ ሰብ ይከበር

ተኸስተ ግደይ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1048

Posted by on Apr 6 2007 Filed under Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net