በየናይ መምዘኒታት ከም ፈላስፋ?

ክቡራት ኣንበብቲ ከምቲ ልሙድ ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም፡-

ብምቕጻል ግርማይ ወ/ፊሊፖ ኣብ መስርሕ ምስልሳል ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ስለ ምንታይ ክቐርበኒ ዘይመረጸሉ ምክንያት ከቕርብ ከሎ ዕላማና ክልቴና ስለ ዝፈላለ’ዩ ክብል ገሊጹ ምህላዉ ይፍለጥ። ብወገነይ’ውን ኣብ መስርሕ ምስልሳል’ቲ ሃገራዊ ዋዕላ ምስ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ብዕምቆት ክላለን ምስኡ ዓቢ ቁም-ነገር ሓዘል ከየዕልልን ንነብሰይ ዘዕገብኩሉ ክልተ ኣብነታት ከቕርብ ግድነት ኮይኑ ኣሎ። ብቀዳምነት ሓደ ካብቶም ኣብ 2010 ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንምድላዉ ዝተመዘዙ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝሃቦ ዋዛ ምስ ቁም-ነገር’የ ክጅምር። መስርሕ ምስልልሳል ናይቲ ሃገራዊ ዋዕላ ከይተጀመረ ከሎ፡ ሓደ ካብ ተሳታፍቲ ዋዕላ ንሓደ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከምዚ ክብል ሕቶ ኣቕረበሉ። ስም ሓሙሽተ ባእታታት ብምጥቓስ፡ እዚኣቶም’ሲ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ንምንታይ ኢኹም ኣምጺእኽሞም? በሎ። ካብቶም ዝተጠቐሱ ሓሙሽተ ባእታታት ድማ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ሓደ ነበረ። እቲ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድማ እናሰሓቐ ዋዛ ምስ ቁም-ነገር ሓዋዊሱ ከምዚ ክብል ገለጸ።

 

ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ዋላ’ውን ጸገም ስነ-ኣእምሮ ዘለዎም ዜጋታትና ክሳተፉ መሰሎም ምክባር፡ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ክሳብ ክንደይ ደሞክራስያዊ ምዃኑ’ዩ ዘረጋግጽ ድሕሪ ምባል መንገዱ ቀጸለ። ካልኣይ ኣብነትን ንዓይ ካብቲ ብጣዕሚ ዘደንጸወንን ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ኣብ ከባቢኡ ምስ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ባእታታት ከዕልል ከሎ፡ ንነብሱ ሓዊሱ ሰለስተ ባእታታት ብምጥቓስ፡ ንሕና ንገባቲ ኢሳይይስ ኣጸቢቕና ንፈልጦን መተዓብይቱን ስለ ዝኾና ሕጂ ኣብ መስኮት ቴሊቪዥን ቀሪብና ቃለ-መሕትት እንተንገብር፡ ብፍርሂ ባህሪሩን ኣንቐጥቂጡን ምተሸጎጠ ነይሩ ኢሉ የዕልል ነበረ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ በዚ ኣገራሚ ዕላል’ዚ ብዙሕ  እናሰሓቑ ከለዉ፡ ኣጋጣሚ ኣነ ብጥቕኦም ይሓልፍ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ሓደ ካብኦም ንዋዛ እዚኣ ከሳልጣ ዝኽእል ሓው ነፀረኣብ ጥራይ’ዩ ክብል ገለጸሉ። ገርሂ ልቡ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ከም ሓቂ ብምውሳድ፡ ንዓይ ብቀጥታ ጸዊዑ እዞም ኣብዚ ትርእየና ዘለኻ ሰለስተ ባእታታት ንገባቲ ኢሳይያስ ኣጸቢቕና ንፈልጦን መተዓብይቱን ስለዝኾና ሕጂ ኣብ መስኮት ቴለቪዥን ብኣካል ቀሪብና ቃለ-መጠይቕ ክንገብር ምስ ንበቕዕ ክብህርርን ከንቐጥቅጥን’ዩ ብድሕሪ ምባል ክዛረበሉ ድማ ሓደራ ኣቕረበለይ። ብወገነይ እዚ ዕማም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ደኣምበር ንዓይ ዝምልከት ሓላፍነት ዘይምዃኑ ብምንጻር መንገደይ ቀጸልኩ። ኣቐዲሙ ምስቲ ሓደ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ዝሃቦ ዋዛ ምስ ቁም-ነገር ብምዝማድ፡ ገባቲ ኢሳይያስ ብቃለ-መጠይቕ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ክብህረርን ክሽጎጥን ዝሓስብ ወይ ዝሓልም ስነ-ኣእምሮ ብርግጽ ናይ ጥዕና ክኸውን ከም ዘይኽእል ንምግንዛብ ንዓይ ብዙሕ ጻዕርታት ዝሓትት ኣይነበረን።

 

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ካብ ተራ ጽልኢ ዝብገስ ጸለመታት ከይመስል፡ እቲ ንግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ዋዛ ምስ ቁም-ነገር ዝሃበ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ይኹን እቶም ኣብ ቴሌቪዥን ቀርቡ ቃለ-መጠይቕ ክግበር ዘቕረበለይ ሕቶን ብወገነይ ዝሃብክዎ መልስን ዝሰምዑ ዝነበሩ ባእታታት ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ኣይጸመሙ ኣይሞቱ ህልዋት ምዃኖም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከረጋግጽ ይፈቱ። ሕጂ’ውን ብብዙሓት ብጾትን ናተይ ሰናይ ዝብህጉ ፈተውትን ብስልኪ ይኹን ብኢ-መይል ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ደኣ’ሞ….……… እንድዩ ዝብል ጽጹይ ሓበሬታ ናይ መንነቱ ብድሕሪ ምሃብ ካብ ምስኡ ናብ ዘይተደላዪ ህልኽ ብምእታው፡ ወርቃዊ ግዜኻ ተጥፍእ ግዜኻ ንካልእ ቁም-ነገር ዘይትጥቐመሉ ግዳ ዝብል ዝተፈላለየ ምክሪ ክልገሰለይ ምጽንሑ ይሕብር። ብወገነይ ነቲ ዘርኣይዎ ክቡር ተገዳስነትን ሓልዮትን ብድሕሪ ምምስጋን ትኩረተይ መልሰይ ንግርማይ ወዲ ፊሊፖ ዘይኮነስ፡ ነቶም ብድሕረ መጋረጃ ተጎልቢቦም ንዕኡ ጉጉይ ሓበሬታታት እናኣስነቑ ብመልሓሱ ኣቢሎም ስዉር መርዚ ክነዝሕ ዘተባብዕዎን ዘሻድንዎም ምዃኑ ክሕብር’የ ጸኒሐ። ሕጂ’ውን ሓሶት ምስ ዝደጋገም ሓቂ ስለዝመስል ነቲ ግርማይ ወዲ ፊሊፖን ብድሕሪኡ ዝተጎልበቡ እከያትን ዝፍንውዎ ቀታሊ መርዚ ብሸለልትነት ምርኣይ ፖሎቲካዊ ዕሸነት ምዃኑ ጥራይ’የ ዝኣምን።

 

ብዝኾነ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ኣስማት ተሳተፍቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናብ መርበብ ሓበሬታታት ምዝርግሑ ብዝምልከት ኣብ ልዕለይ ንዘቕረቦ ተደጋጋሚ ክስታትን ጠቐናታትን ከምቶም ጭዋታት ኣቦታቱ ዘለዎ ጭብጥታትን መርትዖታትን ከቕርብ ንዘቕረብክሉ ሕቶ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ከቕርብ ኣይኸአለን ዘሎ። ዋሓጥዮ እንተበልክዋስ መመሊሳ ትጎስሞ ከም ዝበሃል ንዕኡ ንጎኒ ብምግዳፍ፡ ብርግጽ ብኣካል ዝተዋስእሉን ዝፈልጦን ዘይኮነስ ገሊኦም ብዝሃብዎ ጉጉይ ሓበሬታ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንምፍራስ ምስ ዓብደላ ኣደም ዝገብርናዮ ሸርሕታት ምህላዉን ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ኣብ ኢዱ ብድምጺ ዝተቐረጸ ሰነድ ከም ዘሎን ደጊሙ ክገልጽ ፍጹም ሕፍረት ኣይተሰመዖን። ብወገነይ ብርግጽ ሓቀኛን ደፋርን እንተኮይኑ፡ ኩሉ ንዓይ ዝምልከት ዘለዎ ጭብጥታትን መርትዖታትን ንኣንበብቲ ከቕርብ ምስ ሓተትኩ ድማ፡ ምዕሻግ መክዘን ኣጽዋር ሰራዊት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዝብል ናብ ካልእ ጓል ነገር ክዕዘር መረጸ። ብዝኾነ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ከምቶም ጭዋታት ኣቦታቱ ዘረባ ክልተ ሰሚዑን መምዩን ዝፈርድ ዘይኮነስ፡ ዝቐደመን ዘምዓጎን ብቅጽበት ክልተ እዝኑ ዝምንጣል ባእታ ምዃኑ ንምልላዩ ብዙሕ ኣጸጋሚ ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብ ዓውዲ’ቲ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ብሓንሳብ ክንህሉ ታሪኻዊ ግድነት ክሳብ ዝኾነ ድማ እንታይ ይብሃልን ይስራሕን ካብ ማንም ስውር’ዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ምስ ዝህሉ ካብ ተራ ዕሽነት ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ዝኽእል ኣይመስለንን። ምስኡ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎምን ነዚ ኩሉ መርዚ’ዚ ዘስንቆዎን በዓል መን ምዃኖም ኣብ ኣደባባይ ዘሎ ምስጢር ምዃኑ ክግንዘቡን ክበራበሩን ይግባእ ይብል።

 

ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ምሳይ ብዘለዎ ዓሚቕ ሌላን ተመክሮታትን ድዩ ወይስ ካልኦት ብዘስንቕዎ ጉጉይ ሓበሬታታት ብዘየገድስ፡ ኣብ ልዕለይ ክህልዎ ዝኽእል ባዕላዊ ሚዛንን ተታሓሒዝዎ ዘሎ ሕሱር ዝኾነ ጠቐናታትን ንጎኒ ብምግዳፍ፡ ካብቲ ኩሉ ግዜ ዝጽሕፎ ትሕዝቶ ጽሑፋት ፖሎቲካዊ መንነቱ ከመይ ይመስል ንምግላጹ ብዙሕ ኣጸጋሚ ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣመልኪቱ ዝጽሕፎ ጽሑፋት ጸርፍታትን ዘለፋታትን እንተዘይኮይኑ፡ ጥዕና ዘለዎ ትሕዝቶ የቕርብ’ዩ ዝብል እንተሎ ሃየ ይቕረብ። ኣብ መላእ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝርአ ጭቡጥ ዝኾነ ድኽመታትን ጉድለታትን ንምእራም ይኹን ንምዕራይ ኣውንታውን ሃናጽን ሓሳባት የቕርብ’ዩ ዝብል ክህሉ’ውን ዝኽእል ኣይመስለንን’ዩ። ጸጋ ዕድሚኡ ብምዝማድ ንመንእሰይ ወለዶ ጭዋነት ዘለዎ ተመክሮታትን ትምህርትን ከመሓላልፍ ዝኽእል ባእታ’ውን ኣይኮነን። ብርግጽ ኣብ ልዕሊ ኢሳይያስ ክቱር ጽልኢ ከም ዘለዎ ዘይኸሓድ’ኳ እንተኾነ፡ ብኣተሓሳስብኡ ደረጃ ግን ካብቲ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈለየ ደሞክራስያዊ ትሕዝቶ ስለ ዘይብሉ፡ ኣሽንካይ’ዶ ፍሉይ ርእይቶ ክቕበል ዜግነት ደቂ-ሰባት ክነፍግን ክስርዝን ዝመጣጠር ባእታ ምዃኑ ዝተፈለጠ’ዩ። ንገባቲ ኢሳይያስ ዝቓወሞ ብዘለዎ ጸረ ህዝቢ ራእይን ዝኽተሎ ፖሊስታትን ዘይኮነስ፡ ብድሕረ-ባይትኡን መበቆሉን ምዃኑ ዘቕርቦ ጽሑፋት ዓቢ ምስክር’ዩ። ንነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዘድንቆን ዘኽብሮን ድማ ኣብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ኣህዛብ ብሓፈሻ ኣብ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ከኣ ብፍላይ ብዘለዎ ፖሎቲካዊ መርገጻት ዘይኮነስ፡ ወዲ ጓልና ብምዃኑ ጥራይ’ዩ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ከም መሪሕ ኣተሓሳስባ ትግራይ ትግርኚ ኮይኑ ዝምድር ዘሎ ተስፋጽዮን ኣግኣዝያን ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ብዛዕባኡ ንይምሰል ገለ ክሕንጥጥ ከም ዝተገደደ ተገንዚበ ምህላወይ ይሕብር። ተስፋጽዮን ንገለ ብሄራትን ሃይማኖዊ እምነትን እናኣነኣኣሰ ኣብታ ብሕልሚ ዝርእያ ምድረ ኣግእዝያን ነቶም ደቀባት ኣይኮኑን ዝብሎም ክኣስርን ክሰጉግን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ገሊጹ’ዩ። ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ንተስፋጽዮን ኣግኣዝያን ዋላ’ኳ ክጸርፍን ክዝልፍን እንተፈተነ ብኣተሓሳስባ ደረጃ ግን ኣብ ሓደ መስመርን ምንጭን ምህላዎም ዘረጋግጽ፡ ኣብቲ ደቀባትን ዘይደቀባትን ዝብል እምነት ከም ዝራኸቡ ንጹር ጉዳይ’ዩ። ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ኩሉ ግዜ ትሕዝቶ ጽሑፋቱ ክዛዝም ከሎ፡ ብወደባት ዝብል ቅጽል ስም ዝሕበንን ዝኾርዕን እንተኮይኑ፡ ብእምነቱ ኣብ ኤርትራ ብደቀባትን ዘይደቀባት ወይ ጓኖት ዝፍለጡ ከም ዘለዉ ይእምት ምህላዉ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ’ዩ። በዚ እምነት’ዚ ንደቀባትን ዘይደቀባትን ዝወሃብ ወይ ዝንፈግ መሰልን ሕግን ከም ዘሎ’ዩ ዘብርህ። እቲ ዘሕዝን ግን እቶም ዘተባብዕዎን ዘሻድንዎን ወደባት ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ዘይሓትዎ ምዃኑ’ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ኣብዚ ህሞት’ዚ ጸላእትን ፈተውትን ህዝቢ ኤርትራ መምዩ ዘይፈልጥ፡ ነቲ እንኮ ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝብና  ኣውንታዊ ተራ ዝጻወት ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ጸላኢ ዘቐምጥ ምዃኑ ይፍለጥ። እዚ ኣብ ላዕሊ ብንጹር ዝተገልጸ ፖሎቲካዊ መንነትን መርገጻትን ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ልሉይ እናሃለወ ከሎ፡ በየናይ መምዘኒታት’ዩ ከም ሓደ ኣገዳሲ ባእታን ፈላስፋን ተሓርዩ ኣብ ፈስቲቫል ካስል መጽናዕታዊ ጽሑፍ ሒዙ ክቐርብ ዝበቕዕ? እዛ ብርኩታስ እምኒ ኣላታ ብድሕሪ ምባል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ቅድሚ ንገባቲ ህግደፍ ንምውዳቕ ምቅላስ፡ ምስ ቅንጅትን ግንቦት 7ን ብምስላፍ ህወሓት ኢህወደግ ካብ ኢትዮጵያ ንምጽራግ ምርባራብ ብዝብል ጽኑዕ ፖሎቲካዊ መርገጻቱ ዝፍለጥ፡ ከም ምሁር ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣውንታውን ሃናጽን ሓሳባቱ ክህብ ኣብ ፈስቲቫል ካስል ተዓዲሙ ምንባሩ ይዝኸር። ኮይኑ ግን ዘምጽኦ ጉዳይ ንድሕሪት ገዲፉ ነቶም ካብ ቅዋምን ሕገ-መንግስቲ ወጻእን ብስም ኣምሓራን ኦሮሞን ተታሊሎም ፍኑው ህውከትን ዕንወትን ዘካይዱ ዝነበሩ ብምምራቕ ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ከዕግብ ምጽዓሩ ኣይሰሓትን’ዩ። ግርማይ ወ/ፍሊፖ ከምኡ ዝኣመሰለ መደረ ከይደግምን ነገራት ከይደዋውስን እንታይ ውሕስነት ይህሉ ይኸውን?

 

ብግሃድኤ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ብዝምልከት፡-

ዓገብ ንርኡይ በደል ኣብ እዋኑ ብዝብል ኣርእስቲ ብስም ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ኣንቢበ ምህላወይ የረጋግጽ። ኣብ ጽሑፍ ርእይቶይ ቅድሚ ምሃበይ፡ ብቀዳምነት ኣብ ውድብ ግሃድኤ ካብ መሰረታት ክሳብ መሪሕነት ብዙሓት ዘኽብሮምን ዘኽብሩንን ለባማት ከም ዘለዉ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከይሓበርኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ብኣንጻሩ ድማ ምስ ዕደመ ቃልሶም ዘይኸይድ ብተግባሮም ዘይኽበሩ ከም ዘለዉ ክዝንጋዕ ኣይግባእን ይብል። ንግላዊ ርእይቶ ነፀረኣብ ኣስመላሽ ብውደብ ደረጃ መግለጺ ምውጻእ ክሳብ ክንደይ ፖሎቲካዊ ድኽነት ምህላዉ ዘርኢ ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ብሕሜታን ቤላ ቤለውን ዝዛረብ ባህሊ ከም ዘይብለይ መብዛሕቶም ካብ ኣባላት መሪሕነት ግሃድኤ ኣዓርዮም ዝፈልጡ ይመስለኒ። እቲ ጽሑፍ ብመን ከም ዝተዳለወ ዘይሰሓቶ’ኳ እንተኾነ፡ ግመል ሰሪቕካስ ግንቡሕ ግንቡሕ ምባል ኣየዋጽእን’ዩ ክብል ይደፍር። ብዝኾነ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ንዓይ ዓገብ ብድሕሪ ምባል ንግርማይ ወዲ ፊሊፖ መመልሱ ዘተባብዕን ዘሻድንን ምዃኑ ብንጽር ብምቕማጡ፡ ካብቲ ክብሎ ዝጸናሕኩ ዝተፈልየ ከም ዘይብሉ ሕጂ’ውን ደጊሙ ዘረጋግጸ’ዩ። ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ካብ 2005-2009 ተመክሮይን ተመክሮ ብጾተይን ኣብ ግሃድኤ ዘልዕሎ ነጥብታት ናትና ሓበሬታ ኣይኮነን ክብሉ’ውን ኣይደፈሩን። ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ይእመኑ ኣይእመኑ ብዘየገድስ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ግን ዝተዓሸገ መክዘን ኣጽዋር ዘይምንባሩን ውጹእ ሓሶት ምዃኑን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከነጽር ይፈቱ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ግን ኣብ ክንዲ ነቲ ዘጋጠመ ፍልልይ ብሓቀኛ መንገዲ ምቕራብ፡ ተመሊሱ ንባዕላትኩምን ንካልኦትን ዘሕፈረ፡ እቲ ኣጽዋር ተጻዒኑ ናብ ህግደፍ ክግዕዝ መኪና ኣይሱዚ ተዳልያ ምንባራ ዝቐረበ ክስታት ምንባሩ ሎሚ ክርሳዕ ኣይግባእን’ዩ። እዚ ክሲ’ዚ ምስቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣርማ ሃገራዊ ባይቶ ሓዚሉ ብስም ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንኤስደለን ኣባላት መሪሕነቱን ብህግደፍ ዝኸስስ ኣጉል ጠቐነታት ተመሳሳሊ ምዃኑ’ውን ከብርህ ግድነት ኮይኑ ኣሎ። እዚ እንተኮይኑ ከም ጥበብ ዝቁጸር ዘሎ ጥበብና ኣይግበሮ ክብል ይደፍር።

 

ኤስደለን ኣባላት መሪሕነቱን ንማንም ብምፍታው ወይ ብምጽላእ ዝሕዝዎ ፖሎቲካዊ ራእይን መርገጽን ከምዘየሎ መሪሕነት ግሃድኤ ብፍላይ’ውን ዶ/ዮሱፍ ብርሃኑ ኣዓርዩ ዝፈልጥ ይመስለኒ። ዶ/ዮሱፍ ብርሃኑ ካብ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ዝወረደሉ ግዜ ፖሎቲካዊ መርገጽ ኤስደለ እንታይ ምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብቲ እዋን እቲ ብኤስደለ ዝተወሰደ ፖሎቲካዊ መርገጽ ስምምዕን ሕግን ሃገራዊ ባይቶ ብምጥሓሱ እንተዘይኮይኑ ምስ ዶ/ዮሱፍ ብርሃኑ ብዝነበረ ቅርበት ኣይነበረን። ካብቲ ሽዑ ጀሚሩ ዶ/ዮሱፍ ብርሃኑ ብክንደይ ጸቕጥታት ናብ ሓላፍነት ምስ ተመለሰ፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዝምዕብል ዝነበረ ቅልውላው ንምፍታሕ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ምጽውዑ ዝዝኸር’ዩ። ኣብቲ ህጹጽ ኣኼባ ኤስደለ ምስ ዝኸኣል ኩሎም’ቶም ናይቲ ቅልውላው ኣካላት ብሓባር ካብ ሓላፍነቶም ሪዛይን ክሓቱ፡ ምስ ዘይኸኣል ድማ ብ/ዮሃንስ ኣስመላሽ ካብ ዘለዎ መዝነት ክወርድ ጽኑዕ ውልቓዊ እምነቱን ውድባዊ ውሳኔኡን ነበረ። እዚ ብደረጃ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ክፍጸም ዘየድሊ ምድንጓያትን ምጉታትን ኣብ ዝረኣየሉ ዝነበረ እዋን፡ ኤስደለ ሓራ ፖሎቲካዊ ውሳኔኡ ከኽብር ብ/ዮሃንስ ኣስመላሽ ካብ ዘለዎ መዝነቱ ይወርድ ምህላዉ ሓበረ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ኣብቲ መድረኽ እቲ ንውልቓዊ ዕግበት ብ/ዮሃንስ ኣስመላሽን ንሓራ ፖሎቲካዊ ውሳኔ ኤስደለን ብትረት ብምጽራር ኣብ ግሃድኤ ዝተፈጠረ ናይ ዘይሕጉስነት ስምዒታት ብነፍስሄር ዶ/ሃብተ ተ/ማርያም ተጋህደ። ነፍስሄር ዶ/ሃብተ ነዚ ኣውንታውን ሰናይን ተበግሶ’ዚ ውልቓዊ ዝናን ተፈታውነትን ንምርካብ እንተዘይኮይኑ፡ እዚ ብሓባራዊ ውሳኔ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ክውሰድ ዝኽእል’ዩ ነይሩ ክብል ሕርቓን ብዝተሓወሶ ቃላት መደረ። ብድሕሪ’ዚ ኤስደለን ብ/ዮሃንስ ኣስመላሽን በዞም ዝተጠቐሱ ኣባላት መሪሕነት ግሃድኤ ከመይ ክጥመት ጀሚሩን ኣብ ልዕሊኡ ዝካየድ ዝነበረ ጸለመታትን ዝሕባእ ኣይኮነን።

 

ብ2014 ኣብ መንጎ ክልተ ኣካላት ግሃድኤ ፍልልይ ምስ ተፈጠረ በቲ ንኡስ ዓቕመይን ስናይ ድሌተይን ንምቕርራብ ሽምግልና ምጅማረይ ባዕሎም ዝፈልጥዎ ሓቂ’ዩ። ብድሕሪኡ ድማ ብደረጃ ባይቶ ክተሓዝ ኣለዎ ተባሂሉ ብ/ዮሃንስ ኣስመላሽ ዘለዎ ሽማግለ ቆይሙ መስርሕ ዕርቂ ምጅማሩ ዝዝኸር’ዩ። ኤስደለ ኣብ መንጎ ክልተ ኣካላት ግሃድኤ ንዝተፈጠረ ፍልልይ ካብ ክልቲኡ ሓራ ኮይኑ፡ ንምዕራቕ ኣውንታዊ ተርኡ ክጻወት ከም ዝግባእ’ዩ ነይሩ ፖሎቲካዊ ውሳኔኡ። እቲ ንክልቲኡ ኣካላት ግሃድኤ ንምትዕራቕ ዝካየድ ዝነበረ ጻዕርታት፡ ኣብ ዕጽው ኩነታት ምስ በጽሐ፡ ኣባላት ናይቲ ሽማግለ ዕርቂ ኣብ ዝገብርዎ ናይ መወዳእታ ርኽብ ሓደ ካብቲ ሽማግለ ነቲ መስርሕ ብምግምጋም መን ነቲ ዕርቂ ይኣቢ ምህላዉ ፖሎቲካዊ መርገጽና ነነጽር ዝብል ርእይቶ ኣቕረበ። ብ/ዮሃንስ ኣስመላሽ ዘለዎ ድማ ንሕና ከም ሽማግለ ዕርቂ ኣብቲ መስርሕ ዝነበረ ኩነታት ከም ጸብጻብ ነቕርብ ደኣምበር ፖሎቲካዊ መርገጽ ክንወስድ ግቡእ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ሓዙ። በዚ መሰረት ጸብጻብ ምስ ሃቡ ነቲ ሽማግለ ዕርቂ ንምዃኑ ንስካትኩም ክትዓርቑ ክሳብ ክንደይ ካብቲ ግጭት ነጻ ኢኹም ዝብል ሕቶ ቀረበ። እቲ ሽማግለ ዕርቂ ነጻ ኢና ዝብል መልሲ’ኳ እንተሃበ፡ እቲ ገምጋም ንግበርን ፖሎቲካዊ መርገጽ ንሓዝን ብዝብል ርእይቶ ዘቕረበ ባእታ ቅድሚ ኣብቲ ሽማግለ ምምዛዙ ኣብ ሓደ ሸነኽ ወጊኑ ዝወስዶ ገለ ስጉምታት ዘግህድ ሓበሬታታት ዘነበ። እዚ መሪሕነት ግሃድኤ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዙሓት ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝፈልጥዎ ሓቂ’ዩ። ብዝኾነ ኣብዚ መስርሕ’ዚ መሪሕነት ግሃድኤ ነቲ ዕርቂ ብምሉእ ዕግበትን እምነትን ተቐቢናዮ ከነብቕዕ፡ ብ/ዮሃንስ ኣስመላሽ ፖሎቲካዊ መርገጽ ክወስድ ዘይደለየ ምስቲ ሓደ ሸነኽ ግሃድኤ ስለ ዝወገነ’ዩ ዝብል ኣብ ባይታ ዘይነበረን ዘየድልን ናይ ዘይሕጉስነት ስምዒታት ተፈጥረ። እዚ ናይ ዘይሕጉስነት ስምዒታት’ዚ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓቅታት ተደሚሩ ኣብ ልዕሊ ኤስደለን ብ/ዮሃንስን እንታይ ዓይነት ግብረ-መልሲ ከስዕብ ምዃኑ ከይተሓልመ ዝፍታሕ ሕልሚ ምዃኑ ካብ ማንም ስውር ኣይነበረን።

 

ብድሕሪ’ዚ ኣብ ወርሒ 02/2015 ኤስደለ 2ይ ውድባዊ ጉባኤኡ ዘሰላስለሉ እዋን በጽሐ። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ንመላእ ፖሎቲካዊ ውድባት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ኣገደስቲ ምሁራት፡ ኩሎም ክሳተፉ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ዜጋታት ክሳተፍዎ ዝኽእሉ ምዃኖም ኤስደለ ግልጺ መጸዋዕታ ገበረ። ንመላእ ፖሎቲካዊ ውድባት ድማ ንድፍታት ፖሎቲካዊ መደብ ዕዮኡን ሕገ-ህንጻኡን ቅድሚ ክልተ ወርሒ ምስዳዱ’ውን ይፍለጥ። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ደምሓኩኤ ኣብ ልዕሊ መሪሕ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መ/እድሪስ ዓወተ ዘለዎ ፖሎቲካዊ መርገጽ ክሳብ ዘይቀየረ፡ ሓው ቀርነልዮስ ኣብ ዘለዎ መድረኽ ክንሳተፍ ፍቓደኛታት ኣይኮናን ዝብል ሓባራዊ መግለጺ ብኤዲኪን ግሃድኤን ን2ይ ውድባዊ ጉባኤ ኤስደለ ምስዳዶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ምዝርግሖም’ውን ይዝኸር። እዚ ፖሎቲካዊ ውሳኔ’ዚ ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ክሳተፉን ከይሳተፉን ኤስደለ ማንም ዘይህቦምን ዘይነፍጎምን መሰሎም ምዃኑ ብጽንዓት’ዩ ዝኣምን። በዚ ምክንያት’ዚ ኣብ ኤስደለ ዝፍጠር ናይ ዘይሕጉስነት ስምዒታት ከም ዘይነበረን ብድሕሪ ሕጂ ከም ዘይህሉን የረጋግጽ። ኮይኑ ግን ኤስደለ ኣብ መሪሕ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መ/እድሪስ ዓወተ ዘለዎ ፖሎቲካዊ መርገጽ ንጹር ከሎ ካልእ ትርጉም ብምሃብ፡ ኣብ መስርሕ’ቲ ውድባዊ ጉባኤ ብሕጓ ዝካየድ ዝነበረ ወፍርታት ጥዕና ዝነበሮ ኣይኮነን። ንገለ ኣካላት ኣብ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ክሳተፉ ፍቓደኛታት ኮይኖም ዝተረኸቡ ብስልኪ እናጸዋዕኻ ዝግበር ዝነበረ ጎስጓሳት ክሳብ’ውን ናብ ድሑር ዝንባሌታት ዝወረደ እከይ ወፍርታት ብጣዕሚ ዘሕፍር ተግባር’ዩ ነይሩ። ሃየ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ወፍርታት ኣይነበርኩን ይበል ዶ/ዮሱፍ። ካብኡ ዘሊሉ’ውን ንገለ ኣባላት ኤስደለ ብፍላይ ድማ ተወለድቲ ብሄረ ናራ ብመንገዲ ኣባል መሪሕነት ግሃድኤ ዕዘዲን ምሳሕ ኣብ ቤት ጽሕፈት 22 ዕድመ እናተገብረ ንኤስደለ ንምስንጣቕ ብዶ/ዮሱፍ ብርሃኑን ብሓው ጃብር ኣሕመድን ዝግበር ዝነበረ እከይ ሸርሕታት ካባና ሕቡእ ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ’ቲ እቲ ዝግበር ዝነበረ እከይ ሸርሕታት ንፈልጦ ምህላውና ንምሕባር ዝኣኽል ናብ ነፍስሄር ዶ/ሃብተ ተ/ማርያም ዶ/ዮሱፍ ብርሃኑ፡ ሓው ዓብደላ ማሕሙድ፡ ሓው ጃብር ኣሕመድ ግጥሚ ኣሰንየ ስእሊታት ምስዳደይ ሕጂ ክኽሕድዎ ዝኽእሉ ኣይመስለንን። ሕጂ’ውን እቲ ሰነድ ይውጻእ እንተተባሂሉ ምቕራብ ይኸኣል’ዩ። ስለዚ መሪሕነት ግሃድኤ ብመግለጺኡ ጭዋነት ዝተላበሰ፡ ትዕግስተኛን ጥበበኛን ክመስል እንተፈተነ ነገሩ ንዓይ ንኣንጭዋስ ኣብ ሎቆታ ዝዓይነቱ ምስላ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ብኣንጻሩ ግን ካብ ልክዑ ዝሓለፈ ትዕግስቲ ዝገበረ ኤስደለን መሪሕነቱን ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከረጋግጽ ይፈቱ።

 

 

ምስ ሰናይ ትምኒትን ንባብን

ነፀረኣብ ኣስመላሽ

23 ሰነ 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10751

Posted by on Jun 27 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net