ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፈርት

22.09.2009

 

እቲ ብሓባር ኣብ መላእ ዓለም ክካየድ ተምዲቡ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት በቲ ተምዲብዎ  ዝነበረ ዕለት  ማለት 18.09.2007  ተኻይዱ። ብኹሉ ድማ መግለጺታቱ ዕዉት ምንባሩ ተሓቢሩ። እታ ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ብኹሉ መዳይ መደባ ኣዋዲዳ ትቀራረብ እኳ እንተ ነበረት እቲ ዝቐርብ ዝነበረ መግለጺታትን ሓባሪ ስእልን ናይቲ ዛጊድ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት ብፍላይ ኣብ ሃገር ሽወድን ገለ ሓበሬታ ስለ ዝሃበና ድማ መልክዕን ቅርጽን ናይቲ  ብዕለት 22.09.2007  ዝካየድ  ሰላማዊ ሰልፊ ኣቐዲማ እታ ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ነቲ ሓርፋፍ ገምጋም ክህልዋን ነቲ ዛጊድ ተሊማቶ  ዘላ መደባት  ኣብ  ንጹር ከተቐምጥን ዕለት 20.09.2007 ተኣከበት። እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤውሮጳ ዝተኻየደ ሰልፊ እውን ብዙሕ ጦብላሕታት ኢዩ ወፍዩላ።

ከምቲ ዝተሓንጸጸ ነቶም ተሳተፍቲ ሰዓት 10.00 ቅድሚ ቀትሪ ብኹሉ መሐበሪ ተዋሂቡ ስለ ዝነበረ እቶም ተሳተፍቲ ግን ብኹሉ መዳያት ነፍስ-ወከፍ መደባት ከመዓራርዩ ስለ ዝጸንሑ ካብቲ መጸዋዕታ ሰዓት ነቲ መራኸቢ ቦታ ከዕለቅልቕዎ ተራእዮም። ኣብ ሰዓትና ከም ንጅምር እውን ተረዳእና። እቲ ነታ ካብ ሲቭካውያን ማሕበራትን ደንበ ተቓወምቲ ውድባትን ዝቖመት ኣዋሃሃዲት  ሽማግለ  ንኹሉ መደባታ ሰሪዓ ክትጓዓዝ’ውን ቀሊል ሕቶ ኣይነበረን። እቲ ናይ  ተሳተፍቲ  ቁጽሪ  ካብቲ ዝገመትናዮ ኣዝዩ ከም ዝዓቢ ክርድኣና ክኢሉ። ስለ’ዚ ካብ ጸጥታ ጀሚሩ ክሳብ ኣሰራርዓ ምስቶም ናይ ጀርመን ፖሊስ ዝጠለብ ክወሃሃድ ከም ዘለዎ ኣመትና።

ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ዕለት 18.09.2007 ናብ ቀዳም ዕለት 22.09.2007 ኪመሓላለፍ ዝተገብረ ክልተ ዓበይቲ ምኽንያታት ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ ዝነበረ። ብመጀርያ ድማ እታ ቀዳመይቲ ዕለት ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ትውዕል ስለ ዘላ ንተሳተፍቲ ኣብ ክሳተፍሉ ዝኽእልሉ ዕለት እንተተፈጸመ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ገምጊምና። ካልእ እውን ቀንዲ መገበሪና ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንገብረሉ ቦታ ምስ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ጀርመን ኮነ ካብ ሃልኦት ሃገራት ዝመጹ ቱሪስት ብሓባር መረዳእታን ኩነታት ሃገርና ከም መግለጺ ንምቕራብ እቲ ካልእ ሰላማዊ ሰልፊ ገርካ ምቕራብ ኣድማዒ ኢዩ ስለ ዝበልና ኢና መደብና ናብ ዕለት 22.09.2007 ምቕያር ተሰማሚዕና።

ሰለስተ  መዓልታት ቅድሚ  እቲ  ሰላማዊ  ሰልፊ  ዝተኻየደሉ  ዕለት ሕጊ-ግደፍ ከም መርዓድን ዓንቃፍን ውጥን ተባሂሉ ሓደ ጽሑፍ ናብቶም ምስ ኮምፕዩተር  ርክብ ዘይብሎም ኣባላቱ ክብትኑ ቀንዮም። ኣብ ጽሕፎም ገለ ግብረ መልሲ ክወስዱ ጠለባት ኣንቢሮም። ነዚ ኮነ ወይ ካልእ ሸርሖም ኣብ ግምት ኣእቲና ኢና ተበጊስና።

ቅድሚ ምብጋስና  ምስቲ  ምምጻእ ናይ ተሳተፍቲ ካብ ካልኦት ከተማታት ማለት ካብ ሽቱትጋርት  ከለን  ካስል  ማንይም  ሃይደልበርግ  ብዋሕዚ  ብመጠኑ ካብ ዝተፈላለየ ገጠራት ቅድሚ እቲ ዝተሓሰበ እዋን ተዛዚሙ ተወድአ። ኩለን ተቓወምቲ ውድባት ሲቪካውያን ማሕበራትን እውን መሳለጥያ ሰላማዊ ሰልፈን ታበላታተን ሒዘን ቀሪበን ተዳለዋ። ካብቲ ተጸበናዮ ንላዕሊ መጉልሕ ድምጽታት እውን ቀረባ። ምስ ፖሊስ መንግስቲ ጀርመን ድሕሪ ምዝርራብ ድማ ግዕዞና ናብቲ ዕሙር ህዝቢ ዝርከበሉ ከባቢ ሮመር (RÖMER) ተጀመረ። ክንብገስ ከለና ብዕድመ  ዝሸምገላን  ዝሸምገሉን  ከምኡውን  ኣደታት ኣብ መንኮርኮር ቆልዑ  ዝተወጥሑ  ሒዘን  ስለ ዝነበረ ስክፍታታት  እውን ነበረና። ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ተሳታፊ  ቁጽሪ  ክውስኽን  ክብ ክብልን ጽቡቕ ትምኒት ይንበረና እንበር ካብቲ ናይ ቀደም ዝነበረ ኣሃዝ ብክግመት ዘይክእል ክዓቢ ምስ ተመልከትና ንኹሉ ሞራልና ኣዝዩ ክብ በለ። ልዕሊ ካልኦት እውን ሓለፋ ክግበረለን ኣይደለያን ጥራይ ዘይኮነስ  ኣበርክቶአን  በዳህን ህጡርን ነበረ። ቁጽረን ድማ ካብቲ ካልእ ጾታ እንተ ወሓደ 50% ይኸውን ወይ ይበዝሕ። እቲ እንጎዓዘሉ ሰዓት መስርሕን ክእቶ ስለ ዝነበረን ዝኣኸለን እቲ ህዝቢ  ተሰሪዑ ክኸይድ ተበገስ  ካብ ካይዘር  ሽርታሰ ጀመረ። ንጎዓዘለን ጎደናታት  ከም ካይዘር-ሽትራሰ፣ ቫይስ-ፍራወን-ሽትራሰ፣ ቪሊብራንት-ብራንት ፕላትዝ፣ በትማን ሽትራሰ (Kaiserstr., Weisfrauen Str., Willy Brandt Platz, Bettmann Str., Römerplatz)  ኣብቲ ዋና ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ፍራንክፈርት ዝርከቦ ሮመር  ፕላትስ ዝበሃል ቦታ ምስ  በጻሕና ድማ ብክቢ ተሰሪዕና መበገሲ ናይቲ ዘግበረና መግለጽን መደረታትን ንምስማዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብ እቲ ጎደናታት እዘን ዝስዕባ ጭርሖታት ብመጉልሕ ድምጺ ኮነ ብድምጺ ነፍስ-ወከፍ ኣስማዕና።

ብቋንቋታት ትግርኛን ጀርመን ከምዚ ዝስዕብ ነበረ፣-

፥    ሽዱሽተ ዓመታት ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ኢሰባሰን ዝተኣስሩ ይፈትሑ።

፥    ጋዝጠኛታትና፣ ናይ ሃይማኖት መራሕትና፣ ዝተኣስሩ ወለድን መንእሰያትን ብዘይ ቅድመ ኩነት ይፈትሑ።

፥    ፍትሕን ሕግን ዝዓሰላ ኤርትራ ኢያ ኤርትራና ንብላ።

፥    ህዝብና ሰላም እንበር ናይ ውግእ ባህጊ የብሉን።

፥    ሽግር ዶብና ብቕልጡፍ ሰላማዊ መዕለቢ ይገበረሉ።

፥    ቅድሚ ልዑላውነት መሬት ልዑላውነት ህዝቢ ይኽበር።

፥    ተቓውምቲ ውድባት ኣብ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክጥርነፋ እዋኑ ሕጂ ኢዩ።

ዝብል ጭርሖን ሳምዕን ኢዩ ዝጭራሕ ዝነበር። ኣብቲ ሮመር ዝበሃል ቦታ ምስ በጻሕና ድሕሪ ነቲ ሰለዳታት ናይቶም እሱራትን ኣብ ቀይዲ ዘለዉን ዝሓዘለ ታበላታት ገጉቡእ ቦታት ምስሓዘ ምስቲ ጭርሖታት ዝተጻሕፎ ነዋሕቲ ዕላማታት ንመደረን ተራ ተዋህበ።

እቶም መደርቲ ድማ በብታራ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብምምጓስ ነቶም ኣወሃሃድቲ ሽማ

ግለ ምስጋናን ናእዳን በብታራ ኣቕረቡ፤ ቃልስና ክድንፍዕን ክዓብን ኣብ ገዛ ትምኒትን ሃረርታን ጥራይ ዘይኮነስ ብውዕዉዕ ተሳታፍነትን ስንና ነኺስና ክሳብ ነዚ ዘሎ መዕነዊ ሕጊ-ግደፍ ከይሰልከና ኢደይ ኢድካ ኢልና ኪኖ ሓጹር ክንድርብዮ ኢዮም ዝገለጹ።

1        ካብ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣቶ ንጉሰ ጸጋይ

2        ካብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኣቶ ዓብደልዓዚ ሳልሕ

3        ካብ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣቶ ባህታ ሃይለማርያ

4        ካብ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄር (ብራሽ)

5        ካብ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣቶ ተስፋይ ተኽለ

6        ኣባል ሰልፊ ናህዳ

7        ካብ ስዊድን ዝመጸ መንእሰይ ከሰተ ሰመረ

8        ካብ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቐሺ ኣብርሃም

9        ካብ ሲቪክ ማሕበራት ኣብ ጀርመን ተስፉ ዘውደ

ኩሎም ጽቡቕን መዓድን መስመርን ኣኻኻብን መደርኦም ኣስምዑ። እቲ ብወገን ሕጊ-ግደፍ ክካየድ ዝተቐረበ ጸይቀ-ግኑን ኣመልን ተግባርን እውን ብኣዝዩ ንኡስ ማለት ብሰለስተ (3) ሃሱሳት ስእልታት ስኢሎም ከቕርቡ ተዳልዮም ነይሮም። ኣብ ገለ እዋን እውን እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ልዕሊኦም ኣብ መቕርቦምን ግፍዒ ዝተፈጸሞም ርስን ዝበለ ግብረ-መልሲ ክህቡሉ ፈቲኖም ግን በቲ ካብ ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ዝተዋህቦም መእለይን ማዕዳን ክእለ ተኻኢሉ። ኩሉ ፈተነታቶም ድማ ጠርባሽን ድኹምን ሙዃኑ ተራእዩ። እዚ ቅድሚ ምእላዮምን ምውዳቖም ዝመጽእ ምልክት ከም ዝኾነ ብሩህ ነይሩ። ምስቲ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሕቶታትና በቶም ናይ ቤተ-ክርስትያን ዝኾኑ ኣቦና ዝቐረበናን ዝተዋህበናን ማዕዳ ንኹላህና ኣመንቲ ኣላህን እግዚኣብሄርን መሳጢ ብምንባሩ ካህናትና መሻይኽና ኣብ ጎኒ ህዝቦም ከበርክትዎ ዝኽእሉ ዓቢ እጃም ከም ዘሎ ተዓዘብና። ኣብዚ ናይቲ ዝተኻየድ ኩሉ ስእላዊ መግላጺ ድማ ብሰፊሑ ከም ዝቐርብ ንሕብር። ቁጽሪ ተሳተፍቲ ኣዝዩ ዓብን ብርኩትን ካብ ምባል ሓሊፍና ኣብቲ ዝወጽእ ስእልታት ተራእዩ ነፍስ ወከፍ ናቱ ግምታት ክህበሉ ይኽእል።

ኣብ ምውዳእ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ኣቐዲምና ነዘን ዝስዕባ ናይ መንግስቲ ጀርመን ኣካላት ሰላማዊ ሰልፊ ንክንገብር ዝደረኸና ምኽንያትን እነቕርቦ ጠለባትን ዘቕረብናዮ ጽሑፋት ዘተዋህበና ዘሐጉስ ምላሽ ተነበ። እተን ትካላት መንግስቲ እዘን ዝስዕባ ኢየን፡-

1 Bundesministerium für Wirtschaftliche Zusammenarbeit und Entwicklung

  ሚኒስተር ቁጠባ ኮነ ንዝምዕብላ ሃገራት ተራድኦን ሓገዝ ዘበርክት ክፍሊ።

2   Abgeornetenahaus von Berlin ናይ ሃገረ ጀርመን ባይቶ ኣብ በርሊን

3   Auswärtiges Amt ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ጀርመን

4   Beauftragter Ost / Horn von Afrika ክፍሊ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን

5   Beautragter Menschenrechte ቤት ጽሕፈት ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል

6   Deutsche Bundestag ናይ ህዝቢ ጀርመን ፓርላመንት።

እቲ ዝተዋህበ ምላሽ ድማ ንሰላማዊ ሰልፍና ዕዉት ክኸውን ኣብ ልዕሊኡ ድማ እተን ዝምልከተን ትካላት ንጠለብና ተመልኪተን ብወገነን ክካየድ ዝኽእል ኩሉ ዝኣኽለን ከም ዘካይዳ ገሊጸን።

ንተዛረብቲ ቋንቋ  ብጀርመን ምስ ተነበ ናብ ቀጻሊ ጉዕዘና ገጽና መረሽና። ከምቲ ኣበጋግሳና ድማ ብጽብቕ ኣንዳመረሸና መልእኽትና ዛዘምና። ድሕሪ ብዙሕ ናይ ሓባር ስእልታት ምስ ጽቡቕ ድልየትን ንክንዕወት ትምኒትን ቀጻሊ ቃልስና ከነበርክት ለበዋ ብምቕባል ዛዘምናዮ። መደምደምታ ሰላማዊ ሰልፍና ዕዉትን ኣወንታዊ ከም ዝነበረ ንገልጽ።

ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀርመን።

ፍራንክፈርት 22.09.2009

 

 

ሰላማዊ ሰልፊ ዘዳለዋ

 

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ (Eritrean People´s Movement)       

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ     (Eritrean National Salvation Front)      

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (Eritrean Peoples Democratic Front        

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ   (Eritrean liberation Front)         

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ – ሰ.ባ.(Eritrean liberation Front RC)

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ  (Eritrean Democratic Party)

ስኒት ሰላም ፍራንክፈርት ጀርመን (Senit Selam Frankfurt)

ኤርትራዊ ማሕበር ንሰላም ሽቱትጋርት ባ.ቩ.(Eritrean Civil Society for peace Stuttgart BW)

ኤርትራዊ ማሕበር ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ሽ.ባ.ቩ.(Eeritran Civil Society for Human rights Stuttgart BW)

መቓልሕ-ኤሪትራ.ኦርግ  (Mekaleh-Eritra.Org)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1105

Posted by on Sep 22 2007 Filed under Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net