”መስሓቕ ሸራፋት ከይንኸውን ንጠንቀቕ”!!

”ወልድኣብ ፍስሓጽየን ኦስሎ ኖርወይ” ዕለት፡ 08.03.2007

እዚ ጽሑፍ’ዚ ብጀካ ኣብ መስከረም ኣብ ናይ ኩሎም ተቓወምቲ ወብሳይታት ንኽወጽእ ፍቑድ’ዩ። 

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ!! ሕጂውን ተመሊሰ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዝገለጽክዎ፡ ንሓድነት ተቓወምቲ፡ ብዓቢኡ ኻኣ ንሓድነት ህዝቢ ኣርትራ ድኣ’ምበር ንማንም ውልቀ ሰብ ወይ ውድብ ንምክልኻል ኣይኮንኩን ዝጽሕፍ ዘለኹ።   

ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን!! በዚ ኣብ ሞንጎ ኪዳን ተረኺቡ ዘሎ ናይ ምፍንጫል ኣንፈት፡ ዘይጉሃየ ተቓላሳይን፡ ዘይተሓጎሰ ህ.ግ.ደ.ፋይን፡ የለን”ሞ፤ ኪዳን ነንሕድሕዱ ተራኺቡ፡ ናይ መወዳእታ ክሳብ ዝዕርቕ፡ ወይ ዝፈላለ ሓደራኹም፡ ብሰንኪ ስልጣን ተፈላሊኹም ኢልና ናይ ሓባር ወቐሳ ድኣ፡ ነቕርበሎምን ንግንሓዮምን”በር፡ ተቐዳዲምና መርገጽ ወሲድና ነቲ ምፍልላይ ኣይነባልሓዮ። ሓደራ!!ሓደራ!!ሓደራ!! ኩቡራት ደቂ ኤርትራ። መስሓቕ ሸራፋት ከይንኸውን። ፍድኡ ከይከፍኣና። እንተ ንሓዲኦም ክንድግፍ፡ ወይ ካልእ መተካእታ ክንደሊ፡ ቁሩብ ዓቕሊ ንግበር ኣይንተሃወኸ። ንኹላትና ርእይቶ ኣሎና!! መዓልቱ ክመጽእ’ዩ። መጀመርታ ግን ብዓቕሊ ንሓድነትን ንመፍትሕን ንጽዓር። ንጸላእትና ዕድል ኣይንሃቦም። ይሽቅጡሉ ኣለዉ።

”በዚ ናይ ሎሚ-ቕነ ክሽቅጡ ጀሚሮም ካበ ዘልዉ ሓደ!! መስከረም’ዩ”

ነዚ ብጸሊም ተመልኪቱ፡ ብጸላኢ ናይ ክልቲኡ”ቲ ምስምማዕ ሲኢኑ ዘሎ ኣካል ናይ ኪዳን፡ ግን ከኣ፡ ደጋፊ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ መስከረም፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን፡ ናይ ሃይማኖትን፡ ናይ ዓሌትን ውግእ ከልዕል ዝፍትን ሓደገኛ ፕሮፖጋንዳ ተመልከት።

ኣባ ጉንባሕ በረኻ፡ 25 ዓመት ይገብር ኣብታ ረፍዲ ኣብታ በረኻ፡ እንታይ ሰሚዕካ?

መን ኣድርቡ በለ መንከ እንቛዕ ኣሞጎሰኩም በለ፡ ሕጂ ኻኣ ሓዲኦም ሕጹይ ሓዲኦም ኣቦወንበረ?! 

 

እዚ ገበነኛ ጽሑፍ’ዚ ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዘይግበኦ ኣዝዩ ሰራም ጽሑፍዩ። ካብ ሓልዮት ናይ ዝኾነ-ይኹን ወገን ወይ ሃይማኖት ዝነቅል ኣይኮነን። ንሀዝቢ ኤርትራ ብሃይማኖትን ብወገንን ንኸናቑት ዝሃቀነ ኽኣ’ዩ።

ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ከቢድ ስምብራት ዝገደፈ ገበናት ተፈጺሙ’ዩ። ጌና ድማ ይፍጸም ኣሎ። ቅድም ቀዳድም ሕጂ መን’ዩ ፈራዲ መንዩ ተፈራዲ ከነጻሪ እንተድኣ ኰንና፡ ካብ ቓልሲ ቦዂርና ንዓማጺ ገና ንኸረግጽ ዕድል ምሃብ’ዩ። ናይ ታሪኽ መዛግብና ግን፡ ብደም ዝተጻሕፈ ዘይሃስስ ቀለም ስለ ዝኾነ፡ ሓንትስ ሰላም ድኣ ትረኸብ እንበር ካብ ሕጊ ዘምልጥ ኣይክህሉንዩ። እንዳበልኩ፡ ምስ ኣባ ጉንባሕ በረኻ ዘዕለልኩዋ ዕላል ክጋብዘኩም ይፈቱ።        

 

ኣነ’ውን ሓቲተዮ – ነባ ጉንባሕ በረኻ

ነጊሩኒ ኻኣ – ገለ ብዛዕባኻ

ብውዲት ሻዕብያ – ክህደኑ ብጾትካ

ኣብታ ጨካን ስዓት – ጠንጢንካዮም ኬድካ

አረ ገሊኦምሲ – ሓላፍነት ናትካ

ክትውጅሆም ክትኣልዮም – ካብ ዝግባኣካ።

ጀጋኑ መኪቶም – ኩሉ ምስ ተፈተነ

መርዬት ምስ ሓርበተ – ምርጫ ምስ ተሳእነ

ዝኸፈልካ ከፊልካ – ንሱዳን ምምራሕ ኮነ።

ንሱዳን ምሰ ኣምርሑ – ኣብ መንገዲ ኸለዉ

ስለ ዘይነበርካ – ኣብ ሞንጎ”ቶም ዘለዉ

መሲልዎም ዝተረፍካ – ምስ’ቶም ተበጀዉ።

እንተርኣኻሲ ስዋኣ – ከም ዝጣዓመላ ምኣምን

ኣብ መሬት ናይ ሱዳን – ኮደብ-ደብ ስውንውን

ብጾትካ ምስ መጹ – ሕፍር”ኳ ኣይበልካ

ከም ትመጹስ ተረዲኡኒ ኔሩ – ክትብል ድኣ ጀመርካ

በዚ ኮፍ በሉ – በዚ ንበሩ ተቐባል ጋሻ ዀንካ

ኣድርቡ ክበሃል ከሎ – ኣብቲ ናይ ሱዳን በረኻ

እዚ ከምዝነበረ – እቲ ግደ ናትካ

ኣዕልል ውዒሉኒ – ኣባጉንባሕ ብዛንታኻ

ተዓዚሩ ኸደ – እዚ ዎድሓንካ። 

በዚ ተረኺቡ ዘሎ ግዝያዊ ጸገም ዓወት ኣይክዳናጐን’ዩ

ሓድነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣይክዝረግን’ዩ

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዉኣትና።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1061

Posted by on Mar 8 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net