ሎሚ’ውን ከም ወትሩ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ !

ብገዛኢ ኪዳነ

ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ነጻነቱን ሰብኣዊ ሓርነቱን፣ ኣንጻር ገዛእቱን ገፋዕቱን ቃልሲ ካብ ዘንቅል ኣትሒዙ፣ ክሳብ እዛ ዕላማኡን ዓወቱን ብጉጅለ ህግደፍ ዝጭወ ነሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን እፎይ ከይበለ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ እምብዛ መሪር ኢዩ። ብፍላይ ኣብዚ እዋን ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ወንጀል ንኤርትራና ኣብ ሞትን ሕየትን ዝዓይነቱ ቀራና መንገዲ ሸኺሉዋ ኣሎ። ኤርትራ ኣብ ከይዲ ከመይ ክትከውን ኢያ ንዝብል ሕቶ ዝምልሶ ድማ እቲ ከም ወትሩ  ብሰላማን ሓድነታን ዝግደስ ደላይ ነጻነትን ሓርነትን ዝኾነ ኣካላ ኢዩ

 

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ቃልሲ ኣብ ናይ መጨረሻ ጥርዙ እናበጽሔ ይኸይድ ኣሎ፣ መድረኽ መቐይሮ ተገማጊሙ ኣሎ። ኣብዚ ነቲ ዝተጠልመ ዓወት ዳግማይ ንምጽንባሉ ኤርትራውያን ተወዳዲቦም ይቃለሱ ኣሎዉ። ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጭፍራ ህግደፍ ድማ ነታ ዘይትተርፍ ውድቀቱ ንምድንጓይ ማሕዮታቱ ፈኒዩ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንምትዕንቃፍ ምንባሕ ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ኣቚጺሮም ኣሎዉ። ጃንዳ ህግደፍ ክቃለስ ብዝብል ምስምስ ሒዙወን ናብ ሜዳ ዝወሰደን ተንኮላት  ሎሚ እውን ንማሕዮታቱ ዓዲሉ ኣዋፊሩዎም ኣሎ። እዚ ድማ ሃይማኖትን ኣውራጃን፣ ዓለትን ወገንን፣ ደቀባትን ማእከላይ ዓለትን፣ወዘተ ዝብሉ ዱሑር መስፍናዊ ባህልታት ከም ናይ ስራሕ መደብ ዓዲሉ ኣዋፊሩዎም ስለ ዘሎ፣ ንሳቶም እውን ጽባሕ ታሪኽ ከይሓተና ከይበሉ፣ ለይት መዓልትን ኣብ መስኮት ተለቪዥን እናተቐልቀሉ ኣብ ሕብረተሰብና እሾኽ ክዘርኡ ንርእዮም ኣሎና። ይኹን እምበኣር ብኣንጻሩ ካብ ኣብራኽ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተፈጥሩ ንጹሃት ደቂ ህዝቢ ድማድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ ዝብል መሪሕ ቃል ኣምሪሖም ህዝቦምን ሃገሮምን ካብ

ጥፍኣትን ብርሰትን ንምድሓን ሓያል ጥምጥም ገጢሞም ኣሎዉ።

 

ደቂ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ክገብሩ ከሎዉ ግና ሽግር ኣየጓንፎምን ማለት ኣይኮነን፣ ነዚ መሪሕ ጭርሖ ሓዙ ዝጓዓዝ ዘሎ ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንባዕሉ ብዙሕ ውረድ ደይብን ጸገማትን ኢዩ ዘጓንፎ። ብሱሩ እውን ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጨሪሹ ንምህሳስን ንምድምሳስን ዘይተማህዘን ዘይተኻየደን ተንኮል ኣይነበረን፣ ይኹን እምበር ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ህዝቡን ኣባላቱን ነቕ ዘይብል ሰረት ስለዘሎዎ፣  እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ውዲት ናይ ጸላእቱ ግደፍዶ ከህስሶ ከነቓንቖውን ኣይከኣለን። እዚ ክብል ከሎኹ እቲ ውዲት ካብ ገለ ክትግብሮም ዝግበኦ መደበ ዕዮኡ ኣይኣታናቐፎን ማለት ኣይኮነን፣ ሓያል ዕንቅፋታት ገጢሙዎ ኢዩ፣እንተኾነ ግዳ ሳላ ሓያል መሰረታቱን መሪሕነቱን ህዝቡን ነቲ መሰናኽላት ብጽንዓት መኪቱ ነቲ መድረኽ ሰጊሩዎ ኢዩ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ዝርከቡ ውፉያት ኣባላቱን መሪሕነቱን ምስጋና ይግበኦም።

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ርእሲ ብሰብ ዝመሃዘሉ ዝነበረ ተንኮል ብናይ ተፈጥሮ ሕጊ እውን ተበዲሉ ኢዩ፣ ንባዕሉ ኣብዚ እዋን ናይ ጥምጥም ብመጀመርያ ስዉእ ብጻይና ኢዮብ ብስራት፣ ብድሕሪኡ እውን ስዉእ ብጻይና ዶክተር በየነ ኪዳነ፣ ስዒቡ ስዉእ ጻይና ኣሕመድ መሓመድ ናስር፣ ኣብ መጨረሻ ድማ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ኣካል ስዉእ ብጻይና ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም ኣብዚ ርሱን ናይ ቃልሲ እዋን ብመስዋእቲ ክፍላይዎ ከለዉ ነቲ ውድብ ከቢድ ሃሰያታት ኣይ ዝነበረ።

 

ይኹን እምበር ነቲድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ”  ዝብል መሪሕ ቃል ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ ሓደራ ስዉኣቱ ዝተቐበለ መሰረታት ውድብ ቃልሱ ዝያዳ ኣሔይሉ ብደገ ጥራሕ ዘኮነስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እውን ከይተረፈ ኣንጻር እቲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ዓመጸኛ ምልካዊ ጉጅለ ጨፍራ ህግደፍ ዘካይዶን ዘካይዶ ዘሎን ተባዕ ቃልሲ ብቀሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ስለዝኾነ ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ነቲ ኹሉ ሓጎጽጎጽ ሓሊፉ፣  ኣብ ቃልሲ ዘጋጥሙዎ ዝነበሩ ዕንቅፍታትን ኣገጣጥማኦምን ገምጊሙ ሓዲሽ ናይ ቃልሲ መደብ ዕዮ ንምስራዕ ናብ 3 ውድባዊ ጉባኤኡ ንምእታው ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ። ድሕሪ 3 ጉባኤኡ ኸኣ ብሓዲሽ መንፈስን ሃገራዊ ወኒን ናብ ቃልሲ ዝወፍረሉ ጎደና ኣጣጢሑ ዝምርሸሉ መደብ ዕዮ ሰሪሑ ክወጽእ ኢዩ። ኣብዚ ኸኣ ነታ ተሪፋ ዘላ ጭልምልም እትብል ዘላ ዕድመ ጃምዳ ህግደፍ ምስ ኮምኡ ዝበሉ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ሓይልታት ብምትሕግጋዝ ሓንሳብን ንሓዋሩን ጨሪሻ ከም እትጽልምት ክገብራ ኢዩ።

 

ድሕሪ እዚ ኣብ ሓደ ተስፋ ዘሎዎ ሓዲሽ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ክእቶ ኢዩ። ኣብዚ ዝፍጠር ሓዲሽ መድረኽ ድማ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ሰላም ኣብ ምውሓስን፣ ሕግን ፍትሕን ኣብ ምንጋስን፣ ኣብ ሕብረተሰብ  ኤርትራ ሃሲሱ ዝጸንሄ ባህልን ልምድን ኣብ ንቡር ቦታኡ ብምምላስን፣  ነቲ ብሰንኪ ህግደፍ ዝተኣታተወ ድሑር መስፍናዊ ባህልታትን ልምድታትን ወጊድካ ህዝብና ከም ቀደሙ ኣብ ነንሕድሕዱ ተኸባቢሩ ዝነብረሉን፣ ምስ ኣህዛብ ጎረባብቱ ሃገራት ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ዝሰረቱ ሰናይ ግብሪ ንምንጋስን ክሰርሕ ኢዩ።

ብዓብዩ ኣብ ዞናና፣ ዞና ቀርኒ ኣፍሪካ ድማ ስኒትን ምክእኣልን ምጽውዋርን ዝመሰረቱ ጥዑይ ዝምድና ንምፍጣር ናይ ነዊሕ ዕላማኡ ኢዩ። ኣብዚ መድረኽ እዚ ኩለን ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ነቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ ዝብል መሪሕ ቃል ቅድሚት ሰሪዐን፣ ምክእኣልን ምጽውዋርን ዝሰፈኖ ሜላ ናይ ቃልሲ ተጠቒመን፣ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ መሰል ናይ ኩሉ ዝኽበረሉን፣ መልክዕ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝለበሰን ብዙሑነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘረጋገጸን፣ ጥዑይ  ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክትከል ኢዩ። እዚ ንምትግባር ድማ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ሕጂ ነቲ መደብ ዓትዒቱ ሒዝዎ ኣሎ። እቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝበሃል መንእሰይ ድማ ካብ ብሕጂ ኣብ ጎድኒ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ተወዲቡን ተሰሪዑን ሃገራዊ ጉብኡ ንምብርካት ወትሩ ዕድመ ወይ ድማ ጸዋዒት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኢዩ።

 

ብርግጽ ከም እምነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ መንእሰይ ዘይተሳተፎ ቃልሲ ክዕወት እይኽእልን፣ ምኽንያቱ መንእሰይ እግርን ማእገርን ኣያታቱ ኢዩ፣ ሓላዊ ልዕላውነት ሃገሩን ህዝቡን፣    ዋሕስ ሰላምን ድርዒ ዋልታን ናይ ሕብረተሰቡን ኢዩ። ስለዝኾነ መንእሰይ ኤርትራ ቀልጢፉ ናብቲ ቃልሲ ክጽንበር ኣሎዎ። ምኽኒያቱ እዚ ምስ ዝኸውን ኢዩ ነታ ጭልምልም እትብል ዘላ ቀንዴል ህግደፍ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ሓንሳብን ንሓዋሩን ህልም እትብል።

 

ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ውሉድን ወላድን ንምፍላይ ዝግበር ዘሎ ሓሶትን ቅጥፈትን ንዕዘቦ ኣሎና፣ መንእሰይ ኤርትራ ነዚ ብጸላእትና ዝፍነወና ዘሎ ተንኮላት ክርድኦ ኣሎዎ፣ ምኽኒያቱ ህዝቢ ኤርትራ  ክዕወት መንእሰይ ተንኮል ናይ ጸላእቱ ብዝግባእ ክፈልጦ ኣሎዎ። ምኽኒያቱ ኣካይዳ ጸላእትኻ ምስ ፈለጥካ ኢኻ ኣብ ልዕሊ ጸላእትኻ ክትዕወት እትኽእል።

 

ካብ ጸላእትና መንእሰይን ኣረጊትን፣ ኣስላማይን ክርስታናይን፣ ኣውራጃን ሃይማኖትንወዘተ እናበሉ ኣብ መንጎ ውሉድን ወላድን ከተኣታትውዎ ዝደልዩ ዘሎዉ መፈላለዪ ሜላታት መንእሰይ ብግቡእ ተረዲኡ ካብ ቀዳሞት ሓርበኛታት ወለዱን ኣያታቱን ታሪኻዊ ጅግንነት ብምውራስ ሓደራ ዝሓለፉ ወገኑ ዝትግብረሉ መድረኽ ክፈጥር መታን ክውደብ ኣሎዎ። ምኽኒያቱ ከይተወደብካ ዓወት የለን። እዚ ስለ ዝኾነ ኢዩ ኸኣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ መንእሰይ ክውደብ ጸዋዒት ዘቕርብ ዘሎ። ጸዋዕት ጥራሕ ዘይኮነስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ውድብ ንመንእሰይ ዝኸውን ባይታ ዓጣጢሑ ዝጽበ ዘሎ። ኮምኡ ድማ እተን ፍርቂ ማእገር ዝኾና ደቂ ኣንስትዮና ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ጥርኑፍን ዝተወሃሀደን ቃልሲ ንምክያድ ክወዳደባ ይግበኤን። እቲ ንኹሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንምስታፍ ድማ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣፍ ደገኡ ከፊቱ ኣብ ትጽቢት ይርከብ። በዚ መሰረት ዕድመ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ንምሕጻሩ ኢድ ኒድ ንተሓሓዝ፣ ንሳነ፣ ንከባበር።

 

ጃንዳ ህግደፍ ነቲ ምክብባር ዝሰፈኖ ባህልናን ልምድናን ኣህሲሱ፣ ንመንእሰይ ሃገር ኣብ ወፍሪ ባርነት ደቚሱ፣ ንወላድ ከርሲ ኤርትራዊ ኣምኪኑ፣ ኤርትራና ካብ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራት ነጺሉ፣ ኣብ ድቕድቕ ድኽነት ሸኺሉ፣ መንእሰይ ሃገር ከይመሃር፣ ከይወልድ ከይፈሪ ኣብ በረኻ ኣስፊሩ፣

ሃገር ብምልእታ ናብ ሃው ዝበለ ቀላቕል ኣጻድፍ ይነንዋ ኣሎ። ስለዝኾነ ከይቀደመና ንቐድሞ፣ ብሓድነትና ነፍርሶ ዝሓለሞ፣  ገማዕማዕ ነብሎ ተንኮል ዝኣለሞ። ኣጆኻ ጎበዝ፣ ኣጆኻ መንእሰይ፣ ኣጆኺ ዋዕሮ ፣ኢድ ንንኢድ ንተሓሓዝ ተንኮላት ክንሰብሮ።

 

ኣጆኻ ውሉደይ ንዓኒ ናባይ

ብስሙር ቅልጽምና ከነጽሪ ኣባይ !!

 

ዓወት 3 ውድባዊ  ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10862

Posted by on Oct 7 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net