ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፣ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ክፍታሕ ኣብ መስርሕ ሰላማዊ ዝርርብ ዘለዎ ርእይቶ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልቲኤን ጎራባብቲ ሃገራት ብባህሊ ብቛንቛ ብሃይማኖት ብወለዶን ጂኦ- ፖለቲካዊ ከባቢን ንዘመናት ምትእስሳራት ዝጸንሖ ህዝብታት ይኹኑ ደኣ እምበር በብግዚኡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ናይ ዝደየቡ ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ክጭቆኑ ድሕሪ ምጽንሕ ብዝተኻየደ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ክልቲኤን ሃገራት ብ1991 ሓራ ከምዝወጻ ዝዝከር እዩ።

ካብ’ዚ ኣትሒዘን ክልትኤን ሃገራት እፎይታ ረኽበን ኣብ ጎደና ሰላምን ደሞክራስን ምዕባለን ብሓባር ክምርሻን እናተሓጋገዛ ክዓብያን ዝነበረ ትጽቢታት ብ1998 ብጻሕታሪ ኩናት ስርዓት ህግደፍ ብምስምስ ዶብ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ገንዘባውን ክሳራታት ኣስዒቡ፡ ኣብ ምዕባልኤን ዝገደፎ በሰላ ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን።  ምስዚ ኩሉ ክሳራታት’ዚ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ዝሕሸ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለታት ክረጋገጹ ዝጸንሑ ኮይኖም ኣብታ ሰላምን ደሞክራስን ዝሓረማ ኤርትራ ግን ካብ ብጊሓቱ ካብ ናይ ድሕረትን ድኽነትን ታኼላ  ፍሕት ክትብል ዘይከኣለት፡ መለእ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰባ ኣብ ኲናትን ወረ ኲናትን ክጽመድን ብሓይሊ እናተገፈፈ ክዕስከርን፡ ኣብ ካምቦታት ጅሆ ክትሓዝን፡ እቲ ጸረ ህዝቢ ስርዓት እናሻዕ ከም ምኽንያት ዝጥቀመሉን ዝኽወለሉን እቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግጭት ፍታሕ ከይረኸበ ምጽንሑ’ዩ።

እዚ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ልዕሊ 100.000 ሽሕ ሂወት ሰብ ዝበልዐን ብኣማኢት ብአሽሓት ዝቑጸሩ ህዝብታት ዝተፋናቐሉሉን ዝሰንከሉሉን ኣዕናዊ ኲናት እዚ፡ ናብ’ዚ ደረጀ እዚ ከይበጽሐ እንከሎ እቲ ኲናት ምስ ተባረዐ ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ክፈታሕ ብውድብና ደግሓኤ ኣብቲ ግዜ’ቲ /ተ.ሓ.ኤ ማ/መሪሕነት/ ዝቐረበ እማመ፡ ቀጺሉ ብርዋንዳን ኣመሪካን ብተመሳሳሊ ዝቐረበ ጻዋዒት ስርዓት ህግደፍ በቲ ዝኣከቦ ሓይሊ ስራዊትን ኣጽዋርን ተመኪሑ ክቕብሎ ፍቃደኛ ስለ ዘይነበረ ከይተዓወተ ከም ዝተረፈ ዝዝከር ኢዩ። እነሆ ከኣ ሕጂ ድሕሪ 18 ዓመት ፈጻሚ ኣካል ኢህወደግ እቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ መዕለቢ ክረክብ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳኔ ኮምሽን ዶብን ብዘይቅድመ ኩነት ምሉእ ብምሉእ ተቐቢሉ ብዘይምምታእ ኣብ ተግባር ከውዕሎ ቅሩብ ምህላዉ ምግላጹ ኣብ ምፍታሕ እቲ ሽግር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ብምዃኑ ዝምጎስ እዩ።

ብሸነኽ ህግደፍ ውን እንተኾነ ብተማሳሳሊ ቅልጡፍ መልሲ ክህበሉ ትጽቢት ዝተገብረሉ እኳ እንተነበረ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ”ሰላም እንተተድልዩ ቅድም ካብቲ ዝሓዝኩሞ መሬትና ሰራዊትኩም ስሓቡ፡ ጉዳይ ዘተ ድሕሪኡ ዝርአ’ዩ ዝኸውን” ክብሎ ዝጸንሐ መርገጽ፡ ብአጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ንሰላማዊ ዝርርብ ድልው ምዃኑ ነዚ ብቐረባን ብዕምቆትን ንምክትታሉ ከኣ ሓደ ልኡኽ ንኣዲስ ኣበባ ክበግስ ምኻኑ ብወግዒ ምግላጹ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ መልሲ እዚ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድንጉዩ ዝተዋህበ መልሲ ይኹን ደኣ-እምበር ብዘይ ቅድመ ኩነት ንዘተ ቅሩብ ምዃኑ ምሕባሩን ልኡኽ ሰዲዱ ነቲ ዝጸንሐ ጎንጺ ብልዝብ ንምፍታሕ ቁርብነቱ ደጊሙ ምርግጋጹ መበገሲኡ ብዘየገድስ ብአውንታ ዝረአ ኢዩ።

እዚ ተበግሶ እዚ ነፍስ ወከፍ ሃገርን ስርዓትን ብቐዳምነት ካብ ውሽጣዊ ኩነታቱ ተበግሱ ዝበጽሖ መድምደምታ ይኹን ደኣ እምበር ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ናይ ሰላም ድሌታትን ናይ ዞባውን ዓለማውን ርእሰ-ሓይላን ሓይልታት ተራ’ውን ኣቃሊልካ ዘይረአ ምዃኑ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ሽግር እዚ ብሰላም ክፍታሕ እቲ ብደገ ዝግበር ጻዕርታት ዋላ’ኳ መምስ ዞባውን ዓለማውን ረብሓታቱ ኣተአሳሲሩ ዝርእዮ እንተኾነ፡ እቲ ዝምድናዊ ሰላም ንዝተወሰነ እዋናት ተጻብኦታት ንምቁራጽ ዝሕግዝ ክሳብ ዝኾነ ብዝኾነ ይምጻእ ብዘየገድስ ክታባባዕ ዘለዎ ስጉምቲ ኢዩ። መኽንያቱ ከኣ ካብ ሰላም ወጻኢ ዝኾነት ሃገር ደሞክራስን ቁጠባዊ ምዕባለን ከተራጋግጽ ስለ ዘይትኽእል፡ ብሰላም ተጉራቢትካ ተሓጋጊዝካን ናይ ምንባር ሕቶ ኣገዳሲ’ዩ።

ብርግጽ ካኣ ነዚ ዕድል’ዚ ብዝሐሸ ክጥቀመሉ ዝኽእል እቲ ዝምድናዊ ሰላም ረኺቡ ዘሎ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዳኣምበር፡ ውሽጣዊ ሰላም ተሓሪምዎ ዘሎ ህዝብታት ኤርትራስ ዋላ’ኳ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ጎንጺ ምንባሩ ሓደ ሽግሩ ይኹን ዳምበር ቀንዱ ሽግሩ ጉዳይ ዶብ ዘይኮነስ እቲ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ንጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓታቱ ክብል ኣብ ኩሉ ዓውደ መዳያት ዝጥቀመሎም መዕነውቲ ፖሊሲታቱ መሰረታዊ ሱር-ነቀል ፍታሕ ዘይምርካቡ እዩ ሽግሩ።

እዚ ዝምድናዊ ሰላም’ዚ፡ ዘላቒ ክኸውን ይኽእልዶ ዝብል ሕቶ ጸረ ህዝብን  ጸረ ደሞክራስን መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ዝሃለወ ሰላምን ደሞክራስን ቁጠባዊ ምዕባለን ከረጋገጽ ዘይክእል እኳ እንተኾነ እቶም ሕጂ ናብዚ ክበጽሕ ዝደፍእዎ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ረቛሒታትን ተጽዕኖታትን ህልዋት ክሳዕ ዝኾኑ ጥራሕ’ዩ ግድን ምስ ጎረባብቲ ህዝብታትን ስርዓታትን ንግዚኡ ተገዲዱ ብሰላም ክነብር ዝኽእል። ስለ ዝኾነ ካኣ ኣብ ውሽጣዊ ባህሪ ናይ’ቲ ስርዓት ለውጢ ክሳብ ዘይሃለወ እታ ትማሊ ኩናት ዝጻሕተረት ዓምጣሪ ትምክሕታዊ ባህሪኡ ክትህሉ ውሁብ’ዩ። ብመሰረቱ ግጭት ኤርትራ ኢትዮጵያን’ ውን እንተኾነ ማእከሉ ዶብ ዘይኮነስ ኣብዚ ዞባ’ዚ ቁጠባውን ፖለቲካዊውን ወተሃደራውን ልዕልነትካ ከተራጋግጽ ሃነፍ-ነፍ ዝበለትን ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለትን ትምክሕታዊ ባህሪ ስርዓት ህግደፍ ዝደፍኦ’ዩ። እዛ ናይ ሕጂ ናይ ሰላም መስርሕ ከኣ ነዚ ዝደፍኦ ተጽዕኖን ረብሓን እንተጎዲልዎ ሕጂ ውን እቲ ጸረ ሰላም ባህሪኡ ንህዝብታት ኤርትራ ኣብ ውሽጡ ከሳቕዮ ዝጸንሐን ዘሎን ንጎራባብቲ  ህዝብታትን ሃገራትን’ውን ዘላቒ ሰላም ንምርካብ ዘቕስን ክምዘይኮነ ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ ንብል።

ኣብ’ዚ ዞባ’ዚ ዘላቕን ዘተኣማምንን ሰላም ክራጋገጽ ዝካኣል፡ ቁልጡፍ ዝኾነ ፖለቲካውን ማሕበራዊ ቁጠባውን እናረጋገጸ ብማዕረ ክስጉም ዝኽእል፡ ነፍስ ወከፍ ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ስርዓተ ምሕደርኡ ዝተማልአ ናይ ደሞክራስን ፍትሕን ማዕርነትን ከራጋግጽ ዝኽእል ሓራ ሕብረተ ሰብ ኣብ ምህናጽ ዝራባረብ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ምስ ዝህልዎ‘ዩ ኩሎም ህዝብታት ካብቲ ሰላም ብምልአት ተጠቀምቲ ክኾኑ ዝኽእሉ። ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ወድዕነት እዚ ዝሕሸ ባይታ ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ግን ሕጂ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ዘይሃለወሉ ህዝቢ ብዘይ ሸለብ ገለብ ነጻ ኮይኑ ማሕበረ ቁጣባዊ ኩነታት ሃገሩ ክጥቀም ኣብ ዘይከኣለሉ ወቕቲ እቲ በዚ ሰላም’ዚ ኣቢሉ ክርከቡ ዝኽእሉ ውሱናት ዕድላት ምስ ጎራባብቲ ብውሕዱ’ውን እንተኾነ ክጥቀመሉ  ቃልስታት ምክያድ ከድልዮ እዩ።

እዛ ጸባብ ዕድል እዚኣ’ውን እንተኾነት ብስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ኣድልዎን ጭቆናን መሰናኽላንት ዘለዎ ስለ ዝኾነ ህዝብታት ኤርትራ ዘላቂ ሰላምን ምዕባለን ከራጋግጹ እቲ እንኮ ኣማራጺ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክተኽሉ ክቃለሱ ጥራሕ እዩ ዝህልዎም። ባህሪ ናይ’ዚ ስርዓት’ዚ ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ጻሕታሪ ኩናት ባህሪኡ ኣብ ዞባና ዘካየዶ ምትእትታዋት ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ግህሰትን ብሕቡራት መንግስታት ናይ ማዕቀብ ውሳነታት ክውሰደሉ ዝተገብረ።

እቲ ጭቡጥ ኩነታት ናይ ሃገርና እዚ ዝጥቀስ ዘሎ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ሕጂ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ፍታሕ ክረክብ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ሰላማዊ ልዝብ ዝህልወና ርእይቶ ከምዚ ዝስዕብ’ዩ።

  1. ክልቲኡ ስርዓታት ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ዝተበጽሐ ስምምዕ እቲ ናይ ዶብ ግጭት ብሰላም መዕለቢ ክረክብ ምጽዓር።
  2. እቲ ልዝብ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ማእከሉ ገይሩ ንዘላቒ ሰላምን ምዕባለን ክልቲኡ ህዝብታት ጥጡሕ ባይታ ብዝፈጥረሉ እቲ ልዝብ ክካየድ ምግባር።
  3. ሰላም ንምርካብ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ ርዱእ ብምውሳድ፡ እቲ ውሳኔታት መሰረት ዝገበረ ኣብ ዶብ ዝርከቡ ህዝብታት ብቐረባ ምትእስሳራት ዝጸንሖምን ዘለዎምን ካብዚ ውሳነ’ዚ ከጋጥምዎ ዝኽእሉ ጸገማት ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ብክልቲኡ ሸነኻት ምርድዳእ ዝፍጠረሉ ኩነታት ምምድማድ።
  4. እቲ ዝርርብ ብዝተፋላለዩ ባዕላውን ወድዓውን መኽንያታት ኣብ ዕጽው መንገዲ ከይበጽሕ፡ ኣብ’ቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ተመርኲስካ ኣብ ወሰንቲ ገዛእቲ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ እንተተብጺሑ፡ እቲ ዝምድናታት ናብ ንቡር መሊስካ እቶም ዝተረፉ ጉዳያት ብመስርሕ ክፍትሑ ምጽዓር።

ኣብ መደምደምታ ፈታዊ ሰላምን ደሞክራስን ሕብረተ ሰብ ዓለም ነዚ ናይ ሰላም ተበጉሶታት እዚ እናደገፈ ኣብ ሃገርና ይኹን ዞባና ዘተኣማምን ዘላቒ ሰላም ክራጋገጽ፡ ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን

ደሞክራስን ዝካየድ ዘሎ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ ደገፉ ከረጋግጽ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ደግሓኤ ጻዊዒቱ የቕርብ።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ!

ምሕዝነት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘላኣለም ይንበር!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/፡

ሓምለ 01/2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11083

Posted by on Jul 3 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net