መላእ ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዝተረኽብሉ ኣኼባ ተኻይዱ

3 ለካቲት 2018

 

ኣቦ መንበር ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ዝመርሖ መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ዝተረኽብሉ ብዕለት 3 ለካቲት 2018 ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብ መኽፈቲ ቃል ኣኼባ ኣቦ መንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ንኣባላት ሰልፊ እንቋዕ ደሓን መጻእኹም ድሕሪ ምባሉ፡ ሰልፍና ካብ’ቲ ኩሉ ላዕሊ ታሕቲ፡ ዝተኻየደ ሓያል ምእራም ቃልሲ፡ ፈተነ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዕርቅን ዘተን፡ፈተነ ምሕያል ሰልፍን ስኒትን፡ ተሪር ሓድነት ንምስፋን ዝሓለፈ ሓርጎጽጎጽ ኣብ’ዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ፡ ንዕብየት ህዝባዊ ቃልሲ ብኸም’ዚ ተኣኪብናዮ ዘሎና፡ መጻኢ መደባትና ክንሰርዕን፡ ተደጋጊፍና ክንቃልስን ዝበቃዕና እንቋዕ ሓጎሰና በለ።

ብምቅጻል ከም ኩሉ ኣባል ሰልፊ ዝፈልጦ ጸልማት መጻኢ ዝፈጠሮ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ደጊምና ደጋጊምና ንምዝራቡ ዘይኮነስ፡ ነዚ ከቢብዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ሽግራት ንምፍታሕ ንዝተበገስናሉ ህዝባዊ ዕላማ ኣብ ሽትኡ ንምብጻሕ ዝካየድ ቃልሲ ብምትእምማን፡ ብምትሕግጋዝ ኣብ እነበርክቶ ሃገራዊ እጃም ብዝረአ ውጽኢታዊ ፍረ ዓወት ብምስራት ንምልሶ ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ህዝብና ኣብ ርእሱ ንዝወርዶ ዘሎን፡ ብዛዕባ ብገዛእ ርእሱ ዝርእዮን ዘሎ ጸገማት ማሕበራዊ ናብራ፡ ዘይምዕሩይ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተመሊስና ክነግሮ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣንቂልናዮ ዘሎና ቃልሲ ኣንፈቱ ንህዝባዊ ዓወት ዝመርሕ ቃልሲ ፡ሕቶ መሰልን ፍትሕን፡ ሕቶ ልዕላውንት ሕጊ ኣብ ሃገርና ክትከል፡ ብግርብሪ ክንቅላስ፡ውሕስነቱ ክረጋገጸሉ መልእኽቲ ብስራት ምትሕልላፍ እዩ ክምለስ ዘለዎ። እዚ ብኣፍ ክትዛረቦ ቀሊል ኣብ ትግባረ ግን ከቢድ ዝኾነ ሃገራዊ ዕማም፡ ንህዝብና እነተስፍዎ ተስፋ፡ ክንዲ’ቲ ዓቕምና ዝፈቅዶ ስርሓትን ክብደትን፡ ተስፋ ቀጻልነት፡ ቆራጽነት ቃልሲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት እዩ። ሰዲህኤ ካብ ዘየሎ ዝነቅል ባዶ ተስፋ ዘይኮነ፡ ከም’ዚ ዝተጠቅሰ ብዓቅሚ ቃልስና ንረብሓ ህዝብና ሃገርናን ዝሓንጸጽናዮም ዕላማታት ንምትግባሩ ነርእዮ ድልውነትን ቆራጽ መብጽዓታት ዝተመስረተ ተስፋታት’ዩ። ቃልስና እዋናዊ ሕቶታት ንምግጣምን ንዝዓበየ መድረኽ ቃልሲ ንምስግጋር ብግሉጽነት፡ ዲሞክራሲያውነት፡ ተሳተፍነት ብዘረጋግጽ ክፉት መድረኽ ንዕድላት ድሌት ህዝብና ዝህብን ዝኸፍትን፡ ኣብ እንካን ሃባን ዘተን ምርድዳእን ዝተሞርኮሰን ህንጸት መሰረት ዲሞክራሲ ንነፍሱ ባዕሉ ዝገልጽ ሓይሊ ምትእስሳር ዕላማን ተግባርን’ምበር ካልእ ምስጢር ከም ዘይብሉ ኣነጺሩ ገሊጹ።

ኣቦ መንበር ተስፋሚካኤል፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሰልፊ ክገልጽ እንከሎ፡ ንድሕሪት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ተመሊሱ ተሞክሮታት’ኳ እንተገለጸ፡ ብዝያዳ ርጡብን ብዝተጸንዐ ኣገባብ ንዝቀርብ ሚዛናዊ ገምጋማትን ክህሉ ስለ ዝኾነ ሓደ ሸነኽ፡ ኩልና ከኣ ሓቢርና ዝሓለፍናዮን ዝሰማዕናዮን ኩነታት ስለ ዝኾነ ኣብኡ ግዜ ክወሰደልኩም ኣይደልን። ይኹን ደኣ’ምበር እቲ ብመሰረታትን መራሕትን ዝቀርብ ዝነበረ ጠለባት ዘተ ንዋዕላ፡ ደረቅን ዘይቅየርን ንዓይ ጥራሕ ስምዑኒ ዝብል፡ ሕጊ ጥሒሱ ባይቶ ንዘሕለፎ ውሳኔ ንምእራሙ ዝተገብረ ውሽጣውን ግዳማውን ጻዕርታት ኣብ ዕጹው መንገዲ ዝበጽሓሉ ህሞት፡ ብኣማኻሪት ሽማግለ ዝተመዘት ኣምራጺት ሽማግለ ኣቢሉ ነዚ ሕጂ ቆይሙ ዘሎ መሪሕነት ባይቶን፡ ፈጻሚት ሽማግለ ክበጽሕ ከም ዝኸኣለ ኣብኡ ዝተኻየደ ቃልሲ ብደቂቕ ንኣባላት ገሊጹ፡ስለ እቲ  ዘይሕለል ሓያል ቃልሲ ኣሞጉስዎ።

ድሕሪ’ዚ መግለጺ ኣቦ መንበር ቀጺሉ፡ እቲ ካብ ገገለ ወገናት ኣንጻር’ዚ ሰልፊ ዝነጻጸር ዘይፍትሓዊ ጸለመን ክስን መልሲ ንምሃቡ ግዜ ካብ ምውሳድ፡ ነቲ ዝተበገስናሉ ዕላማ ኣብ ግብራዊ ንምትርጓሙ ንረብሓ ሰልፍን ህዝብን። ደምበ ተቃውሞ ከኣ ብሓፈሻ ንምውዓል ስለ ዝምረጽ፡ ነቲ ጸለመን ክስን መልሲ ንምሃብ ንህወኸሉን ንጎየሉን ኣይኮነን፡ ኣብኡ ተሸኺልና ከኣ ንምጉተሉ ንዕኡ ዝኸውን ግዜ ሓይልን የብልናን፡ እንተኺኢልና እቲ ንውንኖ ሓይልን ዓቕምን ተሞክሮን ንሓድነትን ስኒትን፡ ንሰላማዊ ዘተን ምርድዳእን ‘ምበር ደድሕሪ ዝተጻሕፈ ክስን ጸለመን ክንጓየይ ንሕልፎ ግዜ፡ ነጥፍኦ ሓይሊ ኣይክህልወናን’ዩ። ንኩሉ ግዜ ኣለዎ። ንሕና ካብ በቲ ብጸለመን ክስን ንግለጸሉ፡ ብዝያዳ ብዕላማታትናን ተግባራትናን ክንግለጽ እንጽዕረሉን እንደኽመሉን፡ ክንጽዕረሉን ክንደኽመሉን ዘሎና መድረኽ ምዃኑ ኣብሪሁ ጸዊዑን። ምናልባሽ ብዛዕባ’ዚ ክለዓል ዝኽእል ሕቶታት’ኳ እንተሃለወን ዘይሰሓት’ውን እንተዀነ ኣብ መወዳእታ ንዘርብሓካ  ኣገባብ ምሕሳብ ምርጫ’ዩ። ምርጫና ከኣ ብዝያዳ ሰልፍና ክሕይለሉ፡ ሰልፍና ንዝተበገሰሉ ዕላማ ክሰርሕ ግዜን ዓቕምን ተሞክሮን ናብኡ ምውፋር’ዩ እቲ ዝሓሸን ዝበለጸን ምርጫታት። ኣገባብ ኣወፋፍራና ኣብ ቃልሲ ከኣ ንኩሉ ክምልሶ እዩ። ንሕና ክንብሎ ዘይንደሊ’ምበር ክበሃል ዘለዎ ስለ ዝተሳእነ ኮይኑ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ኩሉኹም ትፈልጥዎን ዝነበርክሞ ስለ ዝኾነ ሓድሽ ኣይኮነን። ንህዝብና ከኣ ኣብ ዕላማታትና ማዕረ ክንደይ ከም ንሰርሕ ደኣ’ምበር ክስታት ማዕረ ክንደይ ከም ንምልስ ኣይኮነን ዘገድሶ። ጽፈት ስርሓትና ከኣ ኣብኡ ነምስክር። ምስ ደለይቲ ፍትሒ እንፈጥሮ ዝምድና ኣብ ልዝብን ዘተን ዝተሞርኮሰ ፖለቲካዊ ውሳኔ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣቢልና ምስ ኩሉ ስኒትን ሰላም ዘረጋግጽ መስርሕን ስርሓትን ካብ’ቲ ኣገደስቲ ኣጀንዳታትናን ዕዮ መሪሕነት ምዃኑ ከረጋግጽ እፈቱ። ጽን ኢልኩም ንስለ ዝሰማዕኩምኒ የመስግነኩም።

ኣቦ መንበር ሒዝዎ ንዝቀረበ ኣጀንዳታት ድሕሪ ምቅራቡ፡ ግደ ኣባላት ሰልፊ ኮይኑ ሓደ ብሓደ ርእይቶ ሓሳባት፡ ሕቶታት ቀሪቡ። ኣባላት ብዛዕብ ክህልዎም ዘለዎ ምግላጽ ነጻ ርእይቶን ሓሳብን፡ ብዛዕባ ዕድመ መሪሕነት፡ ጉባኤ ሰልፊ፡ ፍሉይ ሽማግለታት ወዘተ ነቲ ብኣቦ መንበር ዝቀረበ መደረ ኣህብቲምዎን ኣስፊሕዎን።

ሀ/ ሰዲህኤ ንሓድነት መሬትን ህዝብን፡ ንላዕላውንት ሕግን ስርዓትን፡ ዲሞክራስያዊ ህዝባዊ ስልጣን ንምጭባጥ፡ ኣብ ስኒትን ሓድነትን፡ ዘተን ምርድዳእን ዝኣምን፡ ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስርሓት ምስ ሃገራውያን ሓይልታት ብሓባር ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ክቃለስ ዘለዎ ድልውነትን ኣብ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤኡ ዝሓለፈ ውሳኔታቱ ዝልለ ምዃኑ።

ለ/  ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርና ዝካየድ ቃልሲ ከኣ ኣብ’ዚ ልዕል ክብል ዝተጠቅሰ ኣዕኑድ ሃገራዊ መርሓ መሰረት ዝገበረ ኣተሓሳስባን፡ ኣብ ክሊ’ዚ ኣተሓሳስባ ዝዓሰለ ኣባል ንመሰሉን መሰል ህዝቡን ዜጋታቱን ብሓድነት ጠጠው ዝበለ ምዃኑ ኣትኵሮ ሂቡ ሓሳብቱ መብጽዓታቱ ንምትግባር ዝገለጸ።

ሐ/  ኣብ መንጎ ኣባላትን መሪሕነትን ክህሉ ዝኽእል ዝምድናታት ከኣ መሪሕነት ልኡኽ ህዝብን ሰልፍን፡ ልኡኽ ውሳኔታት ጉባኤ’ምበር፡ ሰልፊ ልኡኽ መሪሕነት ወይ ኣገልጋሊ መሪሕነት ከም ዘይኮነ ብንጹር ተዘሪብሉ።

መ/ ሰዲህኤ ወገን ውጹዓት ህዝብና ብምዃን ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ብዘይድሌቶም ተገዲዶም ሃገሮም ገዲፎም ዝወጹ፡ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ዝጎደሎ ሕማቕ ሂወት ንዘሕልፉ ኣብ ቦታ ስደተኛታት ንዝርከቡ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ንዘጋጥሞም ዘሎ በደላት፡ስቅያት፡ ንኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም፡ ንተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውያቶም ክስምዓሉ ክሰርሕን ክቃለስን ከም ዘለዎ ኣብሪሁ።

መላእ ኣኼባ ሰልፊ ንነዊሕ ሰዓታት ዝተኻየደ፡ ብዝተፈላልየ ሓሳባትን ርእይቶን፡ ሕቶን ለበዋን ዘህብተመ ህዱን ርጉእን ኣኼባ ተኻይዱ ብስምምዕ ኣብ ምዱብ ግዜኡ ዛዚሙ።

3 ለካቲት 2018

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽር ንስውኣትና

ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

ክንዕወት’ና

 

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10933

Posted by on Feb 6 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net