መሰል ህጻናት ትግህስ ሲንጋፑር ኤርትራ

እዘን ኣብ ስእሊ ንምልከተን ዘለና ክልተ ዕሸላት ኣሓት ብዘይዝኾነ ምግናን ዕድሚአን ክንደይ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምግማት ብዙሕ ኣጸጋሚ ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዚ ንኡስ ዕድሚአን ድማ ዲፒዛ ዘይኮነስ ለንጀር ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲነን ምህላወን’ዩ ዘመላክት። ኣብ ኢደን ደብተርን ቢሮን ኣብ ክንዲ ምሓዝ፡ እቲ ሓዊ ዝተፍእ ብረት ክላሽን ሒዘን ከም ዘለዋ ይእምት። ብዕድመ ክንድአን ዝኾኑ ዕሸላት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ክንዲ ትምህርቲ፡ ፍልጠትን ዘመናዊ ምዕባሌን ምቕሳም፡ ብሓይሊ እናተገፉ ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ወሪዶም ሓንጎሎም ብኣዕናዊ ዝኾነ ብሓቲ ኣተሓሳስባ ህግደፍን ብርኩስ ወተሃደራዊ ስነ-ኣእምሮን ብድሕሪ ምቕራጽ፡ ንኲናትን ግብረ ሽበራዊ ስርሓትን ንምውዓሎም ክንደይ ኣሽሓት ከም ዘሰልጥኑ ባዕሎም ብዘይዝኾነ ሕፍረት ዝምድርሉ ክውንነት’ዩ። እዚ ንመሰላት ስድራ ቤትን ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ህጻውንትን ዝግህስ፡ ብቀጥታ ድማ ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ዝጻረር ተግባር ምዃኑ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ’ዩ።

እምበኣርከስ እታ ብመራሕቲ ህግደፍን ገለ ሰዓብቶምን <<ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብላ ማሕበራዊ ፍትሕን ግስጋሰን ዝነገሳ ደሴት ሰላም>> ብምባል ወትሩ ከም መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ቁርኣን ዝድገመላ ስንጋፑር ኤርትራ ነዚ’ያ ትመስል። ብርግጽ እቲ ብብሓቲ ስርዓት ህግደፍን ሰዓብቱን ዝድገም ኣጉል ጽውጽዋይ ኣብ ባይታ ዘየሎ ካብ ወድዓዊ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ። እዚ ብቀንዱ ድማ ንሕልናካ ብምጥላም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ንዕቀት ብድዐን’ዩ ዝእምት። ካብዚ ዝኸፍእ ፖሎቲካዊ ዕብዳን ወይ ፖሎቲካዊ ውድቀትን ሞትን ድማ ኣይህሉን’ዩ። ‘‘ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ’ዩ ዘሎ ካብዚ ንላዕሊ ዝደልዮ ነገር ወይ መሰል የለን’’ ዝብል ኣጉል ሞጎት ካብ ጥዑይ ስነ-ኣእምሮ ዘለዎም ዜጋታት ወይ’ውን ብሓቂ ካብ ብቅኑዕ ስትራተጂ ዝምራሕ ፖሎቲካዊ ውድብ ዝቐርብ ዘሎ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ በቶም ኣብ ግዝኣተ-ሕግን ደሞክራስን ዝሰፈኖ ምዕቡላት ሃገራት ዝነብሩ ሰላምን ቅሳነትን ዘስተማቕሩ ዜጋታት ክደጋግምዎ ምስማዕ ብጣዕሚ’ዩ ዘሕፍር። ክሳብ ክንደይ ለባማትን ውርዙያትን ዘይምዃኖም ድማ ትግንዘብ። ኣብ ቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ዘይብላ ውልቀ ምልክነት ኣብ ዝነገሳ ሃገር፡ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብላ ማሕበራዊ ፍትሕን ግስጋሰን ዘረጋገጸት፡ ደሴት ሰላም’ያ ክብሉ ከም ዝደፍሩ ድማ ይገርም። እቲ ብ1997 ብሓቲ ህግደፍ ንበይኑ ዝነደፎ ቅዋም’ውን እንተኾነ ክሳብ ክንደይ ንባህግታት መላእ ህዝብናን ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ኣብ ግምት ዘእቱ ደሞክራስያውን ፍትሓውን ነይሩ ብዘየገድስ፡ ገባቲ ኢሳይያስ ሓንሳብ ኣብ ከብሒ ዝድርብዮ ሓንሳብ ድማ ሞይቱ ብምባል ኣብ ዘባጭወሉ ህሞት ኤርትራ በየናይ መልክዕ ደሴት ሰላም ተባሂላ ከም ትጽዋዕ ንሰማዒኡ ብጣዕሚ ዘደንጹን ዘደንግጽን ሞጎት’ዩ።

 

ብርግጽ ኤርትራ ሰላምን ራህዋን ዝዓሰላ ደሴት እንተኮይና፡ እዘን ትሕቲ ዕደመ ዝኾና ኣሕትና ካብ ሕቑፊ ስድራ ቤተን ተመንጢለን ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ክወርዳ፡ ለንጀር ክኽደናን ክላሽን ክሕዛን ዘገድድ ኢደ-ወነናዊ ሕግታት ምውጻእን ወትሩ ንዜጋታት ምግፋፍን ንምንታይ ኣድልዩ? ኣብ ኤርትራ ኩሉ ዜጋ ዕድሚኡ ብዘየገድስ ክሳብ ወዲ 80 ዓመት ብረት ክዓጥቕን ክላሽን ተተርኢሱ ክሓድርን ዘግብር ዘሎ ምክንያት እንታይ’ኾን ይኸውን? እቶም ንዓመታት ዝኸውን ቅሱን ሂወት፡ ሰናይ ርኽባት ስድራ-ቤት፡ ንቡር ሓዳር፡ ትምህርትን ስራሕን ተነፊጎም ንልዕሊ 17 ዓመት ምስ ዝተፈላለዩ ኣራዊትን ለመምታን ኣብ ጎዳጉዲ ክሰፍሩ ዝተገደዱ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ፍትሕን ርትዕን ፍጊዕ ስለ ዝበሎም ደኾን ይኾኑ ነዚ መሪርን ከርፋሕን መነባባሮ ዝመረጹ ዘለዉ? እቶም ኩሎም ብኣራዊት ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን፡ ክብልዑ ዝግደዱ ዘለዉ መንእሰያት እንታይ ኮይኖም፡ ኣብዛ ማሕበራዊ ፍትሕን ግስጋሰን ዝዓሰላ ደሴት ሰላም ክነብሩ ዘይበሃጉ? ነዚ ሕቶታት’ዚ ብዝምልከት በቶም ምስ ሕልንኦም ምትዕራቕ ኣብዮም፡ ካብ ልዕላውነት ህዝቢ ንውልቀ ምልክነት ንምስሳይ ዝመረጹ ሰዓብቲ ብሓቲ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብቀንዱ’ውን ብገባቲ ኢሳይያስ ዝተፈላለየን ተገራጫውን መልስታት ምስምዕ ልሙድ ክስተት’ዩ። ሓንሳብ ክልተ ጻሕሊ ስለ ዝለመዱ፡ ሓንሳብ ብጽጋብ ፍንጭሕ ኢሎም፡ሓንሳብ’ውን ብዘይጭበጥ መብጽዓታት ጎረብባቲ ወይ ምዕራባውያን ሃገራት ተታሊሎም፡ ካልእ ግዜ ድማ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ዘይኮነስ፡ ቁጠባዊ ጸገማት ዝወለዶ’ዩ………..ወዘተ ዝብል ዕባራ ምክንያታት ምቕራብ ዘሕፍር ኮይኑ ኣይፈልጥን’ዩ። ነቲ ብቁጠባዊ ጸገማት’ዩ ዝብል ኣበሃህላ መራሕትን ሰዓብትን ህግደፍ ቅቡል ክንወስዶ ምስ ዝግደድ’ውን እታ ሲንጋፑር ኤርትራ እንታይ ኮይና ዘይዓንገለቶም? ዝብል ሕቶ ምልዓል ግድነት ይኸውን።

 

እቲ ኣጉል ጽውጽዋይ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍን ሰዓብቱን ንጎኒ ገዲፍና፡ ወዲ ሰብ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ብባህርያቱ ኩሉ ግዜ ብልጽግና፡ ምዕብልናን ፍልስፍናን ዝብህግ ምዃኑ ብዙሕ ዘከራኽር ጉዳይ ኣይኮነን። ይትረፍ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብታ ቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ተነፊጋ፡ ብከቢድ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ትልለ ኤርትራ ዝርከቡ ዜጋታት እቶም ኣብ ዝለዓለ ምዕብልናን ብልጽግናን ዝነብሩ ዜጋታት ኣውሮጳ’ውን እንተኾነ፡ ካብቲ ዘለውዎ መነባብሮ ንላዕሊ ንምንባር፡ ክብህጉን ክፈላሰፉን ንዕዘብ። ‘’ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ’ዩ ዘሎ ካብዚ ንላዕሊ ዘድልዮ ነገር ወይ’ውን መሰል የለን>> ዝብል ኣጉል መጎት ስርዓት ህግደፍን ሰዓብቱን ክሳብ ክንደይ ኣብ ድሑር ፖሎቲካዊ ራእይን ጸረ-ብልጽግናን ኣተሓሳስባ ከምዝነብሩ ዓቢ ምልክት’ዩ። እዚ ጨካን ኣተሓሳስባ’ዚ እቲ ካብኡ ዝምንጩ ኣዕናዊ ፖሊስታትን ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንመንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይ ኣብ ድንቁርና፡ ድኽነት፡ ድሕረትን ስደትን ክነብር ዝፈረደ ምዃኑ፡ ሎሚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ እናተጋህደ መጺኡ’ዩ።

 

ብዝኾነ ኣብዚ ህሞት’ዚ ብስም ልዕላውነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምሽሓጥ ይኹን ምትላል ፍጹም ዝወደቐ ፋሽን ኮይኑ’ዩ። ብርግጽ ጸረ ህዝብን ጸረ ምዕባሌን ፖሎቲካዊ መንነት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ግዜ ንግዜ እናተጋለጸ መጺኡ፡ ኩሉ ኣጉል ሕልምታት ሲንጋፑር ኣብ ኤርትራ መኺኑ ተሪፉ’ዩ። ሎሚ እቲ ሞሳ መሪር ተጋድሎኡን ረዚን መስዋእትነቱን ዝተጠለመ ህዝብና ብተመክሮኡ ንቅሓቱን ብስለቱን እናበረኸ ብምምጽኡ፡ ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ በቲ ዘይዕጸፍ ቅልጽሙን ዘይሕለል ቃልስታቱን ኣብ ልዕሊ ዑና መቓብር ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ሰዓብቱን ቅዋማዊ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ብምህናጽ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ግስጋሰን ከም ዝጓናጸፍ ምንም ዘጠራጥር የብሉን።

 

ዓወት ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

 

ነፀረኣብ ኣስመላሽ

30 ሰነ 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10755

Posted by on Jul 2 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net