ብጎይትኦም ኩፍሎም ዝቅረበ ቓል፣ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጅኔብ፣ ናይ 22 ሰኔ 2018ዓም

ኽቡራትን ክቡራንን ካብ ቀረባን ሩሑቕን ንስለ መሰለኩምን ስለ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብኹም ድኻምኩምን ግዜኹምን ገንዘብኩምን ኣጥፊእኩም ዝመጻኩም፣

ኽቡራትን ክቡራንን ብሚኽንያት ጥዕናን ስራሕን ክትካፈሉ ዘይከኣልኩም እንተኾነ ብገንዘብን ብሓሳብን ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ክዉን ክኸውን ዝሓገዝኩም፣

ኽቡራትን ክቡራንን ነዚ መደብ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ 22 ሰኔ 2018ዓም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ትሪኡን ትሰምዑን፣

ኽቡራትን ክቡራንን ሓለፍቲ ናይ እምነት፣

ብድጋሜ ኽቡራትን ክቡራንን፣ ሓለፍትን ኣባላትን ማሕበራዊ ጥርናፍየታት፣ ኽቡራትን ክቡራንን ሓለፍትን ኣባላትን ፖልቲካዊ ሕያልታት፣ ከምኡ’ውን ብዉልቒ ኣባላት ቀጽሪ ፍትሕን ሰላምን ዲሞክራስን፣ እንቛዕ ብሰላም መጻእኩም እናበልኩ ብስም እዛ ነዚ መደብ ዘዳለውት ሽማግሌ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ክህብ ፍቐዱለይ።

ብቕዳምነት ነዚ መደብ ዘንቀሉን ክዉን ክኸዉን ለይትን መዓልትን ዝተቓለሱ ግዱሳት ኣሓትን ኣሕዋትን ካብ ስዊስን ካብ ስዊድንን’ዩም እሞ ብስም ኩሉ ደላይ ፍትሒ ከምስግኖም እፈቱ። ከምኡ’ውን ነዚ ሓሳብ ምስ ሰምዑ ብርእይቶን ብገንዘብን ብጉልበትን ብሞራል ዝሓገዙ ዕዙዝ ምስጋና ይብጻሕኩም።

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንሰለስተ ቀንዲ እዋናዊ ጉዳይ’ዩ ዝተበገሰ’ዩ፣

  1. ‘’ኣበይኣሎሓዉኻ’’ ዝብልሞራላዊትምህርቲተመርኩስናኣብሃገርናፍትሕንዕርቕንዪምጻእ፣ናይሕልናንፕሎቲካንእሱራትብዘይቅድመኲነትይፈትሑክንብል’ዩ።
  2. ካልኣይመንግስቲህግደፍን27ዓመታትስልጣንመንግስቲብሓይሊሒዙነዛሃገርንጥፍኣታየምርሓስለዘሎይኣክልመንግስቲህግደፍካብስልጣንልቐቅነቲዋንኡህዝቢከኣኣስረክብክንብል’ዩ።
  3. ሳልሳይህዝቢኤርትራብሃሱሳትህግደፋዉያንብዝዝርጋሕፕሮፓጋንዳጽልእንቅርሕንትንከይተዓሻሸወኩሉኣብስደትዝነብርወላናይርእይቶፍልልይእንተሎዎሓዉኻንሓብትኻን’ዩ’ሞካብ’ዚናይጥፍእትሂወትክትወጽእብፍቕርንብክብርንተሓቛቑፍካስራሕ። ንጉዳይካ ካልእ ዝገብረልካ የሎን ስለ’ዚ ሃገራዊ ባይቶ ጸዊዕካ ንፍልልያትካ ብዘተ ፈቲሕካ ንሃገርካ ‘’ኣሎኹላበል’’ ክንብልን’ዩ፣
  4. ከምኡ’ውንኣብ’ዚወርሒ’ዚኣብ’ዚ ትርእዩዎፖላሶንመሰልሰብዝጣበቕናይሕቡራትመንግስታትትካልመበል 38 ጉባኤይገርብርኣሎ። እዚ ጉባኤኛ ንሕቶህዝብናካብነዊሕግዜ ኣቕላቦሂቡክሰርሓሉ ጸኒሑ። ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰት ከም ዘሎ ኣሚኑ ከኣ ብብወ/ሮሸይልብከይታሩስትምራሕፈታሺትንተጽዕኖፈጣሪትንሓንቲሽማግሌኣቑሙክሰርሓሉጸኒሑ።ክሳብ’ጂግንግህሰትሰብእዊመሰላትኣብኤርትራደዉስለ ዘይበለነዚኣመልኪትናነቶምኣኸበኛታትሽግርናንምግላጽንክሳብሙሉእፍትሒኣብኤርትራዝነግስኣብጎኒህዝቢኤርትራደዉክብሉንምጽዋዕንእታሽማግሌስራሓክትቅጽልድገፍናንምሃብንነዚሰላማዊሰልፊንገብርኣሎና።

ነዚ ቕኑዕን ሓቐኛን ሕቶ ህዝብና ደዉ ዝበልኩም፣ ኽቡራትን ክቡራንን፣

በቲ ባህሊ ህግደፍ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ነጻነት እዚ ወርሒ እዚ ድማ ናይ ሰማእታት ወርሒ ስለ ዝተባህለ ኩሉ ህዝብና ኣብ ዉሽጢ ይኹን ኣብ ስደት ዝነብር ብድልየቱ ይኹን ተገዲዱ ነዘን ኽልተ ኣዋርሕ የብዕለን’ዩ። ንሕና’ውን ምስ ኩሉ ሕቶታትናን ምስ ኩሉ ቁስልታትናን ነብዕሎ ኣሎና። ብፍላይ ናይ ሰማእታት ወርሒ ሰኔ ክንብል ከሎና ሕድሪ ሱዉኣትና ከይኸበረን ከይተተግበረን ንሰማእታትና ክንዝክር ከሎና ክልተ ዝተፈላለየ ስሚዕታት ከም ዝጸዓነና ርዱእ’ዩ። እንተኾነ ክሳብ ሙሉእ ሓርነት ንጎናጸፍን ድሕሪ ሓርነትን  ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት ዘይኮነ መዓልታዊ ክንዝክሮም ዪግባእ። ሚኽያቱ ንሕና ብኽብሪ ከነብር ንሶም ምእንታና ዝሞቱ ብሙዃኖም መንፈሶም ክንደክም የሕዪለና ተስፋ ክንቆርጽ ከሎና ኣብ ዉሽጥና ኮይኖም ንልብና ብተስፋ ስለ ዝመልእዎ፣ ንሃገራዊ ስራሓትና ክንስርሕ ከሎና ከኣ ክንዲ ንጥቅምናን ንውገናን ከይነዉዕሎ ንሕልናና ዝቕንጥዉን ስለ ዝኾኑ’ዩ። ስለ’ዚ ሰማእታትና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ዪበሩ፣ ከም ጽላሎትና ከኣ ኣይፈለዩና። ዝኽሮም ከኣ ብሕድሪ ዝገደፉልና ክንዝክሮም ቓል ንእቶ።

ኽቡራትን ክቡራንን፣

እዚ ናትና ተረኽቦ መርገምን ኩፉ ዕድልን ኮዩኑ ዝስማዓና ንበዝሕ ኣሎና። ክሳብ ንቓልሲ ቶባ ክንብል ዝፈታትነና ሕማቕ ባህሊ ኣብ ዉሽጢ ደንበ ቓልሲ የንጸላሉ ኣሎ። እዚ ግን ህግደፋዉያን መታን እቲ ቓልሲ ከይዕንብብ እሞ ንመንግስቲ ንህዝቢ ከየስረክቡ ብዙሕ እንተታት ንደንበ ፍትሒ ጠቐር ከም ዘልብስዎ ልቢ ገርና ንንቓሓሉ። ንኣብነት ‘’ውድባት በዚሔን’’ ተኣኪብኩምን ሰላማዊ ሰልፊ ጌርኩምን እንታይ ኣፍሪኹም’’ ‘’ብኣዉራጃን ዓሌትን ተፈላሊኹም’’ ‘’ናይ ወያኔ ዓሳኽር’’ ይብሉና። እዚ ነቲ ገርህን ንቅሓት ዝጎደሎን ሓቂ ዪመስሎ። እንተኾነ ሓቂ የብሉን። ሰብ’ና። ክንበኣስን ክንዕረቕን ክንፈላለን ክንሰምርን  ክንደክምን ክንብርትዕን ባህርያዊ’ዩ። ባህርያዉን ሰብኣዉን ዘይኮነ ተገዚእካን ባርያ ሓደ ሰብ ኮንካ ምንባር’ዩ። ኽቡራት ደለይቲ ፍትሒ ንጽናዕ። ጸኒዕና እንተተቓሊስና ክንዕወት’ና ንሕና እንተዘይዛዘምናዮ ከኣ ንደቕን ናይ ሓርበኛ ባህሊ ነውርሶም። እዘን ሎሚ ንኣና ጽላል ኮይነናና ዘለዋ ሃገራት ካብ’ዚ ናትና ዝገድድ ነዊሕ ቓልሲ ኣካይደን’የን ሰላምን ዲሞክራስን ረኺበን ዘለዋ። ሳላ እቲ ጸኒዑ ዝቓለሰ ህዝበን ሰላምን ፍትሕን ኣብ ሃገረን ከይተሸረፍ ከይተሰርቐ ዪነብር።  ቐጻሊ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብራ ንርእየን ኣሎና ነዚ ጽቡቕ ባህሊ ንመሀሮን ንልመዶ ንረብሓና ንሎምን ጽባሕን ንጠቐመሉ።

ንሕና እቲ ስደትሲ ከድና ዮ ዘይኮነ መጺኢና ንበል፣ ኣብ ናይ ስደት ሂወት  ብድልየትና ክነብር ግን ኣይግባእን። ሚኽንይታኡ ውርደትን ሕሰረትንስለ ዝኾነ። ክብርናን ሓጎስናን ኣብ’ታ መደሓንቲ ኣቦታትና ዝተቀበረትላ ህዝገርና ኢና ንረክብ። ‘’ከልብን ስደተኛን ብድልየትና ነምጽኦም’ዮም’ ኣብ ዝኾነ ሰዓትን መዓልትን ክስጎም ከኣ መሰል ኣሎና’’ ዝብሉ ሰልፍታት የማን ኣብ ኤውሮጳ ይዕንባባ ኣለዋ። ኣብ’ቲ ንነብረሉ ሃገራት ከም ትዃን ክነብር ምስ ንፍትን ክፉእ መዓልቲ ክመጽጽእ ሙዃኑ ተረዲእና ምስ ጎረባብትና ዲሞክራሲ ንነብረለን ከይጭወ ንቓለስ ብዓቢኡ ከኣ ዕዮ ገዛና ንግበር። ካልእ ክእምተልኩም ዝደሊ ምስ’ቲ ዓቢይ ቀዳምይ ዕማም ናይ ሓርነት ክልተ ዓበይቲ ሽግራት  ዪመጽኡና ኣለዉ።

  1. ንስድተኛታትደቅናንኣሓትናንኣሕዋትናንካብ ዑቑባ ዝሓተትወን ሃገራት ንኽሰጉዎም ዪደናደኑ ኣለዉ።
  2. ኣብዶብዝነብርህዝብናካብዝነበሮዝኸፍኤኣብ ዘይደልዮ ዜግነት ከይእትዉዎንሰግእ ኣሎና።

ኽቡራትን ክቡራንን ኣሓት ኣሕዋት

ንሽግራትና ብዓወት ክንሰግሮም ‘’ኣነ እንታይ ግደይ’’ ወይ ‘’ኣነ እንታይ ገደሰኒ’’ ወይ ‘’ንኣይ እንቋዕ ጠዓመኒ’’ ዝብል ሕማቕ ባህልታት ብንቕሃት ንስዓሮም። ካብ ንኣይ ንህዝበይ ካብ በይነይ ምስ ኩሎም ደቂ ሃገራይ በሃልቲ ንኹን። ንሕብረትና ንቓለስ ንሓርነትና ንወፈ። ንፖሎቲካዉን ኮማዉን ጥርናፌታትና ተለመንቲ ኣይንኹን። እኳ ጉዳይና ስለ ዝኾነ ተዓድመቲ ዘይኮና ዓደምቲ ንዂን። ነንሕድሕድና ንጻውር ንተሓላለ። ንፍልልያትና ብትሕትና ነጽብቦም። ፍትሒ ክነንግስ ፍትሓውያን ንኹን። ብሓቂ ኣሓትን ኣሓዋትን ንኹን። ሕውነት ካብ ወርቅን ሉልን የበልጽ። እምኒ ኲርናዕ ሃገር፣  መሰረት ሰላምን ምዓባሌ፣ ሕዉነት’ዩ እሞ ንሕዉነትና ንሓልዋ። ኣመንቲ ህግደፍ’ውን ብፍላይ እቶም ኣብ ስደት ትነብሩ ልቢ ግበሩ። እቲ ምርጫ ዪጸብብ ኣሎ። ህዝብኹም ዶ ትመርጹ ኢሳይስ ዪኸዉን ኣሎ። ተመኽንዩሉ ግዜ ሓሊፉ’ዩ። እዚ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺቡ ዘሎ ሓዉኹም ሓብትኹም ዓዉ ኢሉ ናብ ህዝቡኹም ተመለሱ’ሉ ዪጽዋዓኩም ኣሎ። ጻዊዕትና ሰሚዕኩም ንፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊት ሃገር ክንሃንጽን ኣብ ጎንና ቁሙ።

ጽን ኢልኩም ንዝሰማዕኩምኒ እና ኣመስገንኩ፣ ካባይ ንላዕሊ ማዓርግን ዓቕምን ዘሎኩም ከሎኹም ምዝራበይ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ሙዃኑ ክትርዱኡለይ ብትሕትና ይሓትት፣ ደጊመ ነታ ሽማግሌ ነዚ መደብ ትመርሕ እናመስገንኩ፣  ጽንዓት ቓልሲ እናተተምኔኹልኩም ቓለይ ይዓጹ።

ዘለኣለማዊ ክብሪ ንናይ ቀደምን ሕጅን ሰማእታትና1111

ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ገይሩ ብሰላም ነናብ ቤት፣ ብሰላም ዪምለሰና።

ዓወት ንቀጽሪ ሓርነት!!!!

ሓዉኹም ጎይትኦም ኩፍሎም

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11069

Posted by on Jun 25 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net