“ዋዕላ ብራስለስን ድቡቕ ፖለቲካዊ ኣንፈቱን ኣመኻኽትኡን” ብጊላይ ቃሉ /ወዲ-ቃሉ/ ካልኣይ ክፋል

2.ተሳተፍቲ ወከልቲ ውድባት፡- ናብዚ ብምስጢርን ብሕርያን ዝተወደበ ዋዕላ ብራስልስ ዝተሳተፉ ፖለቲካውያን ውድባት ባዕላተን ብወከልተን ኣቢለን ብወግዒ ከም ዝሓበራኦ ሰለስተ ውድባት ምዃነን’ዩ ዝፍለጥ።  ኣገባብ ኣሰታትፋአንን ኣወኻኽላአንን ብዝምልከት ድማ እቶም ብስም ሓይሊ ዕማም ዝፈለጡ ውልቀ ሰባት ካብ ዋናታት ናይ’ቲ ውጥን ማለት፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዓመጽ ዘይኣምኑን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓይሊ/ብወተሃደራዊ ጎነጽ/ ክፈትሑ ዘይኣምኑን ዘይቃለሱን ካብ ናይ ከባቢ መንግስታት /ቀርኒ ኣፍሪቃ/ ዘይምወሉን ኣካላት ክሳተፉ ከም ዝኽሉን ብዝተዋህቦም ዕማምን ተልእኾን መሰረት ክሕረዩን ናብ’ቲ ኣዋሳኒ ዋዕላ ብራስልስ ክሳተፉን ከም ዝኽኣሉን’ዩ ዝፍለጥ። ናይ’ዞም ፖለቲካዊ ውድባት እዚኣቶም ናብ’ቲ ኣግላልን ፈላላይን ዝኾነ ዋዕላ ክሳተፉ ብምኽኣሎም ድማ፡ ዝተፈላለየ ዓበይቲ ሕቶታት  ከልዕል ዝጸንሐ ተረኽቦ’ዩ። ንሱ ከኣ፡ 1. እዞም ውድባት እዚኣቶም ኣባላት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ክነሶም ስለምንታይ ብሕቡእ ክሳተፉ መሪጾም ስለምንታይ ነቲ ዕድመ ግጉይን ፈላላይን ምዃኑ ብደረጃ ኤ.ዲ.ኪ ተሰማሚዖም ክነሶም እዝስ ኣይገርምን’ዶ? 2. እዞም ውድባት እዚኣቶም ንጨቋኒ ስርዓት ንምውጋድ ብሓቂ ዝቃለሱ እንተደኣ ኮይኖም ስልምንታይ ብሰላማዊ ኣገባብ/ዘይጎነጻዊ ኣገባብ/ ክቃለሱ ምዃኖም ብምርግጋጽ ነቲ ረቛሒታት ዘቐደመ ዕድመ ተቐቢሎም? 3. ኤርትራ ደሞክራስያዊ ኪዳን ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ኩሉ መልክዕ ኣገባብ ቃልሲ ዝጥቀም ምዃኑ ማለት ናይ ቃልሲ ባህርን ተግባርን ዓመጻዊ ኮይኑ ወተሃደራዊ ክንፊ ብግዜ ኣንጻር ክውደባ ዘይከኣላ ውድባት ብፖለቲካዊ ዓመጽን ነቲ ዓመጽ ዝሕግዝን ዘሐይልን ንጥፈታት ከካይዳ ከም ዘለወን ማእከል ዝገበረ እምነት’ዩ ዘለዎ። እዘን ውድባት እዚኣተን ድማ ነዚ ስምምዕ’ዚ ተቐቢለን ዝፈረማን ንተግባራቱ ቃል ዝኣተዋን ክነሰን ስለምንታይ ከፍርሰኦ ይመርጻ ኣለዋ? ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብዚ ጉዳይዚ እንታይ’ዩ ርእይትኡ ..ወዘተ ዝብሉ ድምጾም ዘየቋርጹ ሕቶታት እንዳተቓልሑ ካብ ህዝብን ተቓለስቲ ኣካላትን መልሲ ዘይረኸቡ ዘለው ተኣፈፍቲ ነጥብታት’ዮም።

ኣነ ብወገነይ ኣብዞም ብህዝብን ተቓለስቲ ኣካላትን ዝለዓሉ ዘለው ዓበይትን ተሃወስትን ሕቶታት እዚኦም ውድባት ስለምንታይ ከምኡ ይገብሩ ኣለው ዝብል ሕቶ ብጭቡጥ/ ከምዚ ስለዝኾነ ወይ ስለ ዝደለዩ’ዮም/ ኢለ ንምግላጹ እኹል መረጋገጺ ዘይረኽበሉ’ኳ እንተኾንኩ ካብ ተመክሮኦም ኣገባብ ጉዕዞምኦምን ኣተሓሳስባኦምን መሰረት ገይረ ክሪኦ/ክመዝኖ/ እንከለኹ ግን፡ ኣብቲ ዋዕላ ብራስልስ ንምስታፍ ብሕቡእ ክሳተፉ ንኪዳን ከይሓበሩ ዝመረጽሉ ብሕታዊ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል፡ ቀዳማይ ነጥቢ እቶም ዓደምቲ ኣባላት ተሳተፍቲ/ ተዓደምቲ/ ኣባላት ከማልእዎ ዘለዎም ረቛሒታት ስለ ዝተቐበሉ ብኡ መሰረት ስውር ዕድመ ስለ ዝተገብረሎም ካልኦት ኣባላት ኤ.ዲ.ኪ ዝኾኑ ውድባት ግን ስለ ዘይተቐበሉን ዘይተዓደማን ካብዚ ጨቡጥ ኩነታትዚ ብምብጋስ ድሌቶምን ፍሉይ እምነቶምን ብፍሉይ ክንርከቦ ኢና ዝብሉዎ ፍሉይ ረብሓን ባህጎምን ስለዘገደዶም ብምስጢር ክጎዩን ክሳተፉን ዝተገደዱ ይመስለኒ። እቲ ስለምንታይ’ከ ብሓደ ገጽ ናብቲ ዋዕላን ዕማም ዋዕላን ብምስጢር ይሳተፉ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ዋናታትን ዓደምትን ኣራኸብትን ባእታታት ዝተኸተልዎ ኣገባብ ዕድመ ኣግላልን ፈላላይን’ዩ ኣብ ዝብል መልእኽቲ ናይ ኤዲኪ ተሰማሚዖም? ዝብል ነጥቢ ብወገነይ ክሪኦ እንከለኹ እቲ ናይ ኪዳን መግለጺ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ምክያዱ ስለ ዝወጸን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ድማ ብዙሕ ዋዕዋዕታ ስለ ዝፈጠረን ካብዚ ማዕበል’ዚ ንግዝይኡ /ክሳብቲ ዋዕላ ዝካየድ/ ንምድሓን ክብሉ ዝገበርዎ ደኣምበር ካልእ ዘእምን ምኽንያት ዘለዎም ኣይኮኑን። እዞም ኣካላት እዚኣቶም እዚ ጥራሕ ኣይኮኑን ክጣበቡ ፈቲኖም፡ እንታይ ደኣ፡ ካብቲ ክመጾም ዝክእል ወቀሳን ተቓውሞን እንተደሓና ብምባል’ውን ኣብቲ ብናይ ሰለስቲአን ውድባት ወኪል ዘቕረቦ ዝርዝራዊ መደረ’ውን እቲ ማዕበል ናይ ተቓውሞ እናሓየለ ምስመጸ ገለ መዋጽኦ እንተኾኖም ንኪዳንን ዕላምኡን ወኪልና ኢና ብተግባር ተሳቲፍና ንምባል መታን ክጥዕሞም ቅድም ኣብ ትሕዝቶ ጽሑፍ መደረኦም ብዛዕባ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ነቲ ዝነበረ እናቐየሩ ሰፊሕ ትሕዝቶ/ዕምቆቱን ልባውነቱን/ ብዘይገድስ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ድሕሪ ምቕናይ ገለ ምቅይያር ብምግባር ናብቲ ዋዕላ ከም ዝተሳተፉን ትሕዝቶ መግለጺኦም ነቲ ዘጉላዕልዕ ዝነበረ ወቐሳን ተቓውሞን ንኸቃልሉ ተባሂሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እንተርኒት ተዘርጊሑ’ዩ። እዚ ከኣ ነቲ ጉዕዞ ንምሽፋንን ካብ ክመጾም ዝኽእል ተቓውሞ ንምቅላልን ተባሂሉ ኣብ ጠቕሚ ዝወዓለ ሜላ’ዩ። ብሓጺሩ እዞም ውድባት እዚኣቶም  ኣብ ሓደ ግዜ ኣብ ክልተ ኣግራብ ክሓኹሩን፡ ብሓደ ጸጸር ክልተ ኣዕዋፍ ክቐትሉን ብክልተ ኢዶም ኣብ ዝተፈላለየ መኣድታት ክበልዑ ክፍትኑን ዘገድዶም ሕማቕ ኩነታት ጥሒሎም ኣብ ክንዲ ዝሓየለን ዝሰመረን ሃገራዊ ዓቕሚ ተጠቒምካ ክረጋገጽ ዝካኣል ሃገራዊ ዓወትን ጠቕምን፡ ብግዳም ካብ ለገስቲ ወይ መወልቲ ስርዓታት ዝርከብ ፖለቲካውን ገንዘባውን ሓገዛት ምስ ኩሉ ሓደጋታቱ የዋጽእን ይጠቕምን’ዩ ዝብል ግጉይን ሓደገኛን ፖለቲካዊ መማረጺ ይሪኡን የበጋግሱን ምህላዎም እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ናይ’ዚ ኣተሓሳስባን  ዕንጹል ግብራዊ ፈተነታትን’ዩ በሃላይ እየ ብወገነይ። ከምኡ ኣይኮነን ዝብልዎ ነገር እንተሃልይዎም ከኣ፡ ንኣተሓሳስባኦምን ዝተኸተልዎ ሜላን ዘበጋግስዎ ዘለው ተግባራትን ዘጋጥሞም ዘሎ ፖለቲካዊ ወቐሳን ምስ ኣካላቶም ብዕምቆትን ብህድኣትን ገምጊሞም ወግዓዊ መልስን መረዳእታን እንተዝህብሉ ጠቓሚ’ዩ እብል።

ኣብ’ቲ ካልኣይ ነጥቢ ማለት እዞም ውድባት እዚኣቶም ንዲክታቶሪያዊ /ጨቋኒ/ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ናይ ብሓቂ ዝቃለሱ እንተደኣ ኮይኖም ስለምንታይ ብሰላማዊ ኣገባብ /ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ/ ክቃለሱ ምዃኖም ብምርግጋጽ ነቲ ረቛሒታት ብምቕዳም ዝተዋህቦም ዕድመ ተቐቢሎም ዝብል ነጥቢ ብወገነይ ክሪኦ ከለኹ፡ መጀመሪያ ኣብ ኣገባብ ኣቃላልሳን ኣፈታትሓ ግርጭትን ዘለዎም ተረድኦን ጉዕዞን ቅድሚ ምርኣየየ ገለ መበገሲ ክገብር፡  ንሱ ኸኣ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዝረኣዩ ናይ ኣተሓሳስባን ጠቕምን ዝፈጥርዎ ኣረኣእያታት ዝፈጥርዎም ግርጭት ወይ ረጽሚ ብኽልተ መልክዕ’ዮም ዝፍትሑ። ንሳቶም ከኣ እቶም ጠቕምታትን ኣተሓሳስባታትን ዘይራኸቡን ዘይቃደውን/ ተራጸምቲ/ እንተደኣ ኮይኖም ብሰላምን ብሰላማዊ መንገድን ንክንፈትሖምን ክፍትሑን ካብ ዘለና እምነትን ባህግን ብምብጋስ ዝጸዓርና እንተጸዓርና ብሰላምን ሰላማዊ ኣገባብን ክቡር ሂወት ወዲ-ሰብ ከይሃለቐን ንብረትን ሃብትን ናይ ወዲ ሰብ ከይዓነወን ወይ ከይበረሰን ኩለ-መዳያዊ ዋጋ ቃልስን መስዋእትን ዕንወትን ከይተኸፍለ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት፡ ጨቆንቲ ደርብታት መንግስታትን፡ ውጽዓት ህዝብታትን ክፍልታት ሕብረተሰብን ዘሎ መሰረታውን ተጻራሪ ግርጭት ዝፍታሕን ተፈቲሑን ኣይፈልጥን። ናይ’ዚ ሓቀኛ መረጋገጺ እንተተደልዩ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ይኹን ክሳብ ሕጂ ዝረኣዩ ዘለው ጭቆናታትን ዝካየዱ ዝነበሩን ዘለውን ዓመጻዊ ኣገባብ ቃልስታትን ኣይምተራእዩን፡ ንዓኣቶም ዝገዝእ ሕጊ’ውን ኣይመድለየን ነይሩ ይመስለኒ። እዚ ወድዓዊ ጸገምዚ ካብ ናይ ደቂ ሰባት ዓቕምን ድሌትን ወጻኢ ስለ ዝኾነ ግን ግርጭታት ነናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ኣፈታትሓ መትከልን ግብራዊ ኣገባባቶምን ሒዞም ይቕጽሉን ይስረሓሎምን ኣሎ።  ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ግርጭትን ሕድሕድ ምጉናጽን ዝበሃል ነገር ኣይምሃለወን። ብዛዕባ ህልውንኡ’ውን ኣይመተሓሳሰበን።

ኣብ’ቲ ካልኣይ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት ድማ ኣብ መንጎ መሰረታዊ ፍልልይ ዘይብሉ እምነትን ፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሓን ዘለዎም ደቂ-ሰባት፡ ህዝብታት፡ መንግስታት …ወዘተ ዘለዎም ፍልልይ ወይ መሰረታዊ /ምኽንያት/ ዘይብሉ ግርጭት ብባህሪያቱ ተጓናጺ ስለዘይኮነ ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብን መስርሕ ዝፍታሕን ዝነባበርን ግርጭት’ዩ ዝኸውን። ኣብዚ ከምዚ ዓይነት መሰረታዊ ፍልልያ ዘይብሉ ግርጭት ዘጋጥም ናይ ህልቂትን ዕንወትን ክሳራ ኣብ ኣፈታትሓ ናይ’ቲ ጸገም ዘጋጥም ጌጋን እኹል ፍልጠት ዘይምህላው ዘበገሶ ጸገም እንተዘይኮይኑ፡ መሰረት ባህሪያቱን ሕጋጋቱን ግን ብሰላም ክፍታሕ ዘይከኣል ኣይኮነን።  እዚ እቲ ሓፈሻዊ ባህሪያት ናይ ግርጭታትን ኣፈታትሓኦምን ሕግን ኣገባብን ዘመልክት ሓቂ ምዃኑ መበገሲ ብምግባር ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ጨፍላቂ ወተሃደራዊ ስርዓት ህግደፍን ዝረአ ዘሎ ግርጭት እንታይ ዓይነት’ዩ? መሰረታውን ተጋራጫውን ድዩ ወይስ ዘይመሰረታውን ዘይተገራጫውን፡ ብኸመይ’ከ ክፍታሕ ይከኣል? ብጎነጻዊ /ዓመጽ/ ወይ ብሰላማውን ዘይዓመጻውን ኣገባብ ዝብል ምስ ጉዳይና ኣዛሚድና ክንሪኦ እንተኽኢልናን እንተመሪጽናን ኣብዚ ዘለናዮ ወቕቲ ነቲ ኣብ መንጎ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍን ሓፋሽ ጭቁናት ህዝብታት ኤርትራን ዘሎ ግርጭት ኣገባብ ኣፈታትሕኡ ኣየናይ ኣገባብ ምዃኑ ከነቐምጥ ይኹን ክንውስን ዘጸግመና ኣይመስለንን። ኣነ ብወገነይ ካእል’ውን ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ  መንጎ መንግስቲ ህግደፍን ጭቁናት ህዝብታት ኤርትራን ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ናይ ጠቕሚ ናይ መሰልን ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት ሓደን ተመሳሳልን ዘይኮነስ፡ ዝተፈላለየን ተገራጫውን ስለ ዝኾነ ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልስን ኣፈታትሓ ግርጭትን ክፍታሕ ዝከኣልን መፍትሒ ዝርከቦ ኣይኮነን።

መፍትሒ ዝርከቦ እንተዝኸውን ነይሩ ህዝብታት ኤርትራን ተቓለስቲ ውድባቱን ብሰላማዊ ኣገባብን ሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓን ኣብ መንጎኦምን መንግስቲ ህግደፍን ዝተፈጥረ ባህሪያዊ ሽግርን ግርጭትን ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ዘርኣይዎ ሰናይ ድሌትን፡ ባህግን፡ ዘረኣይዎ ትዕግስትን፡ ምጽማምን ዝኸፈልዎ መስዋእትን፡ ቀሊልን ውሑድን ኣይነበረን። እቲ ባህርን ሕጊን ናይቲ ግርጭት ብሰላም ክፍታሕ ስለ ዘይከኣል ግን ሰላማዊ መፍትሒ ክዕወት ኣይተኻእለን።  ህዝብታትና ተቓለስቲ ውድባትናን ድማ፡ ከምቲ “ ካብ ዝብኢ ዝበልዓካስ ዝብኢ በሊዕካ ተነሳህ” ዝብል መንፈሳዊ ኣበሃህላ ተበጊሶም ሂወቶም ንምድሓን መሰሎም ንምርግጋጽ፡ ሰላምን ደሞክራስን ንምስፋን፡  ልምዓትን ሃገራዊ ዕብየትን ንምርግጋጽን ክብሉ ተገዲዶም ሽግሮም ብዓመጻዊ /ጎነጻዊ/ ኣገባብ ቃልሲ ንምፍታሕ ዘይተኣደነ መስዋትን ስንክልናን እናኸፈሉ ክቃለሱን፡ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ከወግዱን ኣብ መቓብሩ ሰላም ንምስፋን ዘድልዮም ፍትሓዊ /ደሞክራስያዊ/ መንግስቲ ንምርግጋጽ ኣብ ምርብራብ ዝርከቡ ዘለው።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቡጥ ግርጭትን ኣገባብ ኣፈታትሕኡን ብሰላምን ሰላማዊ ኣገባብን ምፍታሕ ኣብቂዑ ብጎነጽን ብጎነጻውን ጥራሕ መፍትሒ ክርከበሉ ኣብ ዝጸዓረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣንጻር መንግስቲ ህግደፍ ዝካየድ ኣገባብ ቃልሲ ብሰላምን ሰላማዊ ኣገባብ ቃልስን ክፍታሕ ዘይከኣል’ዩ። ንምፍትሑ ድማ ብሰላማዊ ኣገባብ ክንፈትሖ ኢና ዝብሉ ባእታታት ውድባት ሰልፍታት እንተሃልዮም እምበኣር እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነትን መርገጽን ኣንፈት ናይ ቃልስን እዚ ንሓቀኛ መንነቶምን እምነቶምን ፖለቲካዊ ኣንፈቶምን ካብ  ምሕባርን ምምልካት ሓሊፉ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ዝከኣል ፖለቲካዊ ግርጭት ምህላው ዝገልጽን ዘረጋግጽን ኣይኮነን።

ኣብዚ ወድዓውን ጨቡጥ ኩነታትን ዘንተመጎታዊ መግለጽን ብምብጋስ ንርእይቶን እምነትን ዝመርጽዎ ዘለው ኣንፈት ኣገባብ ቃስልን ናይ’ዞም ውድባት ክርኢ እንከለኹ ኣብ ኤርትራ ዘየለ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ባይታ ኣሎ’ዮም ዝብሉና ዘለው። ካብዚ ሓሊፎም ቃል ንቓሉ ዓቲቦም ክገልጽዎ ዋላ ኣይኽኣሉን ኣይድለዩን” መንግስቲ ህግደፍ ጸላኢ ኣይኮነን ስለዝኾነ ኣብ መንጎኡን ህዝብታት ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ ናይ ኣረኣእያን እምነትን ጠቕምን ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭትን መሰረታዊ ብጎነጽ ዝፍታሕን ዘይኮነስ ዘይመሰረታዊ ብሰላማዊ ኣገባብ ዝፍታሕ’ዩ” እዮም ዝብሉና ዘለው ብተግባር።

ኣብዚ’ዩ ድማ እቲ ሓቀኛ ከርሰ-ነገራዊ ትርጉም ናይ ኣረኣእያኦም ይኹን እምነቶም ዝግለጽን ዝምዘንን። ስለ ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ብሰላማዊ ኣገባብ ክትቃለስን ሰላማዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከተረጋግጽን ዝሕግዝ ወድዓውን ባዕላውን  ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ዘየለወሉ ግዜን ወቕትን ናይ ህዝብታትና ሽግር ብሰላማዊ ኣገባብ ክውገድን መፍትሒ ክረክብን ይኽእል’ዩ ክብሉን ክውስኑን እንከለው እንታይ ማለቶም’ዩ? ንሳቶም ክህብዎ ዝኽእሉ መገለጺ እንታ’ዩ ብዘየገድስ፡ ይፍለጡ ኣይፍለጡ መንግስቲ ህግደፍ  ጸላኢ ኣይኮነን ምስኡ ዝህሉ ፍልልይ /ግርጭት/ ድማ ብዘተን ብሰላማዊ ኣገባብን ክፍታሕን ክውገድን ይኽእል’ዩ ክብሉናን ክረድኡናን ዝፍትኑ ዘለው። ነዚ ዝጀመርዎን ንምዕኳኹ ዝጽዕሩ ዘለው መስመር ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ብተግባር ኣረጋጊጾም ክሰርሕሉ እንተመሪጾም ድማ ይፈቶ ይጸላእ ህዝባዊ ቃልስና ነዚ ጀሚርዎ ዘሎ ቅኑዕ ዓመጻዊ ቃልሲ ብምጽባእ መንገዲ ዕርቅን ምንብርካኽን ይመርጹ ኣለው ማለት’ዩ። ካብዚ ዘዋጣውጥዎ ዘለው ዘይቅኑዕ ኣገባብ ቃልሲ ክዕገቱን ቅኑዕ ኣገባብ ቃልሲ /ዓመጻዊ/ ክኽተሉ ክኽእሉን ድማ ሓፋሽ ኣባል ውድባቶም ንዝኽተልዎ ዘለው ግጉይን ሓደገኛን ኣገባብ ቃልሲ ብርግኣት ፖለቲካዊ ገምጋም ክግበረሉን ካብቲ ቅኑዕ መስርዕ ህዝባዊ ቃልስን፡ ቅኑዕ ኣገባብ ቃልስን ንኸይወጹ ክቃለሱን መሪሕነት ውድባቶም ክቆጻጸሩን ምስ ዝበቕዑን እቲ ወሳኒ ነገር ኮይኑ፡ ከም ተወሳኺ ካብ ውድባቶም ወጻኢ ዘለው ተቓለስቲ ውድባት ሰልፍታት፡ ስቪካዊ ማሕበራት፡ ኣገድስቲ ውልቀ ሰባትን ግሉጽ ዝኾነ ርእይቶ ብምሓዝ ሓገዝን ደገፍን ክገብሩ ብሓደ ገጽ፡ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ነቲ ግጉይ እምነትን ኣገባብ ኣቃላልሳን ዘለዎ ሓደጋ ብምቅላዕ ቃልሲ ክካየድ ምስ ዝበቃዕ እዚ ናይ ሓደጋ ርእይቶዚ ክብርዕን ወይ መሊኡ ክሰዓር ዘኽእል’ዩ። ኣብዚ ወሲኸ ክጠቕሶ ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ እዞም ኣብ ኤርትራ ሰላምን ደሞክራስን ብሰላምን ሰላማዊ ኣገባብ ቃልስን ክረጋገጽን ክሰፍንን ይከኣልዩ ክብሉና ዝፍትኑ ዘለው ውሱናት ውድባት፡ እዚ ሕጂ ዘንጸባርቕዎ ዘለው ርእይቶ ሓድሽ ዘይምዃኑን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ርእይቶ እንዳቀላቐሉን እናለዋወጡ ምምጻኦም’ዩ።  ከመይሲ ሓንሳእ ብዓመጽ ኢና ስርዓት ህግደፍ ነወግድ ዝብል ዓመጻዊ ኣገባብ ዝኽተሉ ምዃኖም ይገልጹ፡ ጽንሕ ኢሎም ድማ  ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ኢና ንኽተል ናብ ዝብል ነጥቢ ከንከራርው እናተራእዩ’ዮም መጺኦም።

ካብዚ ናይ መሰጋገሪ ኣገባብ ቃልሶም ተበጊሶም ድማ ንዝያዳ ባይታ ናይ ርእይቶኦም ንምጥዕዓም “ብዓመጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘምጸአ ህዝቢ ኣይረኣናን፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ግድን ኣይኮነን ዓመጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ምጥቃም፡ ህዝቢ ዓዱ እከለ፡ ምንቕስቓስ ናይ እከለ ብሰለማዊ ኣገባብ’ዩ ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣካይዱ” ..ወዘተ ብምባል እናገለጹ ዝመጽእዎ መስርሕን፡ ሕጂ’ውን ናብ ዋዕላ ብራስለስ ከማልእዎ ዘለዎም ረቛሒታት “ ሰላማዊ  ኣገባብ ቃልሲጥራሕ ኢና” ንኽተል  ኢሎም ብሕብእ ሕብኢተይ ምቕባሎም እዚ ኩሉ ተደማሚሩ እዚ ብኣጋጣሚ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝኽተልዎ ዘለው ከም ዘይኮነ ምርግጋጽ ዝከኣል ይመስለኒ።

እቲ እዘን ውድባት እዚኣተን ነቲ ኣብ ኪዳን ዝተሰማማዓሉን ዝፈረማሉን “ ኩሉ መልክዕ ኣገባብ ቃልሲ ምክያድ” ዝብል ዓንቀጽ ስለምንታይ ይጥሕሰኦ ኣለዋ ዝብል ዝተላዕለ ነጥቢ ብዝምልከት መልሱ እቲ  ልዕሊ ክብል ብዝርዝር ክጠቕሶ ዝፈተንኩ ምኽንያታት ዝምልሶ’ዩ ዝመስለኒ። ማለት ኣብቲ እምነት ኣገባብ ቃልሲ ናይ ምልዋጥ ኣንፈት የማዕብሉ ስለ ዘለው በቲ ኣቐዲሙ ብእምነት ደረጃ ብምቕባል ንምትግባሩ ቃል ዝኣተውሉን ዝፈረምሉን ጉዳይ ክጥሕስዎ ይኹኑ ከነኣእስዎ ምርኣይ ባህሪያዊ’ዩ ዝኸውን። ስለዚ ሓንሳብ ከናሽውዎን ክጥሕስዎን፡ ገለ ግዜ ድማ ነኽብሮን ንምእዘዘሉን ኢና ክብሉን ክርዕምዎን ምርኣይ ምስ ዘማዕብልዎ ዘለው ባህሪ ኣዛሚድካ ምስ ዝረአ ዘገርም ኣይኮነን። ብተወሳኺ እዞም ኣካላት እዚኣቶም እዚ ኩሉ ጌጋታት ጥሕሰታትን እንዳፈጸሙ እንከለው ነቲ ናብ ዋዕላ ንምስታፍ ዝረኸብዎ ዘይቅኑዕ ተሳትፎ ብብቕዓቶምን ተፈላትነቶምን ከም ዝረኸብዎ፡ ምስታፎም’ውን ዝያዳ ነቲ ተቓሊሱ ክስማዕ ይኹን ከድምዕ ዘይከኣለ ዝብልዎ ኤ.ዲ.ኪ. ዓቢ ጠቕምን ተፈላጥነትን ክረክብ ከም ዘኽኣልዎ ኣምሲሎም ክገልጽዎ ምስምዖምን፡ ኪዳን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ቃልሲ ብቑዕ ኣይኮነን፡ እቲ ብዕለት 5.11.2009 ነቲ ኣገባብ ዕድመ ናብ ዋዕላ ብራስለስ ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ ደብዳቤ ናይ ውልቀ ደኣምበር ናይ ኪዳን ኣይኮነን፡ ዲፕሎማስያው ኣገባብን ትሕዝቶን ዘይብሉ’ዩ ..ወዘተ ዝብሉ ናይ ዓቕሊ ጽበትን ዕቱብነት ዝጎደሎን ዘይወግዓዊ መግለጺታት ብስቱር ክህቡን ርግኣት ስኢኖም ከዕለብጡን ምርኣይ ዘይቅኑዕን ዘይሓጋዝን’ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከምቲ “ በዓል ኢንታስ መስቆርቆሪ” ዝበሃል ናይ ጭንቀቶምን ዝዕረቶምን ምልክት ሓባሪ ምዃኑ’ዩ ዘረጋግጽ።

ሳልሳይ ክፋሉ ይቕጽል

Short URL: https://english.farajat.net/?p=109

Posted by on Dec 21 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net