ኣገዳሲ ትዕዝብቲ ኣብዚ ናይ ቀረባ እዋን ዑደታት

                    ተጋዳላይ   ተወልደ ገብረስላሴ

     ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ፡ ኣትላንታ፡ ሲያትል ከምኡውን

ብዕለት ሰነ 24 2007 ኣብ ከተማ ቦስቶን፡ ዝተኻየደ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ኣገዳስነቱን ውጽኢቱን ፍሉይ ኣተኵሮ ክግበረሉ ዝግባእ ኰይኑ ይስምዓኒ።

     ብመሰረቱ እዚ ኣኼባታት’ዚ ዝተኻየደሉ ህልው ኵነታት ክንርኢ እንኰሎና፡ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ናይ ስለያ ትካላቱ ጥራይ ተንጠልጢሉ፡ ፖለቲካዊ ዕርቃኑ ብውሽጥን ብደገን ሰብ ኣስደሚሙ፡ደጋፊኡ ዝጸንሐ ዘበለ ንዕኡ ጠንጢኑ፡ ኣንጻሩ ክዕጠቕን፡ እንተገደደ ከኣ ደገፉን ኣገልጋሊነቱን ክስሕብ ኣብ ዝጓየየሉ ዘሎ እዋን

ብሓደ ሸነኽ ክኸውን እንከሎ፡ ምስቲ ኹሉ ውረድ ደይብ ናይ ጸገማቱ፡ እቲ ጠርናፊ ጽላል ናይ ተቓውሞ ዝዀነ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኤርትራ፡ ኣብ ቃልሲ ናይ ተቓውሞ ዓይነታዊ ለውጥን ተስፋን ከምጽእ ካብ ማንም ዝሓለፈ ግዜ ንላዕሊ ትጽቢት እንዳተገብረሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ 2ይ ጉባኤኡ ዘጓነፎ ጸገማት፡ ኒሕን ንያትን ናይ ኩሉ ሓርበኛዊ ወዲ ሃገር ዘጕደመን ተስፋ ዘቝረጸን ሃዋህው ሰፊኑ እንዳሃለወ ኢዩ ተኻይዱ።ብተወሳኺ ብዛዕባ’ቲ ኣብ 2ይ ጉባኤ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኤርትራ ዝተረኽበ ኵነታት፡ ብዙሕ ካብቲ ብመራኸቢ ብዙሓት ይኹን ብኣኼባታት ክውሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት፡ ነቲ ዝነበረ ሓቀኛ ኵነታት ኣብ ምንጽብራቕ ይኹን ቅኑዕ ገምጋም ኣብ ምሃብ ምሉእነት ዝጐደሎን ነቲ ዝተሃስየ ናይ ቃልሲ ስምዒትን ተስፋን ምቝራጽ ዘይጽግን ኰይኑ ምጽንሑ ብሩህ ነገር ኢዩ ጸኒሑ።

     ተጋዳላይ ተወልደ ገብረስላሴ  ዘካየዶ ኩሉ ኣኼባታቱ ዕውትን እፍራይን ምንባሩ ብሰፊሑ ክግለጽ ይከኣል።ብፍላይ ኣብ ከተማ ቦስቶን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ካብቲ ዝተገመተ ንላዕሊ ህዝቢ ምርካቡ፡ እቲ ኤርትራዊ ናይ ኣየናይ ፖለቲካዊ ወይ ውድባዊ እምነት ዝንባሌ ኣለዎ ብዘየግድስ፡ ነቲ ሓቀኛ ኵነታት ንምፍላጥ ዘለዎ ጽምኢ ንምርዋይ ዘርኣዮ ትግሃት። ቦስቶንን ከባቢኡን ብዙሓት ዝተማህሩ ኤርትራውያን  ከምኡውን ገዳይም ተጋደልቲ ዝርከብዎ ኣገዳሲ ናይ ቃልሲ ቦታ

ምዃኑ ብብዙሓት ውድባት ተዘንጊዑ ዝጸንሐ ይመስል። ብመሰረቱ’ውን እዚ ቦታ’ዚ

ናይ ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ማእከላዊ ቦታ ኰይኑ ዝጸንሐ ኢዩ።

     እቲ ንትምክሕትን ጽበትን ኰነ ካልእ ምስ ህዝባዊ ሓልዮት ይኹን ዲሞክራሲ ዘይተኣሳሰር ውልቃዊ ወይ ጕጅለኣዊ ጠቕምታት ላዕልን ታሕትን ምባል፡ መፍትሒ ናይ ሃገራዊ ሽግራትና ዘይኰነስ መናውሒ ናይቲ ክትዛረበሉ ዘስደምም ሽግራት ህዝብናን ሃገርናን ምዃኑ፡ ኣብ ዝተወደበ ይወደብ ኩሉ ዘስተብህለሉ ዘሎ ይመስል።ምልክት ናይ ጽቡቕ ተስፋ ምዃኑ ይርድኣኒ

     ብመሰረቱ እቶም ነዚ ዝተኻየደ ዕውት ኣኼባ ንኽግሃድ  ዘይተቘጠበ ጻዕርታትን ተወፋይነትን ዘርኣዩ ኣባላት ጨንፈር፡ ከምኡውን እቲ ኹሉ ዝተረኽበ

ኣኼበኛ ዘርኣዮ ሰናይ ኣቀባብላን ተሳትፎን፡ ነቲ መንገዲ ቅኑዕ ቃልሲ ኣብ ምልላይ ይኹን ምስዓብ ክሳብ ክንደይ ትግሃት የርኢ ከምዘሎ ዘንጸባርቕ ይመስለኒ።

     ብልክዕ’ውን ተጋዳላይ ተወልደ  ኣብ ዝህቦ መግለጺታቱ ይኹን ዝምልሶ ሕቶታት ዕምቘትን ስፍሓትን ብዝተሰነየ ኣገባብ ብንጹህ ቅንዕና ናይ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሕልናን ተመኵሮን ስለዘሰንዮ ብዓይነታዊ መዐቀኒ ኣብ ማንም ኣኼባታት ዝርከብ ሓበሬታን ርእይቶን ስለዘይኰነ፡ ንኣቓልቦ ናይ ብዙሓት ኣኼቤኛታት ዝማረኽ ኢዩ ነይሩ እንተተባህለ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኰነን።

     ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ካብ ቦስቶንን ከባቢኣን፡ ምሁራት፡ ናይ ቀደም ተጋደልቲ፡ኣባላት ውድባት ከምኡውን ብዙሓት ደቀ-ኣንስትዮ ዝተሳተፍዎ

ኣኼባ፡ሕቶታት ወይ ዘይበርሀ ነገራት ኣሎኩምዶ እንዳተባህለ ብምሉእ ምትዕግጋብ

ዝተዛዘመ ትምህርታዊ ኣኼባ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።

     ኣብ መወዳእታኡ፡ ተጋዳላይ ተወልደ ኣብ ጽባሕ መዓልቲ ኣኼባ ክምለስ ስለዝነበሮ፡ ነቲ ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን  ክዘራርብዎ ዝነበሮም ድሌት ከማልእ እኹል ግዜ ዘይምርካቡ እንዳሓዘነ፡ ንመጻኢ እኹል ግዜ ዝረኽበሉ መደባት ክሰርዕ ተስፋ ከምዘለዎ ብምሕባር ተሰናበቶም።

                                 ብሳግማዊ

                                 12-07-07

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1090

Posted by on Jul 12 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net