ወጋሕታ ሓርነትን ኣግእዞን ካብ ማህጸን መስዋእትን ስቕያት ህዝብን’ዩ ዝውለድ!!

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ነቲ ናይ  ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣቦ መንበር ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ኣድያእ ማእሰርቲ ሰዒቡ ዝተበገሰ ነቕሎ ሰፊሕ ሓፋሽ፡ ብግዱስ ኣትኩሮን ኣድናቖትን ብዕቱብነት ክከታተሎ ቐኒዩ’ዩ። ሓጂ ሙሳ ልሉይ ሃገራዊ መራሒ ንዘርኣይዎ ጅግንነትን ዝወሰዱዎ ተባዕ መርገጽን፡ እንኮላይ ነቶም ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ልዕሊ ብሕታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝወሰዶ ዓፋኒ ፖሊስን፡ ምቕፋድ ኣቦና ሓጂ ሙሳን ብምቅዋም ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከተማ ኣስመራ ንሰላማዊ ሰልፊ ዝወጹ ኩሎም ሰላማውያን ዜጋታት፡ ህጻናት፣ ተማሃሮ፣ ኣንስቲን ሰብኡትን ኣዚዩ ይሙጉስ። ከምኡ’ውን ንፍትሓዊ ሕቶኦም ብትሪ ከም ዝድግፎ እናኣረጋገጸ፡ ኣብ ጎኒ’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብምእላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝቃለስ ዘሎ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና  ደው ከም ዝብል ደጊሙ የረጋግጽ።

 

እዚ ናይ ሕጂ ተረኽቦ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ትዕግስተኛን ጅግናን ምዃኑ በዘየማትእ መንገዲ ዳግም ኣረጋግጽዎ’ዩ። ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ትዕግስቱ የጸንቅቕ ምህላዉን፡ ወዒሉ ሓዲሩ ኣንጻሩ ግድን ክለዓል ምዃኑን ክፈልጥ ኣሎዎ። ዝወደቑ ዲክታትርያዊ ስርዓታት ክዝክር ምተገበኦ። ጭቁን ህዝቢ ሓሪኑ እንተ ተላዒሉ ከምዘይከኣል ክርዳእ’ውን ኣሎዎ። ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓት ጉጅለ ኢሳይያስ፡ ዕስራን ሓሙሽተ ዓመታት ክዕገሶ እንከሎ፡ እዚ ሕፊንቲ ጉጅለ’ዚ ኣካል ዕዉት ሰውራ ኤርትራ ስለዝነበረ፡ ምናልባት ካብ’ቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ረገጻን ግህሰትን መሰላት ሓደ መዓልቲ ይምለስ ዶ ኮን ይኸውን ኢሉ ኢዩ’ምበር፡ ንጭቆና እንግድዓኡ ከጣጥሓሉ ኢሉ ኣይኮነን።  እዚ ጉጅለ’ዚ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና መዳረግቲ ብዘይርከቦ ብደዐኡን ጭካኔኡን ዳኣ ዓትዒቱ ይቕጽል ኣሎ። ስለዝኾነ ካኣ ህዝብና ደጊምሲ ኣብ ትሕቲ’ዚ ሽፍታ ወንጀለኛ ስርዓት’ዚ፡ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላቱ ከምዘየረጋግጽ ስለ ዝኣመነ፣ ተቓውሞኡ ደረጃ ብደረጃ የብርኽ ኣሎ። ክቡር መስዋእቲ’ውን ይኸፍል ኣሎ። ከም እብነት፡ ጽባሕ ናጽነት ምንቅስቓስ ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት፣ ምንቅስቓስ ውጉኣት ሓርነት (ማይ ሓባር)፣ ምንቅስቃስ ጉጅለ 15፣ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ፣ ዕጡቕ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ዲዖት ምብራቅ ኣከለ ጉዛይ፣ ስዉእ ሰዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወድ ዓሊ) ዝመረሖ ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ 2013፣ ሕጂ ከኣ፣ ናዕቢ ቤት ትምህርቲ ኣድያእን ክጥቀሱ ይኹእሉ። እዚ ፍጻሜታት’ዚ፡ ብራኸ ትኹል መስመር ህዝባዊ ተቓውሞን፡ ምንቁልቋል ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ዘመልክትን’ዩ።  


ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝተበገሰ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዘርእዮ ዘሎ ህዝባዊ ደገፍ ኣዝዩ ዝኾርዓሉን ዝሕበነሉን’ዩ። ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝርከብ ህዝብና ኩሉ መዳያዊ ገድላዊ ምትእሳርን ምሕዝነትን ንምሕያል ኣበርትዕና ኪንቃለስ ዝድርኸንና ምዃኑ’ውን ይኣምን።

 

ምእንታኡ ድማ ኣብ ዲያስፖራ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከብ ህዝብና፡ ናብ ኢምባሲታት ኤርትራ፣ ኣብያተ ጽሕፈት ኣህጉራውን ዞባውን ውዳባትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝምርሽ፡ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘቕነዕ ምሕዝነታዊ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ይጽውዕ። ህልው ገዛኢ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢብና ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ዓፈና፣ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስቲዮን፡ ኣረጋውያንን ዝፍጽሞ ዘሎ ሓይሊ ዝተሓወሶ መጥቃዕትን ዝኾንን መዘከራት ንምዝርጋሕ ይጽውዕ። ከምኡ’ውን ዓመጸኛ ስርዓት ህግደፍ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ከየበርዕኖን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ሕነ ምፍዳይ ጨካን ስጉምቲታት ከይወስድን፡ ብድሕሪ ሕጂ ንዘርክቡ ተመሳሳሊ ህዝባዊ ተቓውሞ ብሓይሊ ከይጭፍልቕን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢና ካብ’ቲ ኣንቕሊዎ ዘሎ ነቕሎ ተጋድሎ ንድሕሪት እንከይተመልሰ፡ ሓድነቱን ስኒቱን ዓቂቡ ውድቐት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምቕልጣፍ ብጽንዓት ክቃለስ ይጽዊዕ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ኣባላት ግሃድኤ ምስ ኩሎ ደላይ ፍትሒ ተሓባቢሮም ነዚ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ንምብጻሑ ልዑል እጃም ከበርክቱ ኣትሪርና የተሓሳስብ። ከምኡ’ውን ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ሓይልታት ምክልኻልን፡ ኣብ ጎኒ ህዝቦምን ፍትሓዊ ሕቶታቶምን ብምስላፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም  ሓይልን ዓመጽን ከይጥቀሙ ይጽዊዕ።

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ዝወስዶ ዘሎ ሓይሊ ምጥቃምን፡ ገበናቱ ንምሽፋን ኣብ ኤርትራ ንጥፈታት ኤርትራውን ናይ ደገን ናጻ ዜናዊ ማዕከናት ከይህልዋ ብምኽልካል ዝጥቀመሉ ፖሊስ ዜናዊ ዓፈናን፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት (ሶሻል ሜድያ) ዝርከቡ ሓበሬታት ንምዕባጥ፡ ነቲ ዝርካቡ ቁሩብ ቁራቦ ኣገልግሎት እንተርኔት ምዕጻውን ይኾንን። ከምኡ’ውን ፈተውቲ ሰላም ዝኾና ሃገራትን፡ ኣህጉራዊ ውድባት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢና ሓይሊ ምጥቃም ጠጠው ከብል ዘገድዶ ተጽዕኖ ክገብሩሉ ይጽውዕ።

 

ወጋሕታ ሓርነትን ኣግእዞን ካብ ማህጸን መስዋእትን ስቕያት ህዝብን’ዩ ዝውለድ’ሞ፡ ህዝብና ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝኸፍሎ ዘሎ ኩለንትናዊ መስዋእቲ ንከንቶ ኣይክተርፍን’ዩ። ንተቓላሳይ ህዝብና ወጋሕታ ሓርነቱ ርሑቅ ኣይኮነን።

 

ዓወት ንቃልሲ ህዝብና ምእንቲ ሓርነትን ዲሞክራስን !!

ውድቀት ሕፍረትን ንምልካዊ ስርዓት !!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !!

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

4 ሕዳር 2017

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10887

Posted by on Nov 8 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net