ህዝብናን ማሕበራዊ ጸጥታኡን

ህዝቢ ኤርትራ መሓልፎ ሎሚ – ማለት ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ሰውራ አካይዱ ልኡላውነት ምጕንጻፉ – ተራእዩ ዘይፈልጥ ጸጥታዊ ጸገም አለዎ። መነባብሮ ህዝብና ብጥሜትን ውግእን ሰላሙ ካብ ዚጠፍኦ ዳርጋ ሓደ ዘመን ሓሊፉ’ዩ፣ ይኹን ድአ’ምበር ማሕበራውን ጸጥትኡን መኣዝን ቃልሱን ከምዚ ናይ ሕጂ ዘለዎ መኣዝኑ ስሒቱ ኣይፈልጥን። ዚዀነ ህዝቢ ሽግራቱ ንምፍታሕ ከከም ባህርያት ናይቲ ሽግራት፡ ቃልሱ ቀይሱ’ ዩ ሰውራ ከም ዘካይድ ፍሉጥ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ካብ ምቅላስ ኣይዓረፈን፤ እኳ-ድአ ኵሉ መልክዓትን ዓይነታትን ቃልሲ የካይድ አሎ። ግና ኵላትና’ውን ከም ዘይንፈላለየሉ ውጽኢት ቃልስና ባዶሽ ኴይኑ፣ ሓድሕድና ክንማናጨት ንውዕል አሎና። ስለዚ ሓራ-መውጽኢ ዓቕምና ማፋ-መስኖታቱ ተዓቢሱ፣ ማያቱ ናብ ዘየፍሪ ኣኻውሕ ይፈስስ አሎ። በዚ ምኽንያት ከአ ዓቕሚ-ተቓላሳይ ህዝቢ ነቲ ዚወፈረሉ ሃገርን ህዝብን ከድሕን ይርአ የሎን። እቲ ጸገም ግና ካብ ዘይድልየት ወይ ካብ ዋሕዲ ተቓላሳይ ዘይኰነስ፡ ከምቲ እዚ ኣርእስትና እውን ዚሕብሮ ውሽጣዊ ጸጥታና ሓሚሙ ስለ ዘሎ’ዩ።

ብፍላይ አብ ግዜ “ፎሮ-12” ዚተባህለ (አብ ፓልቶክ Room 1 ናይ ባዕሉ ተመክሮ ቃልሲ መግለጺ ዘቕርብ ዘሎ ሰብ) ካብ ዚቕልቀል ንድሓር፣ ስርሒታት ስለያ-ህግደፍ አብ ዲያስፖራ ፌስቶ መሊኡ ንደገ ከንጀባርር ይርአ’ሎ። ፎሮ-12 ህግደፍ ዚለአኾ ሰላይ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ንሱ ቅርጡው ወይ ቅርጡው ዚመስል ሓበሬታ ኢዩ ዚህብ ዘሎ። ብኣንጻሩ እቶም ንፎሮ-12 ክብድሁ ዚተበገሱ ሰባት፡ ንኣብነት ሓጎስ፣ ብዙሕ ትክን ደሮናን ኣብኒኑ ከብቅዕ ቍርጺ ነገር ኣይጠቅስን፤ እኳ-ድኣ ንፎሮ-12 ከቃልዕ ክብል ናይ ባዕሉ ጉልባብ ተኸፊቱ፣ ሓጎስ ቅድሚ ናጽነት ይኹን ድሕሪ ናጽነት ናይ ህዝባዊ ግንባር/ ወይ ናይ ህግደፍ ሰላይ ምዃኑ ተኣሚኑ። ድሒሩ’ኳ ዳግም ክጕልበብ ብምህቃን ንኵሉ’ዩ ኣሉቱ ሂብሉ። አብ’ዚ ከገድስ ዚግብኦ ጕዳይ እምበአር መን’ዩ ሰላይ ወይ መን’ዩ ንጹህ ዘይኰነስ፣ ህዝብናን ትካላቱን (ውድባትና፣ መርበባትና፣ ፓልቶካትና፣ ሬድዮታትና፣ መጽሔታትና …ወዘተ) ብርግኣትን ብብልሓትን’ዶ መዓጹአን የግባብአን ይቋጻጸራን ወይሲ ንመፈየጽ ንፋስ ባብ ከፊተን ብእሳት-ስለያ ህግደፍ ይልበዳ ኢዩ?!!!!

ንኣብነት ሓደ ኣስጎዶም’ዶ ደጀን’ዶ እናበለ ንፌይስ ቡክ ዘጎደፈ ሰብ አሎ። ብተመሳሳሊ ትሕዝቶን ኣስማትን እውን አብ መርበብ ጀበርቲ.ኮም አብ መንጎ ኣባልት ሃገራዊ ባይቶ ንዲ.ለውጢ ማለት አብ መንጎ እተን 13 እተን 6 ኰይነን አብ ክልተ ዘለዋ ውድባት – ናይቲ ትካል ዕላዊ ሎጎ ብምስናዕ ተጠቒሙ ዚሰቐሎ- ባርዕ ዚኣጎደ ይመስል። ሕጂ’ውን አብ ዚተባህለ መርበብ ንደለይቲ ፍትሒ ከጠንቅቕ መሲሉ ከም ካብ በዓል ፎሮ-12 መሰልቲ ንተቓወምቲ ተጠንቀቑ ክብል አብ ትሕቲ “ብአስገደ ሃብተ ኤርትራዊ፣ ዓባይብርጣንያ፣ 28/10/2016”  ዚብል ምንጪ ተጻሒፉ’ሎ። እዚ ኵሉ ትክን ደሮናን ዘርጊሑ ዘሎ ኣካል ስሙን መርትዖኡን ከየቕረበ ብጸብሪ ሓሶት ክልብጠናን፣ ከይዱ ከይዱ አብ ናይ ባዕሉ ሰላዪ-ፕሮጀክት ክሸመናን ይፍትን አሎ። እቲ ንኣይ አብዚ ዘቘጥዓንን ዚያዳ ዘንህረንን ዘሎ ነገር ከአ እቲ ዚኸይድ ዘሎ ትንፋስካ ዘውጽእ ዓበጥበጥን እንሻዕ ደሮናን ኢዩ። ውልቀ-ሰባት ዚጭረቐሎም ዕላላትን  ናይ ቅትለት ዛዕባታትን ክፈልዩ ምስ ዘይክእሉ ህዝቢ ንሓድሕዱ ከይፋለስ ደቂ-ህዝቢ ተላዒሎም ንድሕነት መትከላቶምን ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ክጻረይሉ ይግባእ።

ኣብ’ዚ ኣነ ዘቕርቦ ኣመራጺታት

  • ሕጂ’ውን አብ ቅድሚ እዞም ትንፋስ ዚኸልኡ ብድሆታት፡ መትከላዊ ቅድምያታትካ ምትዕርራይ አብ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ተጠርኒፍካ ምስራሕን
  • እተን ድሮ ኣስማተን ዚጥቀስ ዘሎ ውድባትን ምስኣን ዚነጥፉ እሞ ድማ ኣስማቶም – ብኣሉታ ብፈሮ-12 ይኹን ብካልኦት ተዋሳእቲ – ዚለዓሉ ገዳይም መራሕትን ዓበይቲ ካድራትን ንሓልዮት ህዝቦምን ውድባቶምን ክብሉ መልሲታቶም ብዚፈልጥዎን ዚእመንሉን ደረጃ ንተቓለስቲ ክሕብሩ
  • መርበባት ሓበሬታ ንስለያዊ ስርሒት ዚመስል ምንጪታተን ክብድሃን ከቃልዓን፤ ንማሕበራዊ ጸጥታ ዚተሃላለኽ ስርሒታት ምጕልባብ/ምሽፋን ከአ፣ ምስ መትከላት ናይ መሰልካ ምግላጽ ይኹን ናይ ቅሉዕነትን ዚተኣሳሰር ኣይኰነን
  • ኵሉ ንነብሱ ከም ዲሞክራስያዊ ባእታን ደላይ ፍትሕን ዚጽብጽብ ተቓላሳይ አብ ኵሉ ምውስኣቱ፡ ኣብ ፓልቶክ፣ አብ መርበባት ወዘተ…. ብሓቀይና ስሙ ክዋሳእ። ምክንያቱ ተጎላቢብካ ምኻድ ንሰለይቲ ምስናይ ይኸውን ስለ ዘሎ። አብዚ ፍሉይ ዘኸውል ምኽንያት ክህልዎ ዚኽእል ሰብ ክህሉ ይኽእል’ዩ። እቲ ናይ ፍሉዩነት ምኽንያት ምስ ዚሕበረና’ውን እኹል’ዩ። እዚ ምኽዋል’ዚ እንተዀነ’ውን ግዚያዊ ድኣምበር ከምኡ ቢልካ ብናይ ብርዒ-ስም ክቕጽል ኣይግባእን። ብዓንተብኡ እንተኰነ’ውን ንገለ ስርሒታት ናብ መዓልኡ ንምብጻሕ ይኹን አብ ውሽጢ ጸላኢ ዚነብር ባእታ እነተኰይኑ ጕልባብ ምጥቃም ዚነበረ’ዩ።

– ደጊም ነናይ ባዕልና ቃልስን ጕዕዞን ንገምግም

– ምእንቲ ኣድማዕነት አብ ህዝባውን ዲሞክርስያውን መትከላት ድማ ነናይ ባዕልና ኣሉታዊ                                 ተመክሮ ኣኳሊምና ንቕድሚት ንጠምት

ተክልሰንበት ትኽላይ

ጀርመን፣ 29 Oct.2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10517

Posted by on Oct 31 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net