ደምዳሚ መግለጺ 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ 10ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ ዕለት 24/01/2017 ክሳብ ዕለት 27/01/2017 ኣሰላሲሉ። ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ድሕሪ’ቲ መሪሕ ግደን ልዑል ሃገራዊ ኣስተዋጽኦን ዝነበሮ ኣቦ መንብር ውድብናብጻይ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ብመስዋእቲ ዝተፈለየና እዋን ይካየድ ብምህላዉ፣ ኣኼባ ብዝኽርን ክብርን ስዉእ ሓርበኛ ኣቦ መንበርናን ኩሎም ስዉኣት ብጾትናን ተኸፊቱ። መስዋእቲ ሓርበኛ  ዶር. ሃብተ ኣብ’ዚ  ተሃዋሲ መድረኽ’ዚ፡ ንውድብና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንኤርትራ ብምሉኣ ዓቢን ብቐሊል ዘይትካእን ክሳራ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ርእዮ።

ኣብ መኽፈቲ 10 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል፣ ብጻይ መሓመድ ስዒድ መፍለስ፣ ኣቦ መንበር ስክረታርያ ማእከላይ ባይቶ ተረኺቡ፣ ውጽኢት ምምኻራዊ ርክብ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሓቢሩ። ነቲ ብመስዋእቲ ብጻይ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ዝተኸስተ ንቦታ ኣቦ መንበርነት ዝምልከት ናይ ምምራሕ ሃጓፍ፣ ብብጻይ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ክምላእ፣ ምሉእ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ከም ዝረኸበ ኣረጋጊጹ።

ቀጺሉ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል፣ ንኩሉ ዕማማቱ ዝሽፍን ዛዕባታት ብምስራዕ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ኣካል ናይ ስራሕ ጸብጻብ ቀሪቡ። ድሕሪ ዓሚቚ ክትዕን፣ ድኹሙን ሓያልን ጎድንታት ንጥፈታትና ብግቡእ ምርኣይን፣ ብውድዕነት ብምግምጋምን፣ ዝቐረቡ ጸብጻባት ኣጽዲቑ። ካብኡ ንምንቃል ድማ፣ ክሳብ ዝመጽእ ኣኼብኡ ዝሰርሓሉ መደብ ዕዮ ሓንጺጹ።

10ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ገድላዊ ተራ ኣብ ደምበ ታቓውሞ ንምዕዛዝን፡ ምስ ኩሎም መሓዙት ፖለቲካዊ ተቓለስቲ ሓይልታት ጥዑይ ዝምድና ንምህናጽን፣ ዓቕምታቶም ብሓባር ብምጽማድ፣ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቕናዕ ዘኽእል ሃዋሁ ንምፍጣርን። ውድብና ካብኡ ዝጥለብ ጸዕርታት ከካይድን ብኹሉ ዓቕሙ ክሰርሓሉን ዘኽእሉ፣ እዋናዊ ናይ ስራሕ መደባት ሓንጺጹ። ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል.፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤኡ ንምክያድ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ይኹን፡ ዓቕምታት ተቓውሞ ንምጥርናፍ ዝካየድ ዘሎ ዝተፈላለየ ጻዕርታት ንምዕዋትን፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዑቱብነት ክሰርሓሉ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል፣ ካብ’ቶም ብዕቱብ ዝራኣዮም ጉዳያት፣ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነይሩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ናይ ዑቕበኛ መሰሎም፣ ብመሰረት ኣድማሳዊ ሕግታት ስደተኛታት፣ ሕሉው ንክኸውን፣ እተን ተዓቒቦሙለን ዘለዉ ሃገራት ይኹን፣ ኩሎም ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ትካላትን፣ ግቡእ ኣቃልቡ ንክገብሩ ሓላፍነቶም ምዃኑ ንምብራህ፣ ፈጻሚ ኣካል፣ ቅድሚ ሕጂ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ መደብ ብጻዕቂ ክንቀሳቐሰሉ መዲቡ። 

 

ኣባላት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ነቲ ዘጋጠመ መስዋእቲ ኣብነታዊ መራሒና፣ ብጻይ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም፣ ሽሕ`ኳ ኣዚዩ ከቢድ እንተ ነበረ፣ ብስጥመትን ብተወፋይነትን፣ መራሒኦም፣ ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ካፍንውዎ ምብቀዖም ንኩሉ ተዓዛቢ፣ ክብደት ውድብና ዘመስክረ ሓቂ ምንባሩ፣ ፈጻሚ ኣካል መጒሱ። ከምኡ’ውን ብኣባላትናን ብተቓላሳይ ህዝብናን፣ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝተግበረ ናይ ዝኽሪ ሓርበኛ ዶር. ሃብተ ኣጋጣሚታት፣ ብጣዕሚ ዘዂርዕ ምንባሩ፣ ፈጻሚ ኣካል ክብ ዝበለ መጎስ ኣቕሪቡ።

መስዋእቲ ብጻይ ዶር. ሃብተ ቀጥታ ምስ ተሰምዐ፣ መራሕቲ መሓዙት ውድባትን፣ በርጌሳውያን ማሕበራትን፣ ኣገደስቲ ሃገራውያን ባእታታትን፣ ኣዕሩኽ ህዝብናን፣ ብፍላይ ድማ ክቡር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሳንዓ ፎርምን፣ ብኣካል ኣብ ቤት ጽሕፈታትና ብምብጻሕ ናይ ሓዘንና ተኻፍልነት ዘርኣዩ፣ ከምኡ’ውን ድኻሞም ከይጸብጸቡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብምምጻእ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፉን፣ ብተለግራማትን ብመግለጺታትን  ሕውነታዊ መርገጽ ዘቃለሑን፣ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ፣ ወሰን ዘይብሉ ምስጋና ኣቕሪቡ። ኩሎም መርብባ ሓበሬታን መራከቢ ብዙሓን ኤርትራውያን’ውን፣ ኣብ ምቅላሕ ጽሑፋትን ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕን ብዘርኣይዎ ዑዙዝ ተራ፣ ፈጻሚ ኣካል ኣድናቖቱን ምስጋናኡን ኣቕሪቡ።

ኣብ መደምደታ፣ ኣባላት ግሃድኤ፣ ንኩሉ’ቲ ንውድቦም ክገጥም ዝጸንሐ ጽንኩር ኩነታት መኪቶም፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ብዘርኣይዎ ሓላዪን ንቑሑን መርገጻት ብምምጓስ፡ ሕጂ’ውን ውድቦም ንምሕያልን ሃገራዊ ተርኡ ንምዕዛዝን፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኽካየድ ተመዲቡ ንዘሎ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ንምዕዋትን፣ ካብ ዝሓለፈ ግዜ ንላዕሊ ቃልስታቶምን ተወፋይነቶምን ብዝያዳ ከኻዕብቶ  10 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ጸዊዑ።   

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ! “

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንገባቲ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ

 

 

10ይ ስሩዕ ኣኼባ

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

28/01/2017

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10608

Posted by on Jan 31 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net