ጸብጻብ 2ይ ዋዕላ ኣምስተርዳም

ሽማገለ ዋዕላ

                      20 ሰነ (June) 2007

እቲ ብመጸዋዕታን ኣዳላውነትን ሓላፍነትን ሓድሽ ተስፋ ነት ዎርክ ብዕለት 16-17 ሰነ (ጁን) ኣብ ኣምስተርዳም (ሆላንድ) ዝተኻየደ ዋዕላ (ኮንፈረንስ) ኣምስተርዳም ብዓወት ተዛዚሙ።

እዚ ሃገርን ህዝብን ካብዚ ዘለዎ ግፍዕታትን ጭቆናን ህግደፍ ንምድሓን ብመጀመርያ ንሕና ኤርትራውያን ክንሰማማዕን ክንጥርነፍን ኣሎና ብዝብል መበገሲ ዝተገብረ ኣኼባ ከኣ ኣብ ክልተ ክፋልት ተኸፊሉ እቲ ሓደ ንተዛረብቲ እንግሊዝኛ ኰይኑ ብዕለት 16 ዝጀመረን ምሉእ መዓልቲ ቀጺሉ ስዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ዝደምደመን ኢዩ። ኣኼባ ዝተጀመረ ከኣ ናይ ንግሆ ስዓት 8 ኣቢሉ ኢዩ። ብዛዕባ ዓላማ ናይቲ ኣኼባን ኣኼበኛታትን ከምኡውን ናይቶም ንመደረ ዝቐረቡ ምሁራትን ሰበስልጣናትን መንነትን ኣስማትን ብምልላይ ብቓንቋ እንግሊዝኛ ብምዝራብ ዝኸፈቱዎ ዶክተር ፍሥሐጽየን መንግሥቱ   ኢዮም።

ነቲ ዋዕላ ብኣቦ መንበርነት ዝኣለዩዎን ዝመርሑዎን  ፕሮፈሰር ባሄር  ዝተባህሉ ውሩይ ምሁር ኰይኖም ኣብቲ ዋዕላ (ኮንፈረንስ) ተረኺቦም ዝመደሩን ንዝተፈላለዩ ሕቶታት ጉባኤኛታት ዝመለሱን ብዛዕባ ኣፍሪቃ ብፍላይውን ብዛዕባቲ ሰላም ስኢኑ ዘሎ ቀርኒ (ሆርን) ማለት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማል ሰፊሕ ትምህርትን ፖለቲካዊ ትንተናታትን ርእይቶታትን ዝሃቡ ከኣ እዞም ዝኽተሉ ኢዮም።

1.        ሚስተር ፓውል ሊተንስ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ናይ ጕዳይ ኣፍሪቃ ም/ሓላፍን ናይ  ምዕራብን ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀንዲ ሓላፊ፡

2.        ሚስተር ዊልያም ጉመደ ውሩይ ናይ ፖለቲካን ሜድያን ክኢላ፡

3.        ሚስተር ጀረሚ ስሚዝ ተወካሊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡

4.       ኣቶ ተኮላ ወርቁ ንሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ዝንቀሳቐሱ ምሁር ኢትዮጵያዊ፡

5.        ወሮ. ኣለም ደስታ ኣደመንበር (ማልቲ ካልቸራል ዉመን ፒስ ነት ዎርክ)

6.       ወሮ ኣምና ናጊ ኣባል  (ማልቲ ካልቸራል ዉመን ፒስ ነት ዎርክ)

7.        ወሮ ንጎዚ ንዎሱ ም/ ኣደ መንበር  (ኣፍሪካን ዲይስፖራ ኮሙኒቲ)

8.       ሚስተር ካሊድ ናይ ኮርፎፋን ኣሊያንስ ወኪል

9.       ሚስተር መሓመድ ስሄል ኣግሮ ናይ ሶማል ጕዳይ ሓለይቲ ደቂ ሃገር ኮሚኒቲ ሓላፊ፡

10.       ኣቶ ተስፉ ዘውደ ካብ ኤርትራውያን ስቪካውያን ማሕበራት ኣብ ጀርመን፡

11.       ሚስተር ካሚስ ኤስ ዊኒምበጉ ካብ ኣፍሪካ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበር፡

12.       ሚስተር ራይን ኮዎልስትራ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት (ፖሊስታት ሓንጻጺ )

13.       ሚስተር ጀረሚ ለስተር ብዓል ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ (ካብ ብራሰልስ)

14       ዶክተር ፓውል ሚርትስ  ናይ  ኢንተርናሽናል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ም/ሓላፍን ምሁርን

15.       ፕሮፈሰር ሃሪ ፖስት ዲረክተር ሰላምን ፍትሕን ኣብ ሃገር ጣልያን  ነበሩ። 

እቶም ተዛረብቲ ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ሽግራት ሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ሶማል፡ ብምልዓል ሰፊሕ ዝዀነ ትንታኔታትን ትምህርታዊ ሓዘል ዝዀነ ገለጻታትን ኣቕሪቦም። ኣብዚ ዋዕላዚ ብዘይካቶም መደረ ዘቕረቡ ካልኦት ክኢላታትን ኣገደስቲ ዝዀኑ ወኪላት መንግስታዊ ትካላትን ብዓይነትን ብቕዓትን ኣዝዮም ኣድለይትን ፍሉጣት ዝዀኑ ምሁራትን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕትን ስቪካውያን ማሕበራት ኣባላትን ናይ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ወከልቲ ዘይመንግስታውያን ትካላትን እውን ተኻፊሎም ነሮም። ኣብቲ ምሉእ መዓልቲ ዝቐጸለ መደረታትን ክትዓትን እውን እቲ ኣብ መንጎ ምዕራባውያን ገዛእትን ኣፍሪቃን ዝነበረ ናይ ኮለንያል ምምሕዳራትን ናይ ዶብ ኣትሓናጽጻ ጕዳይን ዝገደፎ ናይ ግርጭት ሳዕቤናትን ብሰፊሕ ተተንቲኑ። ብፍላይ ጕዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተላዒሉ ኮሚሽን ምሕንጻጽ ዶብ ኣርእዩዎ ንዝተባህለ ጕድለት ንጹርን ዘየዳግምን ግሉጽ ዝዀነ ትንተናን መልስን ተዋሂቡዎ።

ካብኡ ሓሊፉ እዚ ሎሚ ኣብ ዓለምና ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝርኤ ዘሎ ፖሊሲ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ጕዳይ ዲሞክራሲ ምስ ጠቕሞም ዘትኣሳስሩዎ እምበር ነቲ ናይ ብሓቂ ዲሞክራሲ ዝበሃል ብዙሕ ከም ዘይግደሱሉ ዝተፈላለዩ ኣፍሪቃውያን ብግልጺ ነቒፎም። ብፍላይ ከኣ ገለ ዲክተይቶራት መዕቆቢኦምን ሓገዞምን በቶም ንፍትሕን ዲሞክራስን ንሕለቕ ኢና ዝብሉ ዓበይቲ መንግስታት ምዕራብ ምዃኑ እውን ብዘይንሓፍነት ወቐሳ ቀሪቡ። ንኹሉ ሕቶታትን ትንታኔታትን ከኣ ብብቕዓት ዝምልሱን ዝትንትኑን ከዕግቡ ዝቃለሱን ምሁራት ተራእዮም።

ኣብዚ ዋዕላዚ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ምንባሩ ንዝተሰምዔ ወቐሳ ብምቕባል እተን ተኻፊለን ዝነብራ ብቝጽረን ውሑዳት ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ዘበርከትኦ መደረን ዘርኣይኦ ሃገራዊ ፍቕርን ትምህርታዊ ክእለትን ፖለቲካውን ሰብኣዊ መሰላት ንምጥባቕ ክግበር ዘለዎ ጻዕሪ ብምትንታን ዘቕረብኦ ርእይቶ ግን ኣዝዩ ዝነኣድ ነሩ።

ኣብ መንጎ ሓጺር ናይ ምሳሕ ጊዜ ድሕሪ ምግባር እቲ ዋዕላ ክሳብ ስዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ቀጺሉ ኣምስዩ። ኣብዚ ምሉእ መዓልቲ ዝቐረበ መደረታትን ትምህርታዊ ሓዘል ትንታኔታትን ከኣ ኵሉ ብስነስርዓትን ብምክብባርን ስለዝነበረ ኵሉ ሰብ ትሓጕሱን ብዙሕ ትምህርቲ ቀሲሙን ወጺኡ ክበሃል ይከእል። እቲ ዋዕላ ዝተዳለወሉ ቦታ ኣብ ፍሪ ዩኒቨርሲቲ ኰይኑ በቲ ዝተገብረ ኣቀራርባን ብቕዓት ምድላዋትን ከኣ ንሓድሽ ተስፋ ብፍላይውን ን ዶክተር ፍሥሐጽየን መንግሥቱ  ብኹሉ ወገን ምስጋናን ናእዳን ድሕሪ ምቕራብ  እቲ ዋዕላ ስዓት ሓሙሽተ ብሰላምን ብፍቕርን ተደምዲሙ።

ድሕሪ እዚ እቲ ብፍላይ ንኤርትራውያን ዝምልከት ጕዳይ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሆተል (ካዛ 400) ክሳብ ስዓት 10 ናይ ምሸት ቀጺሉ ኣምስዩ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ሰውራዊ ባይቶ፡ ሰልፊ ኣልናህዳ፡ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ልኡኻቶም ብመሪሕነት ደረጃ ኣባላቶም ሰዲዶም ክሳተፉን ኣብቲ ዋዕላ ዓቢ ተራ ክጻወቱን ከለዉ ናይ ካልኦት ውድባት ላዕለዎት ካድራትን ኣባላትን እውን ብውልቆም ተረኺቦም ነበሩ።

ኣብዚ ብቛንቋ ትግርኛ ንኤርትራውያን ብጕዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ንኽመያየጡ ኣብ ሆቴል ዝተዳለወ ካልኣይ ክፋል ዋዕላ ኣምስተርዳም ዝተረኽቡ ደቂ ሃገር ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ብዝሒ ነሩዎም’ኳ እንተዘይተባህለ ምስቲ ኵሉ ዝነበረ ኵነታት ርኢኻ ዘሓጕስ ቍጽሪ ተጋባእቲ ነሩ ክበሃል ይከኣል።  ብፍላይ ብዘይካቶም ካብ ውሽጢ ሃገር ማለት ካብ ሆላንድ ዝተኻፈሉ ካብ ካናዳ፡ ሽወደን፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ከምኡውን ሃገራት ጣልያን ጀርመንን ዝመጹ ናይ ውድባት ኣባላትን ግዱሳት ደቂ ሃገርን ናይ ሲቪካውያን ማሕበራት ተወከልትን ኣባላትን እውን ተሳቲፎም ነሮም።

ነዚ ኣብ ሆቴል ካዛ 400 ዝተገብረ ንጕዳይ ኤርትራውያን ዝምልከት ዋዕላን ምይይጥን ብኣቦ መንበርነት ዝመርሑዎ ዶክተር ፍሥሐጽየን መንግሥቱ ኢዮም። ንሶም ናይ መእተውን መላለይን ቃል ድሕሪ ምቕራብ እተን ክንዘራረበለን ዝተዳለዋ ዛዕባ (ኣጀንዳ) በብሓደ ዘርዚሮመን። ካብቲ ኣጀንዳ እታ ቀዳመይትን ዝዓበየትን ከኣ እታ ሓይልና ክድልድል ኣቐዲምና ክንጥርነፍ ኣሎና። ክንጥርነፍ ከኣ ኣቐዲምና እቲ ኣብ ክልተ ተኸፋፊሉ ዘሎ ኪዳን ዝዕረቐሉን ብሓደ ዝሰርሓሉን ሓይሉ ዘደልድለሉን መንገዲ ክንረክብ የድሊ፡ ብማለት ንዅሎም ኣካላት ኪዳን ጥራሕ ዘይኮነ ንዅሎም ብኤርትራን ህዝባን ንሓልን ንግደስን ዝብሉ ደቂ ሃገር ዝተመሓላለፈ መጸዋዕታ ነበረ። ብዝዀነ ግን ዶክተር ፍሥሐጽየን መንግሥቱ እቶም ክልተ ክፋላት ኪዳን ዘይምምጻኦም ጥራሕ ዘይኮነ ስለምንታይ ከም ዘይመጹ እውን ዝፈልጡዎ ጕዳይ ከም ዘየሎን ነቲ ዘትሓላለፉዎ መልእኽቲ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ከም ዘየሎን ኣረጋጊጾም።

ብድሕሪ እዚ ጕባኤ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ድሕሪ ምስማዕ እቶም ዝተዓደሙ ኣካላት መሪሕነት ኪዳን ብኣካል ይኹን ብውክልና ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዘይመጹ ንሳቶም ኣብ ዘየለዉሉን ሓሳባቶም ኣብ ዘይተሓተቱሉን ብዛዕባ ዕርቆም ወይ ባእሶም ምዝራብ ጠቓሚ ውጽኢት ክህልዎ ስለዘይክእል እቲ ጕዳይ ዕርቂ ዝብል ኣርእስቲ ካብቲ ኣጀንዳ ክስገር ተወሲኑ። ኣብቲ ዋዕላ ብሓላፍነት ዝተላእኩን ነቲ ዋዕላ ዝተመዘዙን’ኳ  እንተዘይኰኑ ናይ ክልቲኡ ክፋላት ኪዳን ኣባላት ዝዀኑ ሰባት ነሮም እዮም። ነቲ እዚ ኣጀንዳ ዕርቂ ይትሓለፍ ዝብል ውሳኔ ከኣ ካብ ክልቲኡ ወገናት ዝተቓወመ ኣይነበረን።

እቲ ቀጺሉ ዝቐረበ ኣጀንዳ እቲ ንሃገርናን ህዝብናን ካብዚ ዲክታቶርያውን ግፍዓውን ስርዓት ኢሳያስ ንምድሓን ክካየድ ዝግብኦ ቃልስን ጻዕርታትን ከመይ ዝበለ ክኸውን ኣለዎ? ዝብል ኣጀንዳ ኰይኑ ብዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ ዋዕላ ሰፊሕን ዓሚቝን ኣዝዩ ኣከራኻርን ዝዀነ ክትዓት ተኻይዱሉ። ኣብቲ ዝተፈጸመ ምይይጥ ድማ ካብቲ  ተዳኺሙ ዘሎ ሓይሊ ተቓውሞ ምጽባይ ጥራሕ ዘይኰነ ብስቪካውያን ማሕበራት ኮነ ብዘይተወደቡን ግዱሳትን ውልቀሰባት ከይተረፈ ክካየድ ዝግብኦ ቃልስን ስጉምትታትን ሰፊሕ ክትዓትን ትንተናታትን ተኻይዱዎ። ነዊሕን ኣካታዕን ዝዀነ ጕዳያት ኣልዒሎም ነዊሕ ስዓታት ድሕሪ ምክታዕ ከኣ ነቲ ካብ ዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ ዋዕላ ዝቐረበ ሕቶታትን ጸገማትን መፍትሒ ዝኸውን ሓሳባትን መልስታትን ሒዞም ንጽባሒቱ ንኽመጹ  ስዓት 10 ናይ ምሸት ክኸውን ከሎ ኣኼባ ተደምዲሙ።

ሰንበት ዕለት 17 ሰነ 2007 ስዓት ትሽዓተ ኣኼባ ቀጺሉ ነቲ ኣብ ትሕቲ ዲክታቶራዊ ጕጅለ ህግዲፍ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብን ብሰንኩ ንስደት ዝጐርፍ ዘሎ መንእሰይን ንምድሓን ንጽባሕ ዘይብሃለሉ ናይ ሓባር ቃልሲ የድልየና ኣሎ። ስለዚ ናይ ኵሎም ደለይቲ ሓርነትን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝዀኑ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ጻዕሪ ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ሎሚ ኣድላዪ ምዃኑ እቲ ዋዕላ ኣሚኑሉን ተሰማሚዑሉን። በዚ መሰረት ከኣ እቲ ዋዕላ  ንምሕያልን ምድንፋዕን ደምበ ተቓውሞ ዝማእከሉ ስርሓት እተሰላስል ሽማገለ ዋዕላ ኣምስተርዳም ብዝብል እትጽዋዕ  ሓንቲ ሽማገለ ክትቀውም ብሙሉእ ድምጺ ተሰማሚዑ። 

እቲ ኣብቲ ዋዕላ ቀንዲ ዘዛረበን ዘከራኸረን ኣብታ እትቐውም ሽማገለ ኣካላት ናይተን ተረኺበን ዘላዋ ውድባት ይእተዉዶ ኣይእተዉ? ዝብልዩ ነሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣባላት ውድባት ኣብታ ሽማገለ ምእታው ንስራሕ ናይታ እትቐውም ሽምገለ ክዕንቅፍ እምበር ክጠቅም ስለ ዘይክእል እታ ሽማገለ ካብተን ክልተ ክፋላት ኪዳን ወጻኢ ብዝዀኑ ኣካላት ክትቀውም እቶም ኣባላት እተን ውድባት ግን ምስታ እትቐውም ሽማገለ በብዓቕሞምን ዝኽእሉዎን ክትሓጋገዙ ቃል ኣትዮም እታ ሽማገለ ናጻ ብዝዀኑ ኣካላት ጥራሕ ክትቀውም ብሙሉእ ድምጺ ተሰማሚዖሙሉ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ እታ ሽማገለ ንጊዜኡ ካብቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡን ተወፋይነቶም ዘረጋገጹን በዞም ዝስዕቡ ኣካላት ክትቀውም ተወሲኑ።

1. ሓድሽ ተስፋ ነት ዎርክ                           ዶክተር ፍሥሐጽየን መንግሥቱ  

2. ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ                            ኣቶ  ገብርሒወት ተወልደብርሃን

3. መቓልሕ ኤርትራ ኦርግ                          እንጅ. እዮብ መዓሾ

4. ስኒት ሰላም ፍራንክፎርት         መም ተስፉ ዘውደ

5. ስኒት ሰላም ፍራንክፎርት         ኣቶ ሃይለ ተወልደ

6. ወኪል ኣስፐር ስቪካዊ ማሕበር ዓዲ ጣልያን

ዕማም ናይዛ ሽማገለ እዚኣ ከኣ፡

1. ነቲ በዅሩን ተዳኺሙን ዘሎ ቃልስን ስራሕን ተቓወምቲ ዝሕይለሉን፡ ብጥርኑፍን ሓይልን ንስርዓት ኢሳያስ ክቃወመሉን ከውድቐሉን ዝኽእል መንገዲ ምድላይ ኰይኑ ነቲ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ኣካላት ብፍላይውን ኣብ ውሽጢ ኪዳን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ዝሃድኣሉን ኣብ ንቡር( Normalization) ዝምለሰሉ መንገዲ ምጽዓር፡

2. ብዝከኣል መጠን ምስ ኵሎም ውድባትን ዘይተወደቡን ተቓለስትን ግዱሳት ደቂ ሃገርን እናተራኸበት ሓደ ኵልና ማለት ውድባት፡ ዘይውድባት፡ ስቪካውያን ማሕበራት፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ብሓጺሩ ኣብ ሰላምን ቅሳነትን ረብሓ ዘሎና ደቂ ሃገር ብዘይ ኣፈላላይ ብሓባር ንዝትየሉን ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን መደባት ነውጽኣሉን ሰሚናር ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምድላው ዝከኣለሉ መንገዲ ትሰርሕ፡

ክሳብ ሽዑ፡

*        ህዝባዊ ብዓላትን ፈስቲቫላትን ብሓደ ንምብዓል ዝከኣለሉ መንገዲ፡

*        ሰላማዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ኣኼባታትን ዝምእከለሉ መንገዲ፡

*        ኣብ ተቓውሞ ንዝርከቡ ምንቅስቓሳትን ስቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ሓደ ዝጥርነፉሉ መንገዲ ጻዕርታት ምክያድ፡

*        ንሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ጽፍሕታት ምዝርጋሕን ፖለቲካዊ ሓገዝ ምሕታትን፡

*        ተጀሚሩ ንዘሎ ናይ ኢሰያስ ገበናት ምውህላልን ጭብጥታት ምእካብን፡

*        ዝምድናና ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝሕይለሉን ዝዓብየሉን ምንዳይ፡

*        ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንዘለዉ ዜጋታትና ኵነታቶም ምፍላጥን ሓገዛትን ሞራልን ምብርካትን ወዘተ ክዀኑ ኢዮም።

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ

ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ሽማገለ ዋዕላ ኣምስተርዳም

     

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1057

Posted by on Jun 20 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net