ገበን ዝገበረ ዋላስ ሓቂ ዝነገረ?

2 የካቲት 2017፣

ገበነኛ ዝሕብኣሉ ሓቀኛ ዝቕለዓሉ እዋን በጺሕና ንመስል። ተዓቢጦም ዝነበሩ ሓቅታት ከም ዕንበባታት ነሓሰ በሪሆም። ይኹንምበር ጌና ኩሉቲ ዝኽሰስ እንተ ኾነውን ሓቀኛ ክመስል ኣብ ምንግድጋድ ይርከብ፣ ሓቀኛ እየ ክብል ክከላኸልን ካልእ ዓመጻዊ ጥበባት ኣሰንዩ ንነብሱ ነጻ ከውጽእ ክጣበብ ይረአ ኣሎ። ፍጹማዊነት ዘማለአ ምዃኑውን ብሓይሊ ከእምን ይፍትን ንርኢ ኣሎና። እንተኾነ ግን ዋላ እንተተሓስበ ፍጹምነት ወዲ ሰብ እኹል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣይኮነንዶ! ኣብ ፖለቲካዊ ምጭምላቕ እተለ-ለወስ ብሕግን ስርዓትን ህንጻ ሕጊ ኣኽቢሩ ዝጎዓዝውን ፍጹምነት የብሉን። ፍጹምነት ኣብ ሓደ ኣምላኽ እምበር፣ ደቂ ሰባት ኣብ እተፈላለየ ማሕበራዊ ህይወትን ውደባዊ ጽግዕነትን ክነብሩ ማሕበራዊ ክውንነቶም ስለ ዝድርኾም ፍጹምነት ዝውንን የለን ኢለ እኣምን። ስለ ዝኾነ ብሓፈሽኡ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ካብ ህዝባዊ ሓላፍነት ውልቃዊ ልዕልነትን ድሑር ጸቢብነትን ተዳዊሶም ጌና ሓያል ቃልሲ ዘድልዮም ምዃኖም ድማ ጌና ጎሊሑ ይረአ ኣሎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ እውን ወግሐ ጸብሐ ኣብ ምፍልላይን ውድባት ምፍልፋልን ንርከብ።

 

ሎሚ ዓለምና ማንታ ኣካይዳ ምዕብልናን ድሕረትን ጸይራ ትጎዓዝ ብምህላዋ፣ ፍልልያት ማለት ብሚዛን ሓንቲ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ክዕየር ከሎ ናይ ሓሳብ ፍልልያት ጸጋ ምዃኑ እዩ ዝእመኖ። እንተኾነ ፍልልያት ይኹን ምቅርራብ ብልዙብን ሂን-ምሂን ብምብህሃል ክኸውን ከሎ ሃናጺ ይኸውን። ዋላ ኣብ ሓደ ውድብ ነቲ ውድብ ከምረሓካ ዝኽእልን ክተምጸኦ ትኽእል ሃናጺ ለውጥን ኣብ መጋባእያ ደው ብምባል ምስ መወዳደርትኻ ብመጽናዕቲ ንዘቕረብካዮም ሓሳባት ብምትእንማንን፣ ናይ ስልጣን ውድድር ምግባር ማለት ዓለምና ትጥቀመሉ ዘላ ዲሞክራስያዊ መስርሕ እዩ። ከምዚውን ንሓንቲ ሃገር ዋላ ንሓንቲ ሰልፊ ናይ ቀጻልነታ ውሕስነት ፍቱን መድሃኒት እዩ።

 

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ! ኣብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ድማ ብፍላይ እዚ ዝጥቀስ ዘሎ መድሃኒት ብዘይምውሓጥና እዩ ኮበርታ ፍሽለት ተጎምጒምና ንነብር ዘሎና።

 

እምበኣር! ሎም ቅነ በቲ ኣብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ተረኺቡ ዘሎ ኣዕናዊ መስርሕ፣ ገሊና ሓቂ ይብራህ ክንብል፣ ገሊኦም ድማ ጌና ክህድዱን ከግባዕብዑን ብጽሑፋትን ናይ ቴለ መልእኽትታትን ክቃላሕ ቀንዩ ምህላዉ ኩሉ ዝዕዘቦ ዘሎ ይመስለኒ። ነዚ ዝበሃል ዘሎ ዘብርህን፣ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይግበኦን ድማ ኣሎ፣ ንሱውን ክልተ ኣሕዋት ኣብ ዓዲ ግራት ኮይኑ ንሓደ ካብቶም ኣሲሮም ዘሳቕዮዎም ዝነበረ ኣካል ብተለፎን <<ከርእየካ እየ ኣንታ ወዲ ሰበይቲ<< ዝብልን ተጠንቀቕ መሳርሒ ሳባት ትኸውን ኣሎኻ ብምባል ሰባት ብርሑቕ ከፈራርሑ ከሎዉ፣ ብዙሕ ትርጉማት እዩ ዝወሃቦ! ማለትሲ ክንቐትለካ፣ ክንኣስረካ፣ ከነባርረካ<፣ ኮታስ ብዙሕ ትርጉም ክወሃቦ ይከኣል። እቲ ዝፍክር ንዝፍጽሞ ኩሉ ንዕኡ ዝምልከት ኮይኑ! ካብ ሓደ ናይ ሓንቲ ሰልፊ ወይ ውድብ  ኣባል ኣመራረሓ እዩ ዝብል እዚ ጽያፍዚ ክወጽእ ከሎ! ውድቡ ወይ ሰልፉ ከጥታ ካብ ሓላፍነቱ ክተውርዶ እዩ ዝግባእ ነይሩ።

 

ወዲ ሰብ ንዝኣመነሉ ብቓሉ ይኹን ብሰነድ ዓው ኢሉ ክዛረብ፣ ክቃወም፣ ክነጽግ፣ ክድግፍ፣ ወይ ክኹንን፣ ብሓደ ጎይታ ብኣርኣያ ስላሴ እተዋህቦ ዘይምንዛዕ ጸጋ እዩ። ክሃርም ክጸርፍ ክህድድ ግን መሰል የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ በቲ ዝነብረሉ ሃገር ሕጋዊ ኣነባባር መሰረት፣ ኣብ ርእሲኡ ክሲ ክምስረቶን ፍርዱ ክወስድን ይኽእል እዩ። እምበኣር ክልተ ኣሕዋት ካብ ዓዲ ግራት ብቴለፎን ክህድዱ እተሰምዑ ኣነባባር ዲሞክራስያዊ ስርዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ጌና ኣይተረድኡን ዘለዉ ይመስሉ። ኣብ ዓደይ ፍትሒ ስኢነ ኢልካ ኣብ ሓንቲ ቅዋማዊት ሃገር ተጸጊዕካ ብዘሎካ ሓላፍነት ክብሪ ሰባት ምጉዳእ ዕድኡ ከቢድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነቲ ተዓቚብካሉ ዘሎኻ ሃገርን ብዲብሞክራስያ ዝመሓደር መንግስቲን ምስሉ ምብልሻው እዩ። እምበኣር ነዚ ደጊሙ ዘረጋግጾ እንተሎ ከምቲ ኣቐዲመ ወታደራዊ መኮንናት ድሕነት ነበር ናብ ኣጋንንቲ ተቐይሮም ጸኒሖሙና እተባህለ፣ ንዕኡ እዩ ሕርሕራይ ገይሩ ዘራጉዶ። ክቡራት ኣንበብቲ ንሱ ስለ ዝኾነስ ከምኡ ኮይንና እንዲና!!

 

ደጊም! ዝኣመነ ክኣምን፣ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድ ዲሞክራሳውያን ተቓለስትን ሓይሊ መንእሰይ ተረከብቲ ወሎዶን እዩ ተደሪዑ ዘሎ። (ዘንጊ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ ትሕተኻ ከምዝበሃል።) እዚ ኩሉ ሓጎጽጎጽ ከም ተመኩሮን ትምህርትን ወሲድና ደጊም ዋላ ምስቶም ክንነቕፎም ዝጸናሕና እንተኾነውን፣ እቲ ሓቂ ኩሉሳዕ ክበርህ ዝግበኦን ታሪኻዊ ተሓታትነት ኣብ ቦትኡ እንከሎን! ከም ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ምኩርዃሕ ግን ንተቓላሳይ ኣየዋጻጸኦን፣ ንህዝብናውን ኣየወጻጸኦን። ካብ እተበተነ ሓደ ሽሕ ሓይሊ መንእሰይ! ሚኢቲ እተጠርነፈ ሓይሊ ስለ ዘድምዕ፣ ሓይሊ መንእሰይ ውሕሉል ውዳቤ ከም ዘድልዮን ክስረሓሉን ይድለ፣ ቃልሲ ለማጽ ከም ዘይኮነ ተወሳኺ መረዳእታ ኣይከድልየናን፣ ብጉዳይ ህዝብን ሃገርን እሞ ድማ ከም ኤርትራን ኤርትራውያንን ክንነብር እንተኾይንና ተወዲብካ ምቅላስ እዩ ዝኸውን ፈውስና።

 

ኣብ መደምደምታ ዝብሎ እንተሎ! ጽሒፍካባ ነቒፍካባ ዝበሃሉ ምስምሳት ዋጋ የብሎምን፣ ሓቂ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ጸሓፋይ ባዕሉ ሓላፍነት ዝወስደሉ ኮይኑ! ምናልባት ኣብቲ ዝቐርብ ሓበረታ ጌጋ ወይ ምእራም ዘድልዮ እንተሎ፣ ብዘይ ምንሓፍ ስም ብምንጻር ኣብ መድረኽ ብሰነድ ክግጠም ይምረጽ።

 

ወዲ ባሻይ

ጀርመን

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10610

Posted by on Feb 4 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net