ሃገራዊ ጻዊዒት ንኹሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ ካብ ሽማግሌ ሰላማዊ ሰልፊ 22 ሰኔ 2018 ኣብ ጀኔቫ

DEMONSTRATION 22 JUNE 2018 GENEVA

 

ኲነታት ሃገርና ንኣኹም/ኽን ዜጋታት ኤርትራ ምግላጽ ንዝቀበረ ምርዳእ’ዩ። ሃገርና ካብ ኩሉ ግዜ ንላዕሊ ብቑዋም ዝመራሕ መንግስቲ ቀዳማይ ጠለባ ኮይኑ ኣሎ። ህዝብና ከኣ ይኣክል ኣብ ሃገርና ካልእይ ዜጋ ኮንካ ምንባር ዪብል ኣሎ። ህግደፍ ካብ ቓላቱን ካብ ጽሑፋቱን ን27 ዓመት ነዛ ሃገር ነባሪ ዝኾነ ስራሕ ከም ዘይሰርሔ ኣረጋግጺልና’ዩ። ብሕግን ብዲሞክራስን ነዛ ሃገር ክመርሓ ሓሳብ ከም ዘይብሉ’ውን ኣብ ቅድሜና ደርጉሕዎ’ዩ። እንተኾነ ጉዳይ ዶብ ንብዛሓት ሚኽኒት ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ።  ነቲ ሕቶ ነቲ ንዝምልከቶ ኣካል ገዲፍና ንሕና ከም ደቂ ሃገር ብሓባር ሕጊ እንበር ሰብ ክመርሓና ኣይንደልን ክንብል ግቡእና’ዩ። ነዚ ኣመልኪትናን ናይ ጽባሕ ጉዕዞና ብስምረት ክነጻፍፍን ዝጽበየና ናይ ገዛና ዕዮ’ዩ።

ብዘይ ቅድመ ኲነት እሱራት ፖሎቲካን ሕልናን ዪፈትሑ

ስርዓት ህግደፍ ጠፊሹ’ዩ ስልጣን ንህዝቢ የረክብ፣ ሕጊ ይምራሓና

ህዝቢ ኤርትራ ህጹጽ ጉባኤ ጸዊዑ መንግስቲ ክምስርት ዪለዓል

ኽቡራት ናይ እምነታትና መራሕቲ ከም’ቲ ቅዱስ መጽሓፋትና ዝእዝዘና፣ ኹልኹም ኣቡናትን መፍትታትን ኣቕሽሽትን ፈለስት ሸኻትን ሊቓዉንትን ነዚ ሰላምዊ ሰልፊ ከፋቲ ፍቕርን ዘተን ክኸዉን ክትባርኹዎን ክትመርሕዎ ሓደራ ንብል።

ኽቡራት ሙሁራት ኤርትራዉያን ንሃገርኩም ቐንዴል ኮንኩም ኣብ ጸልማት ክተብርሁ ብጸሎትን ብምርቓን ህዝብና ኣብ ጎንኹም ኮይኑዶ ኣይኮንኩምን ፍልጠት ዝቀሰምኩም እሞ ንሎሚ ዘይከዉን ብርሃንከ ንመኣስ ክኾና እሞ ነዛ መዓልቲ እንዶ መበገሲት ግበርዋ፣ ነዚ ህዝቢ ኣሎናልካንዶ በልዎ እናበልና ንሕብረኩም እንበር ነርዳኣክም የብልናን እናበልና ተራኹም ብዊሽጥን ብደገን ሕ/መንግስታት ክዓዝዝ ብተስፋ ንጽበየኩም።

ኽቡራት ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ደቕና፣ ኣሓትና፣ ኣዴታትና፣ ሂወትና እዚ ዘሎ ስርዓት ልዕሊ ኹሉ ንኣኽን ከም ዘብከየን ዘሕዘነን ከም ዝጨቆነን ንትፈልጥኦ ክደግመልክን ኣይግባእን እሞ ነዛ መዓልቲ 22 ሰኔ ናይ መጻኢና ጩራ ብርሃን ክትከዉን ብእልልታን ብኮቦሮን ክተማዕርግኣ ‘’ንርስቲ ትሞተላ ሰበይቲ’’ ኢልኪን ክትከታ ሓደራ ንብለክን።

ኽቡራት ደቕና መናእሰይ ጸውርቲ ሃገር ናይ ጽባሕ መራሕትና፣ ንግዜኹም እዚ ስርዓት ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝቆርመሞን ንስደትን ንውርደትን ከኣ ከም ዝደፍኣኩም ነጋሪ ዘድየኩም ኣይኮነን፣ ሃገርኩም ባህራዊ ሃብትን ናይ ሰብ ትግሃትን ዝጎድላ የብላን እንተኾነ ነዚ ኹሉ ጸጋታት ስርዓት ህግደፍ ኣምኪንዎ’ዩ። ኣብ ስደት ቁራስ እንጀራ ክትረኽቡ ትኽእሉ ክብሪ ግን ካብ ሃገርኩም ሓሊፋ ዝህበኩም የሎን። ነዛ መዓልቲ  ሓድነትኩም ኣትሪርኩም ንመጻኢ ዕድልኩም ድማ እምኒ ዂርናዕ ተንቡሩላ ዕለት ክትገብርዋ ዕድሜና ትጽበዩ ኣይንብልን።

ኣብ ቐረባን ሩሕቕን ትነብር ብሓፈሻ ህዝብና ከምኡ’ውን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ኣብቒዑ’ዩ። ከይተዋረደ  ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ’ዩ። ነዚ ክበቅዕ ልቢ ክግበር ንምኔ። ሃገራዊ ድሕነትና ኣብ ምክብባርን ኣብ ምፍቕቓርን ኣብ ሓድነት ኩሉ ህዝብናን መሰረት ዝገበረ ሙዃኑ ኣይንዘንግዕ። ንጽባሕና ሎሚ ክንስርሓላን ሎሚ ክንርእያን እዚ ጭዋ ህዝቢ ካብ ጭዋ ባህሉ ከይፈልዎ ዓበይትን መንእሰያት ልቢ ንግበር። ብዝተረፈ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ኩሉ ሽግራና ቀዳማይ ማዕጾ ከፋቲ’ዩ። ብጸሎትን ብጾምን ብገንዘብን ብርእይቶን ክትድግፍዎ ሓደራ ንብል። ከም’ዚ ዓይነት ብዓለም ሓቐፍ ዝግብር ሰላማዊ ሰልፊ ብሽምግሌ ሰላምዊ ሰልፊ በይና ክትዓሞ ክትስርሖን ስለ ዘይካኣል ካብ ዕለት ዝተበገስናሉ ክሳብ መጠረሽታ ልዕሌና ዝሰርሑን ዝዓሙን ቀዲምና እናመጎስና ብፍላይ ዌባትን ሬድዮን ቲቪን ፓል ቶካትን FBን ብዉልቐቂ ይኹን ብውዱባትን ናይ እምነት ትካላትን ዝዉነና ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ቐዳምነታትኩም ቐዳምነት ሂብኩም ትስርሑ ዘሎኹም እናመስገና እቶም ድሒርኩም ዝሰማዕኩም ድማ ዪቕሬታ እናሓተትና ጉዳይ ኩልና ስለ ዝኾነ ምርብራብ ክትጅምሩ ሓደራ ንብል። ሃየ ነዛ መዓልቲ ኩልና ንዕጠቐላ። ክተዋዕዉዕዎን እቲ ዝመጽእ ከኣ ብስነስርዓት ክካፈልን ኣብ ቦታ ቅድሚ ሰብ መጺእኩም ክትቀርጹን ሓደራ ንብል።

ኣብ መጠረሽታ ኣብ ጀኔቫ ብሰላም የራኽበና እናበልና ሽማግሌ ካብ ናይ ቐደም ተሞኩሮ ተበጊሳ ብዘይካ ማይ ዝብላዕን ሳልን ክትቅርብ ኣይኮነትን። ሰላማዊ ሰልፊ’ውን ብእጊር ዝኽየድ የብሉን። ገንዘብ ኣዋጽኡ ንብል ዘሎና ኣብ ስዊስ ካብ 18 ንታሕቲ ዝዕድሜኦም መናእሰይ ብዘይ ናይ ጅባ ኣብ ማዓሳክር ንዘለዉ መጎዓዓዝን ንማክሪፎንን ንስታንድን ንማይ’ዩ። ዝተረፈ እንተሎ ከኣ ተመላሲ ኮይኑ ንዕላማን ንዘተን ክኸዉን ከም ዝኾነ ቓል ንኣትወልኩም።

ብደሓን ምጹ።

 

ሽማግሌ ሰላማዊ ሰልፊ 22 ሰኔ 2018 ጀኔቫ/ Thursday, 7 June, 2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11057

Posted by on Jun 19 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net