ዝኽሪ ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባ ኣብ ልቢ ህዝብና ንዘልኣለም ነባሪ ኢዩ !!


ከም‘ዛ ሎሚ መዓልቲ ቅዲሚ 53 ዓመት ብዕለት 15 መጋቢት 1964 ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባ፣ ኣብ መንጎ ጅግና ሰራዊት ሓርነት ኤርትን ጎበጣዊ ሓይሊ መግዛእቲ ኢትዮጵያን ዝተኻየደትላ ዕለት ኢያ።
 ባዕዳዊ  ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ብሓይሊ ፖሊስ (ፊልዲ ፎርስ) ገይሩ፣ ሰውራና ብዕሸሉ ከሎ ንምጥፋእ ፈቲኑ ምስ ተሓለሎ፡ ነቲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ሃልሃልትኡ ኣብ መላእ ሃገር ክዝርጋሕ ዝጀመረ ገድሊ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቅሃም ስሩዕ ሰራዊቱ (ጦር-ሰራዊት)፣ ብዘመናዊ ኣጽዋር ኣዕጢቑ ናብ ኤርትራ ኣበገሶ። 15 መጋቢት 1964 ከኣ መደባቱ ክፍጽመላ ተሃንዲዱ ዝወፈረላ መዓልቲ ነበረት።

 

ስዉእ ጅግና መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ “ኣቡ ሪጀላ” ዝመርሐን ሰለስተ ጋንታታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ትብዓትን፣ ጅግንነትን፣ ተወፋይነትን፣ ተዓጢቐን ነቲ ሰፍ ዘይብል ሓይሊ ሰብን ኣጽዋርን ተሰኪሙ፣ንከጥፈአን ዝመጸ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ከቢድ ስዕረት ብምስዓብ ዛሕ-ዛሕ እናበለ ከም ዝምለስ ገበረኦ። ኣብ‘ዚ ውግእ‘ዚ ጸላኢ 84 ዝኾነ ካብ መኮንናቱን ስራዊቱን ክመትዎ ከለዉ ብዙሓት ከኣ ቍሰሉ። ሒዝዎ ዝመጸ መደባት ንምዕዋት‘ሲ ይትረፍ ብኣገባብ ክሃድም ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት በጽሐ። ብወገን ሰራዊት ሓርነት ከኣ ንዘልኣለም ዝዝከር ጅግንነታዊ ታሪኽ ገዲፎም 18 ዝኮኑ ሓርበኛታት ተሰውኡ። 

 

ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባ፣ ኣብ‘ቲ ዝቐጸለ መድረኻት ዓቢ ኣሰር ገደፈት። ካብ’ቶም ኣገደስቲ ውጽኢታት ኵናት ተጎርባ፡ ክሳብ‘ቲ ዕለት‘ቲ መግዘእታዊ ሓይሊ ቅልጡፍ  ኵናት ኣካይድካ ብቐሊሉ ክድምሰሱ ዝኽእሉ ውሑድ ዝቝጽሮም ሸፋቱ ኢሉ ዝግምቶም ዝነበረ ተጋደልቲ፡ ካብ‘ቲ ንሱ ዝገመቶ ዝለዓለ ዓቕምን ተወፋይነትን ዘለዎም ኣብ ርእሲ ምንባሮም፣ ብህዝቢ ዝድገፍ ናይ ርሑቕ ቀረባን ሃገራዊ ዕላማ ዝውንኑን ምዃኖም’ውን እቲ ዝተኻየደ ኵናት ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ከምኡ‘ውን እቲ ኣብ ውሱን ቦታታት ተሓጺሩ ዝነበረ መቓልሕ ሰውራና ናብ ኩሉ ኩርናዓት ኤርትራ ክዝርጋሕን፡ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ሰውርኡ ዝያዳ ክተኣማመንን፣ ንተሳትፍኡ ኣብ ቃልሲ ከተባብዕን፡ ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባ ደራኺ ተራ ተጻዊታ።

 

ብርግጽ ሓርበኛዊ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ብዙሓት ንተጎርባ ዝመሳሰሉ ዓወታት ኣለዉ። ስለ‘ዚ ካብቲ ካልእ ዓወታት ነጺልካ እትረአ ዕለት’ኳ እንተ ዘይኮነት፣ ፍልይቲ መዓልቲ ዝገብራ ግን፡ ኵናት ተጎርባ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ኣብ መንጎ‘ቲ ኣብቲ ግዜ‘ቲ ኣብ ኣፍሪቓ ዝሓየለ ሰራዊት ተበሂሉ ዝዝነየሉ ዝነበረ ሓይሊ ዝተኻየደ ኵናት ሰለ ዝኾነ ኢዩ።

 

ሽሕ‘ኳ እኩብ ድምር ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ዓቢ ዓወት ብምርግጋጽ፡ መሬትና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነጻ ብምውጻእ፡ ኤርትራ ሃገርና ልዑላውነታ ክረጋገጽ እንተ በቕዐ፡ ብሰንኪ‘ቲ ኣብ መስርሕ ቃልስና ዝተራእየ ውሽጣዊ ሓጎጽጎጽ፣ ንሱ ዝፈጠሮ ምፍንጫላትን፣ ንደምበ ሃገራዊ ሓይሊ ብኣሉታ ስለ ዝጸለዎ፣ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ምልካዊ ስርዓት ብምቛም፡ መጻኢ ዕድል ሃገር ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቍጽጻሩ ኣእቲዩ፣ ንኤርትራ ኣብ ዓባይ ቤት መእሰርቲ ቀይሩዋ ይርከብ። ካብ መዓልቲ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ግፍዕን መከራን ከውርድን፣ ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታቱ ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ዓቢ ሓደጋ ከም ዝወድቕን ገይርዎ ይርከብ።

 

ኣብዚ እዋን‘ዚ ብገለ ኣዕነውቲ ባእታታት፣ ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝመርሐቱ  ታሪኽ ተጋድሎ ህዝብና ዝካየድ ዘሎ ናይ ጸለመ ወፈራ ንክታተሎ ኣሎና። እቲ ቀንዲ ሓባራዊ መለለዪ ናይ‘ዚ ተንኮለኛ ወፈራ’ዚ፣ መንኮርኮር ታሪኽ ንድሕሪት ብምምላስ፣ መሳርሒ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ “ማሕበር ኣንድነት“ ዳግማይ ትንሳኤ ንምልባስ ዝዓለመ ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ እሾኽ ንምዝራእ ዝህቅን ከንቶ ፈተነ ኢዩ። መሬቱ ሓራ ንምውጻእን ናጻነቱ ንምርግጋጽን ሰፍ ዘይብል መሳዋእቲ ዝኸፈለ ህዝብና፣ ነዞም ታሪኹ ከበላሽዉ ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ ሰባት፣ ክምክቶምን ኣዕናዊ ትልምታቶም ከፍሽልን ምዃኑ ጽኑዕ እምነት ኣሎና። ኣብ‘ዚ መዳይ‘ዚ ብግዱሳት ሃገራውያን ዝቐርብ ዘሎ በዳሂ መልስታት፣ ሃገራዊ ንቕሓት ህዝብና ክሳብ ክንደየናይ ዓቢ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ነቲ ዝእልም ዘሎ ውዲት፣ ህዝብና ንምብርዓኑ ድሉው ምዃኑ ዘርኢ ኣብነት ኢዩ።      

 

ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ኣቲየሞ ዝርከቡ ወሳኒ ታሪኻዊ መድረኽ፡ ኩሎም ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትሕሪ ጽላል ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ መደብ ዕዩ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጠርኒፎም ዝቃለሱ ዝነበሩን ፣ ሎሚ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ውድባት ተመቓቒሎም ዝርከቡን፣ ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ ፋሕ-ፋሕ ኢልካ ምቅላስ ዘስዓቡ ዓቢ ክሳራ ብሩህ ስለ ዝኾነ፡ ብሓባር ተጠርኒፎም ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ቃልሶም ከኻዕብቱ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ከነዘኻኽር ንፈቱ። እዚ ምስ ዝፍጸም ጥራሕ ኢዩ ከኣ ሕድሪ ስዉኣት ኵናት ተጎርባን ኩሎም ስዉኣትናን ዝትግበርን፡ ናጻነትን ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ ዝካኣለን። 

 

ክብርን መጎስን ንስዉኣትን  ሓርበኛታን ተጎርባ!

ኤርትራ ሃገርና ነጻን ዲሞክራስያዊትን ኮይና ትንበር !

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

 

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ“ 

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

15/03/2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10675

Posted by on Mar 16 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net