ቅሉዕ መልእኽቲ ንኩሎም ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ

ብመጀመሪያ ኣብ ዝተፈላልየ ክፍለ ዓለማት እትርከቡ ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ፡ ልባውን ክቡር ሰላምታ ሓርነታዊ ቃልስን ይብጻሕኩም ንብል።

ዝኸበርኩም ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ እዚ ንረከበሉ ዘሎና እዋን፡ “ክጽወየሉ ዶ እምበር እዩ”  ዘብል፡ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ኩነታት፡ ከም እኽሊ ኣብ መንጎ ክልተ መዲድን መጣህንን ተቀርቒሩ ዝሓልፎ ዘሎ ሃለዋት ምዃኑንማንም ብሩህን ርዱእን እዩ። ህዝብና ቅድሚ ገገለ ዓመታት ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ቅዋም ፍርዲ ስኢኑ እንዳበልና ክንዛረብ ጸኒሕና፡ እወ እቲ ሕቶታት ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ ሎሚ ሎምስ ኩነታቱ ብኢሱ፡ ከም ማንም ፍጡር ሰብ ጠጠው ኢሉ ንመሰሉ ክሓተሉ ዘኽእል ሩሕን ትንፋስን ዘይህቡ ጸብጺብካ ዘይውድኡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ብድሆታት፡ ጥራሕ ዘይኮነ ምስቲ ወትሩ ድብንብን ዝብል ኵናትን ወረ ኵናትን፡ ኣብ መዓልታዊ ማሕበራዊ ናብራኡ ዓበይቲ ግድላ ተገቲሮም፡ ፍልሰት መንእሰያት፡ ወፍሪ ሽማግለታትን ሻቕሎት ኣደታትን ህጻናትን ኣብ ስቃይ ተዘፊቁ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተነጺፎም ፈጸሙ ከረኣዮም ከይሰምዖም ክሰግረሉ ኣብ ዘይክእል ዓብይ መዋጥር ዝረከበሉ ዘሎ እዋን እዩ።

 

ደንበ ተቃውሞ ብሓፈሻ ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ፡ ኣብ ኤርትራ  ግድን ክረጋገጽ ንዘለዎ ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል ዝካይዶ ቃልሲ፡ ማዕረ ነቲ ንጥፍኣትና ለይትን መዓልትን ዝእለም እከይ ተግባራት፡ ምልካዊ ስርዓትን መጋባርያታቱን ንምፍሻል ኣብ ዝተፈላልየ ጽፍሕታት ዝካየድ ግጥሚያታት ብንቅሓትን ተወፋይነትን ብተሪርን ስጡም ሓድነትን ኣብ ዝተመስረተ ኣሰራርሓን ዝምድናታትን ዝኣመሰሉ ቀንዲ ረቋሒታት ኣብ ባይታ ብግብሪ ክስርሓሉ ምስ ዝጅምር ጥራሕ’ዩ እቲ ዓወታትን ፍረ ቃልሲን ክረአ ዝኽእል ብኡ ኣቢሉ’ውን ስዕረት ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ክረጋግጽ ዝበቅዕ።

ዝኽበርኩም ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ እዚ ቅድም ክብል ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ግን ከኣ ኣውራን ማእከልን ዝዀነ ኣብ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ዕማማት ንምትግባሮም፡ ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል፡ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ብልዑል ተሳተፍነት ርኡይ ኣብነታዊ ሰልፋዊ እጃም ነበርክተሉ ተሪር ሓድነትን ስጥመትን፡ ተግባራዊ ስርሓት ውሳኔታትና ንቅድሚት ዕብየትና ነርእየሉ ቅድመ ተዳልይነት ከም ዘለዎ ዝሰሓት ኣይኮነን። ሎሚ እነመሓላልፎ መልእኽቲ ከኣ ብመንጽር ኣብ ህዝብና ዘሎ ሻቕሎትን ኣብ ርእሲኡ ዝወርድ ግፍዕን መከራን፡ ንዕኡ ንምድሓን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ፡ ክምዝገብ ዝነበሮ ዓወታትን ክሕፈስ ዝነበሮ ፍረን ኣብ ዝበኾረሉ፡ ብኣንጻሩ ንቃልሲ ዝዓናቅፍ፡ ንዓወታትና ዘዳናጕ፡ ስርሓት ዝሓላልኽ ኣሉታዊ ክስተታት ንምእላይዮም፡ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብትብዓት ካብ’ቲ ኣትይዎ ዘሎ ፖለቲካውን ስርዒታውን ቅልውላው ተናጊፉ፡ ኣብ’ቲ ዝጀመሮ በሪኽ ራእይ ክድይብ ንምነዮ ዘይኮነ ብተግባር ክንሰርሓሉ ንጽበዮ ሓላፍነት እዩ።

ሰ.ዲ.ህ.ኤ፡ ብድሕሪ መስራቲ ጉባኤኡ 2010 ከጋጥሞ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ጸገማት፡ ኣብ ህዝብናን ኣባላቱን ፈተውቱን መሓዙቱን ዝሓደጎ በሰላን ሻቕሎትን ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ሻቅሎት`ዚ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ኣባላቱ ሊሒዅስ ተርእዮ ምውንዛፍ ኣባላትን፡ ጸኒሖ ብደረጃ ዞባ ከይተረፈ ኣብ ምትፍናንን ከቢድ ስርዒታዊ ውጥሪ ዝርከበሉ ዘሎ መድረኽ ቀሊል ከም ዘይኮነ ኩሉ ዝዕዘቦ እዩ።

ኣብ መጀመሪያ ዓምት 2017 መሪሕነት ሰዲህኤ ብደረጃ ፈጻሚትን ይኹን ማእከላይ ባይቶን ካብ ዓንቀጻት ቅዋም ወጻኢ ዝተወሰደ ውሳኔ ምውንዛፍ ኣባል ሰልፊ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ኣውንታዊ ውጽኢት ክህልዎ ስለ ዘይክእልን፡ ንሰልፍን ህዝብን ኣዝዩ ሃሳዪ ተርእዮ ምዃኑ ስለ እንኣምን፡ ውስኔ ክስረዝን ክሰሓብን ሓቲትናን ንሓትት ኣሎናን።

ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ንኣባላት ሰልፊ ንጥፈታቶም ንምውንዛፍን ንምንጻልን ዝወሰዶም ውሳኔታት ንሰዲህኤ ዓቢ ከሳራ ኣሪዱሉ`ዩ።ብመንጽር እቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ስቕያት፡ ካባና ዝጽበዮ ዘሎ ፍታሕ ክንርእዮን ክንመዝኖን እንከሎናን ግን ኣዝዩ ብቐሊሉ ክእለ ዝነበሮ ጉዳይ እዩ ነይሩ ኢልና ንኣምን። ምኽንያቱ ንህዝብና ንምድሓን ዝኣቶናይ መብጽዓ ከይፈርስን ከይበታትን፡ ባዕልና ዘሕለፍና ውሳኔ ዳግማይ ርእይቶን፡ ልዝብን ምርድዳእን ተገይሩ ንህዝብና ንምድሓን ቀዳምነት ሒዙ ህዝባዊ ዕላማ ንምዕዋት ዝሓቆፎ ኣገባብ ቃልሲ ምክታል ጸጋ፡ ሓይልን ትብዓትን እምበር ብድሕረት ከምዘይቁጸር ስለ ንኣምን።

ሓደ መሪሕነት፡ ፖለቲካዊ ሓያልነቱ ዘመስክረሉ፡ ግሉጽ ዝምድናታትን ርክብን፡ ሓልዮትን ተገዳስነትን እምበር፡ ርእይቶ ኣባላት ብምንጻግ፡ ንጥፈታቶም ብምውንዛፍን ምድስካልን ዘይኮነስ ልዑል ተጸዋርነት ፡ ብሕድገትን ዕርቅን ንሽግራት ንምፍታሕ  ንዘርእዮ ሜላን፡ ዘርእዮ ምትዕጽጻፋት ደኣ’ምበር፡ ኣብ ዝሕለፎ ውሳኔ ደሪቑ ምምጓት ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ንስጥመቱ ዘስርሕ’ውን ኣይኮነን።

ዝኽበርኩም ኣባላት ሰዲህኤ ንሕና ካብ ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ፡ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣደራዕ ህዝብናን ሃገርናን፡ ኣብ ሰልፍና ኣጋጢሙ ዘሎ ኣሉታዊ መድረኽ፡

ከምዞም ዝስዕቡ ብምርሕናት ሰልፊ ዝተወስዱ ውሳኔታት ኣጥቢቅና ንኹንን።

ሀ/ ምውንዛፍ ኣባል ሰልፊ

ለ/ ምፍራስ ሕጋዊ ሽማግለ ዞባ፡

ሐ/ ምንጻግ ዕርቕን ምርድዳእን፡

ስለምንታይ ንዝብሉ ሕቶታት

 

ሀ/ ፈጻሚት ሽማግለ ይኹኑ ኣባላት ባይቶ ኣብ ዘይቅየር ቅዋማዊ ውሳኔ ብምድራቆም

ለ/ ውሳኔ መሪሕነት ቅልጡፍን ኣብ ክሊ ዝተወሰነ ግዜን ተሳታፍነት ምንባሩ

ሐ/ መስርሕ ምውንዛፍ ኣባልን፡ ምፍራስ ሽማግለ ዞባ ኣሰራርሓ ሓደ ሰልፊ ዘይኮነስ፡             ኣብ ግንባራዊ ምጥርናንፍ ዝረአ ኣሰራርሓ ምዃኑ

መ/ ተጸዋርነት፡ እምነት፡ ግሉጽነት ዘለዎ ርክብን ዝምድናን ዝጎደሎ

ረ/   ሰልፊ ንምህናጽ ዝወሰዶ ግዜን ጻዕርን ብመንጽሩ ክረአ ከሎ

ሰ/  ታሪኻዊ መብጽዓታት መስራቲ ጉባኤን ተስፋታት ህዝብና ኣብ ግምት ዘይእተወ               ብምዃኑ

ሸ/  ርእይቶ ኣባላት ጎነጽ ክሳብ ዘይብሉ፡ እኹል ግዜን ከም ኣገዳስነቱ ተሳተፍነት                    ዘይምንባሩ

ቀ/ ደረጃ ስርዒቱን ኣተሓሕዝኡን ዝተሓላልኸን ዝተጋራጨወን ምንባሩ

 

ሰልፋዊ ዋዕላ

ሰልፋዊ ዋዕላ ሓደ ከም መፍትሕን መሰጋገርን ንጉባኤ ተጠቒምካ፡ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ጉዳይ ሰልፊ፡ ብዓብዩ ከኣ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ መጠን ዘይብሉ ግፍዕን መከራን ኣደራዕን ንምፍታሑ ዘሎና ኣበርክቶን እጃምን፡ ኣብ ነካይዶ ቃልስን ኣድማዕነት ክህልዎ፡ ሰልፊ ሓድነቱ ሓልዩ፡ ክሕይልን ክሰፍሕን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ክልተ መድረኽ ዝካየድ ዋዕላ ምምዳብ ፡  እቲ ዘሎ ጸገማት ኣብ ዋዕላ ክዝረበሎምን፡ ኣብ መወዳእታ ፍታሕ ክረኽቡን፡ ብሰንዳዊ ውዕል ምስፋሮም ምጽዓር እዩ። እዚ ክልተ ዋዕላታት ከም ሓሳብ ቅድሚ ሰልፋዊ ጉባኤ ክግበር።

 

ምስ ሕጽረት ግዜ ክልተ ዋዕላ ክግበር’ኳ ግብራዊ እንተዘይኮነ፡ እቲ ኣገዳሲ ቀዳማይ ዋዕላ ነዚ ህሉው ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ንምእላይን ንምፍታሕን፡ ቅድሚ ጉባኤ ሓጋዚ ግደን ረቋሒታት ክህልዎ ስለ ዝኽእል፡ ኣብ ክንዲ ከም ዘለዎ ኣብ ጉባኤ ኣትዩ ኣብ ዘየገላብጥ ውሳኔ ቅድሚ ምእታዊ፡ ውሳኔታትና እንታይ ክመስሉ ይኽእሉ፡ ውሳኔታትና ብኽመይ ንሓድነታት ዝሕሉዉ፡ ተሞክሮ ሚዛንን ገምጋምን ዘለዎ ዋዕላ ተመራጺ ኮይኑ፡ ሕጋውነት ንምልባስ ከኣ ግድነት ብጉባኤ ክንሓልፍ ከም ዘለና ንርእዩ። እዚ ቀድማይ ዋዕላ ክኸውን እንከሎ፡ ካልኣይ ዋዕላ ድሕሪ ጉባኤ ክኸውን ዝኽእል ግን ከኣ ኣብ መስራቲ ጉባኤ ንዝነበሩ መላእ ባላት ሰልፊ ጻዋዒት ክግበርን ሓሳባቶም ክስማዕን፡ ክንሰማማዕን ኣውራን ብመጀመርያ መደባት ዕዮ ሰዲህኤ ምዃኑ ስለ ንኣምን።

ካብ ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ

23 ነሓሰ 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10810

Posted by on Aug 24 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net