ጻድቓናት ዘዕርፍሉ ቤት ይግበሮ !!

“ ጻድቓናት ዘዕርፍሉ ቤት ይግበሮ ” !! በሉ፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለ ኣቦ። ወርሓት ክረምቲ ብርቱዕ ማይ ዝዘንበሉ ዝነበረ’ዩ። ምድረ ሰማይ ብብርቱዕ ሰርቢ ማይ ዝተኸደነ ኩሉ ፍጡር መዕቆቢ ክደሊ ምዃኑ ዝርዳእ፡ ሰብ ክጓየ፡ ኣዕዋፍ ክዝምራ፡ ኣኽላባት ከኣ ክነብሑ፡ ንፋስ ድማ ብግደኡ ሒዝዎ ንዝመጽእ ዝነበረ ጠሊ ከስምዕ ሃቦምላ ገልጠምጠም ክብል እንከሎ ክሳብ ሂወት ዘይነብሮም ነገራት ከም ናሕሲ ዚንጎ፡ መጽርሓር ሓዊ፡ ድስቲ ታኒካ ድምጾም ዝስመዓሉ ዝነበረ እዋን እዩ።

 

እዞም ሽማግለ ብመልክዖም ክቡር፡  ብኣካዳድንኦም ግርሙን ውርዙይን ሰብኣይ፡ ብሕግን ስርዓትን ዝዓበዩ ዝመስሉ፡ እቲ ዘቕረብዎ ምስጋና ጥራሕ ምስክሮም’ዩ ምስ’ቲ ዝረኸብዎ እንግዶት።

 

ብርቱዕ ዝናብ ስለ ዝሃረመ ጥራሕ’ዮም ኣብ ሓንቲ ኣፍ ደገ ገዛ ኣዕቒሎም፡ ዝተዋህቦም ጮማ ይኹን ውዕይ ቡን ዘይብሉ፡ እዚ ኩሉ ምርቓ ሂቦም ዝኸዱ። ከቢድን ረዚንን ምርቓ፡ ንመራቕን ንተመራቕን ዘክብር ዋጋ ዘለዎ፡ ወግዒ ዘለዎ ዘረባ’ዩ።

 

እዚ ከም’ዚ ዝበለ ዘረባታትን ንዕኡ ዝመስልን ካልእ ወግዒ፡ ዘረባ፡ ምስላ፡ ምርቓ፡ ምስ’ቲ ጸኒሓዊ ልማድን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣሳሰረ’ዩ።

 

ታሪኽ ኤርትራን ህዝባን፡ ደቂ ሰባት ብዛዕባ መነባብሮ ክስንደሉ ካብ ዝጅምሩ ግዜ ኣትሒዙ፡ ሓንቲ መሬት፡ ሓደ ህዝቢ ተቐባል ጋሻ ብምዃኑ ዝምሰል’ዩ። እቶም ጸላእትና ንብሎም ባዕዳውያን ገዛእቲ ጣልያን፡ ዓባይ ብርጣኒያ፡ ደሓር ከኣ ኢትዮጵያውያን፡ ብዘይካ እቲ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ዝዝረብ ብዛዕባ ታሪኽን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ሕማቕ ከም ዘይዛረቡ፡ ታሪኽ ዝመዝገቦም፡ ታሪኽ ዝመስከረሉ ክሳብ ኣብ ዓብይቲ ደብርታትን ኣብያተ መንግስትን፡ ከም ዝርከብ ንደለይትን ተመራመርትን ኣብ ዓብይቲ ቤተ መጽሓፍቲ ብቀሊሉ ክርከብ ዝኽእል’ዩ።

 

እቲ ዝገርም እዚ ክቡር ታሪኽ፡ እዚ ክቡር ባህልን ዋጋ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብደቂ ሃገር፡ ብህ.ግ.ዲ.ፍ ክጽርፍን ክዋረድን ክትርኢ፡ ብዛዕባ’ቲ ኩሉ ኣተሃላልዋ ህዝብናን ሃገርናን የተሓሳስበካ።

 

ሎሚ ብዛይካ ኤህ፡ ሩጉማት፡ ተበንቖሱ፡ ዘርእኹም የጥፋኣዮ ዝብል ሽማግለ፡ ካልእ ዘይትሰምዓሉ ደረጃ በጺሕና ንርከብ ኣሎና። ግን እቶም ሽማግለታት፡ ንመን ከም ዝረግሙን ምስ መን ከም ዝጻረፉ ፍሉጥን ርዱእን’ዩ።

 

እወ፡ ነዚ ኩሉ ዕንወት፡ ጥፍኣት፡ ሕስረት ባህሊ ዘታኣትዉ ዘለዉ፡ ባዕላቶም እቶም ምልካውያን መራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ብምዃኖም፡ እቲ ኩሉ መርገም ከኣ ነቶም መመሓደርቲ መለኽቲ ሰበ ስልጣን ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘተዀረ ምዃኑ ዘይርዳእን ዝስሕቶን ሰብ ከም ዘየልቦ ርዱእ’ዩ።

 

ሎሚ ኤርትራ ጻድቓናት ዘዕርፉሉ ቤት ወይ ዓዲ ይግበሮ ቢልካ ከይትምርቕ፡ ብሰንኪ ምልካዊ ምምሕዳር ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝተወልደ መንእሰይ ንስደት፡ ዝተወልደ መንእሰይ ንግዱድ ዕስክርና፡ ዝተወልደ መንእሰይ ንማእሰርቲ ስለ ዝዀነ ነቶም ሽማግለታት ገዛ ኣርሕዩ ኣብ ቤት ዘዕቅል ሰብ ንስለ ዘየልቦ፡ እቱ ምርቓ የልቦን። ገዛ ኣርሕዩ ዘዕቅል፡ ዓዲ ኣኪቡ ኣብ ባይቶ ዝዝቲ ምስ ተሳእነ ከኣ ፍትሒ ይጠፍእ፡ ምርቓ ይጠፍእ። ብድሕሪኡ ከኣ መርገም ይስዕብ። እሞ እቲ ሎሚ ሎሚ እቲ ወላዲ ዝረኽቦ ዘሎ ከኣ ናብ’ቲ ኣሉታዊ መደያት ዘስተብሃለ፡ ብውሉዱ ዝሓዘነን ዝሓረረን ወላዲ፡ ሽማግለ እቲ ክብሎ ዝኽእል መርገም ፍሉጥ’ዩ።

 

ነዚ ባህላዊ ጉዳያት ብዓይኒ ፖለቲካን ህሉው ኩነታት ክትምዝኖ ከኣ፡ ሓደ ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ሚዛን ዘይብሉን ዝንቡዑን ምልካዊ ምምሕዳር ምህላዉ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ሓደ ሸክ ከኣ ሓደ ማዕርነታዊ ነጻ ፖለቲካዊ ህዋ ዘይብሉ ሃገር ምዃኑ ዘርድኣ ጽንኩር ሃለዋት ኣብ ኤርትራ ምህላዉ ጥራሕ’ዩ፡ ኣብ መደምደምታ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ከምጻሓካ ዝኽእል።

 

እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኮይኑ ዝቃወም ዘሎ ሓይልታት ከኣ ነዚ ኩሉ መዳያዊ ትንተናታት፡ ማለት፡ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ብኣሉታ ንስለ ዝመዘኖ፡ ካብ ነዊሕ እዋናት ኣትሒዙ ንህዝቢ ስምዕታ ዝሃበሉን ዘበርከተሉ፡ ሎሚ ብግህዶ ኣብ ሃገር ብሓፈሽሳ ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ ኣብ ኣውራጃ፡ ወረዳ፡ ዓዲ፡ ክሳብ እታ ዝነኣሰት ክፍሊ ሕብረተ ሰብና፡ ስድራ ቤት ትባሃል ዝተከፈ ምዕባሌ፡ ነቲ ዝበሃል ዝነበረ ኣነጺሩ ዘቐመጠ ትንተና፡ እዛ ሃገር ጻድቓናታ ዘይዕርፉላ ሃገር ከም ትኸውን ብእዋኑ ዝተሓበረ ኮይኑ ጸኒሑ፡ ሎሚ ድማ ብግሁድ ይረአ እንሆ።

 

ሎሚ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን፡ ልዕሊ ኩሉ ዋጋታት ዘለዎ ባህሊ፡ ዋጋታትን ክብርታትን ዘለዎ  ኣገባብ ሕጊ እንዳባ ኤርትራ ረጊጾም፡ ንሓና ቅኑዓት፡ ንሕና ለባማት፡ ንሕና ሰብ ሕጊ ክብሉ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ረጊጾም ኽከዱ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ጻድቓናት ዝዕርፉላ ሃገር ከም ዘይትኸውን፡ ህዝባ ዘይትዕቅል፡ ነፋጊት፡ ነጻሊት፡ ምምሕዳር ዘለዋ ሃገር ምዃና፡ ተመስኪሩን፡ ዓለም ፈሊጥዎን፡ ግዜ ነጻነት ዝተወልዱ ደቃ ንስደት ዝቃራረቡ ዘለዎን ዝተሰድዱን ቀንዲ ምስክራት ኮይኖም ኣለዉ።

 

ግን፡ ብኡ ኣይውዳእን፡ ሕጂ’ውን ኤርትራ ሳላ ምዑታትን ጀጋኑን ደቓ፡ ሳላ ክቡር ህዝባን ክቡር ባህላን ልምዳን፡ ኣብ ጽባሕ ኤርትራ መዕረፊት ጻድቓናት፡ ሕያዎትን ለገሳትን ከም እትኸውን ሓንቲ ዘጣራጥር የልቦን። ዝስዕቦ ቃልሲ ንስለ ዘሎ።

 

ከመይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክኽልኩሉን ክእግዱን፡ ንግዜኡ ድማ ከፈራርሑ ጥራሕ’ዮም ዝኽእሉ’ምበር፡ ባህሊ ልምዲ፡ ሕጊ ሃገር፡ ካብ ሓንጎል ሰባት፡ ካብ ሕልና ሰባት፡ ካብ ታሪኽ ሓደ ህዝቢ ክፈላልዩ ንስለ ዘይክእሉ ግዜያዊ ስራሓቶም ምስ ግዜ ከም ንፋስ በኒኑ ከም ዝሓልፍ፡ እቲ ቤት፡ ቤት ህዝቢ ኤርትራ መዕርፊ ዝደለዮም ጽቡቓት፡ ሕያዎ ከም ዝኸውን ምስ ሓቅነት ዘይነጻጸል’ዩ።

 

ክንዕወት’ና

 

20 ነሓሰ 2007

ኣንቶንዮ ተስፋይ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1088

Posted by on Aug 21 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net