መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዕል ኣልጀርስ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝተቀበሎ ቤት ምኽሪ ኢህኣደግ ውሳኔ ኣሕሊፉ፡

ትርጉም ሰዲህኤ

 

ትማሊ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ሰፊሕ ዝርገሐ ዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዕል ኣልጀርስ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝተቀበሎ ቤት ምኽሪ ኢህኣደግ መግለጺ ሂቡ ዝብል ጸዋዒት ሰላም’ዩ። እቲ መግለጺ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ስለ ዝዀነ ቀጺልና ብትግርይና ተርጕምና ነቅርቦ።

ኣብ’ቲ ቤት ምኽሪ ዝሃቦ መግለጺ ህልዉ ኩነታት ኢትዮ/ኤርትራ ብዕሙቐት ብምክታዕ ነዚ ዝስዕብ ሰላማዊ ጻውዒት ኣመሓላሊፉ። ኣብ ምንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ከብቅዕ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣሕዋት ዝኾነ ነባሪ ሰላም ክረጋገጽ ዝቀረበ ጻውዒት እዩ። ሰላም ብዘይምንባሩ ብኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኸፍለ ዋጋ ከቢድ እዩ። ሰላም መሰረት ኩሉ እዩ። መጻኢ ዕድልን ዕብየት ውልቀ ሰብ ክሳብ ብደረጃ ሃገር ክህልዎ ዝኽእል ሕልሚ ለውጥን ዕብየቱን ኣብ ሃደጋ ምስ ዝወድቕ ዝኾነ መደብ ልምዓትን ዲሞክራሲያን ንምክያድ ኣይከኣልን።ኣብ 1998 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተራእየ ዶባዊ ግርጭት፡ ብዕበየቱ ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ኵናት ኮይኑ ክልቲኡ ህዝቢ ብዙሕ ሂወት ሰብ ዝኸፈለሉ፡ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ካብ መንበሪኦም ዝተዘናበሉ ቤተ ሰብ ዝተበታተንሉ፡ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ህዝቢ ግዳይ ፍርሕን ኵናትን ከም ዝኾኑ ገይሩ’ዩ። ብንግዲ ዝናበሩ ህዝብታት ተጽዕኖ ፈጢሩ። ብሰፊሑ ኣብ መንጎ ክልቲ ህዝቢ ብቀሊሉ ዘይግመት ቁጠባውን ማሕበራውን ዕግርግር ፈጢሩ’ዩ።

መጻኢ ዝምድናታት እዘን ክልተ ሃገራት እንታይ ኮን ይኸውን ዝብል፡ ሕቶ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከምኡ’ውን ሕቶ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ድሕሪ ዶባዊ ኵናት ብውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ደገፍ ውዕል ኣልጀርስ’ኳ እንተተገብረ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ኣይሰላም ኣይኵናት ኩነታት ፈጢሩ ጸኒሑ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመት ሰላም ንምምላስ ዝተገብረ ፈተነታት ሓንቲ ውጽኢት ከምጽእ ኣይተኻእለን። እምበኣር ክሳብ ሕጂ በቲ ዝነበረ ኣካይዳ ሰላም ክረጋገጽ ካብ ዘየተኻእል ብሓድሽ ኣቋም መፍትሒ ክንረኽበሉ ንደሊ። ክልቲ መንግስታት ንህዝቡ ዘይሓሊ ኣይንብልን፡ ካብ ኣነ ይበለጽ ውድድራት ወጺኡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ድምር ፖለቲካዊ ምርግጋእን ሰላም ነባሪ ፍታሕ ክረኽበሉ ዝኽእል ጥዑይ ዝምድና ምስ ኤርትራ ምምስራት’ዩ። እዚ ዘይምግባርና ንክልቲኡ ኣህዛብን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብይ ዕድል ሓሊፎም። ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ ቅድም እንተኾነ ኣሕዋት’ዮም ብደም፡ ብባህሊ ብቋንቋን ናይ ነዊሕ ግዜ ታሪኽ ዝተኣሳሰሩ ህዝቢ’ዮም። ምእንቲ’ዚ ብጥቅሚ ዘይኮነስ ብደም ዝተኣሳሰሩ ሓባራዊ ጠቕሚ ክበሃል’ከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስን ዶባዊ ኮሚሽን ተቀቢሉ ብተግባር ክሰርሓሉ ብቁርጺ ከም ዝወሰነ ክገልጽ ይፈቱ። እዚ ናይ ሃገርና ፖሊሲ ኣሕይልና ክንሰርሓሉ ከም ንደሊ ደጊምና ክንገልጽ ንፈቱ። መንግስቲ ኤርትራ’ውን ተመሳሳሊ መርገጽ ብምውሳድ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ጸዋዒትና ተቀቢሉ ኣሕዋት ንዝኾኑ ህዝቢ ቅድም ንዝነበሮም ሰላም ንምምላስ፡ ብቀጻልነት ብዘይጥርጠር ክሰርሕ ቤ/ጽ ምኽሪ ኢህኣዲግ ንሓትት።

 

ትርጉም

ዜናን ሓበሬታ

ሰዲህኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11044

Posted by on Jun 8 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net