መግለጺ ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዘተ !!

ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዘተ ብተበግሶ በርገሳዊ ማሕበራት፣ “ፎሩም ኤርትራዊ ሃገራዊ ዘተን” “ማእከል ዜና ኤርትራን” ካብ ዕለት 7 ክሳብ 8 ምያዝያ 2018 እዞም ኣብ ትሕቲ ኣስማቶም ሰፊሩ ዘሎ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ነጻ ሃገራውያን ባኣታትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፣ “ፖለቲካዊ ዘተ ንሓባራዊ ዕዮን ሕብረተሰባኣዊ ጥምረትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፣ ኣብ ከተማ ሎንደን ተጋቢኡ። በዞም በርጌሳዊ ማሕበራት ዝተወስደ ተብግሶ ኣብ ታሪኽ ደምበ ተቓውሞና ኣውንታዊ ድርኺት ዝፈጥር ዓይነታዊ ተበግሶ ምዃኑ ብምራኣይ  ዋዕላ መጊሱ።

ኣብዚ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ሰለስተ መሓውራት ዘቕነዐ ንምይይጥ ዝኸውን ዝተፈላለዩ ወረቓቕቲ ቀሪቡ፦

  • ገምጋም ሕሉፍ ተመክሮ ኣብ ኤርትራዊ ሓበራዊ ዕዩ፣
  • ሕድሕድ ምትእምማንን ሓባራዊ ስራሕን ብኸመይ ይህነጽ፣
  • ራእይ ዲሞክራስያዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ።

 

ነቲ ዝቐረበ ወረቓቕቲ መሰረት ብምግባር ዓሚቚ ዘተን ልዝብን ተኻይዱ። ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ንኸዶ ኣብ ዘሎና  ጉዕዙ ቃልሲ ዝገጥመና ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ሓባራዊ ተረድኦ ተበጺሑ። ኣብ መንጎ ሃገራውያን ዝካየድ ዘተ ቀጻሊ ክኸውን ድማ ርእዩ። ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዘተ ነቲ ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎን ዘተ ፖለቲካዊ ውድባት ዘራጉድን ዘዕዝዝን ምዃን’ውን ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ብዙሕ ዘተታት ፖለቲካዊ ውድባት ከጋጥም ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ዕንቅፋታ ብሰፊሕ ድሕሪ ምርኣይ ኣብ ቀጻሊ ዘተታት ኩሎም ምእንቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝቃለሱ ሓይልታት ክሳተፍዎን ናይ ዝኾነ ውድብ ጸጊዕነት ዘይብሎም ተዓዘብቲ ኣካላት ተሳቲፎም ዝተገብረ ዘተ ናብ ህዝቢ ብትኽክል ከም ዝተቓለሐ ዝከታተሉ ክህልዉ ብምግባር፣ ነጥበ ስምምዓት ብፍሩይ ንምቕራብን፡ ነጥበ ፍልልያት ንምጽባብን ሕድሕድ ምትእምማን ንምዕዛዝን ሓጋዚ ምዃኑ ርእዩ።

ኩለን ምስ ተቓውሞ ደምበን ደለይቲ ፍትሕን ዝዋሳኣ ናይ ዜና ማዕከናት ንሓድነት ህዝብን ሃገርን ከምኡ’ውን ንዕብየትን ሓያልነትን ደምበ ተቓውሞ፣ ቀዳምነት ሂበን ክሰርሓን ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዘተ ጸዊዑ። ኣብ ጉዕዞ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘለዎም ወሳኒ ተራ ብምንግንዛብ ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ኩሉ ደምበ ተቃውሞ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ርእዩ።

ኣብ ከባቢና ሰላምን ምርግጋእን እንተሃልዩ ንዓና ብኣወንታ ዝጸሉ ምዃኑ፡ ብኣንጻሩ ድማ ሰላምን ምርግጋእን እንተዘይሃልዩ ብኣሉታ ዝጸልወና ምዃኑ ብምርዳእ ንኹሉም ጉርባብትና ሰላምን ምርግጋእን ዋዕላ ምንዮቱ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን ኣንተ ዘይሃልዩ’ውን ንጎረባብትና ብኣሉታ ስለ ዝጸሉ፡ ህዝብና ምእንቲ ምርግጋጽ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘካይዶ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ደገፎም ክህቡ ዋዕላ ጸዊዑ።

ውሽጣውን ከባብያውን ኩነታት ሃገርና ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ህጹጽነቱ ምግንዛብ ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ተሳተፍቲ ዋዕላ ርእዮም። ደምበ ተቓውሞ ንዓኡ ዘንጸባርቕ ስራሕ ክሰርሕ ዘድሊ ምዃኑ’ውን ብኣጽምኦት ርእዩ። ህዝብና ኣብ ትሕቲ ህልዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘሕልፎ ዘሎ ኣስካሕካሒ ኩነታት ብምርኣይ፣ ዝፍጸም ዘሎ ዘይተኣደነ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንሓፈሻዊ ርእይቶ ዓለም ከም ዝቃላሕ ብምግባር፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ብዘይ ፍትሓዊ ፍርዲ ዝበልዮ ዘለዉን ገለ ካብኦም’ውን ንዓመታት ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ንምልቃቕን፡ ኩሎም   ዝምልከቶም ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ግዴኦም ንክጻወቱ፣ ሓባራዊ ጻዕርን ጎስጓስን ከም ዘድሊ ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዘተ ርእዩ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዝነጥፉ ዘለዉ ሃገራውያን 14 ሚያዝያ ከም “መዓልቲ ኤርትራዊ እሱር” ክትከውን ወሲኖም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ብምምጓስ፣ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብዓለም ደረጃ ግቡእ ቆላሕታ ንምርካብ ኩሎም ኤርትራውያን ግዴኦም ከበርክቱ ዋዕላ ጸዊዑ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምሉእ ዓለም፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኣሰቃቂ ሃለዋት ብምርኣይ፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ግቡእ ኣቓልቡ ክገብርን፣ ክሳብ ናብታ ተገዲዶም ዝገደፍዋ ሃገሮም ዝምለሱ፣ መነባብሮኦም ኣብ ምምሕያሽ ተርኦም ክጻወቱ ተማሕጺኑ።    

ኣብ ውሽጢ ሃገርና ብስርዓት ህግደፍ ዘይተወጸዐ ህዝቢ ስለ ዘይብልና ቃልስና ብቀንዱ ንውሽጢ ሃገር ዝጠመተ ክኸውን ምጽዓር። ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስትን ሰራዊትን ዘለዉ ዜጋታትና ኣብ ጎድኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቦም ደው ኢሎም ዕምሪ ዲክትቶርያዊ ስረዓት ህግደፍ ኣብ ምሕጻር ተራኦም ክጻወቱ ጸዊዑ።

ኣብ መደምደምታ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና፣ ንተግባራት ጨቋኒ ስርዓት ብጽንዓት ዝምክት ዘሎ ብምምጓስ፣ ባርነት ተቐንጢጡ ባና ሓርነትና ክበርህ ምዃኑ ተሳተፍቲ ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዘተ ኣረጋጾም።    

ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዘተ – ለንደን

8 ሚያዝያ 2018

 

መግለጺ ዝፈረሙ፦

ፖለቲካውያን ሓይልታ፡

  1. መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
  2. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
  3. ኤርትራዊ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ
  4. ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
  5. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
  6. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
  7. ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን
  8. መንግስቲ ዓፋር ኤርትራ ኣብ ወጻኢ
  9. ኤርትራዊ እስላማዊ ጉባኤ
  10. ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

 

 

በርጌሳውያን ማሕበራት፡

 

  1. መድረኽ ናህዳ ጀበርቲ
  2. መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ
  3. ማሕበር ኤርትራውያን ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን  መሰላት
  4. መድረኽ ሃገራዊ ዘተ
  5. ማሕበር ዜጋታት ንዲሞክራስያዊ መሰላት አብ ኤርትራ – ስድሪ
  6. ምንቅስቓስ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ

 

ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዘተ – ለንደን

8 ሚያዝያ 2018

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10980

Posted by on Apr 12 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net