ናይ-ሞት-ዕርፍቲ ናይ ክቡር ኣቦና ሓጂ-ሙሳ መሓምድኑር

ኩቡራትን ኩቡራንን ኣባላት ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ አብ NRW፤

ኩቡራትን ኩቡራንን ደቂ ሃገር፤

ብቀዳምነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም ክብል እፈቱ! እንቋዕ ከአ ኣምላኽ ነዚ ክቡር መዓልቲ አብቅዐናን፣ ብድሓነ-ሰላም አኻከበናን!

ከምቲ አብ መጸዋዕታ-ዕድሜና ነዚ መዓልት’ዚ እውን ተጠቒሱ ዚነበረ፣ ሎሚ አብዚ ኣኼባ’ዚ ተራኺቡናሉ ዘሎና ምኽንያት ናይ ቀረባ መዓልታት መስዋእቲ ናይ ዓበይትን ሓርበኛታትን መራሕትና – ብቐንዱ ከአ ናይ-ሞት-ዕርፍቲ ናይ ክቡር ኣቦና ሓጂ-ሙሳ መሓምድኑር ኴይኑ፣ ንሕና ከም ኤርትራወያን ዜጋታትን ከም ደለይቲ ፍትሕን መጠን ከአ እንሆ፡ በዚ አቢልና ተሳታፍነትናን ብድሆናን አብቲ ከቢድ ሓዘን ንገልጽ።

አብ ዕለት 2 ናይዚ አቲናዮ ዘሎና ወርሒ መጋቢት፣ ኤርትራ ሓደ ተባዕ ኣቦ ብሞት አፋንያ። ወዲ 94 ዓመት ዚነበሩ፡ ስዉእ-ኣቦና ሓጂ-ሙሳ መሓመድኑር አብ ዚሓለፈ ዓመት፣ ማለት አብ ባሕቲ ሕዳር 2017 አብ ኣኽርያ አብ ቅድሚ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል-ኢስላምያ (መድረሳ ኢስታዝ በሺር) አብ ዚገበርዎ ቅሉዕ መደረ፣ ብዓውታ ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ መኪቶምን በዲሆምን ስለ ተዛረቡ ካብሻቡ አብ ጽኑዕ ማሕቡስ ተዳጒኖም ጸኒሖም ነይሮም ኢዮም። ብድሕር’ዚ ልክዕ ድሕሪ 4 ኣዋርሕ ድማ አብ’ቲ ዚተመቚሑሉ ቤት-ማእሰርቲ ብሞት ሓሊፎምሲ ህዝብን ቤተሰቦምን ንኽቀብጹ ንቀብሪ ተባሂሉ ከተማ ኣስመራ ሬሳኦም ተረኪባ። ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኣስመራን ድማ ንስዉእ ሓርበኛ ብዚግባእን ብዚበቅዕን ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ጌሩ አብ መቓብር ሼኽ ኣልኣሚን ድብኣተ-መሬት ፈጺሙሎም። ከም ዚዝከር ከአ አብ ግዜ ማእሰርቶም ብከቢድ ምንዕዓብን ሰልፍን ተሰንየ ካብ ኣኽርያ ክሳዕ ሹቕ አቢሉ ዚወረደ ምንቅስቓስ ተጌሩ ነይሩ፤ ከም ጠንቂ ናቱ ድማ ብዙሓት ተሳተፍቲ ናይቲ ናዕብን ኣካየድቲ ናይ’ቲ ቤት ትምህርትን ተመቝሖምሉ ኢዮም። ትማሊ አብ ዕለት ግብኣተ-መሬት ናይ ኣቦና ሓጂ ሙሳ’ውን እንተኾነ ከምኡ ህዝቢ ተሓፊሱ ናብ ማእሰርቲ ከም ዚተወሰደ ማዕከናት ዜና አተንቢሀን አለዋ። ከምቲ ዚውረ ከአ ከም ጠንቂ ናይዚ ዳግማይ ማእሰርቲ’ውን ዚቐረበ ጉልባብ፡ ፖሊስ ነቲ ተሳታፊ ናይ ስነ-ስርዓት-ቀብሪ ዚነበረ ህዝቢ በቀጥታ ናብ መቓብር ንኺወርድ ገድጊዶም አብ ምቕናዕ ከለዉ፣ ህዝቢ ግን ንፖሊስ ፈንጢሱ ቅድም ቀዳድም ጸሎት (ወይ ዱዓ) ከብጽሕ ናብ’ቲ ዓቢ  መስጊድ ናብ ማእከል ከተማ ኣስመራ አቢሉ ፈንጺጉ ስለ ዘቕንዐ’ዩ ይበሃል።

እሞኸድኣ፣ እቲ ሓቀኛ መበገሲ ናይ’ቲ ኩሉ ጉዳይከ፣ ማለት ክሳዕ ወዲ 94 ኣቦ ንብድሆ ዘላዓለ ጠንቂ’ኸ ብስሩ እንታይ ነበረ?

ከም ዚፍለጥ አብ ዓመት 2017 ስርዓት ህግደፋዊ ምልኪ አብ ኤርትራ ሓደ ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ ዚሰምዮ መደብ አተአታትዩ፣ ነዚታት ህግደፋዊ-ፖሊሲ አብ ግብሪ ንምውዓል ከአ ንኹለን እተን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ አብ ስርዓተ-ትምህርቲታትን ወሲኸን ዘስተምህራ ኣብያተ-ትምህርታት (ማለት ናይ ክርስትያን ይኹና ናይ ኣስላም ትምህርታዊ ትካላት) ዓጽዩ ብናቱ ህግደፋዊ መደበ-ትምህርትን ናይ ዓይነት አመሃህራ ህግደፋዊ-ቅድን ክትክአን መምርሒ ልኢኹ ነይሩ። ብከምዚ ከአ ስርዓት ህግደፋዊ ምልኪ አብ ኤርትራ ካድራቱ ልኢኹ አብ ዚገብሮ ዚነበረ ርኽክባት፣ ነቶም ናይ ድያእ ተመሃሮን ወለድን መማህራንን አብ ዚተገበረ ኣኼባ፣ ኣቦና ሓጂ-ሙሳ “እዘን ተሸፊነን ዚኣትዋ ዘለዋ ናኣሽቱ ኣዋልድ ኣስላም ኢየን፣ ደቅና ደቂ ኣስላም ከአ ኢየን፣ ንሕና አብ’ዚ እናሃሎና ድማ ጽንጽያ-ዓይኒ ዘንፍረለን ሰብ እንተልዩ ሹት ክንርኢ ኢና” ቢሎም ማይክሮፎን አልዒሎም ዚተዛረቡን ዚበድሁን።

እሞ እምበኣር እዞም ኣቦ፡ ንነብሶም አብ ቅድመ-ግንባር ልምድታትን እምነታትን ናይ ህዝቢናን ናይ ተማሃርቲ ደቆምን ብምብጃው፤ “ኣነ ብህይወት ከሎኹ ባህለይን እምነተይን ክርገጽ አይፈቅድን’የ፣ እኳ-ድኣ ንሂወተይ ብታንክታትኩም ረጊጽኩማ ትሓልፉ” ብዘስምዕ ዓውታ እዮም በዲሆም። ግደ ሓቂ ከአ ስርዓት ህግደፋዊ ምልኪ አብ ኤርትራ ዘይኮተመሉ ናይ ባህልን እምነትን ትካላት፣ ብኢደ-ወነኑ ዘይቀንጠጦም መሻይኽን ጳጳሳትን አብ ሃገረ-ኤርትራ ክትረክብ ጨሪስካ ዘይሕሰብ ኢዩ። ንህዝብና ብራዕድን ፍርህን ሸቖጥቆጥ ንኸብሎ፡ ሎም-ግዜ ስርዓት ህግደፋዊ ምልኪ አብ ኤርትራ ኢዱ ዘይመለሰሉ መሳጊድን ኣድባራትን አብ ውሽጢ ሃገር የሎን። ስርዓት ህግደፋዊ ምልኪ አብ ኤርትራ አብ ሎም-ግዜ፣ ዋላ አብ ዲያስፖራ ከይተረፈ፣ ንኤርትራዊ ህዝቢ ዚራኸበሉ ምኣክል-ባይታ እናዞረቘ ንኹሉ ማሕበራውን እምነታውን ክብርታትና ይዘርግ ምህላዉ ዚኽወሎ ጥዑይ ሰብ አብ መንጎና ዚህሉ አይመስለንን። እሞ ድአ እቶም ስዉእ ኣቦ ካብ ኩላትናን ካብ ነፍሲ-ወከፍናን ክውርወር ዚነበሮ ድምጺ እንዳኣሎም ንስርዓት ህግደፋዊ ምልኪ አብ ኤርትራ አብ ቅድሚ ገጹ ፈንየምሉ።

ብመንጽር እዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ክርአ ከሎ፦ማለት

  • ዕላማ ናይ ባህልታትካን ልምድታትካን ምኽባር፣
  • ዕላማ ናይ መንነታትካን ክብሪታትካን ምክልኻል፣
  • ዕላማ ናይ ማሓብራትካን ትካላትካን ምዕቃብ

…ወዘተረፈ እምበኣር’ዩ ንብድሆ ኣቦና ሓጂ-ሙሳ አብ ናይ ተጋዳላይን አብ ናይ ስዉእን ደረጃ ጅግንነት ብኽብረ-ሞጎስ አበሪኹ አብ ዚኽሪታትና ንዘላኣለም ዘቐምጦም። ልዕሊ ተጋዳላይ ኣዕሪጉ’ውን ንተግባራት ኣቦና ሓጂ-ሙሳ ብዓይኒ civil courage ወይ ብዓይኒ በርጌሳዊ ትብዓት ዚግለጽ ብልጫ ዘለዎ’ዩ። እዚ ከአ ብጻልጣኡ ክውሰድ ዘለዎ፡ ሕቶ ሰብኣዊ ክብርን ሕቶ ሰብኣዊ መሰልን’ዩ።

  • ስለዚ ድማ’ዩ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ፣ ብፍላይ ከአ ህዝቢ ኣኽርያ – ቆፎኡ ከም ዚተተንከፈ ንህቢ – ንግዳም ወፊሩ ንናይ’ቲ ስርዓት ህግደፋዊ ምልኪ አብ ኤርትራ ታንክታትን ጸጥታዊ መጋበርያቱን ብደናጉላ ዚተማዓቶም።
  • ስለዚ ድማ’ዩ ደለይቲ ፍትሒ ዚኾኑ ኤርትራውያን አብ መላእ ዓለም አበዮ ከተማታቶምን ሃገራቶምን ዓበይቲ ህዝባውን ሰላማውን ሰልፊታት ወዲቦም ንተበግሶ ኣቦና ሓጂ-ሙሳ ደገፎም ዘረጋገጹ።
  • ስለዚ ድማ’ዩ ንሕና ሎሚ’ውን አብዚ ዳግም ተኣኪብና ንምልካዊ መሓውር ስርዓት ህግደፋዊ ምልኪ አብ ኤርትራ ንብድህን ንጅግና ኣቦና ሓጂ-ሙሳ መሓመድኑር ብክብረ-ሞጎስ ንዝክሮምን ዘሎና።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ብጾት ደቂ-ሃገር!

ሎሚ-ሎሚ ዕርፍቲ ብሞትን ብመስዋእትን ናይ ጀጋኑ መራሕትና ከም ተባራሪ ወረ ኴይኑ ይመጸና አብ ዘሎሉ ህሞት ብሓደ ሸነኽ፣ ከምኡ ንዓሰርቴታት ዓመት ብዘይ ምቚራጽ ዚኸደን ዚኸይድ ዘሎን ናይ ሞትን ወረ-ሞትን ናይ መርድእ ዜናታት ድማ ብኻልእ፣ ነዚ ዓይነት ህይወት ተለማሚድናዮን ከም ሓደ ልሙድ ነገር ናይ ምውሳዱ ባህሪ ከይነጥርን ዘየስግእ አይኮነን። ሓንጎል ወዲ ሰብ እንሓንሳብ ካብ ዓሚቚ ሓዘንን መጠን ዚሓለፎ ናይ ዜጋታቱ ግፍዓዊ ቅትለታትን ተላዒሉ፣ ነቲ አብ ባይታ ዘሎ ሓቂታት ምጻሩ ይስእን’ሞ ናቱ ናይ ከያኖ-ዓለም ፈጢሩ ንኽሓልፎ፡ ሰሚዑ ከም ዘይሰምዐ፣ ርእዩ ከም ዘይርኣየ ጌሩ ዚጓዓዘሉ ተርእዮታትን ምርጫታትን አሎ’ዩ። ስርዓት ህግደፋዊ ምልኪ አብ ኤርትራ ንኤርትራዊ ስድራታት ወግሐ-ጸብሐ ብጕዳይ ሞትን ጠንቂ-ሞትን፦

  • እንሓንሳብ ሰቦምን መቕርቦምን ካብ ሮሻን ከም ዚጸደፉ/ፋ ወይ ነብሰ-ቅትለት ከም ዚፈጸሙ/ማ፣
  • እንሓንሳብ ላም ወጊኣቶ/ታ ትንፋሱ/ሳ ከም ዚሐለፈት
  • እንሓንሳብ መኪና ገጭያቶ/ታ ወይ ካብ መኪና ጸዲፉ/ፋ ከም ዚሞተ/ተት

…ወዘተ፤ መቸስ እቲ ምስምሳት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ፤ እሞድማ ብዘይ ሳዓቢ ሕቶታትን መርመራታትን ሬሳኹም አልዒልኩም ቅጽበት ንመቓብር ውሪድኩም ሰብኩም ድፈኑ ቢልካ ግዴታን ታእዛዝን ዘለዎ’ዩ። እዚ ነቲ ቅሉዕን ካብ ህዝቢ ክትክውሎ ዘጸግም ሬሳታትን ዚግበር’ዩ።

ካብዚ ብዝገደደ አብ ፈቐዶ ጎዳጕድን ናይ ኮንተይነራት ቤት-ማእሰርትን ዚፈጸም ሰዳድ-ወረ ዘይብሉ ናይ ኣሽሓት ምርሻናት አሎ። ተጻርየሉ ኣገባብ ስለ ዘየለ ከአ፡ ንኽትቅበሎ ብዘጸግም ናይ ህቡባት መራሕቲ-ነበር ተጋደልቲ ብሞት-ምሕላፎም ከይተረፈ ብስርቕ-ምርቕ ይንገረና’ሎ። ንበዓል ነጎዳ ብሓዊ ቶኩሶ ኴይኑ ነገሩ ከአ፤ ነቲ ዓዘራ ብፍሉይ ገጹ ናይ ሲኦል-ሲኦል ዚገብሮ ካልእ ነገር’ውን አሎ’ዩ። ማለት ስድራ-ቤታትን ወለደኛን ናይዞም ብሞት ምሕላፎም ዚነገረሎም ጀጋኑ አብ ፈቐዶ ፓልቶካትን መርበብ-ዜናታት ከም ዓለሞም የጓነፎምን ብመርድእ ይብከሉን ምህላዎም’ዩ። ብዙሓት አብ ከባቦ 2000 ዓመት-ፈረንጂ ካብ ምኒስትሪታቶም ተሓፊሶም አብ ፈቐዶ ቤት-ማእሰርቲ ክማስኑ ዚጸንሑ ናይ ህግደፍ ዚነበሩ ዓበይቲ ሰበ-ስልጣንን ህቡባት ጋዜጠኛታትን ብፍላይ፣ ሎሚ ብህይወት ዘይመህላዎም ክንሕበር ጸኒሕናን ንሕበር አሎናን። ገለ ካብኡ ከአ፦

  • ከም መስዋእቲ ምክትል ፕረሲደንት ነበር፣ ኣቶ ማሕሙድ ሸሪፎ
  • ከም መስዋእቲ ናይ እስታፍ ኣዛዚ ነበር፣ ኣቶ ዑቕበ ኣብርሃ
  • ከም መስዋእቲ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ነበር፣ ወይዘሮ ኣስቴር ፍስሓጽዮን
  • ከም መስዋእቲ ኣቶ ጀርማኖ ናቲ
  • ከም መስዋእቲ ኣቶ ሓሚድ ሑመድ
  • ከም መስዋእቲ ኣቶ ሳልሕ ከኪያ

…ወዘተ ብከምቲ አብ ላዕሊ ዚተጠቕሰ ዘይንቡር ኣገባብ ተዘርጊሑ’ሎ።

ልክዕ በዚ ዓይነትን ዘይንቡር ኣገባብን ድማ አብ ዕለት 19 ለካቲት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት መስዋእቲ ናይ ወጻኢ ጕዳያት ሓላፊ ነበር፣ ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ወይ መስዋእቲ ናይ ሓው ድሩዕ) ተዘርጊሑ’ሎ። ሓው ድሩዕ ሓደ ካብቶም ገዳይም ተጋደልቲ ኴይኑ ካብ 1966 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ አብ ሰውራ ኤርትራ ዚተቓለሰን ሓደ ካብቶም ንህዝባዊ ግንባር መሪሖም ናጽነት ዚርኣዩ ላዕለዎት መራሕቲ ነይሩ። እኳድኣ ሓደ ካብቶም ድሕሪ’ቲ ብኵናት-ባድመ ዚፍለጥ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን አብ ኣመራርሓ ስርዓት ህግደፋዊ ምልኪ አብ ኤርትራ ከብቅዕ ንለውጢ ዚጸውዐ ምንቅስቓስ፣ ማለት ሓደ ካብቶም ቀንዲ መራሕቲ ናይቲ ብጕጅለ 15 ዚፍለጥ ምንቅስቓስ ነይሩ። እቲ ምንቅስቓሶም ስለ ዘይተዓወተ ከአ ከም ሳዕቤኑ ሓው ድሩዕ’ውን ብስርዓት ህግደፋዊ ምልኪ አብ ኤርትራ ተዓፊኑ ናብ ማእሰርቲ ስለ ዚኣተወ ንኣስታት 20 ዓመታት አብ ቤት-ማእሰርቲ ዒራዒሮ ብሕማምን ብሕሰምን ክማስን ጸኒሑ። ብዛዕባ ኵነታቱ ይውረየሉ ከም ዚነበረ ከአ ሕማም ሽኮር ስለ ዚነበሮ ኵሊታቱን ኣዒንቱን ጠሊምዎ ብዘስካሕክሕ ሃለዋት ይሓልፍ ምንባሩ’ዩ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር!

አብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብዛዕባ ታሪኽ ናይ’ቶም ብስርዓት ህግደፋዊ ምልኪ አብ ኤርትራ ዚተጨውዩን ዚተመቚሑን ኣካል ህዝብናን ተጋደልትናን ዚኸኑ ጀጋኑና ከነልዕል ቦትኡን መዓልቱን አይመስለንን። እንተዚፍተን’ውን ንስፍሓትን ዕምቆታትን ቃልሶም ከይበደልካ አብዚ መደረ’ዚ ክትሕውሶም አሸጋሪ ምኾነ ነይሩ። ስለዚ ታሪኽን ግደን ናይ እገለን እገሊትን ንምንጋር ዘይኮነስ ነቲ ኵነታት ቃልስና ንምንጸብራቕ ጥራይ’ዩ አበዚ መደረ’ዚ ተፈቲኑ ዘሎ። ናይዞም ብስም ዚጠቐስናዮም ገዳይም ተጋደልትናን መራሕትናን እንተኾን እውን ካብ ግዴታቶምን ቃልሲታቶምን ኣዝዩ ውሑድ ጭልፊት ጥራይ’ዩ ክኸውን ዚኽእል። ይኹን’ምበር ኩላትና አብዚ ክንሰማምዓሉ እንኽእል ነገር አሎ’ዩ።

ናይ ህዝብናን ዜጋታትናን ማእሰርትን ሞትን ክንብድሃሉ እንኽእል እንኮ-ምርጫ ሕጂውን ሓቢርካን ተቢዕካን ብግብሪ ተላዒልካ ምቅላስ’ዩ። ስለዚ ዋላ አብዚ ዘለናዮ ናይ ስደትና ቦታ ኴንካ’ውን ንስርዓት ህግደፋዊ ምልኪ አብ ኤርትራ ንምውዳቕን አብ ሃገርና ፍትሓውን ደሞክራስያውን ለወጢ ንምምጻእን ነቃላልሳና ነሕንኖ ንሓድነትና ከአ ነትርሮ።

ዘላኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ብሓድነትናን ሕኑን ቃልስናን ክንዕወት ኢና!

ብጽሞናን ብዓቢ ዓቕልን ስለ ዚሰማዕኩምኒ ክብረት ይሃበለይ!

ተክልሰንበት ተኽላይ

ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ አብ NRW

See below:

Some of the pictures from the Cologne public meeting of 17 March 2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10958

Posted by on Mar 19 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net