ግሃድኤ-ሕድሪ ዞባ እስራኤል ሰሚናር ኣካይዱ፡ ነቲ ዞባ ወኪሎም ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ኣባላት መሪጹ።

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ዞባ እስራኤል ዕዉት ሰሚናር ኣኻይዱ፡ ግሃድኤ-ሕድሪ ንካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ይቀራረበሉ ኣብዘሎ እዋን ብዕለት 15 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ሰሚናር ናይ’ቲ ዞባ፡ ቀንዲ ዛዕብኡ ኣብ ቅድመ ምድላው ውድባዊ ጉባኤ ዘተኮረ እዩ ኔሩ።

 

ንዝርዝር ኣጀንዳታት ናይ’ቲ መደብ ተኸቲሉ  ስርዓት መኽፈቲ’ቲ ሰሚናር ዝገብረ ኣቦ-ወንበር ዞባ መንእሰይ ፍሻለ ገብረእግዝኣብሄር ኣብ ዘቕረቦ ስፊሕ ጽሑፍ፡ ናብ ኩሎም ናይ ቃልሲ ብጾት ዘቕነዐ ናይ ሰላምታ ቃል ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ኣብ ዘተኮረ ዘረብኡ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ቀራና መንገዲ በጺሖም ምህላዎምን ናብ’ቲ ቅኑዕ ናይ ምቕጻል ዝወስድ መንገዲ ክሕዝ ድማ ንተሳተፍቲ ካብኦም ዝጥለብ ሓያል ጻዕሪ ከካይዱ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

hidrinews

ጠንቂ ናይ’ዚ ኹሉ ዕንወት ሃገርን ህልቂት ዜጋታት ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ፡ ሱር ቀጻልነቱ ይበታተኸሉ ኣብ ዘሎ ወቕቲ፡ ዕምሩ ንምንዋሕ ይሕግዝ እዩ ዝብሎን ማዓልታት ዕድመ ስልጣኑ ክልቅብ ይኽእል ኢሉ ዝኣምነሉን ኩሉ ዓይነት ወፍርታት የካይድ ምህላውን ናይ’ዚ መርኣያ ድማ፡ መሬት ባሕርን ደሴታትን ኤርትራ ብንዋትን ገንዘብን ይሻየጦ ምህላዉ፡ ነተን ኣብ ከቢድ ምትፍናንን ዝርከባ ሃገራት ኢራንን እስራኤልን ኣብ ዳህላክን ዓሰብን ዓስኪረን ምህላወን ከም ኣብነት ብምጥቅስ ገሊጹ። መርኣያ ጥልመት ከም ምዃኑ ዝገለጾ ንህልቂት ኤርትራውያን ዜጋታት ቃል ኣተንቢሁ ዘይፈልጥ ኣብ ኣስመራ ንግዳያት ህልቂት ርዋንዳ ዝገበሮ ናይ ዝኽሪ መደብን ምትካል ሓወልቲ ወጻእተኛታት ልዕሊ ዜጋታቱ ምቕዳሙን እውን በቲ ኣጋጣሚ ዘኪሩዎ። ንሱ ብተወሳኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራ ዝገብሮ ዘሎ ስውሩን  ቅሉዕን ምትእታትውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤናትን  ምስ እቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ የመን ዝገብሮ ዘሎ ምትእትታውን ጽንፈኛታት የመናውያን ናብ ኤርትራ ዘቕንዐ ዝገብርዎ ዘለዉ ምፍርራሕን ከም ኣብነት ገሊጹ።

hidrinews0

ኣቦ-ወንበር ቀጺሉ፡ እቲ ዝወድቀሉ ሰዓት ዘይፍሉጥ ኣብ ሓጺር ግዜ ምውዳቑ ግን ዘይተርፍ ኣብ ኣስመራ ዓስኪሩ ዘሎ ስርዓት፡ ዝሓላለኾ ጉዳያት ናይ ግዳምን ናይ ውሽጥን ሰላም ዝዘርግ ክስተታ ከጋጥም ተኽእሎ ከምዝህሉ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ ምዃኑ ምስ ኣብነታቱ ብምቕራብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ እቲ ፖለቲካዊ ጥርናፈታት ድማ ብፍላይ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣድላዪ ምድላዋት ክገብርን ኣብ ነንሕድሕዱ ክመያየጥን ጭቡጥን ሓበራዊ ውሕስነት ሃገር ዘረጋግጽ ስራሕ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

 

ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ኣብ ዝምልከት ዛዕብኡ መንእሰይ ፍሻለ፡ ግሃድኤ-ሕድሪ ንኻልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ ምሽብሻብ ከምዝርከብ ብምሕባር፡ “እቲ ጉባኤ ነቲ ” ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!” ብዝብል መሪሕ ጭርሖ እነካይዶ ቃልሲ ንግብራውነቱ ነዳዲ ወሲኹ ህዝቢ ኣዕሲሉ ብዝለዓለ ናህሪ ናብ ቅልጡፍ ዴሞክራስያዊ ለውጢ ክመርሓና ብልዑል ተስፋ እንጽበዮ ዘለና ጉባኤ እዩ።” ኢሉ። ነቲ ብባይቶ ናይ’ቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ ፈጻሚ ኣካል ዝወሰዶ ፡ መጀምርታ ካብ ስራሕ ናይ ምዝሕታል ስዒቡ’ውን ንገለ ካብ’ቲ መሪሕነት ካብ ሓላፍነት ናይ ምውራድ ውሳኔ፡ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ።

 

ናብ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኣባል’ቲ ውድብ ኣብ ዘድሃበ ዛዕብኡ፡ ነፍስ-ወከፍ ኣባል ነቲ ምእንቲ ዴሞክራስያዊት ኤርትራ  ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ክኸፍለሉ ዝኣተዎ ቃልሲ፡ ካብ ኣበጋግስኡ ጀሚሩ ዴሞክራስይዊ ባህሪ ዝተሓንገጠ ኣብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘተኮረ፡ ሕጊ ማእከሉ ዝገበረ ክኸውን ብትኩርነትን ብንቕሓትን ክሕልዎን፡ ንጌጋታት ነሓፍነት ምግባር ውድቀት’ምበር ዓወት ከምዘይርከቦ እዚ ሕጂ ህዝብን ሃገርን ዝበሳብስ ዘሎ ስርዓትን ኣመጻጽእኡን እኹል ኣብነት ምዃኑ ከምዝግባእን ብምዝኽኻር፡ ነፍስ-ወከፍ ተቓላሳይ፡ ቀላሲ ናይ’ቲ ዴሞክራስን ፍትሕን ዝማዕርፎኡ፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ወጽዓ ዘንቀሎ ጉዕዞ ቃልሲ ንምዃን፡ ንቕሓቱ ከበርኽን ካብ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ተማሂሩ ናይ ሎሚ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ክሰርሕን ኣዘኻኺሩ። ኣብ መወዳእታ ዓወት ንካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ብምምናይ ዘረብኡ ዛዚሙ።

hidrinews1

ስዒቡ፡ ንሰፊሕ መብርሂ ኣባል ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ መንእሰይ ሓይሎም ዳኒኤልን ሕቶታት ካብ መሰረታትን ተኸቲሉ፡ ዝቐረበ ኣጀንዳ፡ መሰረታት እቲ ዞባ ናብ ጉባኤ ዘተኮረ፡ ሕቶታት፡ ርእይቶታትን ለበዋታትን እዩ ኔሩ። ገለ ካብ’ቲ ዝቐረበ ለበዋታት፡ ግሃድኤ-ሕድሪ፡ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስን ኣበርቲዑ ክጽዕትን ከምቀደሙ ንሓድነት ቅሩብንቱ ከዛይድን ብምዝኽኻር፡ ኣብ ኤርትራ ዴሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ካብ’ቶም ትጽቢት ዝግበረሎም ውድባት ምዃኑ ብምምልካት፡ ካብ’ዚ ዘሎ ናይ ደንበ ተቓውሞ ልሙድ ናይ ዕንክሊል ባህርያት ፈንጢሱ ግስጋሰኡ ከዛይድ ተላብዮም። ኣብ’ቲ ውድብ ንዘለዉ ዓንቀፍቲ ሰባትን ኣሰራርሓታትን ብደቂቕ ብምክትታል ኣድላዩ ስጉምትን ፍታሕን ኣብ ምውሳድ ምውልዋል ከምዘየድሊ ገሊጾም።

 

ቀጺሉ፡ ካብ ኣባል ኣሳናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ መንእሰይ ተስፋይ ኣለም መብርሂ ምስቀረበ፡ ሰሚናር፡ ናብ ምምራጽ ነዚ ዞባ’ዚ ወኪሎም፡ ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ እቲ ውድብ ዝሳተፉ ኣባላት እዩ ተሰጋጊሩ፡ ብኡ መሰረት ድማ ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጾም። ኣብ መወዳእታ ብጉጅለ ባህሊ ንኣባልት ብዝተገብረ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ተዛዚሙ።

 

ዓወት ንካልኣይ ውድባዊ ጉባኤና!!!

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

ክፍሊ ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ ዞባ እስራኤል ተል-ኣቪቭ

15/10/2016

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10500

Posted by on Oct 17 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net