ሸሞንተ መጋቢት

ረ.ክ(ባሻይ) 03/08/2007

እንተተቓለስኩ ኣነ ንመሰለይ

ንረብሓ ብዙሓት ኢለ እንድኣለይ

ጒልበተይ ከፊለ ርሃጽ ኣንጠብጢበ

ኣብ ምንትምነታይ’ዩ መሰለይ ዝድርበ?

ብሰላም ብኽብረት ኣብ ዓለም ክንነብር

ተባዕታዊ ዓመጽ ግድን’ዩ ክንሰብር

ዕላማይ ኣይኮነን ኣብ ሰብኣይ ምምካሕ

ተሓጺብካ ኣብ ጭቃ ዘይረብሕ ምልቃሕ

ንጹር’ዩ መርገጸይ ስኽፍ ኣይበልካ

ዝሓለፈ ዕዳ ክፈል ነይብለካ

ጥራይ ልቢ ግበር ካብ ሎሚ ትዓረ

ብልብኻ እመን ከምዝኾንና ማዕረ

ኣየድልያን ትምህርቲ እንታይ ክዓብሰላ

ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ክትምርዖ እንድኣላ

ዘመናት  ኣሕሊፍኩም መቂሩኩም ዓመጽ

ደቅኹም በዲልኩም ተጋጊኹም መርገጽ

ክመርሕ በቒዐ ኣብ ባይቶ ክዝቲ

ኰይነ ኣይተረፍኩን ናይ ገዛ እስርቲ

ብሓደ ደኺምና ሕልና ዝፈልጦ

እቲ ናትካ ይንበብ እቲ ናተይ ትዓብጦ

ዓቕመይ ተቐቢሩ መሰለይ ስኢነ

ንስኻ ናብ ሽመት ኣነ ናብ ክሽነ

ክስንክት ክጥብት ተኺኸ ከም ዕጣን

ንስኻ ናብ ባይቶ ተዓዲልካ ስልጣን

ነዊሕ ተቓሊሰ በጺሐዮ ’ለኹ

ኣብዚኣ ክበጽሕ ክንደይ ዘይበኸኹ

ኣይዓርፍን’ዩ ልበይ ከይተዓወትክሉ

ዝተረፋ ብጾት ክላዕ ዝኣምናሉ

ደቂ ተባዕትዮውን እቶም ዝሰልጠኑ

የመስግኖም ኣነ ይብሎምውን ጀጋኑ

ኣረድኡ ኪዱ ሓቂ ተዛረቡ

ይኣክል በልዎም ግፍዒ ዘይጸገቡ

ታሪኽ መስኪሩለይ ወጽዓይ ተነጊሩ

ፍረ ጻማ ጻዕረይ ኣብ ሕጊ ሰፊሩ

ዕድል ዘይረኸባ ዝተረፋ ድሕሪት

ኣውራ ንውጹዓት ሸሞንተ መጋቢት

ዝኽሪ ደቀ-ኣንስትዮ ሸሞንተ መጋቢት

ነዊሕ ዝመረሸ ናይ ፈረስ ጋልቢት

ተኸፊሉዎ’ዩ ዘይርሳዕ ክፍሊት

ንረብሓ ኩልና ንሱ’ዩ ‘ቲ ትጽቢት!!!

ዕድል ዝረኸባ ግዜ ዘፍቀደለን

ኣብ ዓለም ዘለዋ ኣህጉራውያን ኩለን

ሸሞንተ መጋቢት ታሪኸን ዘኪረን

የብዕልኣ ኣለዋ ባንዴራ ’ውለብሊበን

ጸረ ጨካን ወስታ ተባዕታዊ ዓመጽ

ንመሰል ማዕርነት ጸረ ግጉይ መርገጽ

ዘይሰብኣዊ ተግባር ዘየናሕሲ ረመጽ

ምሕየን ክድርብያ ሰራውር ናይ በለጽ

ፋብሪካ ውዒለ ክምእርር ውዕለተይ

ነብሰ-ጾር ከለኹ ኣኺሉ ምዓልተይ

ብየማን ብጸጋም ተንጸርጽር ብጸይተይ

ዕጅብከ ተዝብሎም ጨካናት ቆጸርተይ

ኣእምሮይ ንዒቖም የማሓድሩኒ

ንላዕሊ ንታሕቲ ድላዮም ይብሉኒ

መልሲ እንተፈተንኩ ደፋር ይወጸኒ

ዕጽፊ እንተገልገልኩሰ ሒደት ይኸፍሉኒ

ዓቕመይ ተቐቢሩ መሰለይ ስኢነ

ንስኻ ናብ ሽመት ኣነ ናብ ክሽነ

ክስንክት ክጥብት ተኺኸ ክም ዕጣን

ንስኻ ናብ ባይቶ ተዓዲልካ ስልጣን

ንዓይ ተወሲኑ ኣብ እቶን ክነብር

ንዑ ብልዑ ክብል ድቁስ ከበራብር

ኣገለጋሊት ኩሉ ከማስሕ ከዳርር

ብሽም ሰብኣይ’ወ ዋላ’ውን ዘይወፍር

ደቂ ተባዕትዮ’ግን እቶም ዝሰልጠኑ

የመስግኖም ኣነ ይብሎም’ውን ጀጋኑ

ምዕባሌ ኣሚኖም ድሕረት ዝዀነኑ

ወጽዓ ደቀ’ንስትዮ ልክዕ ዝመዘኑ

ቃልሲ ተኻይዱ ታሪኽ ኣመዝጊብና

ምዕባሌ መስኪሩ ኣፍረይቲ መዃንና

ነእላፋት ዓመታት ምሒር ተበዲልና

ሸሞነተ መጋቢት ኣዊጃ መሰልና

ሸሞንተ መጋቢት ኩሉ ዘርዚራቶ

ሓደ በብሓደ ኣብ ዋዕላ ኣብ ባይቶ

መሰል ምስ ማዕርነት ኣገዳሲ ሕቶ

ኣብ መትከል ሰፊሩስ ዓለም ፈሊጣቶ

ምዕቡላት ሃገራት እተን ዝሰልጠና

ኣሜን ዘበልኦም ንሰብኡት ዘእመና

ኣእምሮ ከፊለን ስልጣን ዝወነና

መረዳእታ ንሰን ኣሰረን’ውን ንሕና

ነሰላም ንኽበረት ንመሰል ንዕብየት

ሸሞንተ መጋቢት ዘይተበራበረት

ንታሪኽ ብጾታ ቅልጽም ዘየልዓለት

ተስኢ በልዋ መሰል ዝዘንግዐት!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1071

Posted by on Aug 3 2007 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net